Daniel (11/12)  

1. ኣነ ኸአ በታ ቐዳመይቲ ዓመት ዳርዮስ ሜዶናዊ ኽሕግዞን ከጽንዖን ቆይመ ነበርኩ።
2. ሕጂ ኸአ ነቲ ሓቂ ኸፍልጠካ እየ። እንሆ እንድሕርዚውን ኣብ ፋርስ ሰለስተ ነገስታት ኪትንስኡ እዮም። እቲ ራብዓይ ድማ ካብ ኩላቶም ዝበለጸ ኺህብትም እዩ። በቲ ሃብቱ ምስ በርትዔ ድማ፡ ንኹላቶም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዮናኒ ኺተንስኦም እዩ።
3. ሽዑ ዓብዩ ግዝኣት ዚገዝእን ዝደለየ ዚገብርን ብርቱዕ ንጉስ ኪትንስእ እዩ።
4. ንሱ ምስ ተንስኤ ኸአ፡ መንግስቱ ክትስበር፡ ክሳዕ ኣርባዕቲኡ ንፋሳት ሰማይ ድማ ኽትመቓቐል እያ። መንግስቱ ኽትፈርስ፡ ካብቶም ናብ ካልኦት ክትሓለፍ እያ እሞ፡ ንዘርኡ ኣይክትከውንን እያ፡ ከምቲ ኺገዝእ ከሎ ዝነበሮ ስልጣን ከአ ኣይኪህልዋን እዩ።
5. እቲ ንጉስ ደቡብ ኪብርትዕ፡ ሓደ ኻብ መሳፍንቱ ኸአ ኻብኡ ኽብርትዕን ኪገዝእን እዩ፡ ግዝኣቱውን ዓብዩ ግዝእት ኪኸውን እዩ።
6. ድሕሪ ቕሩብ ዓመታት ከአ ኪሐብሩ እዮም። እታ ጓል ንጉስ ደቡብ ድማ ከተሳማምዕ ኢላ ናብ ንጉስ ሰሜን ክትመጽእ፡ ግናኸ ሓይሊ ቕልጽማስ ኣይከተጽንዕን እያ። ንሱን ቅልጽሙን ከአ ኣይኪቐውምን እዩ። ንሳ እቶም ዜምጽእዋን እቲ ዝወለዳን እቲ በቲ ግዝያት ዝደገፋን ሓሊፎም ኪውሀቡ እዮም።
7. ካብ ሱራ ዝወጸ ውልዶ ግና ኣብታ ቦታኡ ኺትንስእ እዩ፡ ንሱ ናብ ሰራዊት ኪመጽእ፡ ናብ ዕርዲ ንጉስ ሰሜን ኪአቱ፡ ከም ዝደለየ ኺገብሮምን ኪስዕሮምን እዩ።
8. ኣማልኽቶም፡ ምስናይ እቲ ፍሱስ ምስልታቶም፡ ምስቲ ክቡር ናይ ብሩርን ወርቅን ኣቓሑኦም ናብ ግብጺ ኺማርኾም እዩ። ንሓያሎ ዓመታት ከአ ምስ ንጉስ ሰሜን ከይተዋግኤ ኪቕመጥ እዩ።
9. ንሱ ድማ ናብ መንግስቲ ንጉስ ደቡብ ኪመጽእ፡ ግናኸ ናብ ሃገሩ ኺምለስ እዩ።
10. ደቁ ኸአ ንውግእ ኪዳለው፡ ኣብዚሖም ዓብዩ ሰራዊት ኪእክቡ እዮም። እቲ ሓደ ድማ ቀልጢፉ ኺመጽእ፡ ከም ውሒዝ ውሒዙ ኺሐልፍ፡ ኪምለስ ድማ እዩ፡ ክሳዕ ዕርዱውን ኪዋጋእ እዩ።
11. እቲ ንጉስ ደቡብ ከአ ኪምረር፡ ምስኡ፡ ምስቲ ንጉስ ሰሜን፡ ኪዋጋእ ኢሉውን ኪመጽእ እዩ። ንሱ ንብዙሓት ኬኽትት፡ እቶም ብዙሓት ግና ኣብ ኢዱ ኺውሀቡ እዮም።
12. ነቶም ብዙሓት ኪወስዶም፡ ልቡ ኸአ ኪዕበ፡ ኣእላፋትውን ኬውድቕ እዩ። ግናኸ በዝስ ኣይኪብርትዕን እዩ።
13. እቲ ንጉስ ሰሜን ኪምለስ፡ ካብቲ ናይ ቅድም ዚበዝሑ ብዙሓት ከአ ኬኽተት እዩ። ኣብ መወዳእታ ዘመናትን ዓመታትን ብዙሕ ሰራዊትን ገንዘብን ሒዙ ኽመጽእ እዩ።
14. በቲ ዘመን እቲ ንንጉስ ደቡብ ብዙሓት ኪትንስእዎ እዮም። ካብ ማእከል ህዝብኻ ዓመጸኣታት ነቲ ራእይ ኪፍጽሙስ ልዕል ኪብሉ ግናኸ ኪወድቁ እዮም።
15. እቲ ንጉስ ሰሜን ኪመጽእ፡ ክቢ ኺሰርሕ፡ ነታ ዕርድቲ ኸተማ ኸአ ኪሕዛ እዪ። ቀላጽም ደቡብ ኣይኪጸንዕን፡ እቶም ሕሩያት ህዝቡ ኸአ ንምቅዋም ዚኸውን ሓይሊ የብሎምን።
16. እቲ ዚመጾ ግና ከም ዝደለዮ ኺገብር እዩ፡ ዚቃወሞ ኸአ ሓደ የልቦን። ንሱ ኣብታ ኽብርቲ ሃገር ኪቐውም፡ ኣብ ኢዱውን ጥፍኣት ኪኸውን እዩ።
17. ምስ ሓይሊ ኹሉ መንግስቱ ኺመጽእ፡ ኪሰማማዕ ኢሉ ኸአ ገጹ ኽመልስ እዩ። ምእንቲ ኼጥፍኣ፡ ጓል ኣንስተይቲ ኽህቦ እዩ። ንሳ ኣይክትቀውምን፡ ንእኡውን ኣይክትከውንን እያ።
18. ድሕርዚ ገጹ ናብ ደሴታት ኪመልስ፡ ካብኣተን ከአ ብዙሓት ኪወስድ እዩ። ሓደ መስፍን ግና ነቲ ጸርፉ ኼትርፎ፡ ኤረ ናብ ርእሱ ኺመልሰሉ እዩ።
19. ገጹ ናብ እምባ ሃገሩ ኺመልስ፡ ኪሕንኮልን ኪወድቕን እዩ፡ ኣይኪርከብን ከአ እዩ።
20. ሽዑ ካብ ክንዳኡ ሓደ ኻልእ ኪትንስእ፡ ኣብታ ኽብርቲ መንግስቲ ከአ ንመጨነቒ ኣሕሊፉ ኺሰዶ እዩ። ድሕሪ ቕሩብ መዓልትታት ግና ኪጠፍእ፡ ብቑጥዓ ኣይኮነን፡ ብኹናትውን ኣይኮነን።
21. ኣብ ክንዳኡ ኸአ ክብሪ መንግስቲ ዘይህብዎ ሓደ ንዑቕ ሰብ ኪትንስእ እዩ፡ ቀስ ኢሉ ኺመጽእ፡ ነታ መንግስቲ ድማ እናቃባጠረ ኽሕዛ እዩ።
22. ብቐላጽም ውሒዝ ካብ ቅድሚኡ ኺድምሰሱን ኪስበሩን እዮም፡ ኤረ እቲ መስፍን ቃል ኪዳን እኳ ኸይተረፈ።
23. ኪዳን ምስኡ ምስ ተኣታተወ ኸአ፡ ብተንኮል ኪገብር እዩ፡ ኪወጽእን ብሒደት ጭፍራ ኺስዕርን እዩ።
24. ቀስ ኢሉ ናብተን ልምሉማት ቦታታት እታ ኣውራጃ ኺአቱ እዩ፡ እቶም ኣቦታቱ፡ ኤረ እቶም ኣቦታት ኣቦታቱ እኳ ከቶ ዘይገብርዎ ኺገብር እዩ። ብዝበዛን ምርኮን ገንዘብን ኬማቕሎም፡ ነተን ጽኑዓት ከተማታት ኪህቅነለን እዩ፡ እዚውን ንቕሩብ ጊዜ እዩ።
25. ዕብዩ ሰራዊት ሒዙ ሓይሉን ትብዓቱን ኣብ ልዕሊ ንጉስ ደቡብ ኬተንስእ እዩ። ንጉስ ደቡብ ከአ ዓብይን ኣዝዩ ብርቱዕን ሰራዊት ሒዚ ንውግእ ኪትንስእ፡ ግናኸ ምኽሪ ኺጣበቡሉ እዮም እሞ፡ ኣይኪቐውምን እዩ።
26. እቶም ኣብ መኣዱ ዚበልዑ ኸአ ኪጭፍልቕዎ እዮም፡ ሰራዊቱ ኺውሕዝ እዩ፡ ብዙሓትውን ተወጊኦም ኪወድቁ እዮም።
27. ክልቲኦም ነገስታት በብልቦም እከይ ኪሐስቡ፡ ኣብ ሓንቲ መአዲ ተቐሚጦም ከአ ሓሶት ኪዛረቡ እዮም። ግናኸ መወዳእትኡ ኣብታ ምድብቲ ዘመን እዩ ዚኸውን እሞ ኣይኪሰልጥን እዩ።
28. ብዙሕ ገንዘብ ሒዙ ናብ ሃገሩ ኺምለስ፡ ልቡ ነቲ ቅዱስ ኪዳን ኪህቅነሉ፡ ኪገብር ከአ እዩ እሞ ናብ ሃገሩ ኺምለስ እዩ።
29. በታ ምድብቲ ዝመን ተመሊሱ ናብ ደቡብ ኪኸይድ፡ ግናኸ እቲ ዳሕራይ ጊዜስ ከምቲ ቐዳማይ ኣይኪኸውንን ኣዩ።
30. መራኽብ ካብ ኪቲም ኪመጻኦ እየን እሞ፡ ኪሽበርን ኪምለስን እዩ። ኣብ ልዕሊ እታ ቅድስቲ ኺዳን ኪኾሪ ኺገብርውን እዩ። ኪምለስ፡ ነቶም ነታ ቅድስቲ ኺዳን ዝሐደግዋ ድማ ኪሰምዖም እዩ።
31. ቀላጽሙ ኣብኡ ኪቖሙ፡ ነታ መቕደስን ነቲ ዕርድን ኬርክሱ፡ ነቲ ናይ ኩሉ መዓልቲ መስዋእቲ ኼውግዱ፡ ነቲ ዜጥፍእ ፍንፉን ነገር ከአ ኬቕሙ እዮም።
32. ነቶም ነታ ኺዳን ብረሲእነት ዝበደሉስ እናቃባጠረ ኼስሕቶም እዩ፡ ነቲ ንኣምላኹ ዚፈልጥ ህዝቢ ግና ኪብርትዕን ኪገብርን እዩ።
33. እቶም ጠቢባን ህዝቢ ኽአ ንብዙሓት ኪምህሩ እዮም፡ ግናኸ ንቕሩብ ጊዜ ብሰይፍን ብሃልሃልታን ብምርኮን ብበዝባዝን ኪወድቁ እዮም።
34. ምስ ወደቑ ኸአ፡ ብቕሩብ ረድኤት ኪርድኡ እዮም፡ ግናኸ ብዙሓት ብግብዝና ኺሐብርዎም እዮም።
35. እዝስ በቲ ምዱብ ግዜ እዩ ዚኸውን እሞ ካብቶም ጠቢባን ሓያሎ ኽሳዕ ዘመን መወዳእታ ምእንቲ ኪኾልዖምን ኬጽርዮምን ኬጻዕድዎምንሲ፡ ኪወድቁ እዮም።
36. እቲ ምዱብ ነገር ኪፍጸም እዩ እሞ፡ እቲ ንጉስ ከም ፍቓዱ ኺገብርን ርእሱ ኼልዕልን ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ኣማልኽቲ ድማ መስተንክር ኪዛረብን እዩ፡ እቲ ቖጥዓ ኽሳዕ ዚፍጽምሲ፡ ኪሰልጠሉ እዩ።
37. ኣብ ልዕሊ ኹሉ ኺዕበ እዩ እምበር፡ ንኣምላኽ ኣቦታቱ ኣይኬቕልበሉን፡ ነቲ ሃረርታ ኣንስትን ንኣምላኽ ዘበለን ኣይኬቕልበሎምን እዩ።
38. ካብ ክንዳኡስ ነቲ ኣምላኽ ዕርድታት ኬኽብር፡ ነቲ ኣቦታቱ ዘይፈለጥዎ ኣምላኽ ብወርቅን ብብሩርን ብኽቡር ኣእማንን ብዝኸበረ ኣቓሑን ኬኽብሮ እዩ።
39. ነቲ ጽኑዕ ዕርድታት ብጓና ምላኽ ተሓጊዙ ኸምዚ ኺገብሮ እዩ፡ ነቶም ዚቕበልዎ ኽብሪ ኼብዝሓሎም፡ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ኬግዝኦም፡ ከም ዓስቢ ኸኣአ ነታ ምድሪ ኪኽፋፍላ እዩ።
40. ኣብ ዘመን መወዳኣታ ግና እታ ንጉስ ደቡብ ኪገጥመሉ እዩ። እቲ ንጉስ ሰሜን ከአ ብሰረገላታትን ብፍራስን ብብዙሕን መራኸብን ከም ህቦብላ ንፋስ ኮይኑ ኺመጾ እዩ፡ ኣብተን ሃገራት ድማ ኪአቱን ኪውሕዝን ኪሐልፍን እዩ።
41. ናብታ ኽብርቲ ሃገር ከአ ኪአቱ እዩ፡ ብዙሓት ሃገር ድማ ኪወድቁ እዮም። ግናኸ ኤዶምን ሞኣብን እቶም ኣውራታት ደቂ ዓሞንን ካብ ኢድ ኼምልጡ እዮም።
42. ኣብ ሃገራት ድማ ኢዱ ኺዝርግሕ እዩ፡ ሃገር ግብዚውን ኣይከተምልጥን እያ።
43. ንሱ ኣብቲ መዛግብ ወርቅን ብሩርን ኣብ ኩሉ እቲ ኽቡር ኣቓሑ ግብጽን ኪሰልጥን እዩ፡ ሊብያን ኢትዮጵያን ድማ ኪስዕብዎ እዮም።
44. ግናኸ ካብ ምብራቕን ካብ ሰሜንን ዚመጽእ ወረ ኼሸብሮ እዩ እሞ፡ ንብዙሓት ኬጥፍእን ኬጽንትን ኢሉ፡ ብዓብዩ ነድሪ ኺወጽእ እዩ።
45. ንሱ ኣብ መንጎ ባሕርን ኣብ መንጎ እታ ኽብርቲ ቅድስቲ ደብርን ድንኳናት ኣዳራሹ ኺተክል እዩ። ግናኸ ናብ መወዳእታኡ ኺበጽእ እዩ፡ ዚረድኦ ኽአ የብሉን።

  Daniel (11/12)