Daniel (7/12)  

1. ንቤልሻጽር ንጉስ ባቢሎን ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመቱ፡ ዳንኤል ኣብ መደቀሲኡ ኸሎ፡ ሕልምን ራእያትን ርእሱን ረአየ። ሽዑ ነቲ ሕልሚ ጸሐፎ፡ ርእሰ ነገሩውን ኣዘንተውዎ።
2. ዳንኤል ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ለይቲ ብራእየይ ርኤኹ፡ እንሆ ኸአ፡ እቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ ኣብ ልዕሊ ዓብዩ ባሕሪ ይጋጨው ነበሩ።
3. ካብቲ ባሕሪ ድማ በበይኖም ዝዓይነቶም ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት ወጹ።
4. እቲ ቐዳማይ ነንበሳ ይመስል፡ ኣኽናፉ ንስሪ ድማ ነበሮ። ኣኽናፉ ኽሳዕ ዚምንቆሳ ኸአ ጠመትክዎ። ካብ ምድሪ ተንስኤ፡ ከም ሰብ ድማ በእጋሩ ደው በሉ፡ ልቢ ሰብውን ተዋህቦ።
5. እንሆ ድማ፡ ካልኣይ፡ ንድቢ ዚመስል ካልእ ኣራዊት። ንሱ ብጎድኑ ተንስኤ፡ ሰለስተ ዓጽሚ መሰንገለ ኣብ ኣፉ ኣብ መንጎ ኣስናኑ ነበረ፡ ተንስእ ኦ ብዙሕ ስጋ ብላዕ፡ ከአ በልዎ።
6. ድሕርዚ እንሆ፡ ካልእ ኣራዊት፡ ኣብ ጎድኑ ኣርባዕተ ኽንፊ ዑፍ ዝነበሮ ንነብሪ ዚመስል ጠመትኩ። እዚ ኣራዊት እዚ ኣርባዕተ ርእሲ ነበሮ፡ ግዝኣት ድማ ተዋህቦ።
7. ድሕርዚ ብራእይታ ለይቲ፡ እንሆ፡ መፍርህን መሰክሕቲ ኣዝዩ ብርቱዕን ዝኾነ ራብዓይ ኣራዊት ርኤኹ። ዓበይቲ ኣስናን ሓጺን ነበሮ፡ ይውሕጥን ይጥሕንን ነቲ ዝተረፈ ኸአ በእጋሩ ይረግጾን ነበረ። ካብቶም ቅድሚኡ ዝነብሩ ኹላቶም ኣራዊት በይኑ ዝዓይነቱ እዩ ዝነበረ፡ ዓሰርተ ኣቕርንቲውን ነበሮ።
8. ኣነ ነቶም ኣቕርንቲ ኤስተብህለሎም ነበርኩ፡ እንሆ ኸአ፡ ኣብ ማእከሎም ንእሽቶ ኻልእ ቀርኒ ወጸ፡ ካብቶም ቀዳሞት ኣቕርንቲ ድማ ሰለስተ ኣብ ቅድሚኡ ተመቆሱ። እንሆውን እዚ ቐርኒ እዚ ዓይኒ ሰብ ዚመስል ዓይንን ዓብዩ ነገር ዚዛረብ ኣፍን ነበሮ።
9. ኣነ ዝፋናት ክሳዕ ዚንብሮ እጥምት ነብርኩ፡ ሓደ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ ተቐመጠ። ክዳውንቱ ጻዕዳ ኸም በረድ፡ ጸጉሪ ርእሱ ኸኣአ ከም ጽሩይ ጸምሪ እዩ። ዝፋን ሃልሃልታ ሓዊ መንኮርኮሩ ድማ ጉሁር ሓዊ እዩ።
10. ውሒዝ ሓዊ ይውሕዝ፡ ካብ ቅድሚኡ ኸአ ይወጽእ ነበረ። ሽሕ ጊዜ ሽሕ የገልግልዎ፡ እልፊ ጊዜ እልፊ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ቕይሞም ነበሩ። ፍርዲ ኾነ፡ መጻሕፍቲውን ተገንጸለ።
11. ሽዑ ኣነ ብዛዕባ እቲ ቕርኒ እተዛረቦ ድምጺ ዓበይቲ ቓላት ጠመትኩ። እቲ ኣራዊት ክሳዕ ዚቕተል ጠመትኩ፡ ስጋኡ ጠፍኤ፡ ምእንቲ ኺነድድ ከአ ንሓዊ ተዋህበ።
12. ካብቶም ዝተረፉ ኣራዊት ድማ ግዝኣቶም ተወስደ፡ ምናሕ ህይወት ግና ንዘመንን ንውሱን ጊዜን ተወሰኸሎም።
13. ብራእያት ለይቲ እጥምት ነበርኩ፡ እንሆ ኸአ፡ ወዲ ሰብ ዚመስል ብደበና ሰማይ ይመጽእ ነበረ፡ ናብቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ በጽሔ፡ ናብ ቅድሚኡውን ኣቕረብዎ።
14. ኩላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ኬገልግልዎስ፡ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ ተዋህቦ። ግዝኣቱ ዘይሐልፍ ዘለአለማዊ ግዝኣት እዩ፡ መንግስቱውን ከቶ ኣይክትጠፍእን እያ።
15. ኣነ ዳንኤል፡ መንፈስ ኣብ ውሽጢ ስጋይ ሰምበደ፡ እቲ ራእያት ርእሰይ ከአ ኣጨነቐኒ።
16. ካብቶም ደው በሃልትስ ናብ ሓደ ቐረብኩ፡ ብዛዕባ እዚ ኹሉ ኸአ ርግጹ ሐተትክዎ። ንሱ ተዛረበኒ፡ ትርጓሜ እቲ ነገርውን ነገረኒ።
17. እዞም ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት እዚኣቶም ካብ ምድሪ ዚትንስኡ ኣርባዕተ ነገስታት እዮም።
18. እቶም ናይ ልዑል ቅዱሳን ግና ነታ መንግስቲ ኪቕበልዋ እዮም፡ ነታ መንግስቲውን ንዘለአለም፡ ኤለ ንዘለአለምም ኣለም ኪወርስዋ እዮም።
19. ድሕርዚ ድማ ብዛዕባ እቲ፡ ኣስናኑ ሓጺን፡ ኣጽፊፉ ኸአ ኣስራዝ ዝኾነ፡ ዝወሐጠን ዝሰባበረን ንዝተረፎ ድማ በእጋሩ ዝረገጸን ኣዝዩ ዜሰክሕን ንበይኑ ዝኾነ ዓይነቱን ራብዓይ ኣራዊት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ ዓሰርተ ኣቕርንትን ብዛዕባ እታ፡ ኣብ ቅድሚኣ ሰለስተ ዝወደቑ፡ ዝወጸት ካልእ ቀርንን፡ ንሳውን ኣዒንትን ዓበይቲ ነገር ዚዛረብ ኣፍን ዝነበራ። ትርኢታውን ካብቶም ካልኦት ዝበለጸት፡ ርግጽ ኺፈልጥ ደሌኹ።
20. ድሕርዚ ድማ ብዛዕባ እቲ፡ ኣስናኑ ሓጺን፡ ኣጽፊፉ ኸአ ኣስራዝ ዝኾነ፡ ዝወሐጠን ዝሰባበረን ንዝተረፎ ድማ በእጋሩ ዝረገጸን ኣዝዩ ዜሰክሕን ንበይኑ ዝኾነ ዓይነቱን ራብዓይ ኣራዊት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ ዓሰርተ ኣቕርንትን ብዛዕባ እታ፡ ኣብ ቅድሚኣ ሰለስተ ዝወደቑ፡ ዝወጸት ካልእ ቀርንን፡ ንሳውን ኣዒንትን ዓበይቲ ነገር ዚዛረብ ኣፍን ዝነበራ። ትርኢታውን ካብቶም ካልኦት ዝበለጸት፡ ርግጽ ኺፈልጥ ደሌኹ።
21. እቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ፍርዲ ነቶም ናይ ልዕል ቅዱሳን ክሳዕ ዚውሀብ፡ እቶም ቅዱሳን ነታ መንግስቲ ዚወርሱላ ጊዜ ኽሳዕ እትመጽእ፡ እታ ቐርኒ ምስቶም ቅዱሳን ክትዋጋእን ክትስዕሮምን ከላ ርኤኹ።
22. እቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ፍርዲ ነቶም ናይ ልዕል ቅዱሳን ክሳዕ ዚውሀብ፡ እቶም ቅዱሳን ነታ መንግስቲ ዚወርሱላ ጊዜ ኽሳዕ እትመጽእ፡ እታ ቐርኒ ምስቶም ቅዱሳን ክትዋጋእን ክትስዕሮምን ከላ ርኤኹ።
23. ንሱ ኸአ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ እቲ ራብዓይ ኣራዊት፡ ካብ ኩለን መንግስትታት በይና ዝኾነት ዓይነታ፡ ራብዐይቲ መንግስቲ ኣብ ምድሪ ኽትከውን እያ፡ ንኹላ ምድሪ ኽትውሕጣን ክትረግጻን ክትጥሕናን እያ።
24. እቶም ዓሰርተ ኣቕርንቲ ኸአ፡ ካብዚ መንግስቲ እዚኣ ዓሰርተ ነገስታት ኪትንስኡ እዮም፡ ድሕሪ እዚኣቶም ድማ ካብቶም ቀዳሞት በይኑ ዝኾነ ዓይነቱ ኻልእ ኪትንስእ፡ ንሰለስተ ነገስታትውን ኬውርዶ እዩ።
25. ኣብቲ ልዑል ከአ ናይ ትዕቢት ቃል ኪዝረብ፡ ነቶም ናይ ልዑል ቅዱሳን ድማ ኬጽንቶም፡ ዘመናትን ሕጋጋትን ኪልወጥ ከአ ኪሕልን እዩ፡ ንሳቶምውን ክሳዕ ዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን ኣብ ኢዱ ኽውሀቡ እዮም።
26. ግናኸ ፍርዲ ኪኸውን፡ ብጥራስ ኪጸንትን ኪጠፍእን ከአ፡ ብግዝኣቱ ኻብኡ ኺውሰድ እዩ።
27. እቲ ኣብ ትሕቲ ኹላ ሰማይ ዘሎ መንግስትን ግዝኣትን ዕቤትን መንግስትታትን ነቲ ናይ ልዑል ህዝቢ ቅዱሳን ኪውሀብ እዩ። መንግስቱ ናይ ዘለአለም መንግስቲ እያ፡ ብዘለው ግዝኣታት ድማ ኬገልግልዋን ኪእዘዝዋን እዮም።
28. ኣብዚ እዩ መወዳእታ እዚ ነገር። ኣነ ዳንኤል ሓሳባተ ይኣዝዩ ኣጨኒቑኒ፡ ገጸይ ተለወጠኒ፡ ነቲ ነገር ከአ ኣብ ልበይ ዐቖርክዎ።

  Daniel (7/12)