Daniel (6/12)  

1. ዳርዮስ፡ ኣብ ብዘላ መንግስቱ ዚኾኑ ሚኣትን ዕስራን መሳፍንቲ ኣብታ መንግስቲ ኺሽይም፡ ጽቡቕ ኮይኑ ተራእዮ።
2. እቲ ንጉስ ከይጉዳእሲ፡ እቶም መሳፍንቲ ጸብጻብ ኪህብዎም፡ ኣብ ልዕሊኦም ሰለስተ ኣርአሰሎም፡ ሓደ ኻብ እዚኣቶም ከአ ዳንኤል እዩ።
3. ዳንኤል ግና፡ ብሉጽ መንፈስ ሓዲርዎ ነበረ እሞ፡ ካብቶም ራእስታትን መሳፍንትን በለጸ፡ እቲ ንጉስ ድማ ኣብ ብዘላ መንግስቲ ኼርእሶ ሐሰበ።
4. ሽዑ እቶም ራእስታትን መሳፍንትን ንዳንኤል ብናይ መንግስቲ ጉዳይ ምኽንያት ኪረኽቡሉ ደለዩ፡ ግናኸ እሙን ነበረ፡ ገለ ጌጋ ወይስ መንቀፊ ኸአ ሰአኑሉ እሞ፡ ምኽንያት ወይስ መንቀፊ ኽረኽቡሉ ከቶ ኣይከአሉን።
5. ሽዑ እቶም ሰባት፡ ነዚ ዳንኤልሲ፡ በታ ሕጊ ኣምላኹ እንተ ዘይኮይኑ፡ ካልእ ምኽንያት ክንረኽበሉ ከቶ ኣይንኽእልን ኢና፡ በሉ።
6. ድሕርቲ እቶም ራእስታትን መሳፍንትን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ተአከቡ እሞ ከምዚ ኢሎም በለዎ፡ ዎ ንጉስ ዳርዮስ ንዘለአለም ህያው ኩን።
7. ኩላቶም ራእስታት መንግስትን ሹማምትን መሳፍንትን ኣማኸርትን ምስለኔታትን፡ በዘን ሰላሳ መዓልቲ እዚኤን፡ ዎ፡ ንጉስ፡ ንኣኻ እንተ ዘይኮይኑ፡ ንዝኾነ ይኹን ኣምላኽ ወይስ ንሰብ ዝለመነ ኣብ ጉድጓድ ኣናብስ ከም ዚድርበ፡ ትእዛዝ ንጉስ ኪጸንዕ፡ ብርቱዕ ክልክል ከአ ኪእውጅ ሓቢሮም መኸሩ።
8. ዎ ንጉስ፡ ከምቲ ዘይልወጥ ሕጊ ሜዶንን ፋርስን ኪኸውን እሞ ከይልወጥሲ፡ ስምካ ጽሂፍካ ነቲ ኽልክል ኣጽንዓዮ።
9. ንጉስ ዳርዮስ ድማ ነቲ ጽሑፍን ክልክልን ኣጽንዖ።
10. ዳንኤል ድማ እዚ ሕጊ እዚ ኸም እተጻሕፈ ምስ ፈለጠ፡ ናብ ቤቱ ኸደ፡። እተን መሳኹቲ እታ ኣብ ደርቢ ዝነበረት ቤቱ ናብ ዮርሳሌም ኣቢለን ተኸፊተን ነበራ እሞ ከምቲ ቐደም ዚገበሮ ዝነበረ ሰለስተ ሳዕ ኣብ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ብብርኩ እናተምበርከኸ፡ ጸለየን ኣመስገነን።
11. ሽዑ እቶም ሰባት ተአኻኸቡ፡ ዳንኤል ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ኺጽልን ኪምህለልን ከሎ ኸአ ረኸብዎ።
12. ሽዑ ቐሪቦም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ብዛዕባ እቲ ኽልክል ንጉስ፡ ዎ ንጉስ፡ በዘን ሰላሳ መዓልቲ እዚኤን፡ ንኣኻ እንተ ዘይኮይኑ፡ ንዝኾነ ይኹን ኣምላኽ ወይስ ንሰብ ገለ ዝለመነ ናብ ጉድጉድ ኣናብስ ኪድርብ፡ ኢልካዶ ኸልክል ኣይአወጅካን፡ ኢሎም ተዛረብዎ። እቲ ንጉስ ድማ፡ እዚ ነገር እዚ ኸምቲ ኺልወጥ ዘይከአል ሕጊ ሜዶንን ፋርስን ኮይኑ ጸኒዑ እዩ፡ ኢሉ መለሰ።
13. ሽዑ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ንጉስ፡ እዚ ኻብ ደቂ ምርኮ ይሁዳ ዝኾነ ዳንኤል ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሳዕ ልማኖኡ ይልምን አሎ እምበር፡ ዎ ንጉስ፡ ንኣኻ ወይስ ነቲ ዝአወጅካዮ ኽልክል ግዲ የብሉን፡ ኢሎም መለሱ።
14. እቲ ንጉስ እዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዔ፡ ኣዝዩ ጎሀየ፡ ምእንቲ ኼንግፎ ኸአ ልቡ ናብ ዳንኤል ኣድሀበ፡ ጸሓይ ክሳዕ እትዐርብውን፡ ኬድሕኖ ተጋደለ።
15. ሽዑ እቶም ሰባት ናብ ንጉስ ተአከቡ እሞ፡ ዎ ንጉስ፡ እቲ ንጉስ ዘጽንዖ ኽልክል ትእዛዝን ከይልወጥሲ፡ ኣብ ሜዶንን ፋርስን ሕጊ ኸም ዘሎ ፍለጥ፡ ኢሎም ንንጉስ ተዛረብዎ።
16. ሽዑ እቲ ንጉስ አዘዘ፡ ንዳንኤል ከአ ኣምጽእዎ፡ ናብ ጉድጓድ ኣናብስውን ደርበይዎ። ንጉስ ድማ ንዳንኤል፡ እቲ ኹሉ ጊዜ እተገልግሎ ኣምላኽካ ንሱ የናግፍካ በሎ።
17. ሓደ እምኒ ኣምጺኦም ነቲ ኣፍ ጉድጓድ ዐጽውዎ። እቲ ንጉስ ከአ፡ ገለ ብዛዕባ ዳንኤል ከይልወጥሲ፡ ብቐለቤቱን ብቐለቤት መሳፍንቱን ሐተሞ።
18. እቲ ንጉስ ናብ ኣዳራሹ ኸደ፡ ጸሙ ኸአ ሓደረ፡ ኣብ ቅድሚኡ ድራር አየቕረበን፡ ድቃስውን ካብኡ በረረ።
19. ንጽባሒቱ እቲ ንጉስ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ቀልጢፉ ኸአ ናብቲ ጉድጓድ ኣናብስ ከደ።
20. ናብቲ ጉድጓድ ምስ ቀረበ፡ ንዳንኤል እናሕነቕነቐ ጸውዖ። እቲ ንጉስ ከአ፡ ኣታ ዳንኤል ባርያ ህያው ኣምላኽ፡ እቲ ኹሉ ጊዜ እተገልግሎ ኣምላኽካስ ካብ ኣናብስ ኬንግፈካዶ ኸአለ፡ ኢሉ ንዳንኤል ተዛረቦ።
21. ሽዑ ዳንኤል ንንጉስ፡ ዎ ንጉስ፡ ንዘለአለም ህያው ኩን። ዎ ንጉስ፡ ኣብ ቅድሚኡ ንጹህ ኮይነ ተረኺበ እየ፡ ኣብ ቅድሜኻ ኸአ ኣይበደልኩን እሞ፡ ኣምላኸይ መልኣኹ ልኢኹ፡ ኣፍ ኣናብስ ዐጸወ፡ ከቶውን ኣይጎድኡንን፡ ኢሉ መለሰሉ።
22. ሽዑ ዳንኤል ንንጉስ፡ ዎ ንጉስ፡ ንዘለአለም ህያው ኩን። ዎ ንጉስ፡ ኣብ ቅድሚኡ ንጹህ ኮይነ ተረኺበ እየ፡ ኣብ ቅድሜኻ ኸአ ኣይበደልኩን እሞ፡ ኣምላኸይ መልኣኹ ልኢኹ፡ ኣፍ ኣናብስ ዐጸወ፡ ከቶውን ኣይጎድኡንን፡ ኢሉ መለሰሉ።
23. ሽዑ እቲ ንጉስ ኣዝዩ ተሐጎሰ፡ ንዳንኤል ካብቲ ጉድጓድ ኬውጽእዎ ኸአ አዘዘ። ንዳንኤል ድማ ካብቲ ጉድጓድ ኣውጽእዎ። ኣብ ኣምላኹ ተወኪሉ ስለ ዝነበረውን፡ ገለ ጉድኣት ኣይተረኽቦን።
24. እቲ ንጉስ ከአ አዘዘ፡ ነቶም ከሰስቲ ዳንኤል ኣምጺኦም፡ ንሳቶም ደቆምን ኣንስቶምን ናብ ጉድጓድ ኣናብስ ደርበይዎም። ገና ኣብ ከብዲ ጉድጓድ ከይበጽሑ ድማ፡ እቶም ኣናብስ ጎበጥዎም፡ ኩሉ ኣዕጽምቶምውን ሰባበርዎም።
25. ድሕርዚ ንጉስ ዳርዮስ ነቶም ኣብ ኩላ ምድሪ ዚነብሩ ኹላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ከምዚ ኢሉ ጸሐፈ፡ ሰላም ይብዝሓልኩም።
26. ኣምላኽ ዳንኤል ንዘለአለም ዚነብር ህያው ኣምላኽ እዩ፡ መንግስቱ ኣይክትጠፍእን እያ፡ ግዝኣቱውን ክሳዕ መወዳእታ ኪቐውም እዩ እሞ፡ ኣብ ኩሉ ግዝኣት መንግስተይ ኣብ ቅድሚኡ የንቀጥቅጡን ይፍርሁን፡ ኢለ እእዝዝ አሎኹ።
27. ንሱ የናግፍን የድሕንን፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ከአ ትእምርትን ተኣምራትን ይገብር እዩ። ንዳንኤል ካብ ኣናብስ ዘድሐነ ድማ ንሱ እዩ።
28. እዚ ንዳንኤል እዚ ኣብ መንግስቲ ዳርዮስን ኣብ መንግስቲ ቂሮስ ብዓል ፋርስን ሰልጠነ።

  Daniel (6/12)