Daniel (3/12)  

1. ንጉስ ነቡካድነጻር ድማ ስሳ እመት ዝቑመቱ፡ ሽዱሽተ እመት ዝወርዱ ናይ ወርቂ ምስሊ ገበረ። ኣብ ጎልጎል ዱራ ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ኣቖሞ።
2. ንጉስ ነቡካድነጸር ከአ ንመሳፍንትን ሹመኛታትን ራእስታትን ዳኛታትን መገብትን ኣማኸርትን ሓላቑን ኣብ ብሃገሩ እተሾሙ ምስለኔታትን፡ ነቲ ንጉስ ንቡክዳነጻር ዘቖሞ ምስሊ ምእንቲ ኸጽምብልዎ፡ ኪእከቡ ለአኸሎም።
3. ስዑ እቶም መሳፍንትን ሹመኛታትን ራእስታትን ዳኛታትን መገብትን ኣማኸርትን ሓላቑን ኣብ ብሃገሩ እተሾሙ ምስለኔታትን ነቲ ንጉስ ነቡካድነጸር ዚቖሞ ምስሊ ኺጽብልዎ ተአከቡ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ነቡካድነጸር ዘቖሞ ምስሊ ኸአ ቕሙ።
4. እቲ ኣዋጅ ነጋሪ ዓው ኢሉ፡ ኣቱም ህዝብታትን ወገናትን ቋንቋታትን፡ ደሃይ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን ቋንቋታትን፡ ደሃይ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ነጋሪትን ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ምስሰማዕኩም፡ ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቖሞ ምስሊ ወርቂ ፍግም ኢልኩም ክትሰግድሉ፡ ተአዚዝኩም አሎኹም። ፍግም ዘይበለን ዘይሰገደን ግና ብኡብኡ ኣብ ጉሁር እቶን ሓዊ ኽድርበ እዩ፡ ኢሉ አወጀ።
5. እቲ ኣዋጅ ነጋሪ ዓው ኢሉ፡ ኣቱም ህዝብታትን ወገናትን ቋንቋታትን፡ ደሃይ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን ቋንቋታትን፡ ደሃይ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ነጋሪትን ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ምስሰማዕኩም፡ ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቖሞ ምስሊ ወርቂ ፍግም ኢልኩም ክትሰግድሉ፡ ተአዚዝኩም አሎኹም። ፍግም ዘይበለን ዘይሰገደን ግና ብኡብኡ ኣብ ጉሁር እቶን ሓዊ ኽድርበ እዩ፡ ኢሉ አወጀ።
6. እቲ ኣዋጅ ነጋሪ ዓው ኢሉ፡ ኣቱም ህዝብታትን ወገናትን ቋንቋታትን፡ ደሃይ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን ቋንቋታትን፡ ደሃይ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ነጋሪትን ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ምስሰማዕኩም፡ ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቖሞ ምስሊ ወርቂ ፍግም ኢልኩም ክትሰግድሉ፡ ተአዚዝኩም አሎኹም። ፍግም ዘይበለን ዘይሰገደን ግና ብኡብኡ ኣብ ጉሁር እቶን ሓዊ ኽድርበ እዩ፡ ኢሉ አወጀ።
7. ስለዚ ኹሎም ኣህዛብ ነቲ ደሃይ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ምስ ሰምዑ፡ ብኡብኡ ኹሎም እቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ነቲ ንጉስ ነቡካድነጸር ዘቖሞ ምስሊ ወርቂ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።
8. በቲ ጊዜ እቲ ገለ ከለዳውያን ሰባት ቀረቡ እሞ ነቶም ኣይሁድ ከሰስዎም።
9. ንሳቶም ከአ ንንጉስ ነቡካድነጸር መለሱሉ በልዎውን፡ ዎ ንጉስ፡ ንዘለአለም ህያው ኩን።
10. ዎ ንጉስ ንስኻ ነፍሲ ወከፍ ንደሃይ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ነጋሪትን ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ኪሰምዕ ከሎ፡ ፍግም ኢሉ ነቲ ምስሊ ወርቂ ኺሰግደሉ፡ ነፍሲ ወከፍ ፍግም ዘይብልን ዘይሰግድን ድማ፡ ኣብቲ ጉሁር እቶን ሓዊ ኺድርብ፡ ኢልካ አዘዝካ።
11. ዎ ንጉስ ንስኻ ነፍሲ ወከፍ ንደሃይ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ነጋሪትን ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ኪሰምዕ ከሎ፡ ፍግም ኢሉ ነቲ ምስሊ ወርቂ ኺሰግደሉ፡ ነፍሲ ወከፍ ፍግም ዘይብልን ዘይሰግድን ድማ፡ ኣብቲ ጉሁር እቶን ሓዊ ኺድርብ፡ ኢልካ አዘዝካ።
12. እምበኣርሲ፡ ዎ ንጉስ፡ ኣብ ልዕሊ ተግባር ኣውራጃ ባቢሎን ዝሾምካዮም ኣይሁድ ሰባት፡ ሲድራቅን ሚሳቅን ዕብዱኔጎን፡ አለው፡ ንሳቶም ግድኻ የብሎምን፡ ንኣማልኽትኻ ኣይምልኹን፡ ነቲ ዘቖምካዮ ምስሊ ወርቂውን ኣይሰግዱሉን እዮም፡ በልዎ።
13. ሽዑ ነቡካድነጸር ኮርዩን ነዲሩን ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድኔጎን ኬምጽእዎም አዘዘ። ሽዑ ነዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣምጽእዎም።
14. ነቡካድነጻር መለሰ በሎምውን፡ ኣቱም ሲድራቅ፡ ሚሳቅ፡ ዕብዱኔጎ፡ እቲ ንኣማልኸተይ ዘይምምላኽኩም፡ ነቲ ዘቖምክዋ ምስሊ ወርቂውን ዘይምስጋድኩምሲ ንዕቀት ድዩ፡
15. ሕጂ ድማ ነቲ ደሃይ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ነጋሪትን ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ክትሰምዑ ከሎኹም፡ ፍግም ክትብሉን ነቲ ዝገበርክም ምስሊ ኽትሰግዱሉን ተዳለው። እንተ ዘይሰገድኩምሉ ግና፡ ብኡብኡ ናብቲ ጉሁር እቶን ሓዊ ኽትድርበዩ ኢኹም። እቲ ኻብ ኢደይ ዜናግፈኩም ኣምላኽከ መን እዩ፡ በሎም።
16. ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድኔጎን ነቲ ንጉስ ከምዚ ኢሎም መለሱሉ፡ ዎ ነቡካድነጸር፡ በዚ ነገርዚ ምላሽ ክንህበካ ኣየድልየናን።
17. ዎ ንጉስ፡ እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ካብቲ ጉሁር እቶን ሓዊ ኼናግፈና ይኽእል እዩ፡ ካብ ኢድካውን ኬናግፈና እዩ።
18. ዎ ንጉስ፡ ንሱ ኼናግፈና እንተ ዘይፈተወ፡ ንሕናስ ንኣማልኽትኻ ኸም ዘይነምልኾም፡ ነቲ ዘቖምካዮ ምስሊ ወርቂውን ከም ዘይንሰግደሉ ፍለጥ፡ በልዎ።
19. ሽዑ ነቡካድነጻር ብሲድራቅን ሚሳቅን ዓብዱኔጎን እምብዛ ተናደደ፡ ትርኢት ገጹውን ተለወጠ። ነቲ እቶን ካብቲ ዝነበሮስ ሾብዓተ ኢድ ዝበለጸ ኼንድድዎ አዘዘ።
20. ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድኔጎን ኪአስርዎም እሞ ናብቲ ጉሁር እቶን ሓዊ ኸአ ተደርበዩ።
21. እቲ ትእዛዝ ንጉስ እምብዛ ስለ ዝገንሔ፡ እቲ እቶን ድማ ኣዝዩ ስለ ዝረሰነ፡ እቲ ሃልሃልታ ሓዊ ነቶም ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድኔጎን፡ ብእስራቶም ናብቲ ጉሁር እቶን ሓዊ ወደቑ።
22. እቲ ትእዛዝ ንጉስ እምብዛ ስለ ዝገንሔ፡ እቲ እቶን ድማ ኣዝዩ ስለ ዝረሰነ፡ እቲ ሃልሃልታ ሓዊ ነቶም ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድኔጎን፡ ብእስራቶም ናብቲ ጉሁር እቶን ሓዊ ወደቑ።
23. ሽዑ እቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ሰምበደ፡ ተቐላጢፉውን ተንስኤ፡ ነማኸርቱ ድማ፡ እቶም ኣሲርና ናብ ሓዊ ዝደርቤናዮምሲ ሰለስተ ሰባትዶ ኣይኮኑን፡ ኢሉ በሎም። ንሳቶም ከአ ንንጉስ፡ ርግጽ እዩ፡ ዎ ንጉስ፡ ኢሎም መለሱሉ።
24. ሽዑ እቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ሰምበደ፡ ተቐላጢፉውን ተንስኤ፡ ነማኸርቱ ድማ፡ እቶም ኣሲርና ናብ ሓዊ ዝደርቤናዮምሲ ሰለስተ ሰባትዶ ኣይኮኑን፡ ኢሉ በሎም። ንሳቶም ከአ ንንጉስ፡ ርግጽ እዩ፡ ዎ ንጉስ፡ ኢሎም መለሱሉ።
25. ንሱ ኸአ፡ እንሆ፡ ኣነ ኣርባዕተ ፍቱሓት ሰባት፡ ገለ እኳ ኸይተጎድኡ፡ ኣብ ማእከል ሓዊ ኺመላለሱ እርኢ አሎኹ፡ ትርኢት እቲ ራብዓይ ድማ ወዲ ኣምላኽ ይመስል፡ ኢሉውን መለሰሎም።
26. ድሕርዚ ነቡካድነጸር ናብ ኣፍ እቱ ጉሁር እቶን ሓዊ ቐረበ እሞ፡ ሲድራቅ፡ ሚሳቅ፡ ዕብድኔጎ፡ ኣቱም ባሮት ልዑል ኣምላኽ፡ ውጹ፡ ናብዚ ንዑ፡ ኢሉ ተዛረበ። ሽዑ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድኔጎን ካብቲ ሓዊ ወጹ።
27. እቶም መሳፍንትን ሹመኛታትን ራእስታትን ኣማኸርቲ ንጉስን ተኣኪቦም፡ ነቶም ሰባት እቲ ሓዊ ኣብ ስጋኦም ገለ ሓይሉ ከም ዘይነበሮ ረአዩ። ጸጉሪ ርእሶም ኣይቃረየን፡ ክዳውንቶም ኣይተለወጠን፡ ኤረ ጨና ሓዊ እኳ ኣይሐለፎምን።
28. ነቡካድነጸር ከአ፡ እቲ ነቶም ባሮቱ መልኣኹ ሰዲዱ ዘናገፎም ኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድኔጎን ይባረኽ። ንሳቶም ኣብኡ ተወኪሎም ትእዛዝ ንጉስ አበዩ፡ ብዘይ ንኣምላኾም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸየምልኹን ከይሰግዱንሲ ስጋኦም ወፈዩ፡ ኢሉ መለሰ።
29. ከምኡ ገይሩ ኼናግፍ ዚኽእል ካልኣ ኣምላኽ የልቦን እሞ፡ ስለዚ ኣነ፡ ዝኾነ ይኹን ካብ ብዘለው ኣህዛብን ወገናትንቋንቋታትን ንኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድኔጎን ሕሱም ቃል ዜውስእ፡ ንሱ ኺስየፍ፡ ቤቱ ኸአ ምድርባይ ጎሓፍ ኪኸውን፡ እእዝዝ አሎኹ፡ ኢሉ መለሰ።
30. ድሕርዚ እቲ ንጉስ ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድኔጎን ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ሾሞም።

  Daniel (3/12)