Daniel (2/12)  

1. ነቡካድነጻር ኣብታ ኻልአይቲ ዓመት መንግስቱ ሕልሚ ሐለመ፡ መንፈሱ ኸአ ተሀወኸ፡ ድቃሱ ድማ ካብኡ በረረ።
2. ሽዑ እቲ ንጉስ ንፈለጥትን ጠቢባንን ጠንቆልትን ከለዳውያንን። ንንጉስ ሕልሙ ኺነግርዎ ኢሉ፡ ኪጽውዕዎም አዘዘ። ንሳቶም ከአ መጹ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስውን ቁሙ።
3. እቲ ንጉስ ድማ፡ ሕልሚ ሐሊመስ ነቲ ሕልሚ ኽፈልጥ መንፈሰይ ተሀዊኹ አሎ፡ በሎም።
4. ሽዑ እቶም ከለዳውያን ንንጉስ ብኣራማይስጢ፡ ዎ ንጉስ፡ ንዘለኣለም ይሃው ኩን፡ ንባሮትካ ሕልምኻ ንገረኒ፡ ንሕናውን ትርጉም ክንነግረካ ኢና፡ በልዎ።
5. እቲ ንጉስ ከአ ነቶም ከለዳውያን፡ እቲ ነገር ረሲዔዮ እየ። ነቲ ሕልምን ትርጉሙን እንተ ዘየፍለጥኩምኒ፡ ንስኻትኩም ክትስየፉ፡ ኣባይትኹም ድማ ምድርባይ ጎሓፍ ኪኸውን እዩ። ነቲ ሕልምን ትርጉምን እንተ ነገርኩሙኒ ግና፡ ሃያብን ውህበትን ዓብዩ ኽብረትን ክህበኩም እየ፡ እምበአርስኸ ነቲ ሕልምን ትርጉሙን ንገሩኒ፡ ኢሉ መለሰሎም።
6. እቲ ንጉስ ከአ ነቶም ከለዳውያን፡ እቲ ነገር ረሲዔዮ እየ። ነቲ ሕልምን ትርጉሙን እንተ ዘየፍለጥኩምኒ፡ ንስኻትኩም ክትስየፉ፡ ኣባይትኹም ድማ ምድርባይ ጎሓፍ ኪኸውን እዩ። ነቲ ሕልምን ትርጉምን እንተ ነገርኩሙኒ ግና፡ ሃያብን ውህበትን ዓብዩ ኽብረትን ክህበኩም እየ፡ እምበአርስኸ ነቲ ሕልምን ትርጉሙን ንገሩኒ፡ ኢሉ መለሰሎም።
7. ንሳቶም ድማ ካልኣይ ጊዜ፡ እቲ ንጉስ ንባሮቱ ሕልሙ ይንገረና፡ ንሕንውን ትርጉሙ ኽንነግር ኢና፡ ኢሎም መለሱሉ።
8. እቲ ንጉስ ከአ፡ እቲ ነገር ከም ዝረሳዕክዎ ስለ ዝርኤኹም፡ ጌዜ ኽትረኽቡ ትደልዩ ኸም ዘሎኹም፡ ብርግጽ እፈልጥ አሎኹ።
9. ነቲ ጝልሚ እንተ ዘይፍለጥኩምኒ ግና፡ ፍርድኹም ሓንቲ እያ። ንስኻትኩም ጊዜ ኽሳዕ ዚሐልፍ፡ ኣብ ቅድመይ ቃላት ሓሶትን ምትላልን ክትዛረቡ ተሳማሚዕኩም አሎኹም፡ እምበኣርስኽ ነቲ ሕልሚ ንገሩኒ፡ ኣነ ኸአ ትርጉሙ ኸም እትነግሩኒ ኽፈልጥ እየ፡ ኢል መለሰሎም።
10. እቶም ከለዳውያን ከአ ኣብ ቅድሚ ንጉስ፡ ንጉስሲ፡ ምንም እኳ ዓባይን ብርቱዕን እንተ ኾነ፡ ንፈላጥን ጠቢብን ከለዳውን ከምዚ ዝበለ ነገር ዝጠየቐ የልቦን እሞ፡ ነቲ ነገር ንጉስ ዜፍልጥ ሰብ ኣብ ምድሪ ከቶ ኣይርከብን እዩ። እቲ ንጉስ ዚደልዩ ነገር ዜሸግር እዩ እሞ ኣማልኽቲ እንተ ዘይኮይኖም፡ ነዚ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኬፍልጦ ዚኽእል የልቦን፡ ማሕደሮም ንጉስ ኬፍልጦ ዚኽእል የልቦን፡ ማሕደሮም ድማ ምስ ስጋ ዝለበሱ ኣይኮነን፡ ኢሎም መለሱ።
11. እቶም ከለዳውያን ከአ ኣብ ቅድሚ ንጉስ፡ ንጉስሲ፡ ምንም እኳ ዓባይን ብርቱዕን እንተ ኾነ፡ ንፈላጥን ጠቢብን ከለዳውን ከምዚ ዝበለ ነገር ዝጠየቐ የልቦን እሞ፡ ነቲ ነገር ንጉስ ዜፍልጥ ሰብ ኣብ ምድሪ ከቶ ኣይርከብን እዩ። እቲ ንጉስ ዚደልዩ ነገር ዜሸግር እዩ እሞ ኣማልኽቲ እንተ ዘይኮይኖም፡ ነዚ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኬፍልጦ ዚኽእል የልቦን፡ ማሕደሮም ንጉስ ኬፍልጦ ዚኽእል የልቦን፡ ማሕደሮም ድማ ምስ ስጋ ዝለበሱ ኣይኮነን፡ ኢሎም መለሱ።
12. ስለዚ እቲ ንጉስ ኮረየ፡ ኣዝዩ ተናደደ ንብዘለው ጠቢባን ባቢሎን ከኣ ኬጥፍእዎም አዘዘ።
13. እቲ ፍርዲ ድማ ወጸ፡ ነቶም ጠቢባን ከአ ኪቐትልዎም ጀመሩ፡ ንዳኒኤልን ንመሓዙቱንውን ኪቐትልዎም ኢሎም ይደልይዎም ነበሩ።
14. ሽዑ ዳንኤል ንኣርዮክ፡ ነቲ ንጠቢባን ባቢሎን ኪቐትሎም ዝወጸ ሓለቓ ዘብዔኛታት ንጉስ፡ ብምኽርን በእምሮን መለሰሉ።
15. ንሱ ንኣርዮክ፡ ናይ ንጉስ መኮንን፡ እዚ ብርቱዕ ፍርዲ ኻብ ንጉስ ስለምንታይ ወጸ፡ ኢሉ መለሰሉ። ኣርዮክ ድማ እቲ ነገር ንዳኒኤል ኣፍለጦ።
16. ዳኒኤል ከአ ናብ ንጉስ ኣትዩ፡ እቲ ትርጉም ኬፍልጦስ ጊዜ ኽህቦ፡ ንንጉስ ለመኖ።
17. ድሕርዚ ዳኒኤል ናብ ገዛኡ ኸደ እሞ፡ ዳኒኤልን መሓዙቱን ምስቶም ዝተረፉ ጠቢባን ባቢሎን ከይጠፍኡ፡ ብዛዕባ እዚ ምስጢር እዚ ኻብ ኣምላኽ ሰማይ ምሕረት ኪልምኑስ፡ ንሃናንያን ንሚሻኤልን ንኣዛርያን፡ መሓዙት እቱ ነገር ኣፍለጦም።
18. ድሕርዚ ዳኒኤል ናብ ገዛኡ ኸደ እሞ፡ ዳኒኤልን መሓዙቱን ምስቶም ዝተረፉ ጠቢባን ባቢሎን ከይጠፍኡ፡ ብዛዕባ እዚ ምስጢር እዚ ኻብ ኣምላኽ ሰማይ ምሕረት ኪልምኑስ፡ ንሃናንያን ንሚሻኤልን ንኣዛርያን፡ መሓዙት እቱ ነገር ኣፍለጦም።
19. ሽዑ እቲ ምስጢር ንዳኒኤል ብራኢይ ለይቲ ተገልጸሉ። ዳኒኤል ከኣ ንኣምላኽ ሰማይ ኣመስገኖ።
20. ዳኒኤል ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ጥበብን ስልጣንን ናቱ እዩ እሞ፡ ስም ኣምላኽ ካብ ዘለአለም ንዘለኣለም ይባረኽ።
21. ንሱ ዘመናትን ወርሓትን ይለዋወጥ፡ ነገስታት ይስዕር ነገስታት ከአ ይሽይም፡ ነቶም ጠቢባን ጥበብ ነቶም ኣስተውዓልቲ ኸአ ምስትውዓል ይሀቦም።
22. ንሱ ዓሚቑን ሕቡእን ይገልጽ፡ እቲ ኣብ ጸልማት ዘሎ ይፈልጥ፡ ብርሃንውን ምስኡ እዩ ዚነብር።
23. ዎ ኣምላኽ ኣቦታተይ፡ ነቲ ነገር ንጉስ ኣፍሊጥካና ኢኻ እሞ፡ ጥበብን ሓይልን ስለ ዝሀብካኒ፡ ሕጂውን እቲ ዝለመንካና ስለ ዝገለጽካለይ፡ ኤመስግነካን እውድሰካን አሎኹ።
24. ስለዚ ዳኒኤል ናብቲ እቲ ንስጉስ ነቶም ጠቢባን ባቢሎን ኬጥፍኦም ዘአዘዞ ኣርዮክ ከደ፡ አትዮ ኸአ፡ ነቶም ጠቢባን ባቢሎን ኣይተጥፍኣዮም፡ ናብ ቅድሚ ንጉስ ውሰደኒ፡ ኣነውን ንንጉስ እቲ ትርጉም ከፍልጦ እየ፡ ኢሉ ነገሮ።
25. ሽዑ ኣርዮክ ንዳኒኤል ቀልጢፉ ናብ ንጉስ ኣእተዎ እሞ፡ እኔኹ ኻብቶም ደቂ ምሩኻት ይሁዳ ንንጉስ ትርጉም ዜፍልጦ ሰብኣይ ረኺበ አሎኹ፡ በሎ።
26. እቲ ንኩስ ከአ ነቲ ቤልጥሻጽር እተሰምየ ዳኒኤል፡ ነቲ ዝርኤኽዎ ሕልምን ትርጉሙን ከተፍልጠኒዶ ትኽእል ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ።
27. ዳኒኤል ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ፡ ነዛ ንጉስ ዚሐተላ ዘሎ ምስጢርስ እቶም ጠቢባንን ጠንቆልትን ከለዳውያንን ፈለጥትን ንንጉስ ኪነግርዎ ኣይኽእሉን እዮም፡ ኢሉ መለሰ።
28. ግናኸ ኣብ ሰማይ ዘሎ ሓደ ኣምላኽ እዩ ምስጢራት ዚገልጽ፡ ንሱ ኸኣአ ንንጉስ ነቡካድነጽር በቲ ዳሕራይ ዘመናትሲ እንታይ ከም ዚኸውን ኣፍለጦ። ኢ ኣብ ምድቃስካ ዝርኤኻዮ ሕልምኻን ራእያት ርእስኻን እዚ እዩ፡
29. ዎ ንጉስ፡ ብዛዕባ እቲ ብድሕርዚ ዚኸውን፡ ኣብ ምድቃስካ ኸሎኻ፡ ሓሳባት ተንስኣካ። እቲ ምስጢራት ዚገልጽ ከኣ ነቲ ዚኸውን ኣፍለጠካ።
30. ንኣይ እዚ ምስጢር እተገልጸለይሲ፡ እቲ ትርጓሜኡ ንንጉስ ምእንቲ ኺንገር እሞ፡ እቲ ሓሳባት ልብኻ ኽትፈልጦ እዩ እምበር፡ ካብ ኩላቶም ኣብዛ ዓለም ዘለው ብጥበብ ስለ ዝበለጽኩ ኣይኮነን።
31. ዎ ንጉስ፡ እንሆ፡ ንስኻ ዓብዩ ምስሊ ርኤኻ። እዚ ገዚፍን ምንጽብራቑ ኸአ ዜገርምን ዝነበረ ምስሊ ኣብ ቅድሜኻ ቖመ፡ ትርኢቱውን ዜፍርህ ነበረ።
32. እዚ ምስሊ እዚ፡ ርእሱ ብሉጽ ወርቂ፡ ደረቱን ቀላጽሙን ብሩር፡ ከብዱን ሕቑኡን ከአ ኣስራዚ ነበረ፡
33. መሓውሩ ሓጺን፡ ኣእጋሩ ኸአ ገሊኡ ሓጺን፡ ገሊኡ መሬት ነበረ።
34. ንስኻ ትጥምት ነበርካ፡ እንሆ ኸአ፡ ኢድ ከይተነከዮ እምኒ ተፈንቂሉ፡ ነቲ ሓጺንን መሬትን ዝኾነ ኣእጋር እቲ ምስሊ ወቕዖን ዳዕመኾን።
35. ሽዑ እቲ ሓጺንን መሬትን ኣስራዚን ብሩርን ወርቅን ብሓደ ተዳዕመኹ፡ ከም ብቑቡቑ ዓውዲ ቐውዒ ኾነ፡ ኣሰሩ ኽሳዕ ዚጠፍእ ከአ ንፋስ ወሰዶ። ነቲ ምስሊ ዝወቕዖ እምኒ ግና ዓብዩ ኸረን ኮነ፡ ንብዘላ ምድሪውን መልኣ።
36. እቲ ሕልሚ እዚ እዩ፡ ትርጓሜኡ ኸአ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ክንነግሮ ኢና።
37. ዎ ንጉስ፡ እቲ ኣምላኽ ሰማይ ንኣኻ መንግስትን ስልጣንን ሓይልን ክብርን ዝሀበካ ንጉስ ነገስታት ንስኻ ኢኻ።
38. ደቂ ሰብን እንስሳ መሮርን ኣዕዋፍ ሰማይን ዚነብሩሉ ዝበለ ኸኣአ ኣብ ኢድካ ሀበካ፡ ኣብ ልዕሊ ኹላቶም ድማ ኣግዛኣካ፡ እቲ ርእሲ ወርቂ ንስኻ ኢኻ።
39. ብድሕሬኻ ድማ ካባኻ እትንእስ ካልእ መንግስቲ ኽትትንስእ፡ ኣብ ልዕሊ ኹላ ምድሪ እትገዝእ ካልእ ሳልሰይቲ መንግስቲ ኣስራዚውን ክትትንስእ እያ።
40. እታ ራብዐይቲ መንግስቲ ኸም ሓጺን ብርትዕቲ ኽትከውን፡ ከምቲ ሓጺን ንኹሉ ነገር ዚጭፍልቕን ዚሰባብርን፡ ከምኡ ኽአ ከም ዚቕጥቅጥ ሓጺን ኮይና፡ ነዚ ኹሉ ኽትጭፍልቕን ክትቅጥቅጥን እያ።
41. እቲ ኣእጋርን እጻብዕን ገሊኡ መሬት፡ ገሊኡ ሓጺን ዝርኤኻዮ፡ ከምኡ እተፈላለየት መንግስቲ ኽትከውን እያ። ግናኸ፡ ከምቲ ሓጺን ምስ ልምሉም መሬት ተሓዊሱ ዝርኤኻዮ፡ ካብ ጽንዓት ሓጺን ገለ ኺልዎ እዩ።
42. ከምቲ ኣጻብዕ ኣእጋር ገሊኡ ሓጺን፡ ገሊኡ ኸአ መሬት ዝነበረ፡ ከምኡውን እታ መንግስቲ ገሊኣ ብርትዕቲ፡ ገሊኣ ኸአ ትሰባሪት ክትከውን እያ።
43. እቲ ሓጺን ምስ ልምሉም መሬት ተሓዊሱ ዝርኤኻዮ፡ ንሳቶም ምስ ዘርኢ ሰብ ኪተሓዋወሱ፡ ግናኸ፡ ከምቲ ሓጺን መሬት ዘይላገብ፡ ንሓድሕዶም ኣይኪላገቡን እዮም።
44. ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን፡ ግዝኣታ ኸአ ንኻልኣ ህዝቢ ዘይወሀብን መንግስቲ ኼተንስእ እዩ። ንኹለን እዘን መንግስታትን እዚኣተን ክትጭፍልቐን ከተጥፍኤንን እያ፡ ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።
45. ከምቲ እምኒ፡ ኢድ ከይተንከዮ፡ ካብ ከረን ተፈንቂሉ ንሓጺንን ኣስራዝን መሬትን ብሩርን ወርቅን ኪድዕምኾ ኸሎ ዝርኤኻዮ፡ እቲ ዓብዩ ኣምላኽ ንንጉስ ነቲ ድሕርዚ ዚከውን ኣፍለጦ። እቲ ሕልሚ ርግጽ፡ ትርጓሜኡ ኸአ እሙን እዩ።
46. ሽዑ ንጉስ ነቡካድነጻር ብግምባሩ ተደፊኡ ንዳኒኤል ሰገደሉ፡ መስዋእቲ ብልዕን ዕጣንን ኬቕርበሉ ድማ አዘዘ።
47. እቲ ንጉስ ንዳኒኤል፡ ንስኻ ነዛ ምስጢር እዚኣ ኽትገልጻ ኻብ ከአልካስ፡ እቲ ኣምላኽኩም ብሓቂ ኣምላኽ ኣማልኽትን ጐይታ ጐይታትን ገላጺ ምስጢራትን እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ።
48. ሽዑ እቲ ንጉስ ዳኒኤል ልዕል ኣበሎ፡ ብዙሕን ዓብይን ውህበት ሀቦ፡ ኣብ ልዕሊ ኹላ ኣውራጃ ባቢሎን ኣግዝኦ፡ ኣብ ልዕሊ ኹሎም ተቢባን ባቢሎን ከአ ሐለቓ ገበሮ።
49. ዳኒኤል ንንጉስ ለሚኑ፡ ንሲድራቅም ሚሳቅን ዓብዱኔጎን ኣብ ልዕሊ ተግባር ኣውራጃ ባቢሎን ሾሞም። ዳንኤል ግና ኣብ ደገ ንጉስ ነበረ።

  Daniel (2/12)