Daniel (10/12)  

1. ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመቱ ነቲ ቤልጥሻጽር እተሰምየ ዳንኤል ነገር ተገልጸሉ፡ እቲ ነገር ከአ ሓቂ እዩ፡ ስለ ዓብዩ መከራ ድማ እዩ። ንሱ ነቲ ነገር ኣቕለበሉ፡ ነቲ ራእይውን ኣስተውዐሎ።
2. በቲ ጊዜ እቲ ኣነ ዳንኤል ሰለስተ ሰሙን ምሉእ ሐዚነ ነበርኩ።
3. እተን ሰለስተ ሰሙን ክሳዕ ዚፍጸማ፡ ጥዑም መባልዕ ኣይበላዕኩን፡ ስጋን ወይንን ናብ ኣፈይ ኣየእቶኹን፡ ዘይቲውን ኣይተሌኼኹን።
4. ኣብታ መጀምርታ ወርሒ ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ኣብ ወሰን እቲ ዓብዩ ርባ ሂዴቄል ነበርኩ።
5. ኣዒንተይ ቄላሕ አበልኩ እሞ ርኤኹ፡ እንሆ ኸአ፡ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ ኣብ ሕቑኡ ድማ ጽሩይ ወርቂ ኡፋዝ እተቐነተ ሰብኣይ ነበረ።
6. ስጋኡ ኸም በሪሎስ፡ ገጹ ኸም ትርኢት መብረቕ፡ ኣዒንቱ ኸም ዚነድድ ፋና፡ ቀላጽሙን ኣእጋሩን ከም ርእሱ ኣስራዚ፡ ድምጺ ቓላቱ ድማ ከም ድምጺ ብዙሕ ሕዝቢ ነበረ።
7. ነቲ ራእይ ኣነ ዳንኤል በየነይ እየ ዝርኤኽዎ፡ እቶም ምሳይ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ራእይ ኣይረአይዎን፡ ዓብዩ ስምባድ ግና ወደቖም፡ ኪሕብኡ ኽአ ሀደሙ።
8. ሽዑ በይነይ ተረፍኩ፡ ነዚ ዓብዩ ራእይ እዚ ኸአ ርኤኹ፡ ሓይሊ ኣይተረፈንን፡ ሓብሪ ገጸይ ክሳዕ ዚበላሾ ተለወጠኒ፡ ሓይሊውን ኣይተረፈንን።
9. ድምጺ ቓላቱ ስመኣዕኩ፡ ድምጺ ቓላቱ ምስ ሰማዕኩ ኸአ፡ ውኖይ ጠፊኡኒ፡ ብገጸይ ናብ ምድሪ ወደቕኩ።
10. እንሆ ኸአ፡ ኢድ ተንከየትኒ፡ በብራኸይን ብግናዕ ኣእዳወይን ከአ ኣተንስኣትኒ።
11. ንሱውን፡ ኣታ ዳንኤል፡ ኣዚኻ እተፈቶኻ ሰብ፡ ኣነ ሕጂ ናባኻ ታላኢኸ እየ እሞ፡ ነቲ ኣነ ዝነግረካ ቓላት ኣስተውዕሎ፡ ቀጥ ኢልካ ድማ ደው በል በለኒ። እዚ ቓል እዚ ምስ ተዛረበኒ፡ እናንቀጥቀጥኩ ደው በልኩ።
12. በለኒ ድማ፡ ዳንኤለየ፡ ካብታ ልብኻ ናብ ምስትውዓል ዘቕናዕካላ ርእስኻውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽካ ዘትሐትካላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚረን ቃላትካ ተሰሚዔን እየን እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ምእንቲ እዘን ቃላትካ ኸአ መጺኤ እኔኹ።
13. እቲ መስፍን መንግስቲ ፋርስ ግና ዕስራን ሓደን መዓልቲ ተቓወመኒ። እንሆ ኸአ፡ ሚካኤል፡ ካብቶም ኣውራታት መሳፍንትስ ሓደ፡ ንምሕጋዘይ መጸ፡ ኣነውን ኣብኡ ምስቶም ነገስታት ፋርስ ተረፍኩ።
14. እዚ ራእይ ንዳሕራይ ዘበን ዚኺውን እዩ እሞ፡ ኣነ ንህዝብኻ ኣብ መወዳእታ ዘመብ ዚበጽሖም ከፍልጠካ መጺኤ እኔኹ።
15. እዚ ቓላት እዚ ምስ ነገረኒ፡ ገጸይ ናብ ምድሪ ኣድነንኩ ዓባስውን ኮንኩ።
16. እንሆ ኸአ፡ ወዲ ሰብ ዚመስል ከናፍረይ ተንከየኒ፡ ሽዑ ኣፈይ ከፊተ ተዛረብኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ደው ኢሉ ዝነበረ ድማ፡ ጐይታየ በቲ ዝርኤኽዎ ራኣይሲ ሕማመይ ደጊሱኒ፡ ሓይሊ ኣይተረፈንን። ኣነስ ገለ ሓይሊ ኣይተረፈንን። ምስትንፋስ እኳ ስኢነ እየ እሞ፡ ባርያ እዚ ጐይታይስ ከምይ ኢሉ ምስ እዚ ጐይታይ ኪዛረብ ይከአሎ፡ በልክዎ።
17. እንሆ ኸአ፡ ወዲ ሰብ ዚመስል ከናፍረይ ተንከየኒ፡ ሽዑ ኣፈይ ከፊተ ተዛረብኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ደው ኢሉ ዝነበረ ድማ፡ ጐይታየ በቲ ዝርኤኽዎ ራኣይሲ ሕማመይ ደጊሱኒ፡ ሓይሊ ኣይተረፈንን። ኣነስ ገለ ሓይሊ ኣይተረፈንን። ምስትንፋስ እኳ ስኢነ እየ እሞ፡ ባርያ እዚ ጐይታይስ ከምይ ኢሉ ምስ እዚ ጐይታይ ኪዛረብ ይከአሎ፡ በልክዎ።
18. ሽዑ እቲ ሰብ ዚመስል ከም ብሓድሽ ተንከየኒ ኣበርትዓኒውን።
19. ንሱ ኸአ፡ ኣታ ኣዚኻ እተፈቶኻ ሰብ፡ ኣይትሸበር፡ ሰላም ንኣኻ ይኹን፡ በርትዕ፡ ኤረ በርትዕ፡ በለ። ምስ ተዛረበኒ፡ በርታዕኩ፡ ኣነውን ጐይታየ፡ ኣበርቲዕካኒ ኢኻ እሞ፡ ተዛርብ፡ በልኩ።
20. ንሱ ድማ በለ፡ ኣነ ስለምንታይ ኢለ ናባኻ ኸም ዝመጻእኩዶ ፈሊጥካ አሎኻ፡ ሕጂ ኸአ ምስ መስፍን ፋርስ ክዋጋእ ክምለስ እየ። ኣነ ኽወጽእ ከሎኹስ፡ እንሆ፡ እቲ መስፍን ዮናኒ ኽመጽእ እዩ።
21. ግናኸ እቲ ኣብ መጽሃፍ ሓቂ እተጻሕፈ እነግረካ አሎኹ፡ ነዚኣቶም ንምቅዋም፡ በጀካ ሚካኤል፡ እቲ መስፍንኩም፡ ሓደ እኳ ዚሕግዘኒ የብለይን።

  Daniel (10/12)