Amos (1/9)  

1. ቃላት ኣሞጽ፡ እቲ ኻብ ጓሶት ተቆዓ ዝነበረ፡ ብዘመን ኡዝያ ንጉስ ይሁዳን ብዘመን የሮብዓም፡ ወኢድ ዮአስ ንጉስ እስራኤልን ቅድሚ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኽልተ ዓመት ብዛዕባ እስራኤል ዝረአዮ።
2. በለውን፡ እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ይጓዝም፡ ካብ ዮርሳሌም ከአ ድምጹ የስምዕ። እቲ ጓሶት ዚጓስይሉ ይሐዝን፡ ርእሲ ቀርሜሎስ ድማ ይነቅጽ።
3. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ንጊልዓድ ብሓጺን መኼዲ ኣኺዶምዋ እዮም እሞ፡ ስለ ሰለስተ ገበን ደማስቆ፡ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደአ፡ መዓተይ ካብአ ኣይክመልስን እየ።
4. ኣነ ናብ ቤት ሃዛኤል ሓዊ ኽሰድድ እየ፡ ንኣዳራሻት ቤንሃዳድ ከአ ሞኹ ኬብሎ እዩ።
5. ንመሃርሃሪ ደማስቆ ኽሰብሮ፡ ነቶም ኣብኡ ዝነብሩ ድማ ካብ ለሰ ኣዌን፡ ነቲ ዘንጊ ዚሕዝ ከአ ካብ ቤት ኤድን ከጽንቶም እየ፡ ህዝቢ ሶርያውን ተማሪኹ ናብ ቂር ኪኸይድ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
6. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ናብ ኢድ ኤዶም ኣሕሊፎም ክህብዎምሲ፡ ንኹሎም ምርኮ ማሪኾምዎም እዮም እሞ፡ ስለ ሰለስተ ገበን ጋዛ፡ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደአ፡ መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ።
7. ኣነ ናብ ቀጽሪ ጋዛ ሓዊ ኽሰድድ እየ፡ ንኣዳራሻታ ኸአ ሞኽ ኬብሎ እዩ።
8. ነቶም ኣብኡ ዚነብሩ ኻብ ኣሽዶድ፡ ነቲ ዘንጊ ዚሕዝ ድማ ካብ ኣስቃሎን ክጽንቶም እየ፡ ኢደይ ኣብ ልዕሊ ዔቅሮን ክመልስ እየ፡ እቶም ዝተረፉ ፍልስጥኤማውያን ከአ ኪጠፍኡ እዮም፡ ይብል እግዚባሄር ኣምላኽ።
9. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ። ነቶም ምሩኻት ብምሉአቶም ናብ ኢድ ኤዶም ኣሕሊፎም ሂቦምዎም፡ ንኺዳን ኣሕዋት ከአ አይዘአሮምን እሞ፡ ስለ ሰለስተ ገበን ጢሮስ፡ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደአ፡ መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ።
10. ኣነ ናብ ቀጽሪ ጢሮስ ሓዊ ኽሰድድ እየ፡ ነቲ ኣዳራሻታ ኸአ ሞኽ ኬብሎ እዩ።
11. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ንሓው ብሰይፊ ሰጉጉዎስ፡ ኩሉ ምሕረት ከአ ዐጽዩ፡ ኩራኡ ድማ ኩሉ ጊዜ ቐዳዲዱ፡ ነድሩውን ንሓዋሩ ዐቑሩ እዩ እሞ፡ ስለ ሰለስተ ገበን ኤዶም፡ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደአ፡ መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ።
12. ኣነ ናብ ቴማን ሓዊ ኽሰድድ የ፡ ነቲ ኣዳራሽ ቦጽራ ኸአ ሞኹ ኬብሎ እዩ።
13. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ዶቦም ምእንቲ ኼግፍሑስ፡ ነተን ጥኑሳት ጊልዓድ ከብደን ቀዲዶምወን እዮም እሞ፡ ስለ ሰለስተ ገበን ደቂ ዓሞን፡ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደአ” መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ።
14. ኣነ ኣብ ቀጽሪ ራባ ሓዉ ኽአጉድ እየ፡ ነቲ ኣዳራሻታ ኸአ ብመዓልቲ ውግእ ኣብ ማእከል ጭድርታ፡ ብመዓልቲ ህውከት ኣብ ማእከል ህቦብላ ሞኽ ኬብሎ እዩ።
15. ንጉሶም ድማ፡ ንሱ ምስ መሳፍኑ፡ ተማሪኹ ኪኸይድ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

      Amos (1/9)