Amos (6/9)  

1. እቶም ኣብ ጽዮን ሀዲኦም፡ ኣብ ከረን ሰማርያ ድማ ተአሚኖም ዚነብሩ፡ ቤት እስራኤል ከአ ዚኸድዎም ስሙያት ሓላቑ ኣህዛብ ወይለኦም።
2. ናብ ካልነ ሕልፋነ ጠምቱን፡ ካብኡ ድማ ናብታ ዓባይ ሃማት ከዱ፡ ናብታ ናይ ፍልስጥኤማውያን ጋት ከአ ውረዱ። ንሳተንዶ ኻብዘን መንግስትታት እዚኤን ይበልጻ እየን፡ ወይስ ዶበንዶ ኻብ ዶብኩም ይገፍሕ እዩ፡
3. ንስኻትኩም ነቲ ሕስምቲ መዓልቲ ኣትርሕቑ፡ ነታ መንበር ዓመጻ ኸአ እትቐርቡ ኢኹም።
4. ኣብ ዓራት ስኒ ሓርማዝ ዚግምሰሱ፡ ኣብ መንጸፎም ድማ ዚጋደሙ፡ ካብ መጓሰ ኣባጊኦዕ ጥቦታውቲ፡ ካብ ደምበ ኣሓውን ኣባትይ ዚበልዑ፡
5. ብደሃይ መሰንቆን ዚደርፉ፡ ከም ዳዊት ድማ መሳርያ ሙዚክ ዜዳልው፡
6. ብገፊሕ ዋንጫ ወይኒ ዚሰትዩ፡ ብሉጽ መአዛ ኸኣ ዚልከዮ፡ ብስብራት ዮሴፍ ግና ዘይጉህዩ እዮም።
7. ስለዚ ሕጂ ምስቶም ቅድም ዚማረኹ ኪማረኹ እዮም፡ ወኻዕታ እቶም ኣብ መኣዲ እተጋደሙ ድማ ክውዳእ እዩ።
8. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብርእሱ መሐለ፡ ይብል፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፡ ኣነ ንትዕቢት ያእቆብ ፈንፈንኩ፡ ኣዳራሻቱ ከአ ጸላእኩ፡ ነታ ኸተማውን ምስናይ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ኹላቶም ኣሕሊፈ ኽህባ እየ።
9. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣብ ሓንቲ ቤት ዓሰርተ ሰብ እኳ እንተ ተረፉ፡ ኪሞቱ እዮም።
10. ዘመዱ ምስቲ መንደዲ ነቲ ኣዕጽምቲ ኻብ ቤት ኬውጽኦስ፡ እንተ ኣልዐሎ እሞ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ቤት ዘሎ፡ ንሱ ኸአ፡ ሐደ እኳ የልቦን፡ ኢሉ ይመልሰሉ፡ እቲ ድማ፡ ስም እግዚኣብሄር ክንሰሚ ኣይግብኣናን እዩ እሞ፡ ስቕ በል፡ ይብሎ።
11. እንሆ፡ እግዚኣብሄር ይእዝዝ አሎ እሞ፡ እታ ዓባይ ቤት ክትፈርስ፡ እታ ንእሽቶ ቤት ከአ ክትጭፍለቕስ ኪወቅዓ እየን።
12. ንፍርሲ ናብ መርዚ፡ ንፍረ ጽድቂ ድማ ናብ ዕረ ለዊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፡ ኣፍራስዶ ኣብ ልዕሊ ኸውሒ ይጎዩ እዮም፡ ወይስ ኣብዑርዶ ኣብኡ ይሕረሱ እዮም፡
13. ንስኻትኩም ብኸንቱ ነገር እትሐጎሱ፡ ብሓይልናዶ ኣይኮንናን ብኸንቱ ነገር እትሕጎሱ፡ ብሓይልናዶ ኣይኮንናን ኣቕርንቲ ዝወሰድና፡ እትብሉ ዘሎኹም፡
14. ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ስለዚ እንሆ፡ ህዝቢ ኽተንስኣልኩም እየ፡ ንሳቶም ከአ ካብቲ መእተዊ ሃማት ክሳዕ እቲ ውሒዝ ኣርባሀ ኬጨንቕኹም እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት።

  Amos (6/9)