Colossians (1/4)  

1. ጳውሎስ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስ፡ ጢሞቴዎስ ሓውናውን፡
2. ነቶም ኣብ ቈሌሴ ዘለዉ ቅዱሳንን ብክርስቶስ ኣመንቲ ኣሕዋትን፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም።
3. እታ ብክርስቶስ የሱስ እምነትኩምን ንዂሎም ቅዱሳን ዘላትኩም ፍቕርን ምስ ሰማዕና፡ ኲሉ ሳዕ ምእንታኻትኩም እናጸሌና፡ ንኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ነመስግን ኣሎና።
4. እታ ብክርስቶስ የሱስ እምነትኩምን ንዂሎም ቅዱሳን ዘላትኩም ፍቕርን ምስ ሰማዕና፡ ኲሉ ሳዕ ምእንታኻትኩም እናጸሌና፡ ንኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ነመስግን ኣሎና።
5. ስለ እቲ ኣብ ሰማያት ተኣርኒቡልኩም ዘሎ ተስፋ ቐደም ብዛዕባኡ ብናይ ሓቂ ቓል ወንጌል ዝሰማዕኩምዎ እሞ፡
6. ናባኹም ዝመጸ ኣብ ኲላ ዓለምውን እናፈረየን እናዐበየን ዚኸይድ ዘሎ፡ ካብታ ንጸጋ ኣምላኽ ብሓቂ ዝሰማዕኩምላን ዝፈለጥኩምላን መዓልቲ ጀሚሩ ድማ ኣባኻትኩም ዘሎ፡
7. ከምቲ ኻብ ኤጵፍራስ፡ እቲ ፍቁር መዓይይትና ምእንታኻትኩምውን እሙን ኣገልጋሊ ክርስቶስ፡ እተመሀርኩምዎ፡
8. ፍቕርኹም ብመንፈስ ዘፍለጠናውን ንሱ እዩ።
9. ስለዚ ንሕና ኸኣ ካብታ ዝሰማዕናላ መዓልቲ ጀሚርና፡ በታ ፍልጠት ፍቓዱ ብዂሉ መንፈሳዊ ጥበብን ኣእምሮን ኪመልኣኩም፡ ምእንታኹም ጸሎትን ልማኖን ኣየብኰርናን።
10. ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዂሉ፡ ፍረ እናፈሬኹምን ብፍልጠት ኣምላኽ እናዐቤኹምን ብዂሉ ንእግዚኣብሄር ባህ ከተብሉ ንእኡ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ፡ ንጽሊ ኣሎና።
11. ብሓጐስ ብጽንዓት ዘበለ ዂሉ፡ ንብዘሎ ትዕግስትን ዓቕልን ብሓይሉ ኽብሩ በርቲዕኩም፡
12. ነቲ ናይ ግደ ርስቲ ቅዱሳን ኣብ ብርሃን ዘብቅዓና ኣቦ እናኣመስገንኩም፡
13. ንሱ ኻብ ስልጣን ጸልማት ዘውጽኣና፡ ናብታ መንግስቲ ፍቁር ወዱውን ኣእተወና።
14. ኣብኡ ምድሓንና፡ ማለት ሕድገት ሓጢኣት፡ ዘሎና፡
15. ንሱ መልክዕ እቲ ዘይርኤ ኣምላኽ፡ በዂሪ ዂሉ ፍጥረትውን እዩ።
16. ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ፡ ዚርኤን ዘይርኤን፡ ዝፋናት ኰነ ወይስ ጒይትነት፡ ሕልቅነት ወይስ ስልጣናት፡ ኲሉ ብእኡ ተፈጢሩ ኣሎ እሞ፡ ኲሉ ብእኡን ንእኡን እዩ እተፈጥረ።
17. ንሱ ኸኣ ቅድሚ ዂሉ እዩ፡ ኲሉውን ብእኡ ቘይሙ ኣሎ።
18. ንሱ ነቲ ስጋኡ ድማ ርእሱ እዩ፡ ማለት ንማሕበር፡ ብዂሉ ነገር ቀዳማይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ንሱ መጀመርታ እዩ፡ ካብ ምዉታትውን በዂሪ እዩ።
19. ብዘሎ ምልኣት ኣብኡ ኺሐድር፡ ኣቦ ሰሚርዎ ኣሎ እሞ፡
20. ብእኡ ብደም መስቀሉ ገይሩ ሰላም ምስ ገበረ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ዘበለን ዂሉ ንርእሱ ተዐሪቕዎ እዩ።
21. ንኣኻትኩም፡ ቀደም ፍሉያት ብሓሳብኩምን ብኽፉእ ግብርኹምን ጸላእቲ ዝነበርኩም ከኣ፡
22. ካብቲ ዝሰማዕኩምዎ ተስፋ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዂሉ ፍጡር እተሰብከ ወንጌል፡ ኣነ ጳውሎስ ዘገልጋሊኡ፡ ከይተናቓነቕኩም፡ ተሰሪትኩምን ደልዲልኩምን ብእምነት እንተ ጸናዕኩምሲ፡ ኣበርን ነቐፋን ዜብሎም ቅዱሳን ገይሩ፡ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኬቚመኩም፡ ሕጂ ብሰብነት ስጋኡ ብሞቱ ገይሩ ዐረቐኩም።
23. ካብቲ ዝሰማዕኩምዎ ተስፋ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዂሉ ፍጡር እተሰብከ ወንጌል፡ ኣነ ጳውሎስ ዘገልጋሊኡ፡ ከይተናቓነቕኩም፡ ተሰሪትኩምን ደልዲልኩምን ብእምነት እንተ ጸናዕኩምሲ፡ ኣበርን ነቐፋን ዜብሎም ቅዱሳን ገይሩ፡ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኬቚመኩም፡ ሕጂ ብሰብነት ስጋኡ ብሞቱ ገይሩ ዐረቐኩም።
24. ሕጂ በቲ ምእንታኹም ዝዀነ ጸበባይ እሕጐስ ኣሎኹ፡ ምእንቲ ስጋኡ፡ ንሳ ድማ እታ ማሕበር እያ፡ ብስጋይ ነቲ ጐደሎ መከራ ክርስቶስ እምልእ ኣሎኹ።
25. ኣነ፡ ከምቲ ንኣይ ናባኻትኩም እተዋህበ መጋቢነት ኣምላኽ፡ ቃል ኣምላኽ ኣብ ኲሉ ኽመልእ እየ ኣገልጋሊ ማሕበር ዝዀንኩ።
26. ማለት፡ እቲ ኻብ ዘለኣለምን ካብ ውሉድ ወለዶን ተሰዊሩ ዝነበረ ሎሚ ግና ንቕዱሳኑ እተገልጸ ምስጢር፡
27. ሃብቲ ኽብሩ ነዚ ምስጢር እዚ ኣብ ኣህዛብ እንታይ ምዃኑ ኼፍልጦም ንዝደለዮም፡ ንሱውን ክርስቶስ ኣባኻትኩም፡ ተስፋ ኽብሪ እዩ።
28. ንሕና ድማ፡ ንዂሉ ሰብ ብክርስቶስ ምሉእ ጌርና ኸነቚሞ፡ ብጥበብ ዘበለ ንዂሉ ሰብ እናመዐድና፡ ንዂሉ ሰብውን እናመሀርና ንነግር ኣሎና።
29. ነዚ ድማ ኣነ፡ ብመጠን እቲ ኣባይ ብሓይሊ ዚገብር ዘሎ ግብሩ እናተጋደልኩ፡ እጽዕር ኣሎኹ።

      Colossians (1/4)