Daniel (5/12)  

1. ንጉስ ቤልሻጽር ንሽሕ መኳንንቲ ዓብዩ ምሳሕ ገበረሎም፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ሽሕ ድማ ወይኒ ይሰቲ ነበረ።
2. ቤልሻጽር ሰኺሩ፡ ንጉስን መኳንንቱን ኣንስቱን ዕቁባቱን ብእኡ ምእንቲ ኺሰትዩ፡ ነቲ ኣቦኡ ነቡካድነጸር ካብ መቕደስ ዮርሳሌም ዝወሰዶ ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ኬምጽእዎ አዘዘ።
3. ሽዑ ነቲ ኻብቲ ኣብ ዮርሳሌም ዝነበረ መቕደስ ቤት ኣምላኽ ዝወሰድዎ ኣቓሑ ወርቂ ኣምጽእዎ። እቲ ንጉስን መኳንንቱን ኣንስቱን ዕቁባቱን ከአ ብእኡ ገይሮም ሰተዩ።
4. ወይኒ እናሰተዩ፡ ነቶም ወርቅን ብሩርን በስራዝን ብሓጺንን ብዕጨይትን ብእምንን እተገብሩ ኣማልኽቶም ወሰዱ።
5. በታ ሰዓት እቲኣ ኣብቲ ልቕሉቕ መንደቕ ኣዳራሽ ንጉስ፡ ኣብ መንጽር እቲ ቐዋሚ ቐንዴልሲ ኣጻብዕ ኢድ ሰብ ወጸን ጸሓፈን። እቲ ንጉስ ድማ ነታ እትጽሕፍ ኢድ ረአያ።
6. ሽዑ እቲ ንጉስ ገጹ ተለወጠ፡ ሓሳብቱ ኸአ እጨነቖ፡ ጅማውቲ ሕቕኡ ድማ ላሕልሔ፡ ኣብራኹውን ንሓድሕዱ ተዋቕዔ።
7. እቲ ንጉስ ነቶም ኣስማተኛታትን ከለዳውያንን ቆጸርቲ ኸዋኽብትን ኬእትውዎም፡ ዓው ኢሉ ጨደረ። እቲ ንጉስውን ነቶም ጠቢባን ባቢሎን፡ ዝኾነ ይኹን ነዛ ጽሕፈት እዚኣ ዜንብባን ትርጓሜኣ ኸኣ ዚነግረንን ቀይሕ ሃሪ ኺለብስ፡ ድሪ ወርቂ ኺአስር፡ ኣብቲ መንግስቲ ድማ ሳልሳይ ገዛኢ ኪኸውን እዩ፡ ኢሉ መለሰ።
8. ሽዑ ኹላቶም ጠቢባን ንጉስ አተው፡ ግናኸ ነታ ጽሕፈት ኬንብብዋን ትርጓሜኣ ኸኣአ ንቲ ንጉስ ኪነግርዎን ኣይአሉን።
9. ሽዑ ንጉስ ቤልሻጽር ኣዝዩ ሰምበደ፡ ገጹ ተለወጠ፡ መኳንንቱውን ተጨነቑ።
10. እታ ንግስቲ በቲ ንንጉስን መኳንንቱን ዝበጽሖም ነገር ናብ ቤት ምሳሕ አተወት። እታ ንግስቲ ኸአ ከምዚ ኢላ በለት፡ ዎ ንጉስ፡ ንዘለአለም ህያው ኩን፡ ሓሳባትካ ኣየጨንቕካን፡ ገጽካውን ኣይለወጥ።
11. መንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ዘለዎ ሰብኣይ ኣብ መንግስትኻ አሎ። ብዘመን ኣቦኻ ድማ ብብርሃንን ኣእምሮን ከምቲ ጥበብ ኣማልኽቲ ዝኾነ ጥበብን ተረኽቦ። ዎ ንጉስ፡ ኣቦኻ ንጉስ ነቡካድነጸር፡ ባዕሉ ኣቦኻ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ጠቢባንን ኣስማተኛታትን ከለዳውያንን ቆጸርቲ ኸዋኽብትን ሾሞ።
12. ኣብቲ እቲ ንጉስ ቤልጥሻጽር ኢሉ ዘውጽአሉ ዳንኤል ብሉጽ መንፈስን ፍልጠትን ምስትውዓል ምትርጓም ሕልምን ምግላጽ ምስጢርን ምቕናዕ እተጠላለፈ ነገርን ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ሕጂ ዳንኤል ይጸዋዕ፡ ንሱውን ነቲ ትርጓሜ ኼፍልጠካ እዩ።
13. ሽዑ ንዳንኤል ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣምጽእዎ። እቲ ንጉስ ከአ ንዳንኤል፡ እቲ ኻብቶም ኣቦይ ንጉስ ካብ ይሁዳ ዝማረኾም ደቂ ምሩኻት ይሁዳ ዝኾንካ ዳንኤል ንስኻዶ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰ።
14. ኣነ ብዛዕባኻ መንፈስ ኣማልኽቲ ኸም ዘሎካ፡ ብርሃንን ምስትውዓልን ብሉጽ ጥበብን ድማ ከም እተረኽበካ፡ ሰማዕኩ።
15. ሕጂ ኸአ እቶም ጠቢባንን ፈለጥትን፡ ነዛ ጽሕፈት እዚኣ ኼንብብዋ እሞ ትርጓሜኣ ኼፍልጡኒ፡ ኣብ ቅድመይ ኣምጽእዎም፡ ግናኸ ትርጓሜ እቲ ነገርሲ ኼፍልጡኒ ኣይከኣሉን።
16. ብዛዕባኻ ግና ትርጓሜታት ምትርጓም፡ እተፈልጠ ነገር ከአ ምፍታሕ ከም እትኽእል ሰምዔ አሎኹ። እምበኣርስ ነዛ ጽሕፈት ከተንብባን ትርጓሜኣ ድማ ከተፍልጠንን እንተ ኸኣልካስ፡ ቀይሕ ሃሪ ኽትለብስ፡ ድሪ ወርቂ ኣብ ክሳድካ ኽትአስር፡ ኣብታ መንግስቲ ኸአ ሳልሳይ ገዛኢ ኽትከውን ኢኻ፡ በሎ።
17. ሽዑ ዳንኤል ኣብ ቅድሚ ንጉስ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ ህያባትካ ንኣኻ ይኹን፡ ውህበታትካውን ንኻልእ ሀቦ። ዝኾነ ኾይኑ ንንጉስ እታ ጽሕፈት ከንብበሉ፡ ትርጓሜኣውን ከፍልጦ እየ።
18. ዎ ንጉስ፡ እቲ ልዑል ኣምላኽ ነቦኻ ነቡካድነጻር መንግስትን ዕቤትን ክብርን ግርማን ሀቦ።
19. ስለ እቲ ንሱ ዝሀቦ ዕቤት ኩሎም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ኣብ ቅድሚኡ የንቀጥቅጡን ብህይወት ኪነብር ሐደጎ፡ ንዝደለዮ ልዕል አበሊ፡ ንዝደለዮ ኸአ ኣዋረዶ።
20. ግናኸ ልቡ ልዕል ምስ በለ፡ መንፈሱ ኸአ ተሪሩ ምስ ተዐበየ፡ ካብ ንፋስ መንግስቱ ወረደ፡ ክብረቱውን ተወሰዶ።
21. ካብ ደቂ ሰብ ተሰጎ፡ ልቡ ኸአ ከም ናይ እንስሳ ኾነ፡ ምስ ኣድጊ በረኻ ድማ ሰፈረ፡ ከም ነብዑርውን ሳዕሪ ኣብልዕዎ፡ ስጋኡ ብኣውሊ ሰማይ ጠልቀየ፡ እዚ ኸአ እቲ ልዑል ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ ከም ዚመልኽ፡ ንዝደለዮ ኸአ ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዘቖሙሉ፡ ክሳዕ ዜስተውዕሎ እዩ ዝኾነ።
22. ኣታ ቤልሻጽር ወዱ፡ ምንም እኳ እዚ ኹሉ ፈሊጥካ ኽንስኻስ፡ ልብኻ ኣየትሓትካን።
23. ነቲ ጐይታ ሰማይ ርእስኻ ኣልዐልካሉ፡ ነቲ ኣቓሑ ቤቱ ኣብ ቅድሜኻ ኣምጽእዎ እሞ፡ ንስኻስ መኳንንትኻን ኣንስትኻን ዕቁባትካን ወይኒ ሰቴኹምሉ። ነቶም ዘይርእዩን ዘይሰምዑን ዘይፈልጡን ኣማልኽቲ ብሩርን ወርቅን ኣስራዝን ሓጺንን ዕንጨይትን እምንን ወደስካ እምበር፡ ንስትንፋስካን ንኹለን መገድኻን ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ኣምላኽሲ ኣየኽበርካዮን።
24. ስለዚ ኸአ ነዛ ጽሕፈት እዚኣ ዝጸሐፈት ኢድ ካብኡ እያ እተላእከት።
25. እዛ ጽሕፈት ስሕፈት እትብሎ ዘላ ኸአ፡ መኔ፡ መኔ ቴቄል ኡፋርሲን፡ እዩ።
26. ትርጓሜኡ ድማ መኔ፡ ኣምላኽ ንመንግስትኻ ቖጸሮን ጠረሶን፡ ቴቄል፡ ብሚዛን ተመዚንካ፡ ቀሊልካ ተረኺብካ፡ ኡፋርሲን፡ መንግስትካ ተመቔላ ንሰብ ሜዶንን ፋርስን ተዋህበት ማለት እዩ።
27. ትርጓሜኡ ድማ መኔ፡ ኣምላኽ ንመንግስትኻ ቖጸሮን ጠረሶን፡ ቴቄል፡ ብሚዛን ተመዚንካ፡ ቀሊልካ ተረኺብካ፡ ኡፋርሲን፡ መንግስትካ ተመቔላ ንሰብ ሜዶንን ፋርስን ተዋህበት ማለት እዩ።
28. ትርጓሜኡ ድማ መኔ፡ ኣምላኽ ንመንግስትኻ ቖጸሮን ጠረሶን፡ ቴቄል፡ ብሚዛን ተመዚንካ፡ ቀሊልካ ተረኺብካ፡ ኡፋርሲን፡ መንግስትካ ተመቔላ ንሰብ ሜዶንን ፋርስን ተዋህበት ማለት እዩ።
29. ሽዑ ቤልሻጽር ንዳንኤል ቀይሕ ሃሪ ኪኸድንዎ፡ ኣብ ክሳዱ ኸአ ድሪ ወርቂ ኺአስሩሉ አዘዘ፡ ኣብታ መንግስቲ ሳልሳይ ገዛኢ ኪኸውን ድማ ኣዋክ ኣንገረሉ።
30. በታ ለይቲ እቲኣ ቤልሻጽር ንጉስ ከለዳውያን ተቐትለ።
31. ዳርዮስ ሜዶናዊ ኸአ፡ ወዲ ስሳን ክልተን ዓመት ከሎ፡ ነታ መንግስቲ ተቐበላ።

  Daniel (5/12)