Daniel (1/12)  

1. ንመንግስቲ ዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመቱ፡ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ናብ ዮርሳሌም መጸ ከበባውን።
2. እግዚኣብሄር ድማ ንዮኣቄም ንጉስ ይሁዳን ካብ ኣቓሑ ቤት ኣምላኽ ከአ ሐደ ኽፍልን ኣብ ኢዱ ሀቦ። ናብ ሃገር ሲንኣር ናብ ቤት ኣምላኹ ወሰዶም፡ ነቲ ኣቓሑውን ኣብ ቤት መዝገብ ኣምላኹ ኣእተዎ።
3. እቲ ንጉስ ከአ ንኣሽፈናዝ፡ ሐለቓ እቶም ስሉባቱ፡ ካብ ደቂ እስራኤል፡ ካብ ዓሌት ንጉስን ካብ ወለዶ ጭዋታትን መስዋእቲ ኬምጽእ ነገሮ።
4. እዚኣቶም ከአ ጉድለት ዜብሎምን መልክዔኝታትን ኣብ ኣዳራሽ ንጉስ ምቛም ዚኽእሉን ኪኾኑ፡ ናይ ከለዳውያን መጻሕፍትን ቋንቋን ከአ ኪምህርዎም፡ ኢሉ ነገሮ።
5. እቲ ንጉስ ድማ ካብቲ ብልዒ ንጉስን ካብቲ ንሱ ዚሰትዮ ወይንን ጸጽባሕ ድርጎ ሰርዓሎም። ሰለስተ ዓመት ኪምገቡ፡ ብድሕርዚውን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኪቖሙ፡ ኢሉ አዘዘ።
6. ኣብ ማእከል እዚኣቶም ድማ ካብ ደቂ ይሁዳ፡ ዳንኤልን ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ነበሩ።
7. እቲ ሐለቓ ስሉባት ከአ ስማት ኣውጽኣሎም፡ ንዳኒኤል ቤልጥሻጽር፡ ንሃናንያ ሲድራቅ፡ ንሚሻኤል ሚሳቕ፡ ንኣዛርያ ድማ ዓብድኔጎ ኢሉ ሰመዮም።
8. ዳንኤል ግና፡ በቲ ብልዒ ንጉስን በቲ ዚሰትዮ ወይንን ከይረክስ፡ ብልቡ ሐለነ፡ ብግዲ ኸይረክስ ድማ ነቲ ሓለቓ ስሉባት ለመኖ።
9. ኣምላኽ ከአ ንዳንኤል ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቓ ስሉባት ሞጎስን ምሕረትን ሀቦ።
10. እቲ ሓለቓ ስሉባት ከአ ንዳኒኤል፡ ኣነ ነቲ መብልዕኩምን መስቴኹምን ዘዳረገኩም ጐይታ ንጉስ እፈርሆ አሎኹ።። ንገጽኩምሲ ኻብ ናይቶም መሳቱኹም መንእሰያት ዐቢሩ እንተ ረኸቦ፡ ሽዑ ንርእሰይ ብንጉስ ከይተቕጽዑዋ እፈርህ አሎኹ፡ በሎ።
11. ሽዑ ዳኒኤል ነቲ፡ እቲ ሐለቓ ስሉባት ኣብ ልዕሊ ዳኒኤልን ሃናንያን ሚሻኣኤልን ኣዛርያን ዝሸሞ መጋቢ፡
12. ጥረ እንበልዖ ማይ ከአ እንሰትዮ ሂብካ፡ ዓሰርተ መዓልቲ እሞ ንባሮትካ ተዐዘበና።
13. ደሓር ገጽናን ገጽ እቶም ብልዒ ንጉስ ዝበልዑን ኣብ ቅድሜኻ ይርኤ፡ ሽዑ ንባሮትካ ኸምቲ ዝርኤኻዮ ግበረና በሎ።
14. ንሱ ድማ ነዚ ነገር እዚ ሕራይ ኢሉ፡ ዓሰርተ መዓልቲ ተዐዘቦም።
15. እተን ዓሰርተ መዓልቲ ምስ ተወድኣ መንእሰያት ዝበለጸ፡ ገጾም በሪሁን ሀጢሮምን ተራእዩ።
16. ሽዑ እቲ መጋቢ ነቲ ድርጎኦም ብልዕን ዚሰትይዎ ወይንን ኣትሪፉ፡ ጥረ ሀቦም።
17. ኣምላኽ ከአ ነዞም ኣርባዕተ መንእሰይ እዚኦም ፍልጠት፡ ብኹሉ መጻሕፍትን ጥበብን ከአ ምስትውዓል ሀቦም። ዳኒኤል ድማ ኩሉ ራኣያትን ሕልምታት የስተውዕል ነበረ።
18. እታ፡ እቲ ንጉስ ኪአትወሉ ኢሉ ዝመደባ መዓልቲ ምስ በጽሔት፡ እቲ ሐለቓ ስሉባት ኣብ ቅድሚ ነቡካድነጽር ኣእተዎም።
19. እቲ ንግሱ ከአ ተዛረቦም፡ ካብ ኩላቶም ድማ ከም ዳንኤል ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ዝበለ ኣይተረኽበን። ንሳቶምውን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቆሙ።
20. ብዛዕባ እቲ ንጉስ ዝጠየቖም ናይ ጥበብን ምስትውዓልን ኩሉ ነገር፡ ካብቶም ኣብ ኩሉ ግዝኣቱ ዝነበሩ ጠቢባን ፈለጥትን ዓሰርተ ኢድ በሊጾም ረኸቦም።
21. ዳንኤል ድማ ክሳዕ እታ ቐዳመይቲ ዓመት ንጉስ ቂሮስ ጸንሔ።

      Daniel (1/12)