Acts (21/28)  

1. ኰነ ድማ፡ ካባታቶም ተፈሊና ብመርከብ ምስ ተበገስና፡ መገድና ኣቕኒዕና ናብ ቆስ መጻእና፡ ንጽብሒቱ ኸኣ ንሮዶስ፡ ካብኣውን ናብ ጳጥራ ኣቶና።
2. ናብ ፊንቄ እትኸይድ መርከብ ምስ ረኸብና ኸኣ፡ ብእኣ ጌርና ነቐልና።
3. ንቆጵሮስ ኣማዕዲና ርኢናያስ፡ ንጸጋምና ሐዲግናያ ናብ ሶርያ ኣበልና። ጽዕነት እታ መርከብ ኣብ ጢሮስ ዚራገፍ ነበረ እሞ፡ ናብኣ ኣቶና።
4. ደቀ መዛሙርቲ ረኺብናስ፡ ኣብኣ ሾብዓተ መዓልቲ ቐኔና እሞ፡ ንሳቶም ብመንፈስ ተደሪኾም፡ ንጳውሎስ ናብ የሩሳሌም ከይድይብ ነገርዎ።
5. ኰነ ኸኣ፡ እተን መዓልትታት እቲኣተን ምስ ኣሕለፍና፡ ክንከይድ ወጻእና። ኲላቶም ድማ ምስ ኣንስቶምን ደቆምን ኰይኖም ክሳዕ ወጻኢ እታ ኸተማ ኣፋነዉና፡ ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ዄንና ኸኣ ተምበርኪኽና ጸሌና።
6. ንሓድሕድና ደሓን ውዐሉ ተባሃሂልና ኸኣ፡ ናብታ መርከብ ደየብና፡ ንሳቶምውን ነንገዛኦም ተመልሱ።
7. ንሕና ግና ብመርከብ ምኻድ ምስ ወዳእና፡ ካብ ጢሮስ ናብ ጵቶልማዮስ በጻሕና፡ ነቶም ኣሕዋት ሰላም ኢልና ኸኣ፡ ምሳታቶም ሓንቲ መዓልቲ ወዐልና።
8. ንጽብሒቱ ኻብኣ ወጺእና ናብ ቂሳርያ መጻእና፡ ኣብ ቤት ፊልጶስ ወንጌላዊ፡ ካብቶም ሾብዓተስ ሓደ ዝነበረ፡ ኣቲና ኣብኣ ቐኔና።
9. ንሱ ትንቢት ዚንበያ ኣርባዕተ ደናግል ኣዋልዱ ነበራኦ።
10. ሓያሎ መዓልቲ ምስ ገበርና፡ ኣጋቦስ ዝስሙ ነብዪ ኻብ ይሁዳ ወረደ።
11. ናባና መጺኡ ኸኣ፡ ቅናት ጳውሎስ ወሲዱ፡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብእኡ ተኣሰረ እሞ፡ ንዋና እዛ ቕናት እዚኣ ኣይሁድ ኣብ የሩሳሌም ከምዚ ገይሮም ኣሲሮም ናብ ኢድ ኣህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም፡ ይብል መንፈስ ቅዱስ፡ በለ።
12. እዚ ምስ ሰማዕና፡ ንሕናን እቶም ደቂ እታ ዓድን ናብ የሩሳሌም ከይድይብ ንጳውሎስ ለመንናዮ።
13. ሽዑ ጳውሎስ፡ ኣቱም እትበኽዩን ንልበይ እትሰብሩን፡ እንታይ ትገብሩ ኣሎኹም፧ ኣነ ምእንቲ ስም ጐይታና የሱስ ኣብ የሩሳሌም ንሙማት ድማ እምበር፡ ንማእሰርቲ ጥራይ እኳ ኣይኰንኩን ተዳልየ ዘሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም።
14. ምስማዕ ምስ ኣበየና ኸኣ፡ ፍቓድ ጐይታ ይኹን፡ ኢልና ሀዳእና።
15. ድሕርዚ ቕነዚ ተዳሊና ናብ የሩሳሌም ደየብና።
16. ሓያሎ ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ካብ ቂሳርያ ምሳና መጹ፡ ናብ ምናሶን፡ ብዓል ቆጵሮስ ናይ ቀደም ወደ መዝሙር፡ ክንኣቱውን መርሑና።
17. ናብ የሩሳሌም ምስ መጻእና ኸኣ፡ እቶም ኣሕዋት ብሓጐስ ተቐበሉና።
18. ንጽብሒቱ ጳውሎስ ምሳና ናብ ያእቆብ በጽሔ፡ ኲላቶም እቶም ሽማግሌታት ከኣ ኣብኡ ተኣከቡ።
19. ሰላም ምስ በሎም ከኣ፡ በገልግሎቱስ ኣምላኽ ኣብ ኣህዛብ ዝገበሮ በብሓደ ተር ኣቢሉ ነገሮም።
20. እዚ ምስ ሰምዑ፡ ንኣምላኽ ኣመስጊኖም በልዎ፡ ዎ ሓውና፡ ካብ ኣይሁድ ክንደይ ኣእላፋት ከም ዝኣመኑ ትርኢ ኣሎኻ፡ ኲላቶም ከኣ ብዛዕባ ሕጊ ቕንኣት ኣለዎም።
21. ኣብ ምእከል ኣህዛብ ንዘለዉ ዂላቶም ኣይሁድ ከኣ ብዛዕባ ሙሴ ኸርህቁ ደቆም ከይግዘሩ ብስርዓቶምውን ከይነብሩአ ኢልካ ኸም አትምህሮም፡ ሰሚዖምልካ ኣለው።
22. ምምጻአካ ሰሚዖም ዂላቶም ከይተኣከቡ ኣይተርፉን እዮም፡ እሞኸ እንታይ ይገበር፧
23. እምብኣርከ እዚ እንብለካ ግበር፡ መብጽዓ ዘለዎም ኣርባዕተ ሰብኣይ ኣለዉና፡
24. ተማልኣዮም እሞ ምሳታቶም ንጻህ፡ ርእሶም ኪላጸዩውን ኣብ ክንድኦም ዕደየሎም። ሽዑ ንስኻ ባዕልኻ እኳ ሕጊ እናሐሎኻ ኸም እትመላለስን እዚ ብዛዕባኻ ዝሰምዕዎ ዘበለ ኸንቱ ምዃኑን ኲላቶም ኪፈልጡ እዮም።
25. ብዛዕባ እቶም ዝኣመኑ ኣህዛብ ግና ተማኺርና፡ ንጣኦታት እተሐርደን ንደምን ንሕኑቕን ንዝሙትን ኪሐርሙ እዚዝናዮም ኣሎና።
26. ሽዑ ፓውሎስ ነቶም ሰባት ሒዙ ንጽብሒቱ ምሳታቶም ምስ ነጽሄ፡ ነፍሲ ወከፎም መስዋእቲ ምእንቲ ኬቕርቡ፡ መዓልቲ ምንጽሆም ከም ዝመልኤ ኺነግር ናብ ቤት መቕደስ ኣተወ።
27. እተን ሾብዓተ መዓልቲ ኺውድኣ ምስ ቀረባ ኸኣ፡ ካብ እስያ ዝመጹ ኣይሁድ ኣብ ቤተ መቕደስ ምስ ረኣይዎ፡ ንዂሉ እቲ ህዝቢ ኣናዒቦም፡ ኣእዳዎም ዘርጊሖም ሐዝዎ እሞ፡
28. ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ንዑ ደግፉና፡ እቲ ኣብ ፍቕዳ ሃገር ምስ እዚ ህዝቢ እዝን ምስ እዚ ሕጊ እዝን ምስ እዛ ስፍራ እዚኣን ዘይላገቡ ንዂሉ ሰብ ዚምህር ሰብኣይ እዚ እዩ፡ ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ጽርኣውያን ናብዛ መቕደስ እዚኣ ኣእትዩ፡ ነዛ ቅድስቲ ስፍራ ኣርኪስዋ፡ ኢሎም ጨደሩ።
29. ቅድም ንጥራፊሞስ ብዓል ኤፌሶን ምስኡ ኣብ ከተማ ርእዮምዎ ነበሩ እሞ፡ ጳውሎስ ኣብታ መቕደስ ዘእተዎ መሲልዎም ነበረ።
30. ብዘላ እታ ኸተማ ከኣ ኣዕገርገርት፡ ህዝቢ ድማ ተኣከበ፡ ንጳውሎስ ሒዞም ካብ መቕደስ ንወጻኢ ሰሐብዎ፡ ብኡብኡውን ነቲ መዓጹ ሸጐርዎ።
31. ኪቐትልዎ ምስ ደለዩ ድማ፡ የሩሳሌም ብዘላ ኸም እተነዐበት፡ ኣብቲ ሓለቓ ሽሕ ወረ በጽሔ።
32. ሽዑ ጭፍራ ምስ ሓላቑኦም ሒዙ ናባታቶም ጐየየ፡ ነቲ ሓለቓ ሽሕን ጭፍራኡን ምስ ረኣዩ ኸኣ፡ ንጳውሎስ ምዝባጡ ሐደጉ።
33. ድሕርዚ እቲ ሓለቓ ሽሕ ቀሪቡ ኣትሐዞ፡ ብኽልተ መቕሕ ኪኣስርዎ ኸኣ ኣዘዘ፡ መን ምዃኑን እንታይ ከም ዝገበረንውን ሐተተ።
34. እቶም ህዝቢ ዓው ኢሎም፡ ገሊኦም ከምዚ ገሊኦምውን ከምቲ ይብሉ ነበሩ። ብምኽንያት እቲ ጭራሕ ምራሕ ርግጹ ምፍላጥ ምስ ሰኣነ ኸኣ፡ ናብ ሰፈር ኬብጽሕዎ ኣዘዘ።
35. ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ፡ ንየው በሎ፡ ኢሉ እናጨደረ ይስዕብ ነበረ እሞ፡ ኣብቲ መደያይቦ ምስ በጽሔ። እቲ እኩብ ህዝቢ ምእንቲ ኸይሀስዮ ኢሎም፡ እቶም ጭፍራ ተሰከምዎ።
36. ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ፡ ንየው በሎ፡ ኢሉ እናጨደረ ይስዕብ ነበረ እሞ፡ ኣብቲ መደያይቦ ምስ በጽሔ። እቲ እኩብ ህዝቢ ምእንቲ ኸይሀስዮ ኢሎም፡ እቶም ጭፍራ ተሰከምዎ።
37. ናብ ሰፈር ኬእትውዎ ምስ ደለዩ ድማ፡ ጳውሎስ ነቲ ሓለቓ ሽሕ፡ ክዛረበካዶ ትፈቕደለይ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ዘረባ ጽርኢዶ ትፈልጥ ኢኻ፧
38. ቅድሚ እዚ ወርሒ እዚ ኣናዒብካስ፡ ኣርባዕተ ሽሕ ቀተልቲ ነፍሲ ናብ በረኻ ዘውጻእካ ግብጻዊዶ ንስኻ ኣይኰንካን፧ በሎ።
39. ጳውሎስ ግና፡ ኣነስ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ፡ ብዓል ጠርሴስ ናይ ቂልቅያ፡ ወዲ እታ ስምይቲ ኸተማ እየ፡ ንህዝቢ ኽዛረብ ክትፈቕደለይ፡ እልምነካ ኣሎኹ፡ በለ።
40. ሽዑ ጳውሎስ፡ ምስ ተፈቕደሉ፡ ኣብቲ መደያይቦ ደው ኢሉ ነቶም ህዝቢ ብኢዱ ኣመልከቶም፡ ጸጥ ምስ በሉ ኸኣ፡ ብቛንቋ እብራይስጢ ተዛረቦም፡ ከምዚ ኢሉ፡

  Acts (21/28)