Amos (5/9)  

1. ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እዚ ኣብ ልዕሌኹም ዝቑዝሞ ዘሎኹ ቓል ስምዑ፡
2. እታ ድንግል እስራኤል ወዲቓ፡ ደጊም ኣይትትንስእን፡ ኣብ ምድሪ ጻሕ ኢላ ኣላ፡ ዜተንስኣ ድማ የልቦን።
3. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እታ ሽሕ ዚወጽዋ ኸተማ ሚእቲ ይተርፍዋ፡ እታ ሚእቲ ዚወጽዋ ኸአ ንቤት እስራኤል ዓሰርተ ይተርፍዋ ይብል አሎ።
4. ስለዚ እግዚኣብሄር ንቤት እስራኤል ከምዚ ይብል አሎ፡ ድለዩኒ እሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም።
5. ጊልጋል ብርግጽ ክትማረኽ፡ ቤትኤል ድማ ከንቱ ኽትከውን እያ እሞ፡ ንቤትኤል ኣይትድለዩ፡ ናብ ጊልጋል ከአ ኣይትእተው፡ ናብ ብኤርሸባዕውን ኣይትሕለፉ።
6. ከም ሓዊ ኾይኑ ናብ ቤት ዮሴፍ ህሩግ ክይብል፡ ኣብ ቤትኤል ዜጥፍኦ ተሳኢኑ ኸአ ሞኽ ከየብሎስ፡ ንእግዚኣብሄር ድለዩ፡ ብህይወት ድማ ክትነብሩ ኢኽም።
7. ኣቱም ንፍርዲ ናብ ዕረ እትልውጥዎ፡ ንጽድቂ ኸአ ናብ ምድሪ እትድርብይዎ፡
8. እቲ ንሾብዓተ ኸዋኽብቲ ንኦርዩንን ዝገብረ፡ ንድነ ሞት ናብ ወጋሕታ ዚልወጦ፡ ንመዓልቲ ኸአ ግብ ዝበለ ለይቲ ዚገብሮ፡ ንማያት ባሕሪ ዚጽውዖ፡ ናብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ድማ ዚኽዕዎ፡ ኣብ ልዕሊ ዕርዲ ጥፍኣት ኪመጽእ፡ ነቲ ሓያል ብድንገት ጥፍኣት ዜውርደሉ፡ ስሙ እግዚኣብሄር እዩ እሞ ድለይዎ።
9. እቲ ንሾብዓተ ኸዋኽብቲ ንኦርዩንን ዝገብረ፡ ንድነ ሞት ናብ ወጋሕታ ዚልወጦ፡ ንመዓልቲ ኸአ ግብ ዝበለ ለይቲ ዚገብሮ፡ ንማያት ባሕሪ ዚጽውዖ፡ ናብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ድማ ዚኽዕዎ፡ ኣብ ልዕሊ ዕርዲ ጥፍኣት ኪመጽእ፡ ነቲ ሓያል ብድንገት ጥፍኣት ዜውርደሉ፡ ስሙ እግዚኣብሄር እዩ እሞ ድለይዎ።
10. ነቲ ኣብ ደገ ዚገንሕ ይጸልእዎ፡ ነቲ ብቕንዕና ዚዛረብ ከአ ይፍንፍንዎ።
11. ንድኻ ስለ ዝረገጽኩምዎ፡ ነቲ ተሰኪምዎ ዝነበረ ስርናይ ከአ ስለ ዝግደፍኩምዎ፡ ብጽሩብ ኣእማን ኣባይቲ ሰራሕኩም፡ ኣይክትነብርዎን ከአ ኢኹም፡ ዜብህግ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸልኩም፡ ወይኑ ድማ ኣይክትሰትዩን ኢኹም።
12. ኣነስ ግህሰትኩም ብዙሕ፡ ሓጢኣትኩም ከም ብርቱዕ ከም ዝኾነ እፈልጥ እየ። ነቲ ጻድቕ ተጻብብሉ ደርሆ ትቕበሉ፡ ነቲ መስኪን ኣብ ደገ ትገፍዕዎ አሎኹም።
13. ክፉእ ዘመን እዩ እሞ፡ ስለዚ እቲ ለባም በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዘመን ስቕ ይበል።
14. ብህይወት ክትነብሩስ፡ ሰናይ ድለዩ፡ እከይ ኣይኮነን። ከምኡ ኸአ፡ ከምቲ ዝበልኩምዎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ።
15. እከይ ጽልኡ፡ ሰናይ ከአ ኣፍቅሩ፡ ኣብ ደገውን ፍርዲ ኣጽንዑ፡ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ነቲ ኻብ ዮሴፍ ዝተረፈ ኺርሕርሓሉ እዩ።
16. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፡ እቲ ጐይታ፡ ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣብ ኩሉ ኣደባባያት ኪቐዙም፡ ኣብ ኩሉ መገድታት ከአ ዋይዋይ ኪበሀል እዩ። ንሓረስታይ ናብ ሐዘን፡ ነቶም መልቀስ ዚኽእሉ ኸአ ናብ ብኽያት ኪጽውዕዎም እዮም።
17. ብማእከልካ ኽሐልፍ እየ እሞ፡ ኣብ ኩሉ ኣታኽልቲ ወይኒ ብኽያት ኪኸውን እዩ ይብል እግዚኣብሄር።
18. ኣቱም መዓልቲ እግዚኣብሄር እትደልዩ፡ ወይለኹም። መዓልቲ እግዚኣብሄር እንታይ ትጠቕመኩም፡ ንሳስ ጸልማት እያ፡ ብርሃን ኣይኮነን።
19. ከምቲ ኻብ ቅድሚ ኣንበሳ ዚሀድም እሞ ድቢ ዚጓነፎ፡ ከምቲ ናብ ቤት አትዩ ኢዱ ኣብ መንደቕ ዜጸግዕ እሞ ተመን ዚነኽሶ፡
20. መዓልቲ እግዚኣብሄርሲ ጸልማትን ብርሃንን ዜብላንዶኸ ኣይኮነትን፡ ድቕድቕ ጸልማትን ምንጽብራቕ ዜብላንዶኸ ኣይኮነትን፡
21. ንበዓልትኩም ጸላእኩም ነዐቕኩም ንኣኼባ በዓላትኩም ድማ ኣይሽትቶን።
22. መስዋእቲ ምሕራርን መስዋእቲ ብልዕኹምን እንተ ኣቕረብኩምለይ እኳ፡ ኣይክቕበሎን እየ፡ ነቲ ናይ ስቡሕ ከብትኹም መስዋእቲ ምስጋናውን ቁሊሕ ኣይክብሎን እየ።
23. ድሃይ ቅኔታትካ ኻባይ ኣርሕቕ፡ ቃና መሰንቆታትካ ኸአ ኣይሰምዕን እየ።
24. ግናኸ ፍርዲ ኸም ማያት፡ ጽድቂ ድማ ከም ዘይነጽፍ ርባ ይውሐዝ።
25. ኣቱም ቤት እስራኤል ኣርብዓ፡ ዓመት ኣብ በረኻስ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕንዶ ኣቕሪብኩምለይ ኢኹም፡
26. ነቲ ድንኳን ሞሎኽኩምን ንምስልታት ጣኦታትኩምን ነቲ ንርእስኹም ዝገብርኩምዎ ኮኾብ ኣምላኽኩምን ተሰከምኩም።
27. ስለዚ ንኽንየው ደማስቆ ኸማርኸኩም እየ፡ ይብል እቲ ኣምላኽ ሰራዊት ዝስሙ እግዚኣብሄር።

  Amos (5/9)