Acts (17/28)  

1. ብኣምፊጶሊስን ብኣጶሎንያን ኣቢሎም ከኣ ናብ ተሰሎንቄ ኣተዉ። ኣብኡውን ቤት ጸሎት ኣይሁድ ነበረት።
2. ጳውሎስ ከኣ ከምቲ ልማዱ ናባታቶም ኣትዩ፡ ሰለስተ ሰንበት ብጽሑፋት ምሳታቶም ተዛራረበ፡
3. ንክርስቶስ ኪስቀን ካብ ምዉታት ኪትንስእን ከም ዚግብኦ፡ እዚ ዝሰብከልኩም ዘሎኹ የሱስ ከኣ ክርስቶስ እዩ፡ ኢሉ እናተርጐመ ይገልጸሎም ነበረ።
4. ካባታቶም ከኣ ሓያሎ ኣሚኖም፡ ናብ ጳውሎስን ሲላስን ተጸምበሩ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ካብቶም ንኣምላኽ ዚፈርሁ ጽርኣውያን፡ ካብተን ዓበይቲ ኣንስቲውን ሒደት ዘይኰና ኸምኡ ገበራ።
5. እቶም ዘይኣመኑ ኣይሁድ ከኣ ቀኒኦም፡ ካብቲ ዕዳጋ እኩያት ሰብ ወሰዱ፡ ህዝቢ ኣኪቦም ድማ ነታ ኸተማ ኣነዐብዋ። ንቤት ያሶን ሓደጋ ወዲቖም ከኣ፡ ናብቶም ህዝቢ ኼውጽእዎም ደለዩ።
6. ምስስኣንዎም ግና፡ ንያሶንን ንሓያሎ ኻብ ኣሕዋትን ናብቶም መኳንንቲ እታ ኸተማ ስሒቦም፡ እዞም ንዂሉ ዓለም ዜናዕቡስ ናብዚ ኸኣ መጺኦም፡
7. ያሶን ከኣ ከም ኣጋይሽ ተቐቢልዎም ኣሎ፡ ንሳቶም ኲላቶም ምስ ኣዋጅ ቄሳር ዚጻላእ ነገር ይገብሩ፡ የሱስ ዚብሀል ካልእ ንጉስ ኣሎውን፡ ይብሉ እዮም፡ እናበሉ ጨደሩ።
8. ንሳቶም እዚ ንዝሰምዑ ሰባትን ንመኳንንቲ እታ ኸተማን ኣዕገርገርዎም።
9. ንያሶንን ነቶም ካልኦትን ዋሕስ ኣትኪሎም ከኣ፡ ሐደግዎም።
10. እቶም ኣሕዋት ግና ንጳውሎስን ሲላስን ብኡብኡ ብለይቲ ናብ ቤርያ ሰደድዎም። ኣብኣ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣተዉ።
11. ንሳቶም ድማ ካብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዚነብሩ ዝበለጸ ደግታት ነበሩ። ንሳቶም፡ እዚ ነገርዚ እስኪ ኸምኡ እንተ ዀይኑ፡ ኢሎም ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት እናመርመሩ፡ ነቲ ቓል ብዂሉ ፍቓዶም ተቐበልዎ።
12. ስለዚ ብዙሓት ካባታቶምን ካብተን ክቡራት ኣንስቲ ጽርእን ሰብኡትን፡ ሒደት ዘይኰኑ፡ ኣመኑ።
13. ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ኣይሁድ ከኣ ጳውሎስ ኣብ ቤርያ ድማ ቃል ኣምላኽ ከም ዝነገረ ምስ ሰምዑ፡ ነቲ ህዝቢ ኺዘርጉን ኬናዕቡን ናብኣውን መጹ።
14. ሽዑ እቶም ኣሕዋት ንጳውሎስ፡ ክሳዕ ባሕሪ ኪኸይድ፡ ቀልጢፎም ሰደድዎ። ሲላስን ጠሞቴዎስን ግና ኣብኣ ተረፉ።
15. እቶም ንጳውሎስ ዝወሰዱ ግና ክሳዕ ኣቴና ኣብጽሕዎ እሞ፡ ሲላስን ጢሞቴዎስን ቀልጢፎም ናብኡ ይስዐብዎ፡ ዚብል ትእዛዝ ሒዞም ናባታቶም ተመልሱ።
16. ጳውሎስ ድማ ኣብ ኣቴና ኺጽበዮም ከሎ፡ እታ ኸተማ ጣኦታት መሊኣ ምስ ረኣየ፡ ብመንፈሱ ተቓጸለ።
17. ስለዚ ኣብ ቤት ጸሎት ምስ ኣይሁድን ምስቶም ፈራህቲ ኣምላኽን፡ ኲሉ መዓልቲ ድማ ኣብ ዕዳጋ ምስ ዝረኸቦምን ይዛራረብ ነበረ።
18. ሓያሎ ፊሎሶፋት ከኣ ካብ ኤጲቁሬዎስን እስጦይኮስን ምስኡ ጸመዱ። ገሊኦም ከኣ፡ እዚ ዓጃው እንታይ ኪብል ኰን እዩ ዚደሊ ዘሎ፧ በሉ። ገሊኦም ድማ፡ ብናይ የሱስን ትንሳኤን ስለ ዝሰበኸሎም፡ ብሓደስቲ ኣማልኽቲ ዚምህር ዘሎ ደኣ ይመስል፡ በሉ።
19. ጋሻ ነገር ኣብ ኣእዛንና ተስምዓና ኣሎኻ እሞ፡ እዚ ንስኻ እትዛረቦ ሓዲሽ ትምህርትስ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጦዶ ይከኣለና እዩ፧ እዚ ነገርዚ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ ንደሊ ኣሎና፡ እናበሉ ድማ ሒዞም ናብ ኣርዮስፋጎስ ወሰድዎ።
20. ጋሻ ነገር ኣብ ኣእዛንና ተስምዓና ኣሎኻ እሞ፡ እዚ ንስኻ እትዛረቦ ሓዲሽ ትምህርትስ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጦዶ ይከኣለና እዩ፧ እዚ ነገርዚ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ ንደሊ ኣሎና፡ እናበሉ ድማ ሒዞም ናብ ኣርዮስፋጎስ ወሰድዎ።
21. ኲሎም ሰብ ኣቴናን ኣብኣ ዚነብሩ ጓኖትን ብዘይ ንሓድሽ ነገር ምዝራብን ምስማዕን እንተ ዘይኰይኑ፡ ንኻልእሲ ጊዜ ኣይነበሮምን።
22. ጳውሎስ ግና ኣብ ማእከል ኣርዮስፋጎስ ደው ኢሉ በለ፡ ኣቱም ሰብ ኣቴና፡ ብዂሉ ነገር ምምሳኽ ኣማልኽቲ ኸም እተብዝሑ፡ እርእየኩም ኣሎኹ።
23. እናዞርኩ መቓድስኩም ክርኢ ኸሎኹ፡ ንዘይ ተፈልጠ ኣምላኽ ዚብል እተጻሕፎ መሰውኢ ረኸብኩ። እምብኣርሲ እዚ ኸይፈለጥኩም እተምልኽዎ ዘሎኹም፡ ንእኡ ኣነ ኣነግረኩም ኣሎኹ።
24. እቲ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን ዝገበረ ኣምላኽ፡ ንሱ ጐይታ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ፡ ብኢድ ኣብ እተሀንጸ መቓድስ ኣይሐድርን እዩ።
25. ንሱ ህይወትን ትንፋስን ኲሉ ነገርን ንዂሉ ዚህብ እዩ፡ ገለ ኸም ዚጨንቆ ኢድ ሰብ ኣየገልግሎን እዩ።
26. ካብቶም ተቐነይትኹም ድማ ሓያሎ፡ ንሕና ኻብ ዓሌት ኣምላኽ ኢና፡ ኢሎም ከም ዘለዉ፡ ብእኡ ኢና እንነብርን እንዋሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዂላ ምድሪ ኺነብሩ ዂሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ ኽነሱ፡ ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩ፡ ንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሐገገሎም።
27. ካብቶም ተቐነይትኹም ድማ ሓያሎ፡ ንሕና ኻብ ዓሌት ኣምላኽ ኢና፡ ኢሎም ከም ዘለዉ፡ ብእኡ ኢና እንነብርን እንዋሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዂላ ምድሪ ኺነብሩ ዂሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ ኽነሱ፡ ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩ፡ ንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሐገገሎም።
28. ካብቶም ተቐነይትኹም ድማ ሓያሎ፡ ንሕና ኻብ ዓሌት ኣምላኽ ኢና፡ ኢሎም ከም ዘለዉ፡ ብእኡ ኢና እንነብርን እንዋሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዂላ ምድሪ ኺነብሩ ዂሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ ኽነሱ፡ ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩ፡ ንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሐገገሎም።
29. እምብኣርስኸ ዓሌት ኣምላኽ ካብ ኰንናስ፡ ኣምላኽ ነቲ ብናይ ሰብ ብልሓትን ሓሳብን እተገብረ ቕርጺ ወርቂ ወይ ብሩር ወይ እምኒ ኸም ዚመስል፡ ክንሐስቦ ኣይግብኣናን እዩ።
30. ኣምላኽ ነቲ ዘመን ድንቊርና ኣሕሊፉ፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ብእኡ ንዂሉ እምነት እናሀበ ዝመደቦ ሰብኣይ ንዓለም ብጽድቒ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ስለ ዘሎ፡ ሕጂ ኣብ ኲሉ ቦታ ንብዘሎ ሰብ ኪንስሑ ይነግር ኣሎ።
31. ኣምላኽ ነቲ ዘመን ድንቊርና ኣሕሊፉ፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ብእኡ ንዂሉ እምነት እናሀበ ዝመደቦ ሰብኣይ ንዓለም ብጽድቒ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ስለ ዘሎ፡ ሕጂ ኣብ ኲሉ ቦታ ንብዘሎ ሰብ ኪንስሑ ይነግር ኣሎ።
32. ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ምስ ሰምዑ ግና፡ ገሊኦም ኣላገጹሉ፡ ገሊኦም ከኣ፡ እዝስ ከም ብሓድሽ ድማ ክንሰምዓካ ንደሊ ኢና፡ በልዎ።
33. ከምኡ ድማ ጳውሎስ ካብ ማእከሎም ወጸ።
34. ሓያሎ ሰብኡት ከኣ ሰዐብዎ እሞ ኣመኑ፡ ካባታቶም ድማ እቲ ናይ ኣርዮስ ፋጎስ መኰነን፡ ድዮኒስዮስን ደማሪስ እትብሀል ሰበይቲ፡ ከምኡውን ካልኦት ምሳታቶም ነበሩ።

  Acts (17/28)