Acts (7/28)  

1. እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ፡ እዚ ነገር ከምኡ ድዩ፧ በሎ።
2. ንሱ ግና በለ፡ ኣቱም ኣሕዋትናን ኣቦታትና፡ ስምዑ። ነቦና ኣብርሃም፡ ገና ኣብ ካራን ከይተቐመጠ ኣብ መሰጶታምያ ኸሎ፡ ኣምላኽ ክብሪ ተራእዮ እሞ፡
3. ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ውጻእ፡ ናብቲ ኣነ ዘርእየካ ምድሪ ንዓ፡ በሎ።
4. ሽዑ ኻብ ምድሪ ከለዳውያን ወጺኡ ኣብ ካራን ተቐመጠ። ኣቦኡ ምስ ሞተ ኸኣ፡ ኣምላኽ ካብኡ ናብዚ ሕጂ ዘሎኹምዎ ምድሪ ኣግዐዞ።
5. ኣብኡ ድማ መርገጽ እግሪ ዚኣክል እኳ ርስቲ ኣይሀቦን፡ ውሉድ ዜብሉ ኽነሱስ፡ እቲ ምድሪ ንእኡን ብድሕሪኡውን ንዘርኡን ከም ዘረስትዮ፡ ኣተስፈዎ።
6. ኣምላኽ ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ዘርእኻ ኣብ ካልእ ምድሪ ስደተኛ ኪኸውን እዩ፡ ኪገዝእዎ ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመትውን ኬጽብቡሉ እዮም፡
7. ነቶም ዚገዝእዎም ህዝቢ ኸኣ ኣነ ኽፈርዶም እየ፡ በለ ኣምላኽ፡ እንድሕርዚ ኻብኡ ኺወጹ እሞ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ኼገልግሉኒ እዮም።
8. ኪዳን ግዝረት ከኣ ሀቦ። ከምኡ ድማ ንይስሃቅ ወለዶ እሞ ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ገዘሮ። ይስሃቅ ድማ ንያእቆብ ወለዶ፡ ያእቆብ ከኣ ንዓሰርተው ክልተ ርእሲ ኣቦታት ወለዶም።
9. እቶም ርእሲ ኣቦታት ድማ ንዮሴፍ ቀኒኦምሉ ናብ ግብጺ ሸጥዎ፡ ኣምላኽ ግና ምስኡ ነበረ።
10. ካብ ኲሉ ጸበባኡ ኸኣ ኣርሀወሉ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ድማ ዕድልን ጥበብን ሀቦ። ንሱውን ኣብ ግብጽን ኣብ ኲሉ ቤቱን ኣርኣሶ።
11. ኣብ ኲሉ ግብጽን ከነኣንን ከኣ ጥሜትን ብዙሕ ጸበባን ኰነ። ኣቦታትና ድማ ዚምገብዎ ሰኣኑ።
12. ሽዑ ያእቆብ ኣብ ግብጺ እኽሊ ኸም ዚርከብ ሰምዔ፡ ነቦታትና ቐዳማይ ጊዜ ለኣኾም።
13. ኣብ ካልኣዮም ከኣ ንዮሴፍ ኣሕዋቱ ኣለለይዎ፡ ዓሌቱውን ኣብ ፈርኦን ተፈልጠ።
14. ዮሴፍ ከኣ ነቦኡ ያእቆብን ነቶም ሰብዓን ሓሙሽተን ነፍሲ ዚዀኑ ዂሎም ኣዝማዱን ልኢኹ ጸውዖም።
15. ያእቆብ ድማ ናብ ግብጺ ወረደ፡ ንሱ ሞተ ኣቦታትናውን ሞቱ።
16. ናብ ሰኬም ድማ ኣግዐዝዎም፡ ኣብቲ ኣብርሃም ካብ ደቂ ኤሞር ብወርቂ ዝዐደጎ መቓብር ኣብ ሰኬም ቀበርዎ።
17. ክሳዕ ንዮሴፍ ዘይፈልጦ ኻልእ ንጉስ ኣብ ግብጺ ዚትንስእ፡ እቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዝመሐለሉ ዘመን ተስፋ እናቐረበ፡ እቲ ህዝቢ ኣብ ግብጺ ዐመረን በዝሔን።
18. ክሳዕ ንዮሴፍ ዘይፈልጦ ኻልእ ንጉስ ኣብ ግብጺ ዚትንስእ፡ እቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዝመሐለሉ ዘመን ተስፋ እናቐረበ፡ እቲ ህዝቢ ኣብ ግብጺ ዐመረን በዝሔን።
19. እዚ ንጉስ እዚ ንዓሌትና ተተናዀሎም፡ ነቦታትና ኸኣ፡ ሕጻናቶም ምእንቲ ኸይዐብዩ፡ ክሳዕ ዚድርብዩ ጨቈኖም።
20. በቲ ዘመን እቲ ሙሴ ተወልደ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ነበረ፡ ሰለስተ ወርሒውን ኣብ ቤት ኣቦኡ ተመገበ።
21. ምስ ተደርበየ ግና፡ ጓል ፈርኦን ኣልዐለቶ፡ ወዳ ኪኸውን ከኣ ኣዕበየቶ።
22. ሙሴ ድማ ኲሉ ጥበብ ግብጻውያን ተማህረ፡ ብቓሉን ብግብሩን ከኣ በርትዔ።
23. ወዲ ኣርብዓ ዓመት ምስ ኰነ ድማ፡ ነሕዋቱ ደቂ እስራኤል ኪበጽሕ ኣብ ልቡ ሓሳብ ኣተዎ።
24. ካባታቶም ሓደ ኸም እተዐመጸ ምስ ረኣየ ድማ፡ ሕነ እቲ ዕሙጽ ዘርዩ ነቲ ግብጻዊ ቐተሎ።
25. እቶም ኣሕዋቱ ግዳ ኣየስተውዐልዎን እምበር፡ ኣምላኽ ብኢዱ ገይሩ ምድሓን ከም ዚህቦም፡ ዜስተውዕሉ ይመስሎ ነበረ።
26. ንጽብሒቱ ኸኣ ንሓድሕዶም ኪብኣሱ ኸለዉ፡ መጾም። ኬተዐርቖም ደልዩ ኸኣ፡ ኣቱም ሰባት፡ ኣሕዋት ኢኹም፡ ከመይከ ንሓድሕድኩም እትተዓማመጹ፧ በሎም።
27. እቲ ንብጻዩ ዚዕምጾ ዝነበረ ግና፡ ንኣኻ መን ሓለቓን ፈራድን ገይሩ፡ ኣባና ሸይሙካ፧ ከምቲ ትማሊ ነቲ ግብጻዊ ዝቐተልካዮዶ ኽትቀትለኒ ትደሊ ኣሎኻ፧ ኢሉ ደፍኦ።
28. እቲ ንብጻዩ ዚዕምጾ ዝነበረ ግና፡ ንኣኻ መን ሓለቓን ፈራድን ገይሩ፡ ኣባና ሸይሙካ፧ ከምቲ ትማሊ ነቲ ግብጻዊ ዝቐተልካዮዶ ኽትቀትለኒ ትደሊ ኣሎኻ፧ ኢሉ ደፍኦ።
29. ሙሴ ድማ ብዛዕባ እዚ ዘረባ እዚ ሀደመ፡ ኣብ ምድሪ ምድያን ድማ ስደተኛ ዀነ፡ ኣብኡ ኸኣ ክልተ ኣወዳት ወለደ።
30. ኣርብዓ ዓመት ምስ መልኤ ድማ፡ ኣብ በረኻ ደብረ ሲና መልኣኽ ብዚነድድ ኣሻዂ ቈጥቋጥ ተራእዮ።
31. ሙሴ እዚ ትርኢት እዚ ምስ ረኣየ፡ ተገረመ፡ ኪጥምቶ እንተ ቐረበ ድማ፡ ኣነ ኣምላኽ ኣቦታትካ፡ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን እየ፡ ዚብል ድምጺ እግዚኣብሄር ተሰምዔ። ሽዑ ሙሴ ኣንቀጥቀጠ ኺጥምት ከኣ ኣይደፈረን።
32. ሙሴ እዚ ትርኢት እዚ ምስ ረኣየ፡ ተገረመ፡ ኪጥምቶ እንተ ቐረበ ድማ፡ ኣነ ኣምላኽ ኣቦታትካ፡ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን እየ፡ ዚብል ድምጺ እግዚኣብሄር ተሰምዔ። ሽዑ ሙሴ ኣንቀጥቀጠ ኺጥምት ከኣ ኣይደፈረን።
33. እግዚኣብሄር ድማ፡ እዛ ደው ኢልካያ ዘሎኻ ቦት ቅድስቲ ምድሪ እያ እሞ፡ ኣሳንእንካ ኣውጽእ።
34. መከራ እቶም ኣብ ግብጺ ዘለዉ ህዝበይ ኣጸቢቐ ርኤኹ እህህታኦም ከኣ ሰማዕኩ ኸውጽኦምውን ወረድኩ፡ ሕጂ ኸኣ ናብ ግብጺ ኽልእከካ፡ ንዓ፡ በሎ።
35. ነዚ፡ ሓለቓን ፈራድን ገይሩ መን እዩ ዝሸመካ፧ ኢሎም ዝነቐፍዎ ሙሴ፡ ንእኡ ኣምላኽ፡ ብኢድ እቲ ኣብ ኣሻዂ ቈጥቋጥ እተራእዮ መልኣኽ ገይሩ፡ ሓለቓን መድሓንን ምእንቲ ኪኸውን ለኣኾ።
36. ንሱ ኸኣ ኣብ ግብጽን ኣብ ባሕሪ ኤርትራን ኣብ በረኻን ኣርብዓ ዓመት ትእምርትን ተኣምራትን እናገበረ ኣውጽኦም።
37. እቲ ንደቂ እስራኤል፡ ኣምላኽ ካብ ኣሕዋትኩም ከም ዝኸማይ ዝበለ ነብዪ ኼተንስኣልኩም እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ፡ ዝበሎም፡ እዚ ሙሴ እዚ እዩ።
38. ኣብ ማሕበር ኣብ በረኻ ምስቲ ኣብ ደብረ ሲና እተዛረቦ መልኣኽ ምስ ኣቦታትናን ዝነበረ፡ ምእንቲ ንኣና ኺህቦ ኸኣ ነቲ ህያው ቃል እተቐበለ፡ ንሱ እዩ።
39. ንእኡ ኣቦታትና ኣበይዎ እምበር፡ ኪእዘዝዎ ኣይደለዩን፡ ብልቦምውን ናብ ግብጺ ተመልሱ።
40. ንኣሮን ድማ፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣና ሙሴ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይነልጥን ኢና እሞ፡ ቀቅድሜና ዚኸዱ ኣማልኽቲ ግበረልና፡ በልዎ።
41. በቲ ቕነቲ ምራኽ ገበሩ፡ መስዋእቲ ድማ ነቲ ምስሊ ጣኦት ሰውኡ፡ ብግብሪ ኣእዳዎም ከኣ ደስ በሎም።
42. ኣምላኽ ግና ካባታቶም ኣግለሰ፡ ኣብ መጽሓፍ ነብያት፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ በተን ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻኸ ሕሩድን ካልእ መስዋእትንሲ ኣቕሪብኩምለይ ዲኹም፧ ምንም፡ ምእንቲ ኽትሰግዱሎም ኢልኩም ዝገበርኩምዎም ምስልታት፡ ድንኳን ሞሎኽን ኰዀብ ኣምላኽኩም ሬፋንን ኢኹም ዝጾርኩም። ስለዚ ኣነ ኽንየው ባቢሎን ከግዕዘኩም እየ፡ ዚብል ጽሑፍ ከም ዘሎ፡ ንሰራዊት ሰማይ ኬምልኹ ፈንዩ ሐደጎም።
43. ኣምላኽ ግና ካባታቶም ኣግለሰ፡ ኣብ መጽሓፍ ነብያት፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ በተን ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻኸ ሕሩድን ካልእ መስዋእትንሲ ኣቕሪብኩምለይ ዲኹም፧ ምንም፡ ምእንቲ ኽትሰግዱሎም ኢልኩም ዝገበርኩምዎም ምስልታት፡ ድንኳን ሞሎኽን ኰዀብ ኣምላኽኩም ሬፋንን ኢኹም ዝጾርኩም። ስለዚ ኣነ ኽንየው ባቢሎን ከግዕዘኩም እየ፡ ዚብል ጽሑፍ ከም ዘሎ፡ ንሰራዊት ሰማይ ኬምልኹ ፈንዩ ሐደጎም።
44. እቲ ንሙሴ ዝነገሮ፡ ከምታ ዝረኣያ ምስሊ ገይሩ ኺሰርሓ ዝኣዘዞ ድንኳን ምስክር ኣብ በረኻ ምስ ኣቦታትና ነበረት።
45. ኣቦታትና ድማ ተቐቢሎምዋ፡ ብእያሱ ተመሪሖም ኪወርሱ ኸለዉ፡ ናብታ ኣምላኽ ክሳዕ ዘመን ዳዊት ካብ ገጽ ኣቦታትና ዝሰጐጎም ኣህዛብ ዝነበርዋ ሃገር ኣእተውዋ።
46. ዳዊት ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዕድል ረኸበ፡ ንኣምላኽ ያእቆብ ዚኸውን ማሕደር ኪረክብ ከኣ ለመነ።
47. ቤት ዝሀነጸሉ ግና ሰሎሞን እዩ።
48. ነብዪ ኸም ዚብል፡ ሰማይ ዝፋነይ፡ ምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይ እዩ። ከመይ ዝበለት ቤት እያ እትሀንጹለይ፧ ወይስ ኣየነይቲ ስፍራ እያ ዝዐርፈላ፧ እዚ ዂሉስ ኢደይዶ ኣይገበረቶን፧ ይብል እግዚኣብሄር፡ እቲ ልዑል ብኢድ ሰብ ኣብ እተሀንጸት ቤት ኣይነብርን እዩ።
49. ነብዪ ኸም ዚብል፡ ሰማይ ዝፋነይ፡ ምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይ እዩ። ከመይ ዝበለት ቤት እያ እትሀንጹለይ፧ ወይስ ኣየነይቲ ስፍራ እያ ዝዐርፈላ፧ እዚ ዂሉስ ኢደይዶ ኣይገበረቶን፧ ይብል እግዚኣብሄር፡ እቲ ልዑል ብኢድ ሰብ ኣብ እተሀንጸት ቤት ኣይነብርን እዩ።
50. ነብዪ ኸም ዚብል፡ ሰማይ ዝፋነይ፡ ምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይ እዩ። ከመይ ዝበለት ቤት እያ እትሀንጹለይ፧ ወይስ ኣየነይቲ ስፍራ እያ ዝዐርፈላ፧ እዚ ዂሉስ ኢደይዶ ኣይገበረቶን፧ ይብል እግዚኣብሄር፡ እቲ ልዑል ብኢድ ሰብ ኣብ እተሀንጸት ቤት ኣይነብርን እዩ።
51. ኣቱም ልብኹምን ኣእዛንኩምን ዘይተገዝረ ተረርቲ ኽሳድ፡ ንስኻትኩም ኲሉ ጊዜ ንመንፈስ ቅዱስ ትጻረርዎ ኣሎኹም። ከምቲ ኣቦታትኩም ዝገበርዎ፡ ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ትገብሩ ኣሎኹም።
52. ካብ ነብያትከ ኣቦታትኩም ዘይሰጐጒዎ መን እዩ፧ ነቶም ብዛዕባ ምምጻእ እቲ ጻድቕ ኣቐዲሞም ዘበሰሩ ድማ ቐተልዎም። ሕጂ ውን ንስኻትኩም ኣሕሊፍኩም ወሃብቱን ቀተልቱን ኰንኩም።
53. ንስኻትኩም ነቲ ሕጊ ብኢድ መላእኽቲ ተቐቢልኩምዎስ ኣይሐሎኹምዎን።
54. እዚ ምስ ሰምዑ፡ ልቦም ነደደ፡ ኣስናኖም ከኣ ሐርቀሙሉ።
55. ንሱ ግና መንፈስ ቅዱስ መልኦ፡ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ኸኣ ክብሪ ኣምላኽን የሱስ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉን ረኣየ እሞ፡
56. እንሆ፡ ሰማይ ተኸፊቱ፡ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉ እርኢ ኣሎኹ፡ በለ።
57. ሽዑ ዓው ኢሎም ጨደሩ ኣእዛኖም ደፊኖም ድማ፡ ሐቢሮም ብሓንሳእ ወረርዎ።
58. ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ወሲዶም ከኣ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ። እቶም ምስክር ድማ ክዳውንቶም ኣብ ጥቓ ኣእጋር ሳውል ዚብሀል ጐበዝ ኣንበሩ።
59. ንእስጢፋኖስ ከኣ እናተማህለለን፡ ጐይታይ የሱስ፡ መንፈሰይ ተቐበል፡ እናበለን፡ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ።
60. ተምበርኪኹ ኸኣ ብዓብዪ ድምጺ፡ ጐይታይ፡ እዚ ሓጢኣት እዚ ኣይትሐዘሎም፡ ኢሉ ጨደረ። እዚ ምስ በለውን ዐረፈ።

  Acts (7/28)