Amos (3/9)  

1. ኣቱም ደቂ እስራኤል፡ ነቲ ኣንጻርኩም፡ ኣንጻር እቲ ኣነ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእክዎ ኹሉ ዓሌት፡ እዚ እግዚኣብሄር ዚዛረቦ ዘሎ ቓል ስምዑ። ከምዚ ይብል ኣሎ፡
2. ኣነ ኻብ ኩሎም ዓሌታት ምድሪ ንኣኻትኩም ንበይንኹም ፈለጥኩኹም፡ ስለዚ ብሰሪ ኹሉ ኣበሳኹም ክቐጽዓኩም እየ።
3. ክልተ ሰብ እንተ ዘይተሳማዑስ፡ ብሓደዶ ይመላለሱ እዮም፡
4. ኣንበሳኸ ግዳይ እንተ ዜብሉዶ ኣብ ዱር ይጓዝም እዩ፡ ሽደን እንበሳስ ገለ ኸይሐዘዶ ኻብ ጉድጓዱ የድሂ እዩ።
5. ዑፍከ ዜፈንጥራ ኣብ ዜብሉስ ኣብ ምድሪዶ ብመፈንጠራ ትተሐዝ እያ፡ መፈንጠራዶኸ ገለ ኸይሐዘ ኻብ ምድሪ ይለዐል እዩ፡
6. መለኸት ኣብ ከተማ ተነፊሑስ፡ ህዝቢዶ ኣይፈርህን እዩ፡ እግዚኣብሄር ከየገብሮኸ ንኸተማዶ ኽፉእ ይወርዳ እዩ፡
7. እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ምስጢሩ ንባሮቱ ነብያት ከይገለጸሎም፡ ገለ እኳ ኣይገብርን እዩ። ኣንበሳ ጓዚሙስ መን እዩ ዘይፈርህ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ተዛሪቡኸ አን እይ ዘይንበ።
8. ኣብ ኣዳራሻት ኣሽዶድን ኣብ ኣዳራሻት ሃገር ግብጽን ከአ፡ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ሰማርያ ተአከቡ፡ ነቲ ኣብ ማእከላ ዘሎ ዓብዩ ዕግርግርን ነቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ዓመጻን ጠምቱ፡ ኢልኩም ኣውጁ።
9. ኣብ ኣዳራሻት ኣሽዶድን ኣብ ኣዳራሻት ሃገር ግብጽን ከአ፡ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ሰማርያ ተአከቡ፡ ነቲ ኣብ ማእከላ ዘሎ ዓብዩ ዕግርግርን ነቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ዓመጻን ጠምቱ፡ ኢልኩም ኣውጁ።
10. እቶም ኣብ ኣዳራሻቶም ዓመጻን ዘረፋን ዚድልቡ ቕኑዕ ምግባር ኣይፈልጡን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
11. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ጸላኢ ኣብ ዙርያ እታ ሃገር አሎ፡ ንሱ ንሃይልኺ ኻባኺ የውርድ፡ ኣዳራሻትኪውን ይብዝበዝ ይብል አሎ።
12. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ጓሳ ኻብ ኣፍ ኣንበሳ እግሪ ወይስ ሓንቲ ጭራም እዝኒ ኸም ዜድሕን፡ ከምኡ እቶም ኣብ ሰማርያ ኣብ ኩርናዕ ዓራትና ኣብ ምንጻፍ ደማስቆን ተቐሚጦም ዘለው ደቂ እስራኤል ኪድሕኑ እዮም።
13. ስምዑ ኣንጻር ቤት ያእቆብ ከአ መስክሩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ሰራዊት።
14. በታ አነ ንእስራኤል ብሰሪ ምግሃሱ ዝቐጽዓላ መዓልትስ ንመሰውእታት ቤትኤልውን ክቐጽዖ እየ። እቲ ኣቕርንቲ መሰውኢ ኪቐረጽን ኣብ ምድሪ ኪወድቕን እዩ።
15. ንቤት ክረምትን ንቤት ሓጋይን ክወቕዔን እየ፡ እቲ ብስኒ ሓርማዝ እተሰርሔ ኣባይቲ ኺጠፍእ፡ እቲ ዓበይቲ ኣባይቲውን ኪድምሰስ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

  Amos (3/9)