Daniel (12/12)    

1. በቲ ዘመንቲ ሚካኤል፡ እቲ ምእንቲ ደቂ ህዝብኻ ዚቐውም ዓብዩ መስፍን፡ ኪትንስእ እዩ። ሽዑ ዘመን ጸበባ ኪኸውን እዩ፡ ከምኡስ ካብታ ህዝቢ ዝህለውላ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ጊዜ እቲኣ ከቶ ኾይኑ ኣይፈልጥን። በታ ጊዜ እቲኣስ ህዝብኻ፡ ኣብ መጽሓፉ እተረኽበ ዘበለ፡ ኪድሕን እዩ።
2. ካብቶም ኣብ መሬት ምድሪ ደቂሶም ዘለውስ ብዙሓት፡ ገሊኦም ናብ ናይ ዘለአለም ህይወት፡ ገሊኦም ከአ ናብ ሕፍረትን ናብ ናይ ዘለአለም ነውርን ኪበራበሩ እዮም።
3. እቶም ጠቢባን ከም ምንጽብራቕ ጠፈር፡ እቶም ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ዚመርሑ ኸአ ከም ከዋኽብቲ ንዘለአለም ኣለም ኪበርሁ እዮም።
4. ንስኻ ግና፡ ኣታ ዳንኤል፡ ክሳዕ ዘመን መወዳኣት ነዘን ቃላት እዚኤን ዕጸወን፡ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸኣአ ሕተማ። ብዙሓት ኪምርምርዋ እዮም፡ ምስትውዓል ድማ እናወሰኸ ኪኸይድ እዩ።
5. ኣነ ዳንኤል ከአ ጠመትኩ፡ እንሆውን፡ ክልተ ኻልኦት፡ እቲ ሓደ ኣብ ክንጀው ገምገም ርባ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ኣብ ክንየው ገምገም ርባ ደው ኢሎም ነበሩ።
6. ሓዲኦም ከአ ንቲ ኻብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ፡ ስብ ልዕሊ ማይ እቲ ርባውን ደው ዝበለ ሰብኣይ፡ እዚ ዜስተንክር ነገር እዝስ መወዳእትኡ፡ መኣዝ ኪኸውን እዩ፡ ኢሉ ጠየቖ።
7. እቲ ኻብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተከድነ፡ ኣብ ልዕሊ ማይ እቲ ርባውን ደው ዝበለ ሰብኣይ ንየማነይትን ጸጋመይትን ኣእዳው ናብ ሰማይ ኣቢሉ ኣልዐለ እሞ፡ ንዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን እዩ፡ ነቲ ሓይሊ እቲ ቅዱስ ህዝቢ ጠሪሶም ምስ ሰበርዎ፡ ኩሉ እዚ ነገር እዚ ኪፍጸም እዩ፡ ኢሉ በቲ ንዘለአለም ህያው ኮይኑ ዚነብር ኪምሕል ከሎ ሰማዕክዎ።
8. ኣነ ድማ ሰማዕኩ፡ ግናኸ ኣየስተውዐልኩን እሞ፡ ጐይታየ መወዳእታ እዝስ እንታይ እዩ በልኩ።
9. ንሱ ኸአ በለ፡ ዳንኤለየ፡ እዚ ቓላት እዚ ኽዳዕ ዘመን መወዳእታ ሕቡእን ሕቱምን እዩ እሞ፡ ኪድ ደአ።
10. ብዙሓት ኪጸርዩ ኪጽዕድው ኪኹልዑውን እዮም፡ እቶም ረሲኣን ግና ረሲእነት ኪገብሩ እዮም። እቶም ጠቢባን እዮም ዜስተውዕልዎ እምበር፡ ካብቶም ረሲኣንሲ ሓደ እኳ ኣይኬስተውዕሎን እዩ።
11. ካብቲ ናይ ኩሉ መዓልቲ መስዋእቲ እተወገደሉን ዜጥፍእ ፍንፉን ነገር ዝቖመሉን ዘመን ጀሚሩ፡ ሽሕን ክልተ ሚእትን ተስዓን መዓልቲ እዩ።
12. እቲ ዚጽበን፡ ኣብተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሓሙሽተን መዓልቲ ዚበጽሕን ብጹእ እዩ።
13. ንስኻ ግና ናብ መወዳእታ ኣቢልካ ኺድ። ክትዐርፍ፡ በቲ መወዳእታ መዓልትታት ከአ ናብ ግዴኻ ኽትትንስእ ኢኻ።

  Daniel (12/12)