Acts (24/28)  

1. ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ ሃናንያ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት፡ ምስ ሓያሎ ዓበይትን ጠርጠሎስ ምስ ዚብሀል ሓደ ኸኣል ዘረባን ወረደ። ንሳቶም ድማ ንጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እቲ ራእሲ ኸሰስዎ።
2. ንሱ ምስ ተጸውዔ ድማ፡ ጠርጠሎስ ከምዚ ኢሉ ኪኸሶ ጀመረ፡
3. ዎ ልኡል ፌሊክስ፡ ብኣኻ ብዙሕ ሰላም ከም ዝረኸብና፡ ብምህዞኻ ድማ ነዚ ህዝቢዚ ብዙሕ ምሓሽ ከም ዝዀነሉ፡ ብዂሉ ኣብ ፍቕዳ ሃገር እናተኣመንና ነማስወካ ኣሎና።
4. ኣዝየ ኸየንውሓልካ ግና፡ ብሓጺሩ ብለውሃት ክትሰምዓና እልምነካ ኣሎኹ።
5. ንሕና ነዚ ሰብኣይዚ መራሒ ወገን ናዝሬታውያን ኰይኑ፡ ኣብ ብዓለሙ ንዘለዉ ዂላቶም ኣይሁድ ፌራን መነዓብን ኰይኑ ረኸብናዮ።
6. ቤተ መቕደስ ከኣ ኬርክስ ደልየ እሞ፡ ሐዝናዮ ኸም ሕግናውን ክንፈርዶ ደሌና።
7. ግነኸ ሊሰያስ፡ እቲ ሓለቓ ሽሕ፡ መጺኡ ብብዙሕ ሓይሊ ኻብ ኢድና ወሰዶ።
8. ንኸሰስቱ ድማ ናባኻ ኺሐልፉ ኣዘዘ። ብዛዕባዚ ንሕና እንኸሶ ዘሎና ዂሉ ኸኣ ባዕልኻ ንእኡ መርሚርካ ኸተስተውዕሎ ይከኣለካ እዩ።
9. ኣይሁድውን ነቲ ኽሲ ሰሚሮም፡ እወ፡ እዚ ነገርዚ ኸምኡ እዩ፡ በሉ።
10. እቲ ራእሲ ኺዛረብ ምስ ኣመልከቶ ኸኣ፡ ጳውሎስ መለሰ፡ ካብ ብዙሕ ዓመት ጀሚርካ ነዚ ህዝብዚ ፈራዲ ምዃንካ እፈልጥ እየ፡ ስለዚ ንርእሰይ ብትብዓት እመጻረየላ ኣሎኹ።
11. ክሰግድ ኢለ ናብ የሩሳሌም ካብ ዝድይብ፡ ካብ ዓሰርተው ክልተ መዓልቲ ዚበዝሕ ከም ዘይገበርኩ፡ ክትፈልጦ ይከኣለካ እዩ።
12. ኣብ ቤት መቕደስ ምስ ሓደ እኳ ኽዛረብ ወይስ ኣብ ህዝቢ ባእሲ ኸልዕል፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎት ኰነ ኣብ ከተማ ዀነ፡ ኣይረኸቡንን።
13. ሕጂውን በዚ ዚኸሱኒ ዘለዉ ነገር ኣብ ብርክኻ ኪረትዑሉ ኣይኽእሉን እዮም።
14. ኣነ ግና ነቲ ኣብ ሕግን ነብያትን ተጽሒፊ ዘሎ ዂሉ እናኣመንኩ፡ በታ ንሳቶም መናፍቕነት ዚብልዋ ዘለዉ መገዲ ኸምኡ ገይረ ንኣምላኽ ኣቦታተይ ከም ዘምልኽ፡ እዚ እእመነልካ ኣሎኹ።
15. ከምቲ ንሳቶም ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን ዚጽበይዎ፡ ከምኡውን ኣነ ኣብ ኣምላኽ ተስፋ ኣሎኒ።
16. ስለዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን እንታ ዜብሉ ሕሊና ኺህልወኒ፡ ኲሉ ጊዜ እጽዕር ኣሎኹ።
17. ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ከኣ ንህዝበይ ምጽዋት ከብጽሕን መስዋእቲ ክቕርብን መጻእኩ።
18. ሽዑውን ካብ እስያ ዝመጹ ሓያሎ ኣይሁድ ብዘይ ኣኼባ ህዝብን ብዘይ ምንዓብን ኣብ ቤተ መቕደስ ነጺሄ ረኸቡኒ።
19. ንሳቶም ኣባይ ገለ እንተ ዚህልዎምሲ፡ ናባኻ መጺኦም ኪኸሱኒ ምተገብኤ ነይሩ።
20. ወይስ ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ቘይመ ኸሎኹ፡ ብዘይ እዛ ኣብ ማእከልኩም ብደወይ ዓው ኢለ፡ ሎሚ ኣነ ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ኣብ ቅድሜኹም እፍረድ ኣሎኹ፡ ዝበልክዋ ሓንቲ ዘረባ እንተ ዘይኰይናስ፡ ዝበልክዋ ሓንቲ ዘርባ እንተ ዘይኰይናስ፡ ገለ በደል ረኺቦምለይ እንተ ዀይኖም፡ እዚኣቶም ይንገሩ።
21. ወይስ ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ቘይመ ኸሎኹ፡ ብዘይ እዛ ኣብ ማእከልኩም ብደወይ ዓው ኢለ፡ ሎሚ ኣነ ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ኣብ ቅድሜኹም እፍረድ ኣሎኹ፡ ዝበልክዋ ሓንቲ ዘረባ እንተ ዘይኰይናስ፡ ዝበልክዋ ሓንቲ ዘርባ እንተ ዘይኰይናስ፡ ገለ በደል ረኺቦምለይ እንተ ዀይኖም፡ እዚኣቶም ይንገሩ።
22. ፌሊክስ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ናይዛ መገዲ እዚኣ ኣጸቢቑ ስለ ዝፈለጠ፡ ሊስያስ፡ እቲ ሓለቓ ሽሕ፡ ምስ ወረደ፡ ሽዑ ነገርኩም ኣጸቢቐ ኽምርምር እየ፡ ኢሉ እቲ ነገሮም ይጽናሕ ሐደጎ።
23. ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ድማ ንጳውሎስ ኪሕልዎ ማእሰርቲ ኼቕልለሉ፡ ካብ ሰቡ ኼገልግሎ እንተ ደለየውን፡ ንሓደ እኳ ኸይክልክ ኣዘዞ።
24. ድሕሪ ሓያሎ መዓልቲ ኸኣ ፌሊክስ ምስታ ኣይሁዳዊት ድሩሲላ ሰበይቱ መጺኡ ንጳውሎስ ልኢኹ ጸዊዑ፡ ብዛዕባ እምነት ብክርስቶስ የሱስ ካብኡ ሰምዔ።
25. ብናይ ጽድቅን ንጽህናን ብናይቲ ዚመጽእ ፍርድን ምስ ነገሮ ግና፡ ፌሊክስ ሰምቢዱ፡ ሕጅስ መገድኻ ኺድ፡ ብዝምችወኒ ጊዜ ኽትመጸኒ ኽልእከልካ እየ፡ ኢሉ መለሰሉ።
26. ምስናይዚ ድማ ካብ ጳውሎስ ገንዘብ ኪረክብ ትስፋ ይገብር ነበረ፡ ስለዚ ብዙሕ ጊዜ ለልኢኹ እናምጽኤ ይዛረቦ ነበረ።
27. ክልተ ዓመት ምስ ሐለፈ፡ ጶርቅዮስ ፌስጦስ ኣብ ክንዲ ፌሊክስ ተሸመ። ፌሊክስ ከኣ ንኣይሁድ ባህ ኬብል ደልዩ ንጳውሎስ ብእሱሩ ሐደጎ።

  Acts (24/28)