Daniel (1/12) → |
1. | ንመንግስቲ ዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመቱ፡ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ናብ ዮርሳሌም መጸ ከበባውን። |
2. | እግዚኣብሄር ድማ ንዮኣቄም ንጉስ ይሁዳን ካብ ኣቓሑ ቤት ኣምላኽ ከአ ሐደ ኽፍልን ኣብ ኢዱ ሀቦ። ናብ ሃገር ሲንኣር ናብ ቤት ኣምላኹ ወሰዶም፡ ነቲ ኣቓሑውን ኣብ ቤት መዝገብ ኣምላኹ ኣእተዎ። |
3. | እቲ ንጉስ ከአ ንኣሽፈናዝ፡ ሐለቓ እቶም ስሉባቱ፡ ካብ ደቂ እስራኤል፡ ካብ ዓሌት ንጉስን ካብ ወለዶ ጭዋታትን መስዋእቲ ኬምጽእ ነገሮ። |
4. | እዚኣቶም ከአ ጉድለት ዜብሎምን መልክዔኝታትን ኣብ ኣዳራሽ ንጉስ ምቛም ዚኽእሉን ኪኾኑ፡ ናይ ከለዳውያን መጻሕፍትን ቋንቋን ከአ ኪምህርዎም፡ ኢሉ ነገሮ። |
5. | እቲ ንጉስ ድማ ካብቲ ብልዒ ንጉስን ካብቲ ንሱ ዚሰትዮ ወይንን ጸጽባሕ ድርጎ ሰርዓሎም። ሰለስተ ዓመት ኪምገቡ፡ ብድሕርዚውን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኪቖሙ፡ ኢሉ አዘዘ። |
6. | ኣብ ማእከል እዚኣቶም ድማ ካብ ደቂ ይሁዳ፡ ዳንኤልን ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ነበሩ። |
7. | እቲ ሐለቓ ስሉባት ከአ ስማት ኣውጽኣሎም፡ ንዳኒኤል ቤልጥሻጽር፡ ንሃናንያ ሲድራቅ፡ ንሚሻኤል ሚሳቕ፡ ንኣዛርያ ድማ ዓብድኔጎ ኢሉ ሰመዮም። |
8. | ዳንኤል ግና፡ በቲ ብልዒ ንጉስን በቲ ዚሰትዮ ወይንን ከይረክስ፡ ብልቡ ሐለነ፡ ብግዲ ኸይረክስ ድማ ነቲ ሓለቓ ስሉባት ለመኖ። |
9. | ኣምላኽ ከአ ንዳንኤል ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቓ ስሉባት ሞጎስን ምሕረትን ሀቦ። |
10. | እቲ ሓለቓ ስሉባት ከአ ንዳኒኤል፡ ኣነ ነቲ መብልዕኩምን መስቴኹምን ዘዳረገኩም ጐይታ ንጉስ እፈርሆ አሎኹ።። ንገጽኩምሲ ኻብ ናይቶም መሳቱኹም መንእሰያት ዐቢሩ እንተ ረኸቦ፡ ሽዑ ንርእሰይ ብንጉስ ከይተቕጽዑዋ እፈርህ አሎኹ፡ በሎ። |
11. | ሽዑ ዳኒኤል ነቲ፡ እቲ ሐለቓ ስሉባት ኣብ ልዕሊ ዳኒኤልን ሃናንያን ሚሻኣኤልን ኣዛርያን ዝሸሞ መጋቢ፡ |
12. | ጥረ እንበልዖ ማይ ከአ እንሰትዮ ሂብካ፡ ዓሰርተ መዓልቲ እሞ ንባሮትካ ተዐዘበና። |
13. | ደሓር ገጽናን ገጽ እቶም ብልዒ ንጉስ ዝበልዑን ኣብ ቅድሜኻ ይርኤ፡ ሽዑ ንባሮትካ ኸምቲ ዝርኤኻዮ ግበረና በሎ። |
14. | ንሱ ድማ ነዚ ነገር እዚ ሕራይ ኢሉ፡ ዓሰርተ መዓልቲ ተዐዘቦም። |
15. | እተን ዓሰርተ መዓልቲ ምስ ተወድኣ መንእሰያት ዝበለጸ፡ ገጾም በሪሁን ሀጢሮምን ተራእዩ። |
16. | ሽዑ እቲ መጋቢ ነቲ ድርጎኦም ብልዕን ዚሰትይዎ ወይንን ኣትሪፉ፡ ጥረ ሀቦም። |
17. | ኣምላኽ ከአ ነዞም ኣርባዕተ መንእሰይ እዚኦም ፍልጠት፡ ብኹሉ መጻሕፍትን ጥበብን ከአ ምስትውዓል ሀቦም። ዳኒኤል ድማ ኩሉ ራኣያትን ሕልምታት የስተውዕል ነበረ። |
18. | እታ፡ እቲ ንጉስ ኪአትወሉ ኢሉ ዝመደባ መዓልቲ ምስ በጽሔት፡ እቲ ሐለቓ ስሉባት ኣብ ቅድሚ ነቡካድነጽር ኣእተዎም። |
19. | እቲ ንግሱ ከአ ተዛረቦም፡ ካብ ኩላቶም ድማ ከም ዳንኤል ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ዝበለ ኣይተረኽበን። ንሳቶምውን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቆሙ። |
20. | ብዛዕባ እቲ ንጉስ ዝጠየቖም ናይ ጥበብን ምስትውዓልን ኩሉ ነገር፡ ካብቶም ኣብ ኩሉ ግዝኣቱ ዝነበሩ ጠቢባን ፈለጥትን ዓሰርተ ኢድ በሊጾም ረኸቦም። |
21. | ዳንኤል ድማ ክሳዕ እታ ቐዳመይቲ ዓመት ንጉስ ቂሮስ ጸንሔ። |
Daniel (1/12) → |