Acts (22/28)  

1. ኣቱም ኣቦታተይን ኣሕዋተይን፡ እዚ ሕጂ ኣባኻትኩም ዝመጻረየሉ ነገር ስምዑኒ።
2. ብቛንቋ እብራይስጢ ኺዛረብ ምስ ሰምዕዎ፡ ኣዝዮም ጸጥ በሉ። ንሱ ኸኣ በለ፡
3. ኣነስ ኣብ ጠርሴስ ናይ ቂልቅያ እተወለድኩ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ እየ። ሕጊ ኣቦታት ኣጸቢቐ እናተመሀርኩ ኸኣ፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ኣብ ትሕቲ እግሪ ገማልኤል እየ ዝዐቤኹ። ከምዚ ዂላትኩም ሎም ዘሎኹምዎ ኸኣ፡ ብናይ ኣምላኽ ቀናእ ኰንኩ።
4. ሰብኡትን ኣንስትን ኣኣሲረ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣሕሊፈ እናሀብኩ፡ ነዛ መገዲ እዚኣ ኽሳዕ ሞት ሰጐጒክዋ።
5. ምእንቲ ኪቕጽዑ ኸኣ ንኣታቶም ኣኣሲረ ናብ የሩሳሌም ከምጽኦም፡ እቲ ሊቀ ኻህናትን ኲላቶም ዓበይቲ፡ ካባታቶም ነሕዋት ደብዳቤታት ተቐቢለ፡ ናብ ደማስቆ ምኻደይ ይምስክሩለይ እዮም።
6. ኰነ ድማ፡ ክኸይድ ከሎኹ፡ ናብ ደማስቆ ምስ ቀረብኩ፡ ኣጋ ቐትሪ ብድንገት ካብ ሰማይ ዓብዪ ብርሃን ኣብርሃለይ።
7. ኣብ ምድሪ ኸኣ ወደቕኩ፡ ሳውል፡ ሳውል፡ ንምንታይ እትሰጐኒ፧ ዚብለኒ ድምጺውን ሰማዕኩ።
8. ኣነ ድማ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ መን ኢኻ፧ ኢለ መለስኩሉ። ንሱውን ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ የሱስ ናዝሬታዊ እየ፡ በለኒ።
9. እቶም ምሳይ ዝነበሩ ነቲ ብርሃን ረኣይዎ፡ ናይቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ ድምጺ ግና ኣይሰምዑን።
10. ሽዑ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ እንታይ እግበር፧ በልክዎ። ጐይታ ድማ፡ ተንሲእካ ናብ ደማስቆ እቶ፡ እቲ ኽትገብሮ እተሰርዓልካ ዘበለ ኸኣ ኣብኣ ኺነግሩኻ እዮም፡ በለኒ።
11. ብምንጽብራቕ እቲ ብርሃን ምርኣይ እንተ ሰኣንኩ ድማ፡ እቶም ምሳይ ዝነበሩ መሪሖም ናብ ደማስቆ ኣእተዉኒ።
12. ሃናንያ ዚብሀል፡ ከም ሕጊ ገይሩ ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ፡ ኣብኣ ዚነብሩ ዂላቶም ኣይሁድ ጽቡቕ ምስክር ዝመስከሩሉ ሰብኣይ፡
13. ናባይ መጺኡ ኣብ ጥቓይ ደው ኢሉ፡ ሳውል ሓወይ፡ ርኤ፡ በለኒ። ኣነ ድማ ብኡብኡ ርኤኹ እሞ ጠመትክዎ።
14. ንሱ ኸኣ፡ ኣምላኽ ኣቦታትና ብዝርኤኻዮን ብዝሰማዕካዮን ኣብ ኲሉ ሰብ ምስክር ምእንቲ ኽትኰኖን፡ ፍቓዱ ኽትፈልጥን ነቲ ጻድቕ ከኣ ክትርእዮን ካብ ኣፉውን ቃል ክትሰምዕ ቅድም ሐረየካ።
15. ንሱ ኸኣ፡ ኣምላኽ ኣቦታትና ብዝርኤኻዮን ብዝሰማዕካዮን ኣብ ኲሉ ሰብ ምስክር ምእንቲ ኽትኰኖን፡ ፍቓዱ ኽትፈልጥን ነቲ ጻድቕ ከኣ ክትርእዮን ካብ ኣፉውን ቃል ክትሰምዕ ቅድም ሐረየካ።
16. ሕጂኸ ንምንታይ እትድንጒ፡ ተንሲእካ ተጠመቕ፡ ስም ጐይታ ጸዊዕካ ኻብ ሓጢኣትካ ተሐጸብ፡ በለኒ።
17. ኰነ ድማ፡ ናብ የሩሳሌም ተመሊሰ፡ ኣብ መቕደስ ኰይነ ኽጽሊ ኸሎኹ፡ ተመሰጥኩ እሞ፡
18. ነቲ ብዛዕባይ እትምስክሮ ኣይቅበሉኻን እዮም፡ ስለዚ ኻብ የሩሳሌም ቀልጢፍካ ውጻእ፡ ኪብለኒ ኸሎ ርኤኽዎ።
19. ኣነ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ኣነ ነቶም ብኣኻ ዚኣምኑ እኣስሮምን ኣብ ቤት ጸሎት እወቕዖምን ከም ዝነበርኩ፡ ባዕላቶም ይፈልጡ እዮም።
20. ደም እስጢፋኖስ ምስክርካ ኬፍስሱ ኸለዉ ድማ፡ ባዕለይ ምሳታቶም ሰሚረ ኣብኡ ደው ኢለ ነይረ፡ ክዳውንቲ እቶም ዝቐተልዎውን ሐሎኹ፡ በልክዎ።
21. ንሱ ኸኣ፡ ኣነ ንርሑቕ ናብ ኣህዛብ እልእከካ ኣሎኹ እሞ፡ ኪድ፡ በለኒ።
22. ክሳዕ እዚ ቓልዚ ሰምዕዎ። ድሕሪኣኡ ግና ድምጾም ዓው ኣቢሎም፡ ከምዚ ዝበለ ሰብ ብህይወት ኪነብር ኣይግብኦን እዩ እሞ፡ ካብ ምድሪ ይርሐቕ፡ በሉ።
23. ንሳቶም እናጨደሩ ኽዳውንቶም እናደርበዩ፡ ሓመድ ንላዕሊ እንተ በተኑ፡
24. እቲ ሓለቓ ሽሕ፡ ነቲ ዚጭድሩሉ ዘለዉ ምኽንያቱ ምእንቲ ኺፈልጥሲ፡ ብመግረፍቲ ኺምርመር ናብ ሰፈር ኬእትውዎ ኣዘዘ።
25. ኪገርፍዎ በጥ ምስ ኣበልዎ ኸኣ፡ ጳውሎስ ነቲ ደው ኢሉ ዘሎ ሓለቓ ሚእቲ፡ ንሮማዊ ሰብ ብዘይ ፍርዲ ኽትገርፍዶ ተፈቒዱልኩም እዩ፧ በሎ።
26. እቲ ሓለቓ ሚእቲ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ከይዱ ነቲ ሓለቓ ሽሕ፡ እዚ ሰብኣይ ሮማዊ እዩ እሞ፡ እቲ እትገብሮ ዘሎኻ ፍለጥ፡ ኢሉ ነገሮ።
27. እቲ ሓለቓ ሽሕ ከኣ መጺኡ፡ ኣታ፡ ሮማዊ ዲኻ፧ እስኪ ንገረኒ፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ እወ፡ በለ።
28. እቲ ሓለቓ ሽሕ ከኣ፡ ኣነ ንርእሰይ ሮማዊ ንምዃን ብዙሕ ገንዘብ ሂበ ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። ጳውሎስ ከኣ፡ ኣነስ እባ ተወሊደሉ እየ፡ በሎ።
29. እቶም ኪምርምርዎ ኢሎም ዝነበሩ ቐልጢፎም ካብኡ ኣግለሱ። እቲ ሓለቓ ሽሕ ድማ ሮማዊ ምዃኑ ምስ ፈለጠ፡ ስለ ዝኣሰሮ ፈርሄ።
30. ኣይሁድ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝኸሰስዎ ርግጽ ነገር ኪፈልጥ ደልዩ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ ፈትሖ፡ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንብዘሎ እቲ ዋዕላን ከኣ ኪእከቡ ኣዘዞም፡ ንጳውሎስ ድማ ኣውሪዱ ኣብ ቅድሚኦም ኣቘሞ።

  Acts (22/28)