Acts (19/28)  

1. ኰነ ድማ፡ ኣጵሎስ ኣብ ቈረንቶስ ከሎ፡ ጳውሎስ፡ በቲ ላዕላይ ሃገር ሐሊፉ ናብ ኤፌሶን መጸ፡ ሓያሎ ደቀ መዛሙርቲ ድማ ረኸበ እሞ፡
2. ምስ ኣመንኩምሲ፡ መንፈስ ቅዱስዶ ተቐቢልኩም፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ኣይፋልናን፡ መንፈስ ቅዱስ ከም ዘሎ እኳ ኣይሰማዕናን፡ ኢሎም መለሱሉ።
3. ንሱ ኸኣ፡ ብኣየናይ ጥምቀት ደኣ ተጠመቕኩም፧ በሎም። ንሳቶምውን፡ ብናይ ዮሃንስ ጥምቀት፡ በልዎ።
4. ሽዑ ጳውሎስ፡ ዮሃንስሲ በቲ ድሕሪኡ ዚመጽእ፡ ማለት ብየሱስ ክርስቶስ፡ ኪኣምኑ፡ ነቶም ህዝቢ እናነገረ ጥምቀት ንስሓ እዩ ዘጥመቐ፡ በሎም።
5. እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብስም ጐይታና የሱስ ተጠምቁ።
6. ጳውሎስ ኢዱ ምስ ኣንበረሎም ከኣ፡ መንፈስ ቅዱስ ናባታቶም ወረደ። ሽዑ ብቛንቋታት ተዛረቡን ተነበዩን።
7. እቶም ሰባት ከኣ ኲላቶም ኣስታት ዓሰርተው ክልተ ዚኣኽሉ ነበሩ።
8. ኣብ ቤት ጸሎት ኣኣትዩ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እናነገሮምን እናኣረድኦምን፡ ሰለስተ ወርሒ ብትብዓት ይዛራረቦም ነበረ።
9. ሓያሎ ነቲ መገዲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እናካፍኡ ምስ ተታረሩን ምእማን ምስ ኣበዩን ግና፡ ካባታቶም ኣግለሰ። ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ፈልዩ ኣብ ጸጽባሕ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጢራኖስ ኰይኑ ይዛራረቦም ነበረ።
10. እዚ፡ ኣብ እስያ ዝነበሩ ዂሎም ኣይሁድን ጽርኣውያንን ነቲ ቓል ጐይታ ኽሳዕ ዚሰምዕዎ፡ ክልተ ዓመት ምሉእ እናቐጸለ ኸደ።
11. ኣምላኽ ከኣ ብኢድ ጳውሎስ ብዙሕ በይኑ ዝዀነ ተኣምራት ገበረ፡
12. መኣረምያኡ ወይስ ክዳኑ ኻብ ዝባኑ ወሲዶም ኣብቶም ሕሙማት የንብሩ እሞ ሕማሞም ይሐድጎም፡ ርኹሳት መናፍስቲውን ካባታቶም ይወጹ ነበሩ።
13. ካብቶም ኣስማት እናገበሩ ዚዞሩ ኣይሁድ ከኣ ሓያሎ ነቶም ርኹሳት መናፍስቲ ዝሐደርዎም፡ በቲ ጳውሎስ ዚሰብኮ የሱስ ነምሕለኩም ኣሎና፡ ኢሎም ስም ጐይታና የሱስ ኪሰምዩሎም ፈተኑ።
14. እቶም እዚ ዝገበሩውን ሾብዓተ ደቂ ሓደ ኣስቄዋ ዚብሀል ኣይሁዳዊ ሊቀ ኻህናት እዮም።
15. እቲ ርኹስ መንፈስ ድማ፡ ንየሱስ እፈልጦ፡ ንጳውሎስውን ኣይስሕቶም እየ፡ ንስኻትኩምከ እንታዎት ኢኹም፧ ኢሉ መለሰሎም።
16. እቲ ርኹስ መንፈስ ዝሐደሮ ሰብኣይ ከኣ ጐየዮም፡ ጥራዮም ኰይኖም ቈሲሎም ካብታ ቤት ክሳዕ ዚሀድሙ ንኽልተ ኻባታቶም ተባራቲዑ ኣሕመቖም።
17. እዚ ነገርዚ ኣብቶም ኣብ ኤፌሶን ዚነብሩ ኣይሁድን ጽርኣውያንን ኲላቶም ተፈልጠ። ንዂላቶምውን ፍርሃት ወደቐም፡ ስም ጐይታና የሱስ ከኣ ተመስገነ።
18. ካብቶም ዝኣመኑ ኸኣ ብዙሓት ነቲ ዝገበርዎ እናተኣመኑን እናነገሩን መጹ።
19. ብዙሓት ጠንቈልቲ ድማ መጻሕፍቶም ኣኪቦም ኣብ ቅድሚ ዂሉ ኣንደድዎ። ዋጋኡ እንተ ተጸብጸበ ኸኣ፡ ሓምሳ ሽሕ ድሪም ኰይኑ ተረኽበ።
20. ቃል ጐይታውን ከምዚ ኢሉ ብሓይሊ ዐበየን በርትዔን።
21. እዚ ነገርዚ ምስ ተወድኤ፡ ጳውሎስ ብመቄዶንያን ብኣካይያን ሐሊፉ ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ብመንፈስ ሐሰበ እሞ፡ ኣብኣ ምስ በጻሕኩውን፡ ንሮሜ ድማ ክርእያ የድልየኒ እዩ፡ በለ።
22. ክልተ ኻብቶም ደገፍቱ፡ ጢሞቴዎስን ኤራስጦስን፡ ናብ መቄዶንያ ሰደዶም፡ ንሱ ግና ኣብ እስያ ሓያሎ ወርሓት ጸንሔ።
23. በቲ ቕነቲ ብዛዕባ እዚ መገዲዚ ብዙሕ ዕግርግር ኰነ።
24. ድሜጥሮስ ዚብሀል ሓደ ንኣርጤምስ ዚኸውን መቕደስ ብሩር ዚሰርሕ ኣንጠረኛ ነቶም ኣንጠረኛታት ብዙሕ የርብሖም ነበረ።
25. ነዚኣቶምን ነቶም ብዕዮኦም ዚሐብርዎምን ኣኪቡ ኸኣ፡ ከምዚ በሎም፡ ኣቱም ሰባት፡ ጥቕምና ኻብዚ ስራሕዚ ምዃኑ ትፈልጡ ኣሎኹም።
26. እዚ ጳውሎስ፡ እዞም ብኢድ ዚግበሩስ ኣማልኽቲ ኣይኰኑን፡ እናበለ ኣብ ኤፌሶን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዳርጋ ኣብ ኲላ እስያ ንብዙሓት ሰባት ከም ዘስድዔን ከም ዘዕለወን፡ ትርእዩን ትሰምዑን ኣሎኹም።
27. እታ ዂላ እስያን ብዘላ ዓለምን ዘምልኻኣ ዓባይ ኣርጤምስ፡ መቕደሳ ኸም ከንቱ ኸይቊጸር ክብረታውን ከይሰዐር እምበር፡ ስራሕና ኸይንዐቕ ጥራይ ኣይኰነን ዜፍርሀና ዘሎ።
28. እዚ ምስ ሰምዑ፡ ኲራ መልኦም እሞ ዓው ኢሎም፡ ኣርጤምስ ሰብ ኤፌሶን ዓባይ እያ፡ እናበሉ ጨደሩ።
29. ኣብታ ኸተማ ድማ ዕግርግር ኰነ፡ ንጋይዮስን ኣርስጣርኮስን፡ ሰብ መቄዶንያ ብጾት ጳውሎስን፡ እናሰሐቡ ሐቢሮም ናብታ ስፍራ ጓይላ ጐየዩ።
30. ጳውሎስ ኣብ ማእከል እቶም ህዝቢ ኺኣቱ እንተ ደለየ ኸኣ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸልከልዎ።
31. ካብቶም ፈተውቱ ዝነበሩ ዓበይቲ እስያ ገሊኦም ከኣ፡ ናብታ ስፍራ ጓይላ ኸይመጽእ፡ ልኢኾም ለመንዎ።
32. እቶም ኣኼባ ዝርግርግ ኢሎም ነበሩ እሞ፡ ዚበዝሑስ ብዛዕባ እንታይ ከም እተኣከቡ እኳ ኣይፈልጡን ነበሩ፡ ስለዚ ገሊኦም ከምዚ ገሊኦምውን ከምቲ ኢሎም ይጭድሩ ነበሩ።
33. ኣይሁድ ንእስክንድሮስ ንቕድሚት ገጾም ምስ ደፍእዎ ኸኣ፡ እቲኣቶም ካብ ማእከል እቶም ሰባት ሰሐብዎ። እስክንድሮስ ከኣ ነቶም ህዝቢ ኺምጒተሎም ደልዩ ብኢዱ ኣመልከተ።
34. ኣይሁዳዊ ምዃኑ ምስ ፈለጡ ግና፡ ናይ ሰብ ኤፌሶን ኣርጤምስ ዓባይ እያ፡ እናበሉ፡ ኲላቶ ብሓደ ቓል ኰይኖም ክልተ ሰዓት ዚኣክል ጨደሩ።
35. እቲ ናይታ ኸተማ ጸሓፊ ነቶም ህዝቢ ኣህዲኡ በለ፡ ኣቱም ሰብ ኤፌሶን፡ ከተማ ኤፌሶን ነቲ መቕደስ እታ ዓባይ ኣርጤምስን ነቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ምስላን ከም እትሕሉ ዘየልጥ ሰብ እንታዋይ እዩ፧
36. እምብኣርሲ እዚ ኣሉ ዘይብሀል ነገር ካብ ኰነ፡ ክትሀድኡ ብታህዋኽውን ሓደ ነገር ከይትገብሩ ይግብኣኩም እዩ።
37. እዞም ሰባት እዚኣቶም መቕደስኩም ከይሰረቑ ንኣምላኽኩምውን ከይጸረፉ ኢኹም ኣምጺእኩምዎም ዘሎኹም።
38. ዲሜጥሮስን እቶም መሳርሕቱን ግና ገለ ነገር እንተ ኣለዎም፡ መዓልቲ መጋባእያን ምስሌነታትን ኣለውዎም፡ ነንሓድሕዶም ይካሰሱ።
39. እዚ እተልዕልዎ ዘረባ ስለ ኻልእ ነገር እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ኣብቲ ስሩዕ ዋዕላ ይቚረጽ።
40. በዚ ዕግርግር እዚ እንመልሶ ምኽንያት ስለ ዜብልና፡ በዚ ሎሚ ዝዀነ ታዕታዕ እኳ ኸይንኽሰስ ንፈርህ ኣሎና።
41. ከምዚ ኢሉ ነቲ ኣኼባ በተኖ።

  Acts (19/28)