Acts (28/28)    

1. ምስ ደሐንና ኸኣ፡ እታ ደሴት መሊጠ ኸም እትብሀል ፈለጥና።
2. እቶም ደቂ ዓዲ ድማ ኣዝዮም ደንገጹሎም፡ ዝናም ይዘንም ስለ ዝነበረን፡ ስለቲ ቚርን ድማ፡ ሓዊ ኣንዲዶም ንዂላትና ተቐበሉን።
3. ጳውሎስ ግዳ ብዙሕ ቀሸም ኣኪቡ ናብ ሓዊ ኼእቱ ኸሎ፡ ተመን፡ ብምኽንያት እቲ ረስኒ ወጺኡ፡ ኣብ ኢዱ ነኺሱ ጠልጠል በለ።
4. እቶም ደቂ ዓዲ ኸኣ እቲ ኣራዊት ኣብ ኢዱ ጠልጠል ኢሉ ምስ ረኣዩ፡ ንሓድሕዶም፡ እዚ ሰብኣይዚ ብርግጽ ቀታል ነፍሲ እዩ፡ ካብ ባሕሪ እኳ እንተ ደሐነስ፡ እቲ ሕነ ዚፈዲ ኣምላኽ ብህይወት ኪነብር ኣይሐደጎን፡ ተባሃሀሉ።
5. ንሱ ግና ነቲ ኣራዊት ናብ ሓዊ ጸግ ኣበሎ፡ ገለውን ኣይጐድኦን።
6. ንሳቶም ከኣ፡ ኪሐብጥ ወይስ ሕጂሕጂ ሞይቱ ኺወድቕ እዩ፡ ኢሎም ይጽበይዎ ነበሩ። ነዊሕ ምስ ተጸበዩ እሞ እኳ ኸም ዘይጐድኦ ምስ ረኣዩ ኸኣ፡ እዝስ ኣምላኽ እዩ፡ ኢሎም ቃሎም ለወጡ።
7. ኣብ ጥቓ እታ ስፍራ እቲኣ ኸኣ ናይ ጱብልዮስ ዚብሀል ኣውራ እታ ደሴት ሓያሎ ግርሁ ነበራ። ንሱ ብፍቕሪ ተቐቢሉ ሰለስተ መዓልቲ ኣኣንገደና።
8. ኰነ ድማ፡ኣቦ ጱብልዮስ ብዓሶን ብውጽኣት ከብድን ሐሚሙ ነበረ። ጳውሎስ ከኣ ናብኡ ኣትዩ ጸለየሉ፡ ኣእዳዉ ኣንቢሩውን ኣሕወዮ።
9. እዚ ምስ ኰነ ድማ፡ እቶም ካልኦት ሕሙማት ደቂ እታ ደሴት ናብኡ መመጺኦም ተፈወሱ።
10. ብብዙሕ ክብሪ ኸኣ ኣኽበሩና፡ ክንብገስ ከሎናውን፡ ዜድልየና ዘበለ ኣስነቑና።
11. ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኸኣ በታ ኣብታ ደሴት ከሪማ ዝነበረት፡ ዕላማ ድዮስቆሮስ ዘለዋ ናይ እስክንድርያ መርከብ ጌርና ተበገስና።
12. ኣብ ሲራኩላ ምስ በጻሕና ኸኣ፡ ኣብኣ ሰለስተ መዓልቲ ጸናሕና።
13. ካብኣ ሐሊፍና ኸኣ፡ ናብ ረግዮም ኣቶና። ንጽብሒቱ ንፋስ ደቡብ እንተ ተላዕለ ድማ፡ ብኻልኣይቲ መዓልቲ ናብ ጱተዮሉስ ኣቶና።
14. ኣብኣ ኣሕዋት ረኸብና፡ ምሳታቶም ሾብዓተ መዓልቲ ኽንቅኒውን ለመኑና። በዚ ኸምዚ ናብ ሮሜ ኣቶና።
15. እቶም ኣሕዋት ወሬና ምስ ሰምዑ ኸኣ፡ ክሳዕ ኣጵዮስ ፎሩስን ክሳዕ ሰለስተ መሓድርን ኪቕበሉና መጹ። ጳውሎስ ከኣ ምስ ረኣዮም፡ ንኣምላኽ ኣመስገነ ልቡውን ሀድኤ።
16. ኣብ ሮሜ ምስ ኣቶና ኸኣ፡ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ነቶም እሱራት ንሓለቓ ሰራዊት ኣሕሊፉ ሀቦም፡ ጳውሎስ ግና ምስ ሓደ ዚሕልዎ ዓቀይታይ ንበይኑ ኪቕመጥ ተፈቕደሉ።
17. ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ጳውሎስ ነቶም ኣውራታት ኣይሁድ ጸዊዑ ኣኸቦም። ምስ ተኣከቡ ኸኣ፡ በሎም፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ኣነ ምስ ህዝብና ወይስ ምስ ስርዓት ኣቦታት ዚብኣስ ነገር እኳ ዘይገበርኩስ፡ ካብ የሩሳሌም ብእሱረይ ናብ ኢድ ሮማውያን ኣሕለፉኒ።
18. ንሳቶም መርሚሮም ናብ ሞት ዜብጽሕ ምኽንያት እንተ ሰኣኑለይ ከኣ፡ ኪፈትሑኒ ደለዩ።
19. ኣይሁድ ምስ ተረሩ ግና፡ ንህዝበይ ዝኸሰሉ ነገር ዜብለይ ክነሰይሲ፡ ጨኒቑኒ፡ ናብ ቄሳር ይግባኝ፡ በልኩ።
20. እምብኣርሲ ብዛዕባ ተስፋ እስራኤል እየ በዚ መቚሕ እዚ ተኣሲረ ዘሎኹ እሞ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኽርእየኩምን ክዛረበኩምን ዝጸዋዕኩኹም።
21. ንሳቶም ከኣ፡ ንሕና ብዛዕባኻ ኻብ ሃገር ይሁዳ ደብዳበ ኣይተቐበልናን፡ ካብ ኣሕዋት መጺኡ ዘውረየልና ወይስ ብኣኻ ኽፉእ ነገር ዝነገረና የልቦን።
22. ብዛዕባ እዛ ሻራ እዚኣ ግና ኣብ ኲሉ ቦታ ኸም ዚጻረሩ፡ ንፈልጥ ኢና እሞ፡ እቲ ንስኻ እትሐስቦ ዘሎኻ ኻባኻ ኽንሰምዖ ንደሊ ኣሎና፡ በልዎ።
23. መዓልቲ ድማ ቈረጹሉ፡ ብዙሓት ኰይኖም ከኣ ናብታ ሰፊርዋ ዘሎ ቤት መጹ። ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኽሳዕ ምሸት ድማ ካብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን ብዛዕባ የሱስ እናኣረድኤ ብናይ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ እናመስከረ ተርጐመሎም።
24. ገሊኦም ነቲ እተነግረ ኣመንዎ፡ ገሊኦም ግና ኣበይዎ።
25. ንሓድሕዶም ምልጋብ ስሊኖም፡ ተፋላለዩ፡ ጳውሎስ እዛ ሓንቲ ቓል እዚኣ ምስ ተዛረበ፡ መንፈስ ቅዱስ ብነብዪ ኢሳይያስ ነቦታትኩም ጽቡቕ ተዛረቦም፡
26. ከምዚ ኢሉ፡ ናብዚ ህዝቢ እዚ ኺድ እሞ ንገሮም፡ ብእዛኖም ከይሰምዑ፡ በዒንቶም ከይርእዩ፡ ኣእዛኖም ኣጽመሙ፡ ኣዒንቶም ዐመቱ፡ ብልቦም ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ። ኣነውን ከየሕውዮምሲ፡ ልቢ እዚ ህዝቢዚ ረጒድ እዩ እሞ፡ ምስማዕስ ትሰምዑ ከቶ ኣይተስተውዕሉን፡ ምርኣይውን ትርእዩ ከቶ ኣይትጥምቱን ኢኹም።
27. ከምዚ ኢሉ፡ ናብዚ ህዝቢ እዚ ኺድ እሞ ንገሮም፡ ብእዛኖም ከይሰምዑ፡ በዒንቶም ከይርእዩ፡ ኣእዛኖም ኣጽመሙ፡ ኣዒንቶም ዐመቱ፡ ብልቦም ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ። ኣነውን ከየሕውዮምሲ፡ ልቢ እዚ ህዝቢዚ ረጒድ እዩ እሞ፡ ምስማዕስ ትሰምዑ ከቶ ኣይተስተውዕሉን፡ ምርኣይውን ትርእዩ ከቶ ኣይትጥምቱን ኢኹም።
28. እምብኣርስኸ እዚ ምድሓን ኣምላኽ ነህዛብ ከም እተላእከ፡ ኣባኻትኩም ፍሉጥ ይኹን፡ ንሳቶም ከኣ ኪሰምዕዎ እዮም።
29. እዚ ምስ ተዛረበ፡ ኣይሁድ ንሓድሕዶም ብዙሕ እናተኻራኸቡ ወጹ።
30. ጳውሎስ ከኣ ኣብታ እተኻረያ ቤት ክልተዓመት ምሉእ ተቐመጠ፡ ነቶም ናብኡ ዝመጹ ዂሎምውን ይቕበሎም ነበረ።
31. ከይተኸልከለ ኸኣ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ትብዓት እናሰበኸ፡ ብዛዕባ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይምህር ነበረ።

  Acts (28/28)