Daniel (4/12)  

1. ካብ ንጉስ ነቡካድነጻር ናብ ብዘላ ምድሪ ዘሎኹም ኩሉኹም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቃታትን፡ ሰላም ይብዛሕኩም።
2. እቲ ልዑል ኣምላኽ ዝገበረለይ ትእምርትን ተኣምራትን ክነግር ጽቡቕ ኮይኑ ተራእዩኒ አሎ።
3. ትእምርትታቱ ኸመይ ዝበለ ዓብዩ፡ ተኣምራቱ ድማ ከመይ ዝበለ ብርቱዕ እዩ። መንግስቱ ዘለአለማዊት መንግስቲ እያ፡ ግዝኣቱ ኸአ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።
4. ኣነ ነቡክድነጻር፡ ኣብ ቤተይ ዐሪፈ፡ ኣብ ኣዳራሸይ ድማ ባህ ኢሉኒ ነበርኩ።
5. ዜሰምብድ ሕልሚ ርኤኹ፡ ኣብ መደቀስየይ ከሎኹ፡ ሓሳባተይ ራኣያት ርእሰይን ኣጨነቐኒ።
6. ስለዚ ንኹላቶም ጠቢባን ባቢሎን፡ ትርጓሜ እቲ ሕልሚ ኸፍልጡኒ፡ ኣብ ቅድመይ ኬምጽእዎም፡ ኣዘዝኩ።
7. ሽዑ እቶም ጠቢባን ኣስማተኛታትን ከለዳውያንን ፈለጥይን መጹ፡ ነቲ ሕልሚ ኸአ ኣብ ቅድሜኦም ተዛረብኩ፡ ንሳቶም ግና ትርጓሜኡ ኣየፍለጡንን።
8. ኣብ መወዳእታ ግና እቲ ብስም ኣምላኸይ ቤልጥሻጽር እተሰምየ፡ መንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ዘለዎ ዳንኤል ኣብ ቅድመይ አተወ፡ ነቲ ሕልሚውን ኣብ ቅድሚኡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረብኩ፡
9. ኣታ ቤልጥሻጽር ሊቀ ጠቢባን፡ መንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ኸም ዘሎካን ዜሸግረካ ምስጢር ከኣ ከም ዜብልካን እፈልጥ እየ እሞ፡ እቲ ኣርኤኽዎ ራእይ ሕልመይን ትርጓሜኡን ንገረኒ።
10. እቲ ኣብ ምድቃሰይ ከሎኹ ዝርኤኽዎ ራእይ ርእሰይ ከምዚ እዩ፡ እንሆ፡ ኦም ኣብ ማኣከል ምድሪ ርኤኹ፡ ቁመታ ኸአ ነዋሕ እያ።
11. እታ ኦም ዐብያን በርቲዓን፡ ቁመታ ኽሳዕ ሰማይ በጺሑ፡ ክሳዕ ወሰናት ምድሪ ትርኤ ነበረት።
12. ቑጽላ ጽቡቕ ነበረ፡ እቲ ፍሬኣ ብዙሕ፡ ንኹሉ ኸኣአ ምግቢ ነበረ፡ እቲ ፍሬኣ ብዙሕ፡ ንኹሉ ኸአ ምግቢ ነበርራ። እንስሳ መሮር ኣብ ትሕቲኣ ኣጽሊለን፡ ኣዕዋፍ ሰማይ ኣብ ጨናፍራ ሰፊረን ነበራ፡ ስጋ ዝለበሰ ኹሉውን ካብኣ ይምገብ ነበረ።
13. እንሆ፡ በቲ ኣብ መደቀስየይ ከሎኹ፡ ናይ ርእሰይ ራእያትሲ ሓደ ቅዱስ ሓላዊ ኻብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹ።
14. ንሱ ኸአ ዓው ኢሉ ጨደረ በለውን፡ ነዛ ኦም ቁረጽዋ፡ ጨናፍራ ጸልጽሉ፡ ቆጽላ ኣርግፉ፡ ፍሬኣ በትኑ፡ እተን እንስሳ ኻብ ትሕቲኣ፡ እተን ኣዕዋፍውን ካብ ጨናፍራ ይህደማ።
15. ግናኸ ነቲ ጉንዲ ሱራታ፡ ብሰንሰለት ሓጺንን ኣስራዝን ተአሲሩ፡ ኣብ ማኣከል ልምሉም ሳዕሪ ኣስራዝን ተአሲሩ፡ ኣብ ማእከል ልምሉም ሳዕሪ መሮር ምድሪ ሕደግዎ። ብኣውሊ ሰማይ ይጠልዊ፡ ምስ እንስሳ ኸአ ግዲኡ ሳዕሪ ምድሪ ይኹን።
16. ልቡ ልቢ ሰብ ካብ ምዃን ይለወጥ፡ ልቢ እንስሳ ኸአ ይወሀቦ፡ ሾብዓተ ግዝያት ድማ ይሕለፎ።
17. እቶም ህያዋንሲ፡ እቲ ልዑል ኣብ መንግስቲ ሰብ ከም ዚመልኽ፡ ንዝደለዮ ከአ ከም ዚህቦ፡ ኤረ ነቲ ኻብ ሰብ ዚንእስ ደአ ልዕል ከም ዜብሎ ምእንቲ ኺፈልጡ፡ እዚ ባህሊ እዚ እቶም ቅዱሳን ዝአዘዝዎ እዩ።
18. ነቲ ሕልሚ እዚ ኣነ ንጉስ ነቡካድነጻር ርኤኽዎ። ኣታ ቤልጥሻጽር፡ ኹላቶም ጠቢባን መንግስተይ ትርጓሜኡ ኼፍልጡኒ ኻብ ዘይኽእሉ፡ ንስኻ ግና፡ እቲ መንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ኣባኻ ስለ ዘሎ፡ ትኽእሎ ኢኻ እሞ፡ ትርጓሜኡ ንገረኒ።
19. ሽዑ እቲ ቤልጥሻጽር ዝስሙ ዳንኤል ሓንሳእ ዝን በለ፡ ሓሳባቱ ኸአ ኣጨነቖ። እቲ ንጉስ ድማ፡ ኣታ ቤልጥሻጽር፡ እቲ ሕልምን ትርጓሜኡን ኣየጨንቕካ፡ ኢሉ መለሰሉ። ቤልጥሻጽር ከአ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ ጐይታየ ጻረርትኻ ይኹን።
20. እታ ዝርኤኻያ ኦም፡ እታ ዝዐበየትን ዝበርትዔን፡ ቁመታ ኣብ ሰማይ ዝበጽሔ፡ ኣብ ኩሉ ምድሪውን እተራእየት፡
21. ቆጽላ ዝጸበቐ። ፍሬኣ ዝበዝሔ፡ ንኹሉ ዚኸውን ምግቢ ዘለዋ፡ እንስሳ መሮር ኣብ ትሕቲኣ ዚነብሩላ፡ ኣብ ጨንፍራውን ኣዕዋፍ ሰማይ ዚዐርፋላ ኦም፡
22. ዝዐቤኻዮን ዝበርታዕካን፡ ዕቤትካ እናዐበየ ኽሳዕ ሰማይ፡ ግዝኣትካውን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ዝበጽሔስ ንስኻ ኢኻ፡ ዎ ንጉስ።
23. እቲ ንጉስ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ዝረአዮ ቅዱስ ሓላዊ እሞ፡ ነቲ ኦም ቆረጽዋን ኣብርስዋን፡ ግናኸ ነቲ ጉንዲ ሱራታ፡ ብሰንሰለት ሓጺንን ኣስራዝን ተአሲሩ፡ ኣብቲ ልምሉም ሳዕሪ መሮር ኣብ ምድሪ ሕደግዎ፡ ሾብዓተ ግዝያት ክሳዕ ዚሐልፉ፡ ብኣውሊ ሰማይ ይጠልቂ፡ ግዲኡውን ምስ እንስሳ መሮር ይኹን፡ ዝበለ፡
24. ትርጓሜኡ እዚ እዩ፡ ዎ ንጉስ፡ እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ልዕሊ ጐይታይ ንጉስ ዚወርድ ትእዛዝ እቲ ልዑል እዩ፡
25. ካብ ሰብ ክትስጎጉ፡ ምስ እንስሳ መሮር ክትነብር ኢኻ፡ ከም ብኣብዑር ከኣ ሳዕሪ ኸብልዑኻ እዩሞ፡ ብኣዊሊ ሰማይ ድማ ክትጥልቂ ኢኻ፡ እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ ከም ዚመልኽ፡ ንዝደለዮ ኸአ ከም ዚህቦ፡ ክሳብ እትፈልጥሲ፡ ሾብዓተ ግዝያትውን ኪሓልፉኻ እየን።
26. እቲ ናይ ኦም ጉንዲ ዱራት ይጽናሕ እትባህለ ግና፡ ሰማይ ከም ዚመልኽ ምስ ፈለጥካ፡ መንግስትኻ ኽትምለሰካ እያ።
27. ስለዚ፡ ዎ ንጉስ፡ ምኽረይ ስማዕ፡ ንሓጢኣትካ ብጽድቂ፡ ንኣበሳኻውን ንድኻታት ብምምሓር ቁረጾ፡ ምናልባሽ ልምዓትካ ኺነውሕ እዩ።
28. እዚ ኹሉ ንንጉስ ነቡካድነጸር በጽሖ።
29. ድሕርዚ ዓሰርተው ክልተ ወርሒ ጸኒሑ፡ ኣብቲ ኣዳራሽ ንጉስ ባቢሎን ይዘውር ነበረ፡
30. እቲ ንጉስ ከአ፡ እዚኣ እታ ንኽብሪ ግርማይን ንቤተ መግንስትን ክትከውን ኢለ ብሓይሊ ስልጣነይ ዝሀነጽክዋ ዓባይ ባቢሎንዶ ኣይኮነትን፡ ኢሉ ተዛረበ።
31. እዚ ቓል እዚ ገና ኣብ ኣፍ ንጉስ ከሎ፡ ዎ ንጉስ ነቡካድነጻር፡ ንኣኻስ፡ መንግስቲ ኻባኻ ኸይዳ እያ፡ ይበሀለካ አሎ፡ ካብ ሰብ ክትስጎጉ፡ ምስ እንስሳ መሮር ክትነብር ኢኻ፡ ከም ንኣብዑር ከአ ሳዕሪ ኼብልዑኻ እዮም፡ እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ ከም ዚመልኽ፡ ንዘደለዩ ኸአ ከም ዚህቦ ኽሳዕ እትፈልጥሲ፡ ሾብዓተ ግዝያትውን ኪሐልኻ እየን፡ ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ ወረአ።
32. እዚ ቓል እዚ ገና ኣብ ኣፍ ንጉስ ከሎ፡ ዎ ንጉስ ነቡካድነጻር፡ ንኣኻስ፡ መንግስቲ ኻባኻ ኸይዳ እያ፡ ይበሀለካ አሎ፡ ካብ ሰብ ክትስጎጉ፡ ምስ እንስሳ መሮር ክትነብር ኢኻ፡ ከም ንኣብዑር ከአ ሳዕሪ ኼብልዑኻ እዮም፡ እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ ከም ዚመልኽ፡ ንዘደለዩ ኸአ ከም ዚህቦ ኽሳዕ እትፈልጥሲ፡ ሾብዓተ ግዝያትውን ኪሐልኻ እየን፡ ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ ወረአ።
33. ብኡብኡ እቲ ነገር ኣብ ነቡካድነጻር ተፈጸመ፡ ጸጉሪ ኸም ናይ ንስሪ፡ ኣጽፋሩውን ከም ናይ ኣዕዋፍ ኮይኑ ኽሳዕ ዚነውሕ፡ ካብ ሰብ ተሰጎ፡ ከም ብዕራይ ሳዕሪ በልዔ፡ ስጋኡ ብኣውሊ ሰማይ ጠልቀየ።
34. እቲ ዘመን ምስ ተፈጸመ፡ ኣነ ነቡካድነጻር፡ ኣዒንተይ ናብ ሰማይ ኣልዐልኩ እሞ ኣእምሮይ ተመልሰለት። ነቲ ልዑል ባረኽኩ፡ ነቲ ንዘለኣለም ህያው ዝኾነ፡ ግዝኣቱ፡ መንግስቱውን ንውሉድ ወለዶ ዚነብር፡ ወደስኩን ኣኽበርኩን።
35. እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ኹሎም ብእኡስ ከም ገለ እኳ ኣይቆጸሩን፡ ንሱ ኣብ ሰራዊት ኣብቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ከም ፍቓዱ እዩ ዝገበር። ንኢዱ ኪኽልክላ፡ ስለምንታይ እዚ እትገብር፡ ኪብሎ ዚኽእልውን የሎን።
36. በታ ጊዜ እቲኣ ኣእምሮ ተመልሰለይ፡ ንኽብሪ መንግስተይ ከአ ግርማይን ምንጽብራቐይን ተመልሰለይ። ኣማኸርተይን መኳንንተይን ደለዩኒ፡ ኣነ ኸአ ኣብ መንግስተይ ጸናዕኩ፡ ዝበለጸ ዕቤትውን ተወሰኸለይ።
37. ሕጂ ድማ ኣነ ነቡካድነጻር ነቲ ንጉስ ሰማይ ኤመስግኖን ልዕሊ ኣኤብሎን አሎኹ። ተግባሩ ኹሉ ሓቂ፡ መገድታቱ ኸአ ፍርዲ እዩ እሞ፡ ነቶም ተዐብዮም ዚኸዱ ኼዋርዶም ይኽእል እዩ።

  Daniel (4/12)