Colossians (2/4)  

1. ምእንታኹምን ምእንቲ እቶም ኣብ ሎዲቅያ ዘለዉን ምእንቲ እቶም ገጸይ ብስጋ ዘይረኣዩን ከኣ፡ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ጻዕሪ ኸም ዘሎኒ፡ ክትፈልጡ እደሊ ኣሎኹ።
2. ብፍቕርን ብዂሉ ሃብቲ ናይ ምሉእ ኣእምሮን፡ ንፍልጠት እቲ ምስጢር ኣምላኽ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ፡ ንሓደ ሰሚሮም ልቦም ምእንቲ ኺጸናናዕ፡
3. ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብኡ ተሰዊሩ ኣሎ።
4. ሓደ እኳ ብቓል ቅብጥር ከየስሕተኩም ኢለ እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ።
5. ብስጋ እኳ ምሳኻትኩም እንተ ዘየሎኹ፡ ብመንፈስ ምሳኻትኩም እየ፡ ስርዓትኩምን ጽንዓት እምነትኩ ብክርስቶስን እናርኤኹውን እሕጐስ ኣሎኹ።
6. ደጊም ከምቲ ንጐይታና ክርስቶስ የሱስ እተቐበልኩምዎ፡ ከምኡ ኢልኩም ብእኡ ተመላለሱ።
7. ኣብኡ ተሰሪትኩምን ተሀኒጽኩምን ብምስጋና መሊእኩም፡ ከምቲ እተመሀርክምዎ ዄንኩም ብእምነት ጽንዑ።
8. ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብ፡ ከም ምህሮ ቚልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ።
9. ኣብኡ ብዘሎ ምሉኣት መለኮት ብስጋ ሐዲርዎ እዩ እሞ፡
10. ንሱ ርእሲ ዂሉ ሕልቅነትን ስልጣንን እዩ፡ ንስኻትኩምውን ብእኡ ተመሊእኩም ኣሎኹም።
11. ንስኻትኩም ድማ ብግዝረት ክርስቶስ ነቲ ናይ ስጋ ሰብነት ቀንጢጥኩም ብኢድ ብዘይኰነት ግዝረት ብእኡ ተገዘርኩም።
12. ብጥምቀትውን ምስኡ ተቐበርኩም፡ ብግብሪ እቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ድማ ምስኡ ተንሳእኩም።
13. ንብዘሎ ኣበሳና ይቕረ ኢሉ፡ ብኣበሳኹምን ብዘይ ግዝረት ስጋኹምን መዊትኩም ንዝነበርኩም፡ ንኣኻትኩምውን ምስኡ ህያዋን ገበረኩም።
14. ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሲሱ ኸኣ፡ ንእኡ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከል ኣርሐቖ።
15. ነቶም ሕልቅነታትን ስልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ፡ ብእኡ እናፈከረሎም ከኣ፡ ብግልጺ ኣስተሐፈሮም።
16. ደጊም ብብልዕን መስተን፡ ወይ ብምብዓል በዓላት፡ ወይ ብሰርቂ ወርሒ፡ ወይ ብሰናብቲ ዝመጸ፡ ሓደ እኳ ኣይፍረደልኩም።
17. እዚ ነቲ ዝመጽእ ጽላሎቱ እዩ፡ እቲ ስጋ ግና ክርስቶስ እዩ።
18. ሓደ እኳ፡ ትሕትና ብዚመስልን ብስግደት ንመላእኽትን ገይሩ፡ ንሱ ኣብ ዘይረኣዮ ነገር እናተሐወሰ በእምሮ ስጋኡ ብኸምኡ ዚንፋሕ፡ ነቲ ዓስቢ ዓወት ኣይዘርፍኩም።
19. ኣብቲ ብዘሎ እቲ ስጋ ብጅማትን መፈላልዮን ተዳጋጊፉን ብሓደ ተጋጢሙን ብምዕባይ ኣምላኽ ዚዐብየሉ ኣብቲ ርእሲ ኸይጸንዔ፡ ሓደ እኳ ነቲ ዓስቢ ዓወት ኣይዘርፍኩም።
20. እምብኣርከ ኻብ ምህሮ ቚልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትኩም፡ ስለምንታይ ደኣ ኣብዛ ዓለም ከም ዘሎኹምሲ፡ ከም ናይ ሰብ ትእዛዛትን ምህሮን ገይሮም፡ ኣይትሐዝ፡ ኣይትጥዐም፡ ኣይትተንኪ፡ ኢሎም ሕጋጋት ዚሕግጉልኩም፧ እዚ ዂሉ ተተገይሩስ ንሕልፈቱ እዩ፡
21. እምብኣርከ ኻብ ምህሮ ቚልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትኩም፡ ስለምንታይ ደኣ ኣብዛ ዓለም ከም ዘሎኹምሲ፡ ከም ናይ ሰብ ትእዛዛትን ምህሮን ገይሮም፡ ኣይትሐዝ፡ ኣይትጥዐም፡ ኣይትተንኪ፡ ኢሎም ሕጋጋት ዚሕግጉልኩም፧ እዚ ዂሉ ተተገይሩስ ንሕልፈቱ እዩ፡
22. እምብኣርከ ኻብ ምህሮ ቚልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትኩም፡ ስለምንታይ ደኣ ኣብዛ ዓለም ከም ዘሎኹምሲ፡ ከም ናይ ሰብ ትእዛዛትን ምህሮን ገይሮም፡ ኣይትሐዝ፡ ኣይትጥዐም፡ ኣይትተንኪ፡ ኢሎም ሕጋጋት ዚሕግጉልኩም፧ እዚ ዂሉ ተተገይሩስ ንሕልፈቱ እዩ፡
23. እዚ ብትሕት ሓሳብን ብምሕጻም ስጋን ዚግበር ናይ ፍቓድ ርእስኻ ኣምልኾ፡ ሕብሪ ጥበብሲ ኣለዎ፡ ግናኸ ንምጽጋብ ስጋ እዩ እምበር፡ ንገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ።

  Colossians (2/4)