Acts (18/28)  

1. ድሕርዚ ጳውሎስ ካብ ኣቴና ተበጊሱ ናብ ቈረንቶስ መጸ
2. ቅላውዴዎስ ኲሎም ኣይሁድ ካብ ሮሜ ኺለቁ ኣዘዘ እሞ፡ ሽዑ ቕነ ምስ ሰበይቱ ጵርስኪላ ኻብ ኢጣልያ ዝመጸ ኣኪላስ ዚብሀል ኣይሁዳዊ ብዓል ጶንጦስ ረኸበ ናባታቶምውን ተጸምበረ።
3. ዕዮኦም ሓደ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ እናዐየየ ምሳታቶም ተቐመጠ፡ እቲ ዕዮኦም ድማ ምስፋይ ድንኳን ነበረ።
4. ሰንበት ሰንበት ከኣ ኣብ ቤት ጸሎቶም ይዛራረብ፡ ንኣይሁድን ንጽርኣውያንን ድማ የረድኦም ነበረ።
5. ሲላስን ጢሞቴዎስን ካብ መቄዶንያ ምስ ወረዱ፡ ጳውሎስ፡ እቲ የሱስ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ንኣይሁድ እናመስከረ፡ ብዕዮ እቲ ቓል ጸኒዑ ነበረ።
6. ንሳቶም ምስ ተኸራኸርዎን ምስ ጸረፉን ግና፡ ክዳኑ ነጊፉ፡ ደምኩም ኣብ ርእስኹም ይኹን፡ ኣነ ንጹህ እየ፡ ካብ ሕጂ ኸኣ ናብ ኣህዛብ ክኸይድ እየ፡ በሎም።
7. ኻብኡ ወጺኡ ድማ፡ ናብቲ ቲትዮስ ዮስጦስ ዚብሀል፡ እግዚኣብሄር ዚፈርህ ሰብኣይ፡ ቤቱ ኸኣ ኣብ ጥቓ ቤት ጸሎቶም ዝነበረት፡ ኣተወ።
8. ክሪስጶስ እቲ መራሕ ቤት ጸሎት ድማ፡ ምስ ኲሉ ስድራ ቤቱ ብጐይታ ኣመነ። ካብ ሰብ ቈረንቶስውን ብዙሓት ሰሚዖም ኣመኑን ተጠምቁን።
9. ጐይታ ኸኣ ለይቲ ብራእይ ንጳውሎስ ተራእዮ እሞ፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዘሎኒ፡ ተዛረብ ደኣ እምበር፡ ስቕ ኣይትበል፡ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ክፉእ ኪገብረካ ዚቐርበካ የልቦን፡ ኣይትፍራህ፡ በሎ።
10. ጐይታ ኸኣ ለይቲ ብራእይ ንጳውሎስ ተራእዮ እሞ፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዘሎኒ፡ ተዛረብ ደኣ እምበር፡ ስቕ ኣይትበል፡ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ክፉእ ኪገብረካ ዚቐርበካ የልቦን፡ ኣይትፍራህ፡ በሎ።
11. ኣብኣ ቓል ኣምላኽ እናመሀረ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን ኣብ ማእከሎም ተቐመጠ።
12. ጋልዮስ ኣብ ኣካይያ ምስሌንነት ተሸይሙ ኸሎ፡ ኣይሁድ ሐቢሮም ኣብ ጳውሎስ ተንስኡ፡ እሞ፡ ብዘይ ሕጊ ንኣምላኽ ኬምልኽዎ ንሰብ ይሐባብል ኣሎ፡ እናበሉ ናብ መጋባእያ ኣምጽእዎ።
13. ጋልዮስ ኣብ ኣካይያ ምስሌንነት ተሸይሙ ኸሎ፡ ኣይሁድ ሐቢሮም ኣብ ጳውሎስ ተንስኡ፡ እሞ፡ ብዘይ ሕጊ ንኣምላኽ ኬምልኽዎ ንሰብ ይሐባብል ኣሎ፡ እናበሉ ናብ መጋባእያ ኣምጽእዎ።
14. ጳውሎስ ኣፉ ኪኸፍት ምድ ደለየ ግና፡ ጋልዮስ ንኣይሁድ፡ ኣቱም ኣይሁድ፡ ገለ ዓመጽ ወይስ ገለ ኽፉእ ግብሪ እንተ ዚኸውንሲ፡ ሀዲኤ ኽሰምዓኩም ምተገብኤ ነይሩ።
15. ክርክር ብዛዕባ ቓልን ስምን ሕግኹምን እንተ ዀነ ግና፡ ኣነ ኣብዚ ነገርዚ ፈራዲ ክኸውን ኣይፈቱን እየ እሞ ባዕላትኩም ፍለጡ፡ በሎም።
16. ካብቲ መጋባእያውን ሰጐጎም።
17. ኲላቶም ከኣ ንሶስቴነስ መራሕ ቤት ጸሎት ሒዞም ሐቢሮም ኣብ ቅድሚ መጋባእያ ዘበጥዎ። ጋልዮስ ግና ግዲ እዚ እኳ ኣይነበሮን።
18. ጳውሎስ ግና ድሕርዚ ሓያሎ መዓልቲ ምስ ተቐመጠ፡ ካብቶም ኣሕዋት ተሳናበተ። መብጽዓ ስለ ዝነበሮ፡ ኣብ ክንክሬኣ ርእሱ ምስ ተላጸየ ኸኣ፡ ምስ ጵርስኪላን ኣኪላስን ብመርከብ ናብ ሶርያ ኸደ።
19. ኣብ ኤፌሶን ምስ በጽሔ ኸኣ፡ ንኣታቶም ኣብኣ ሐደጎም። ንሱ ግና ናብ ቤት ጸሎት ኣትዩ ምስቶም ኣይሁድ ይዛራረብ ነበረ።
20. ንሳቶም ብዙሕ መዓልቲ ምሳታቶም ኪጸንሕ እንተ ለመንዎ ኸኣ፡ ኣበዮም፡
21. በዚ ዚመጽእ በዓል ብዘበልኩ ኣቢለ ኣብ የሩሳሌም ክውዕል ይግብኣኒ እዩ፡ ኣምላኽ እንተ ፈቐዶ ኸኣ፡ ናባታትኩም ክምለስ እየ፡ ኢሉ ተሳናበቶም። ካብ ኤፌሶን ከኣ ብመርከብ ከደ።
22. ኣብ ቂሳርያ በጽሔ፡ ካብኣ ደዪቡ፡ ንማሕበር ሰላም ምስ በለ፡ ናብ ኣንጾክያ ወረደ።
23. ሓያሎ መዓልቲ ኣብኣ ምስ ቀነየ ኸኣ፡ ካብኣ ተበጊሱ ንዂላቶም ደቀ መዛሙርቲ እናጽንዔ፡ ኣብ ሃገር ገላትያን ፍርግያን በብተራ ዞረ።
24. ሓደ ሊቅ ኣጵሎስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ፡ ብዓል እስክንድርያ፡ ብጽሑፋት ከኣ ስልጡን ሰብኣይ፡ ናብ ኤፌሶን መጸ።
25. መገዲ እግዚኣብሄር ምሁር ነበረ፡ ጥምቀት ዮሃንስ ጥራይ ክነሱ ዚፈልጥሲ፡ ብመንፈስ ሞይቁ ብዛዕባ ናብ የሱስ ይነግር ኣጸቢቑውን ይምህር ነበረ፡
26. ንሱ ኣብ ቤት ጸሎት ብትብዓት ኪምህር ጀመረ። ጵርስኪላን ኣኪላስን ምስ ሰምዕዎ ኸኣ፡ ወሲዶም መገዲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ኣረድእዎ።
27. ናብ ኣካይያ ኺሐልፍ እንተ ደለየ፡ እቶም ኣሕዋት ኣጸናንዕዎ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ኪቕበልዎ ጸሐፉሎም። ኣብኣ ምስ በጽሔ ኸኣ፡ ነቶም ኣመንቲ ብጸጋ ኣምላኽ ብዙሕ ጠቐሞም።
28. የሱስ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ብጽሑፋት እናኣርኣየ፡ ንኣይሁድ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ብግሁድ ኣጸቢቑ ይረትዖም ነበረ።

  Acts (18/28)