Acts (25/28)  

1. ፌስጦስ ነታ ሽመት ምስ ሐዛ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኻብ ቂሳርያ ናብ የሩሳሌም ደየበ።
2. ሊቃውንቲ ኻህናትን ሹማት ኣይሁድን ከኣ ንጳውሎስ ነገር ኣልዐሉሉ።
3. ኣብ መገዲ ኣድብዮም ኪቐትልዎ ደልዮም፡ ናብ የሩሳሌም ኬደይበሎም ሞገስ ለመንዎ።
4. ፌስጦስ ከኣ፡ ጳውሎስ ኣብ ቂሳርያ ይሕሎ ኸም ዘሎ፡ ንሱ ድማ ቀልጢፉ ናብኣ ንምውራድ ከም፡ ዝሐሰበ፡ መለሰሎም፡
5. እምብኣርሲ ኻባታትኩም እቶም ከኣልቲ ዘለዉ ምሳይ ይውረዱ እሞ ኣብቲ ሰብኣይ እቲ በደል እንተሎ፡ ይኽሰስዎ፡ በሎም።
6. ምሳታቶም ኣስታት ሾሞንተ ወይስ ዓሰርተ መዓልቲ ምስ ገበረ ኸኣ፡ ናብ ቂሳርያ ወረደ። ንጽብሒቱውን ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ፡ ንጳውሎስ ኬምጽእዎ ኣዘዘ።
7. ጳውሎስ ምስ መጸ ኸኣ፡ እቶም ካብ የሩሳሌም ዝወረዱ ኣይሁድ ከቢቦምዎ ደው በሉ፡ ኪረትዑሉ ዘይክእሉ ብዙሕን ከቢድን ክሲ ኸኣ ከሰስዎ።
8. ጳውሎስ ድማ፡ ኣነ ንሕጊ ኣይሁድ ኰነ ንቤተ መቕደስ ወይስ ንቄሳር ኰነ ኣይበደልኩን፡ ኢሉ ተመጻረየ።
9. ፌስጥስ ከኣ ንኣይሁድ ባህ ኬብል ደልዩስ ንጳውሎስ፡ ናብ የሩሳሌም ክትድይብ እሞበዚ ነገርዚ ኣብኣ ኣብ ቅድመይ ክትፍረድዶ ትፈቱ ኢኻ፧ ኢሉ መለሰሉ።
10. ጳውሎስ ግና፡ ኣነ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ እቐውም ኣሎኹ፡ ኣብኡ ኽፍረድ እየ ዚግብኣኒ፡ ንስኻ ኣጸቢቕካ ኸም እትፈልጥ ከኣ፡ ንኣይሁድ ኣይበደልክዎምን፡
11. ዐሚጸ ናብ ሞት ዜብጽሕ ገይረ እንተ ኸይነ ግና፡ ከይመውት እኳ ኣይልምንን እየ። እዚ ዚኸሱኒ ብኸምኡ እንተ ዀይኑኸ፡ ንኣታቶም ኣሕሊፉ ኺህበኒ ዚኽእል ከቶ የልቦን። ኣነ፡ ናብ ቄሳር ይግባኝ፡ ኢለ ኣሎኹ፡ በለ።
12. ሽዑ ፌስጦስ ምስቶም ኣማኸርቲ ተዛሪቡ፡ ናብ ቄሳር ይግባኝ፡ ካብ በልካስ፡ ናብ ቄሳር ክትከይድ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ።
13. ሓያሎ መዓልቲ ምስ ሐለፈ ኸኣ፡ ንጉስ ኣግሪጳን በርኒቄን ንፌስጦስ ኪበጽሕዎ ፡ ናብ ቂሳርያ ወረዱ።
14. ኣብኣ ብዙሕ መዓልቲ ምስ ገበሩ ኸኣ፡ ፌስጦስ ነቲ ንጉስ ናይ ጳውሎስ ነገር ከምዚ ኢሉ ኣዘንተወሉ፡ ፌሊክስ ብእሱሩ ዝሐደጎ ሰብኣይ ኣብዚ ኣሎ፡
15. ናብ የሩሳሌም ከይደ ኸሎኹ ኸኣ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ኣይሁድን ዓበይቶምን መጺኦም ንእኡ ኽፈርዶ ለመኑኒ።
16. ንተኸሳሲ ምስ ከሰስቱ ገጽ ንገጽ ደው ከየበልካዮ፡ በቲ ዝኸሰስዎ ኺመጻረ ጊዜ ኸይሀብካዮ፡ ተቓዳዲምካ ንሓደ እኳ ኣሕሊፍካ ምሃብ ስርዓት ሮማውያን ከም ዘይኰነ ድማ፡ መለስኩሎም።
17. እምብኣርስኸ ኣብዚ ምስ ተኣከቡ፡ ከየደናጔኹ ንጽብሒቱ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጠ፡ ነቲ ሰብኣይ ኬምጽእዎ ኣዘዝኩ።
18. እቶም ከሰስቱ ደው ምስ በሉ ግና፡ ብጀካ ብናይ ኣምልኾኦም ዝዀነ ነገር ባእሲ ብዛዕባ ሓደ ምዉት፡ ጳውሎስ ግና ህያው እዩ ዚብሎ የሱስ እንተ ዘይኰይኑ፡ ንኣይ ከም ዝመሰለንስ፡ ገለ ኽፉእ ክሲ እኳ ኣየምጽኡሉን።
19. እቶም ከሰስቱ ደው ምስ በሉ ግና፡ ብጀካ ብናይ ኣምልኾኦም ዝዀነ ነገር ባእሲ ብዛዕባ ሓደ ምዉት፡ ጳውሎስ ግና ህያው እዩ ዚብሎ የሱስ እንተ ዘይኰይኑ፡ ንኣይ ከም ዝመሰለንስ፡ ገለ ኽፉእ ክሲ እኳ ኣየምጽኡሉን።
20. ኣነ ኸኣ፡ በዚ ነገርዚ ዝገብሮ እንተ ጨነቐኒ፡ ናብ የሩሳሌም ክትድይብ እትፈቱ እንተ ዄንካ፡ በዚ ነገርዚ ኣብኣ ኽትፍረድ፡ በልክዎ።
21. ጳውሎስ ግና፡ ኣብ ቄሳር ክሳዕ ዚምርመር ምእንቲ ኺሕሎ፡ ይግባኝ፡ ምስ በለ፡ ናብ ቄሳር ክሳዕ ዝሰዶ ኺሕሎ ኣዘዝኩ።
22. ኣግሪጳ ኸኣ ንፌስጦስ፡ ነዚ ሰብኣይ እዝስ ኣነውን ክሰምዖ ምፈቶኹ፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ ጽባሕ ትሰምዖ፡ በሎ።
23. ንጽብሒቱ ድማ ኣግሪጳን በርኒቄን ምስቶም ሓላቑ ሽሕን ዓበይቲ ኸተማን ብብዙሕ ግርማ ናብ ኣዳራሽ ፍርዲ ኣተዉ። ፌስጦስ ከኣ ንጳውሎስ ኬምጽእዎ ኣዘዘ።
24. ፌስጦስ ድማ በለ፡ ዎ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ኣቱም ምሳና ዘሎኹም ኲላትኩም ሰብ፡ እዚ እትርእይዎ ዘሎኹም ስብኣይ ደጊም ንሱ ብህይወት ኪነብር ከም ዘይግብኦ፡ ኲላቶም ኣይሁድ፡ ኣብ የሩሳሌም ኰነ ኣብዚ ዀነ፡ እናጠርዑ ለመኑኒ።
25. ኣነ ግና ከቶ ኣብ ሞት ዜብጽሕ ነገር ኣይረኸብኩሉን። ባዕሉ፡ ናብ ቄሳር ይግባኝ፡ ምስ በለ ኸኣ፡ ንምስዳዱ ቘሪጸ ኣሎኹ።
26. ብዛዕባኡ ናብ ጐይታይ ዝጽሕፎ ፍሉጥ ነገር ግና የብለይን። ስለዚ ንሱ ምስ ተመርመረ ዝጽሕፎ ነገር ምእንቲ ኽረክብሲ፡ ናባኻትኩም፡ ምናዳ ኸኣ፡ ዎ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ናባኻ ኣምጺኤዮ ኣሎኹ።
27. ማለት፡ ምኽንያት ማእሰርቱ ኸይነገርኩ፡ ንእሱር ሰብ ምስዳደይ ዕሽነት ኰይኑ ይረኣየኒ ኣሎ።

  Acts (25/28)