Amos (9/9)    

1. እግዚኣብሄር ኣብ መሰውኢ ደዊ ኢሉ ርኤኽዎ፡ በለውን ነቲ ጎልላት ውቕዓዮ፡ እቲ ልዳውቲ ኸአ ይናቓነቕ ኣብ ርእሲ ኹላቶም ሰባብሮ፡ ነቶም ካብኦም ዝተረፉ ኸአ ብሰይፊ ኽቐትሎም እየ፡ ካብኦም ሓደ እኳ ኣይኪሀድምን እዩ፡ ካብኦምሲ ሓደ እኳ ኣይኬምልጥን እዩ።
2. ኩዒቶም እኳ ናብ ሲኦል እንተ አተው፡ ካብኡ ኢደይ ከተውጽኦም እያ። ናብ ሰማይ እንተ ደየቡውን ካብኡ ኣነ ኸውርዶም እየ።
3. ኣብ ርእሲ ቀርሜሎስ እኳ እንተ ተሓብኡ፡ ኣነ ደልየ ኻብኡ ኸውጽኦም እየ፡ ካብ ኣዒንተይ ናብ መዓሙቕ ባሕሪ እንተ ተሓብኡ፡ ኣብኡ ንተመን ከእዝዞ እየ፡ ኪነኽሶም ከአ እየ።
4. ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ተማሪኾም እንተ ኸዱ እኳ፡ ናብኡ ንሰይፊ ዘይኮነስ ንሕሰም ኣዒንተይ ናብኦም ከጠምተን እየ።
5. ንምድሪ ዚትንክያ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት እዩ፡ ንሳ ኽአ ትመክኽ፡ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ኹላቶም ድማ ኪሐዝኑ እዮም። ንሳ ብዘላ ኸምቲ ወሓዚ ኽትለዐል፡ ከምቲ ርባ ግብጺ ድማ ለጠቕ ክትብል እያ።
6. እቲ ኣዳራሻቱ ኣብ ሰማይ ዝሰርሔ፡ ጠፈሩ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝሰረተ፡ ንምያት ባሕሪ ዚጽውዕ፡ ናብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ድማ ዚኽዕዎ፡ ስሙ እግዚኣብሄር ገጽ ምድሪ ድማ ዚኽዕዎ፡ ስሙ እግዚኣብሄር እዩ።
7. ኣቱም ደቂ እስራኤል፡ ንስኻትኹም ንኣይ ከም ደቂ ኢትዮጵያውያንዶ ኣይኮንኩን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ንእስራኤል ካብ ሃገር ግብጺ፡ ንፍልስጥኤማውያን ድማ ካብ ካፍቶር፡ ንሶርያውያን ከኣ ካብ ቂር ኣነዶ ኣይኮንኩን ዘውጻእክዎም፡
8. እንሆ፡ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እታ ሕጥእ መንግስቲ እየን፡ ካብ ገጽ ምድሪ ኸአ ከጥፍኣ እየ፡ ግናኸ ንቤት ያእቆብ ብጥራስ ኣይከጥፍኣን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
9. እንሆ፡ ኣነ ኽእዝዝ፡ ንቤት እስራኤል ከአ ከምቲ ብሜሔ ዚሕሔ ስርናይ ኣብ ማእከል ኩሎም ህዝብታት ክንዝንዛ እየ፡ ሓንቲ ስርናይውን ኣብ ምድሪ ኣይክትወድቕን እያ።
10. እቶም፡ ሕሰም ኣይኬርከበናን ኣይክበጽሓናን ከአ እዩ፡ ዚብሉ ኹሎም ሓጥኣን ህዝበይ ብሰይፍ ኺሞቱ እዮም።
11. በታ መዓልቲ እቲኣ ነታ ዝወደቐት ድንኳን ዳዊት ከልዕላ፡ ነቓዓታ ኸአ ክጣጥእ እየ፡ ነቶም ካብ ኤዶም ዝተረፉን ነቶም ብስመይ እተሰምዩ ኹሎም ህዝብታትን ኪወርሱስ፡ ንዑናኣ ኸልዕሎ፡ ከምቲ ብዘመን ጥንቲ ዝነበረቶ ገይረ ኸኣአ ክሀንጻ እየ፡ ይብል እቲ ነዚ ዚገብር እግዚኣብሄር።
12. በታ መዓልቲ እቲኣ ነታ ዝወደቐት ድንኳን ዳዊት ከልዕላ፡ ነቓዓታ ኸአ ክጣጥእ እየ፡ ነቶም ካብ ኤዶም ዝተረፉን ነቶም ብስመይ እተሰምዩ ኹሎም ህዝብታትን ኪወርሱስ፡ ንዑናኣ ኸልዕሎ፡ ከምቲ ብዘመን ጥንቲ ዝነበረቶ ገይረ ኸኣአ ክሀንጻ እየ፡ ይብል እቲ ነዚ ዚገብር እግዚኣብሄር።
13. እግዚኣብሄር ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ እቲ ሓረስታይ ንዓጻዳይ፡ እቲ ጻማቑ ወይኒ ድማ ነቲ ዘራኢ ዜርክበሉ መዓልትታት ኪመጻ እየን። ኣኽራን ከአ ኮልዒ ወይኒ ኼንጠብጥብ፡ ኩሉ ኩድኩዶታት ድማ ክመክኽ ኣዩ።
14. ኣነ ኸአ ንህዝበይ እስራኤል ካብ ምርኮ ኽመልሶ እየ፡ ንሳቶም ድማ ነተን ዝባደማ ኸተማታት ኪሀንጽወንን ኪነብርወንን እዮም። ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ፡ ወይኑ ኸአ ኪሰትዩ፡ ኣታኽልቲ ኺገብሩ፡ ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም።
15. ኣነ ኣብ ምድሮም ክተኽሎም እየ። ድሕርዚ ኸአ ካብታ ዝሀብክዎም ምድሮም ከቶ ኣይኪምንቁሱን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ።

  Amos (9/9)