Amos (7/9)  

1. እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዚ ኣርእየኒ፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብ መጀመርታ እቲ ዳሕራይ ምጥጣዕ ኣንበጣ ፈጠረ። እንሆ ኸአ፡ እቲ ዳሕራይ ጠጥዒ ድሕሪ ኦኣጺድ ንጉስ ነብረ።
2. ኮነ ድማ ነቲ ሳዕሪ ምድሪ ብጥራስ ምስ በልዖ፡ ኣነ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ያእቆብሲ ንእሽቶ እዩ እሞ፡ ከመይ ጌሩ ኪቐውም እዩ፡ በጃኻ ይቕረ በል በልኩ።
3. እግዚኣብሄር በዚ ተጣዕሰ። እግዚኣብሄር፡ እዝስ ኣይከውንን እዩ፡ በለ።
4. እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዚ ኣርእየኒ፡ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብሓዊ ኪቐጽዕስ ጸውዔ፡ ነቲ ዓብዩ ዓሚቑ ሞኽ ኣበሎ፡ ነቲ ግደኸአ በልዖ።
5. ኣነ ድማ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ያእቆብሲ ንእሽቶ እዩ እሞ፡ ከመይ ጌሩ ኪቐውም እዩ፡ በጃኻ ሕደግ፡ በልኩ።
6. እግዚኣብሄር በዚ ተጣዕሰ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እዚውን ኣይኪኸውንን እዩ በለ።
7. ንሱ እዚ ኣርእየኒ፡ እንሆ፡ እግዚኣብሄር መለክዒ መንደቕ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ኣብ ልክዕ መንደቕ ደዊ ኢሉ ነበረ።
8. እግዚኣብሄር ድማ፡ ኣታ ኣሞጽ፡ እንታይ ትርኢ አሎኻ፡ በለኒ፡ ኣነ ኸአ፡ ሐደ መለክዒ መንደቕ፡ በልኩ። እግዚኣብሄር ድማ፡ ኣታ ኣሞጽ፡ እንታይ ትርኢ አሎኻ፡ በአኒ። ኣነ ኸአ፡ ሐደ መለክዒ መንደቕ በልኩ። እግዚኣብሄር ድማ ኣንሆ ኣነ ንመለክዒ መንደቕ ኣብ ማእከል ህዝበይ እስራኤል ከንብሮ እየ፡ ደጊም ድሕርዚ ኣይክሓልፎምን እየ።
9. እቲ በረኽቲ ቦታ ይስሃቅ ኪዖኑ፡ እቲ መቕድስ እስራኤል ከአ ኪፈርስ እዩ፡ ኣነውን ሰይፊ ሒዘ ንቤት የሮብዓም ክትንስኣ እየ፡ በለ።
10. ሽዑ ኣማስያ ካብን ቤትኤል ናብ የሮብዓም ንጉስ እስራኤል ከምዚ ኢሉ ለአኸ፡ ኣሞጽ ኣብ ማእከል ቤት እስራኤል ተማሓሒሉሎካ አሎ። ንሱ የሮብዓም ብሰይፊ ኽመውት፡ እስራኤልውን ካብ ሃገሩ ኪማረኽ እዩ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ እታ ሃገር ንኹሉ ቓላቱ ምጽዋአ ስኢናቶ ኣላ።
11. ሽዑ ኣማስያ ካብን ቤትኤል ናብ የሮብዓም ንጉስ እስራኤል ከምዚ ኢሉ ለአኸ፡ ኣሞጽ ኣብ ማእከል ቤት እስራኤል ተማሓሒሉሎካ አሎ። ንሱ የሮብዓም ብሰይፊ ኽመውት፡ እስራኤልውን ካብ ሃገሩ ኪማረኽ እዩ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ እታ ሃገር ንኹሉ ቓላቱ ምጽዋአ ስኢናቶ ኣላ።
12. ኣማስያ ድማ ንኣሞጽ፡ ኣታ ነብዩ፡ ኪድ ናብ ሃገር ይሁዳ ህደም፡ ኣብኣ ኸአ እንጌራኻ ብላዕ ኣብኣውን ተነበ፡
13. ቤትኤል ግና መቕደስ ንጉስን ቤተ መንግስትን እያ እሞ፡ ደጊም ድሕርዚ ኣብኣ ኣይትነበ፡ በሎ።
14. ኣሞጽ ከአ ንኣማስያ መለሰሉ በሎውን፡ ኣነስ ጓሳ ኣሓን ኣራይ ዳዕሮን ነበርኩ እምበር፡ ነብዩ ወይስ ወዲ ነብዩ ኣይኮንኩን።
15. መጓሰ ኣባጊዕ ክኽብክብ ከሎኹ፡ እግዚኣብሄር ወሰደኒ፡ እግዚኣብሄርውን፡ ኪድ እሞ ንህዝበይ እስራኤል ተነበየሉ በለኒ።
16. እምበኣርሲ ቓል እግዚኣብሄር ስማዕ፡ ንስኻ ኣንጻር እስራኤል ኣይትነበ፡ ኣንጻር ቤት ይስሃቅውን ኣይተንጠብጥብ ትብል ኣሎኻ።
17. ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ሰብይትኻ ኣብታ ኸተማ ኣመንዝራ ኽትከውን እያ፡ ኣወዳትካን ኣዋልድካን ከአ ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም፡ ምድርኻ ድማ ብገመድ ክትምቀል እያ፡ ንስኻውን ኣብ ርኽስቲ ሃገር ክትመውት ኢኻ፡ እስራኤል ከአ ብርግጽ ካብ ሃገሩ ኺማረኹ እዩ።

  Amos (7/9)