Acts (27/28)  

1. ናብ ኢጣልያ ብመርከብ ክንከይድ ምስ ተቘርጸ ኸኣ፡ ንጳውሎስን ንሓያሎ ኻልኦት እሱራትን ናብቲ ዩልዮስ ዝስሙ፡ ካብ ሰራዊት ቄሳር ዝዀነ ሓለቓ ሚእቲ፡ ኣሕለፍዎም።
2. ንሃገር እስያ ብትኸይድ መርከብ ኣድራሚቲስ ጌርና ተበገስና፡ ኣርስጠርኮስ፡ ብዓል መቄዶንያ ኻብ ተሰሎንቄ፡ ምሳና ነበረ።
3. ንጽብሒቱ ኣብ ሲዶና በጻሕና። ዩልዮስ ከኣ ንጳውሎስ ብጽቡቕ ገጽ ረኣዮ፡ ናብ ፈተውቱ ኺበጽሕ እሞ ካባታቶም ረዲኤት ኪረክብውን ፈቐደሉ።
4. ካብኣ ነቒልና ኸኣ፡ ንፋስ ብቕድሜና ስለ ዝዀነ፡ ብትሕቲ ቆጵሮስ ሐለፍና።
5. ጸግዓ ጸግዒ ባሕሪ ቂልቅያን ጳምፊልያን ሐሊፍና፡ ናብ ሚራ ምድሪ ሉቅያ ኣቶና።
6. እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኸኣ ኣብኣ ናብ ኢጣልያ እትኸይድ መርከብ እስክንድርያ ረኸበ እሞ ናብኣ ኣእተወና።
7. ብዙሕ መዓልቲ ገፈፍ እናበልና ኸድና፡ ብጭንቂ ድማ ኣብ መንጽር ክኒዶስ አጻሕና። ናብኣ ኸይንቐርብ ንፋስ እንተ ኸልከለና ኸኣ፡ ብትሕቲ ቅሬጥስ ብመንጽር ሰልሞና ሐለፍና።
8. ብተጋድሎ ብጎቦኣ ምስ ሐለፍና ኸኣ፡ ጽቡቕ ወደብ ናብ እትብሀል ስፍራ መጻእና፡ ካብኣ ንኸተማ ላስያ ቐረባ እዩ።
9. በዚ ኸምዚ ብዙሕ ወርሓት ምስ ሐለፈ፡ ጊዜ ጾም ድሮ ሐሊፉ ስለ ዝነበረ፡ ምኻድ መራኽብ ዜፍርህ ስለ ዝዀነ፡ ጳውሎስ፡ ኣቱም ሰብ፡ ንነፍስና ድማ እምበር፡ ንጽዕነትን ንመርከብን ጥራይ እኳ ዘይኰነስ፡ መገድና ብጭንቅን ብብዙሕ ጒድኣትን ከም ዚኸውን እርኢ ኣሎኹ፡ ኢሉ መዐዶም።
10. በዚ ኸምዚ ብዙሕ ወርሓት ምስ ሐለፈ፡ ጊዜ ጾም ድሮ ሐሊፉ ስለ ዝነበረ፡ ምኻድ መራኽብ ዜፍርህ ስለ ዝዀነ፡ ጳውሎስ፡ ኣቱም ሰብ፡ ንነፍስና ድማ እምበር፡ ንጽዕነትን ንመርከብን ጥራይ እኳ ዘይኰነስ፡ መገድና ብጭንቅን ብብዙሕ ጒድኣትን ከም ዚኸውን እርኢ ኣሎኹ፡ ኢሉ መዐዶም።
11. እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና ካብቲ ጳውሎስ ዚብሎ ዘረባ ነቲ መራሕ መርከብን ነቲ ዋናኣን ኣዝዩ ይኣምን ነበረ።
12. እቲ ወደብ ንምኽራም ዘይጥዕሞም ስለ ዝዀነ፡ እቶም ዚበዝሑ ኻብኡ ኺነቕሉ እሞ ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ናብ ፍንቄ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ሊባን ናብ ባሕሪ ገጹ ዚርኢ ናይ ቅሬጥስ ወደብ ኣትዮም ኪኸርሙ መኸሩ።
13. ህዱእ ንፋስ ደቡብ ምስ ነፈሰ ኸኣ፡ ከም ሓሳቦም ዝዀነሎም መሲልዎምሲ፡ መልህቅ ኣልዒሎም ብጸግዒ ቅሬጥስ ሐለፉ።
14. ሽዑ ኸኣ ብዙሕ ከይደንጐየ፡ ኤውሮክሊዶን ዚብሀል ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብታ ደሴት ተላዕለ።
15. ነታ መርከብ መንዚዑ ምስ ወሰዳ ኸኣ፡ ንሳ ነቲ ንፋስ ክትቃወሞ ስለ ዘይከኣለት፡ ስዲ ትኺድ ሐደግናያ።
16. ኣብ ጸግዒ ከላውዳ እትብሀል ደሴት ምስ በጻሕና ድማ፡ ብተጋድሎ ንጃልባ እታ መርከብ ከነድሕን ከኣልና።
17. ስሒቦም ምስ ኣውጽእዋ፡ ብታሕቲ ብገመድ ኣሲሮም መጻንሒ ገበሩ። ኣብ በት ሑጻ ኸይወድቁ ፈሪሆም ድማ፡ ነቲ ጋንጽላ ጠቕሊሎም፡ ከምኡ ኢላ ትኺድ ሐደግዋ።
18. ንጽብሒቱ ማዕበል እናበርትዓና እንተ ኸደ ኸኣ፡ ካብቲ ጽዕነት ናብ ባሕሪ ደርበዩ።
19. ብሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ነቲ ኣቓሑ መርከብ አእዳዎም ደርበይዎ።
20. ብዙሕ መዓልቲ ጸሓይ ኰነ ኸዋኽብቲ ዀነ ኸይርኤና፡ ማዕበል እናበርትዓና እንተ ኸደ፡ ኲሉ ተስፋ ምድሓን ነፍስና ፈጺምና ቐበጽና።
21. ብዘይ ምግቢ ብዙሕ መዓልቲ ምስ ገበሩ ድማ፡ ጳውሎስ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ በሎም፡ ኣቱም ሰብ፡ እቲ ኻብ ቅሬጥስ ከይነቐልኩም ሰሚዕኩምኒ እንተ ትዀኑስ ግዲ፡ እዚ ጸበባን ጒድኣትን እዚ ኣይምረኸበኩምን ነይሩ።
22. ሕጂ ድማ፡ እዛ መርከብ ደኣ እምበር፡ ካባኻትኩምሲ ሓንቲ ነፍሲ እኳ ኣይትጠፍእን እያ እሞ፡ ክትሀድኡ እልምነኩም ኣሎኹ።
23. በዛ ለይቲ እዚኣ እቲ መልኣኽ ናይቲ ኣነ ዝናቱን ዘገልግሎን ኣምላኸይ ኣብ ጥቓይ ደው ኢሉ፡ ጳውሎስ፡ ኣብ ቅድሚ ቄሳር ደው ክትብል ኢኻ። እንሆ፡ ነቶም ምሳኻ ዚሳገሩ ዂላቶምውን ኣምላኽ ሂቡካ ኣሎ፡ ኣይትፍራህ፡ በለኒ።
24. በዛ ለይቲ እዚኣ እቲ መልኣኽ ናይቲ ኣነ ዝናቱን ዘገልግሎን ኣምላኸይ ኣብ ጥቓይ ደው ኢሉ፡ ጳውሎስ፡ ኣብ ቅድሚ ቄሳር ደው ክትብል ኢኻ። እንሆ፡ ነቶም ምሳኻ ዚሳገሩ ዂላቶምውን ኣምላኽ ሂቡካ ኣሎ፡ ኣይትፍራህ፡ በለኒ።
25. ኣቱም ሰብ፡ ኣነ ኸኣ ከምቲ ንሱ ዝነገረኒ ኸም ዚኸውን ንኣምላኽ እኣምኖ እየ እሞ፡ ስለዚ ኣጆኹም።
26. ግናኸ ናብ ሓንቲ ደሴት ክንግፋዕ ኢና።
27. ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ለይቲ ኣብ ባሕሪ ኣድርያ ኽንመላለስ ከሎና፡ እቶም ኣገልገልቲ መርከብ ኣብ ፍርቂ ለይቲ ናብ ምድሪ ዝቐረቡ መሰሎም።
28. ሽዑ መለክዒ ገይሮም እንተ ኣቘሩ፡ ዕስራ ብቚመት ሰብ ረኸቡ። ካብኡ ቕሩብ ሕልፍ ኢሎም፡ ካልኣይ ከኣ መለክዒ ገይሮም ኣቘሩ እሞ ዓሰርተው ሓሙሽተ ብቚመት ሰብ ረኸቡ።
29. ከውሒ ኣብ ዘሎዎ ኸይንወድቕ ፈሪሆም፡ ብሸነኽ ድሕሪት ነታ መርከብ ኣርባዕተ መልህቅ ኣውረዱ። መዓልቲ ኪኸውን ከኣ ተመነዩ።
30. እቶም ኣገልገልቲ መርከብ ድማ ካብታ መርከብ ኪሀድሙ ደልዮምሲ፡ ብወገን ቅድሚታ መልህቅ ከም ዜውርዱ መሲሎም፡ ነታ ጃልባ ናብ ባሕሪ ኣውረድዋ።
31. ጳውሎስ ከኣ ነቲ ሓለቓ ሚእትን ነቶም ዓቀይትን፡ እዚኣቶም ኣብ መርከብ እንተ ዘይጸንሑ፡ ንስኻትኩም ኣይትድሕኑን ኢኹም፡ በሎም።
32. ሽዑ እቶም ዓቀይቲ ማእሰር እታ ጃልባ በቲኾም፡ ትውደቕ ሐደግዋ።
33. ጳውሎስ ከኣ፡ እናተጸቤኹም ገለ ኸይጠዐምኩም ጾምኩም ሎሚ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልትኹም እዩ እሞ፡ እንጌራ ብልዑ፡ ኢሉ ምድሪ ኽሳዕ ዚወግሕ ንዂላቶም ለመኖም፡
34. እምብኣርከ እዚ ንምድሓንኩም ስለ ዝዀነ፡ ካብ ሓደ ኻባኻትኩም ጸጒሪ ርእሲ እኳ ኣይክትጠፍእን እያ እሞ፡ ክትበልዑ እልምነኩም ኣሎኹ፡ በሎም።
35. እዚ ምስ በለ፡ እንጌራ ኣልዒሉ ንኣምላኽ ኣመስገነ፡ ኣብ ቅድሚ ዂላቶም ድማ ቈሪሱ ኺበልዕ ጀመረ።
36. ኲላቶም ከኣ ሀድኡ እንጌራውን በልዑ።
37. ኣብታ መርከብ ዝነበርና ዂላትና ኸኣ ክልተ ሚእትን ሰብዓን ሹድሽተን ነፍሲ ኢና።
38. በሊዖም ምስ ጸገቡ ኸኣ፡ ነቲ ስርናይ ናብ ባሕሪ ደርብዮም፡ ነታ መርከብ ኣቕለሉላ።
39. ምስ ወግሔ ኸኣ፡ ነቲ ምድሪ ኣየለለይዎን። ኣማዕድዮም ግና፡ ገምገም ዘለዎ ልሳን ባሕሪ ረኣዩ እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነታ መርከብ ናብኡ ኼብጽሕዋ ደለዩ።
40. ነቲ መልህቅ ፈቲሖም ከኣ፡ ናብ ባሕሪደርበይዎ። ድሕሪኡ ነቲ ማእሰር ስካን ፈትሕዎ፡ ነቲ ንእሽቶ ጋንጽላ ንንፋስ ገቲሮምውን፡ ናብቲ ገምገም ገጾም ከዱ።
41. ኣብ ሓደ ልሳን ምድሪ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ነታ መርከብ ልዕል ኣበልዋ ብወገን ቅድሚታ ኸኣ ተሸኽለት እሞ ዘይትንቕነቕ ኰነት፡ ብወገን ድሕሪታ ግና ማዕበል በርቲዕዋ ተሰብረት።
42. እቶም ዓቀይቲ ድማ ነቶም እሱራት፡ ሓደ እኳ ሐሚሱ ምእንቲ ኸየምልጥ ኢሎም፡ ኪቐትልዎም ተማኸሩ።
43. እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና ንጳውሎስ ኬድሕኖ ደልዩ ነቲ ምኽሮም ኣይሰመሮን። ነቶም ሓሚሶም ዚኽእሉ ድማቅድም ወሪዶም ናብ ምድሪ ኺወጹ ኣዘዘ፡
44. ነቶም ዝተረፉ ኸኣ፡ ገሊኦም ብሉሕ ገሊኦምውን ብስባር እታ መርከብ ይውጽኡ፡ በለ። በዚ ኸምዚ ዂላቶም ድሒኖም ናብ ምድሪ በጽሑ።

  Acts (27/28)