Acts (16/28)  

1. ናብ ደርቤን ናብ ልስጥራን ድማ መጸ። እንሆ ኸኣ፡ ጢሞቴዎስ ዚብሀል ወደ መዝሙር፡ ወዲ ሓንቲ ኣማኒት ኣይሁዳዊት ሰበይቲ ኣቦኡ ግና ጽርኣዊ፡ ኣብኡ ነበረ።
2. ንእኡ እቶም ኣብ ልስጥራን ኣብ ኢቆንዩምን ዘለዉ ኣሕዋት ጽቡቕ መስኪሮምሉ ነበሩ።
3. ሽዑ ጳውሎስ ምስኡ ኺወስዶ ፈተወ፡ ኣቦኡ ጽርኣዊ ምዃኑ ዂላቶም ይፈልጡ ነበሩ እሞ፡ ስለ እቶም ኣብተን ዓድታት እቲኣተን ዘለዉ ኣይሁድ ከኣ፡ ወሲዱ ገዘሮ።
4. ኣብ ዘዝኣተውዋ ኸተማ ኸኣ እቲ ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ኣብ የሩሳሌም ዝሐገጉሎም ሕጋጋት ኪሕልዉ ኣዘዝዎም።
5. ስለዚ እተን ማሕበር በዚ ኸምዚ ብእምነት ይጻንዓ፡ ቊጽረን ድማ ኣብ ጸጽባሕ ይውስኽ ነበረ።
6. ኣብ እስያ ነቲ ቓል ከይነግሩ፡ መንፈስ ቅዱስ ምስ ከልከሎም፡ ብሃገር ፍርግያን ገላትያን ሐለፉ።
7. ኣብ ሚስያ ምስ በጽሑ፡ ናብ ቢቲንያ ኪኸዱ ፈተኑ፡ መንፈስ የሱስ ግና ኣይፈቐደሎምን።
8. ሚስያ ምስ ሐለፉ ኸኣ፡ ናብ ጥሮኣስ ወረዱ።
9. ንጳውሎስ ከኣ ብለይቲ ራእይ ተራእዮ። ብዓል መቄዶንያ ሰብኣይ ከኣ ደው ኢሉ፡ ናብ መቄዶንያ ሕለፍ እሞ ርድኣና፡ እናበለ ይልምኖ ነበረ።
10. ንሱ ራእይ ምስ ረኣየ፡ ወንጌል ክንሰብከሎም ኣምላኽ ከም ዝጸውዓና ተረዲእና፡ ብኡብኡ ናብ መቄዶንያ ኽንከይድ ደሌና።
11. ሽዑ ኻብ ጥሮኣስ ብመርከብ ምስ ከድና፡ ትኽ ኢልና ናብ ሳሙትራኬ ኣቕናዕና። ንጽብሒቱ ኸኣ ናብ ንያጶሊስ ከድና፡
12. ካብኣ ድማ ናብ ፊልጲ፡ ንሳ ኣብታ ኽፍሊ ሃገር መቄዶንያ ቐዳመይቲ ኸተማን ሓዳስ ግዝኣት ሮሜን እያ። ኣብታ ኸተማ እቲኣ ሓያሎ መዓልቲ ቐኔና።
13. ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ካብ ዓንቀጽ እታ ኸተማ ወጺእና ኣብ ጥቓ እቲ ጸሎት ዚግበሮ ዝነበረ ርባ ተቐሚጥና፡ ነተን እኩባት ኣንስቲ ተዛረብናየን።
14. ልድያ እትብሀል፡ ንኣምላኽ እትፈርህ ሰበይቲ ብዓልቲ ኸተማ ትያቲራ፡ ሸያጢት ቀይሕ ሃሪ፡ ጽን ትብለና ነበረት። ናብቲ ጳውሎስ ዚብሎ ዝነበረ ኸተድህብ ከኣ፡ እግዚኣብሄር ልባ ኸፈተላ።
15. ንሳ ምስ ስድራ ቤታ ምስ ተጠምቀት ከኣ፡ ከም ኣማኒት ጐይታ ርኢኹምኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ናብ ቤተይ ኣቲኹም ተቐመጡ፡ ኢላ ለመነትና ግዲውን በለትና።
16. ኰነ ድማ፡ ናብቲ ጸሎት ዚግበሮ ኽንከይድ ከሎና፡ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ንጐይተታ ኸኣ በቲ ምጥንቋላ ብዙሕ እተርብሖም ዝነበረት ግዝእቲ ተጓነፈትና።
17. ንሳ ኸኣ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ባሮት ልዑል ኣምላኽ እዮም፡ መገዲ ምድሓን ከኣ ይምህሩኹም ኣለዉ፡ ኢላ እናጨደረት፡ ኣስኣሰር ጳውሎስን ኣስኣሰርናን ሰዐበት።
18. ከምዚ እናበለት ከኣ፡ ብዙሕ መዓልቲ ገበረት። ጳውሎስ ድማ ጒህዩ፡ ግልጽ ኢሉ ነቲ መንፈስ፡ ከብኣ ኽትወጽእ፡ ብስም የሱስ እእዝዘካ ኣሎኹ፡ በሎ። በታ ጊዜ እቲኣውን ወጸ።
19. ጐይተታ ድማ ተስፋ ረብሓኦም ከም ዘባተኸ ምስ ረኣዩ፡ ንጳውሎስን ሲላስን ሐዝዎም ናብቶም ሹማት ከኣ ናብ ዕዳጋ ሰሐብዎም እሞ፡
20. እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣይሁድ እዮም፡ ንኸተማና ኸኣ የናዕብዋ ኣለዉ፡
21. ንሕና ሮማውያን ክንቅበሎም ክንገብሮን ዘይተፈቕደልና ስርዓትውን ይሰብኩ ኣለዉ፡ ኢሎም ናብቶም ሓላቑ ኣምጽእዎም።
22. እቲ እኩብ ህዝቢ ኸኣ ተላዕሎም፡ እቶም ሓላቑ ድማ ክዳውንቶም ገፊፎም፡ ብሽመል ኪዘብጥዎም ኣዘዙ።
23. ብዙሕ ምስ ዘበጥዎም ከኣ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም፡ ነቲ ሓላው እሱራት ድማ ኣጽኒዑ ኺሕልዎም ኣዘዝዎ።
24. ንሱ እዚ ትእዛዝ እዚ ምስ ተቐበለ ኸኣ፡ ናብቲ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎም፡ ኣእጋሮም ከኣ ኣብ ጒንዲ ኣጽኒዑ ኣሰረ።
25. ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ ድማ፡ ጳውሎስን ሲላስን ንኣምላኽ እናለመኑ ብዜማ የመስግኑ ነበሩ። እቶም እሱራት ከኣ ይሰምዕዎም ነበሩ።
26. ብድንገት ድማ፡ መሰረት እታ ቤት ማእሰርቲ ኽሳዕ ዚናወጽ፡ ብርቱዕ ምንድቕዳቕ ምድሪ ዀነ። ብኡብኡ ኸኣ ኲሉ እቲ መዓጹ ተኸፍተ፡ ናይ ኲላቶም መቓውሕውን ተፈትሔ።
27. እቲ ሓላው እሱራት ምስ ተበራበረ ኸኣ፡ መዓጹ እታ ቤት ማእሰርቲ ተኸፊቱ ረኣየ። እቶም እሱራት ዝመለቑ መሲልዎ ድማ፡ ሰይፊ መሊሑ ርእሱ ኪቐትል ደለየ።
28. ጳውሎስ ግና፡ ኲላትና ኣብዚ ኣሎና እሞ፡ ኣብ ርእስኻ እከይ ኣይትግበር፡ እናበለ ዓው ኢሉ ጨደረ።
29. ንሱ ድማ፡ መብራህቲ ሀቡኒ፡ ኢሉ እናጐየየ ኣተወ፡ ራዕራዕ እናበለውን ንጳውሎስን ንሲላስን ሰገደሎም።
30. ናብ ግዳም ኣውጺኡ ኸኣ፡ ጐይተተይ፡ ምእንቲ ኽድሕንሲ፡ እንታይ ክገብር ይግብኣኒ፧ በሎም።
31. ንሳቶም ከኣ፡ ብጐይታና የሱስ እምን እሞ ንስኻን ቤትካን ክትድሕኑ ኢኹም፡ በልዎ።
32. ንእኡን ኣብ ቤቱ ንዘለዉ ዂላቶምን ከኣ ቃል እግዚኣብሄር ነገርዎም።
33. በታ ሰዓት እቲኣ ብለይቲ ወሲዱ ኣቚሳሎ ሐጸቦም። ሽዑ ንሱ ምስ ኲሎም ስድራ ቤቱ ተጠምቀ።
34. ናብ ቤቱ ኣደዪቡ ድማ መኣዲ ቐረበሎም፡ ብኣምላኽ ስለ ዝኣመነውን ምስ ኲላቶ ስድራ ቤቱ ተሐጐሰ።
35. ምድሪ ምስ ወግሔ ግና፡ እቶም ሓላቑ፡ ነቶም ሰባት ፈቲሕካ ስደዶም፡ ኢሎም ገላዉ ለኣኹ።
36. እቲ ሓላው እሱራት ድማ፡ እቶም ሓላቑ ኽትፍትሑ ልኢኾም ኣለዉ፡ ሕጂ ኸኣ ውጹ ብሰላምውን ኪዱ፡ ኢሉ ንጳውሎስ እዚ ቓልዚ ነገሮ።
37. ጳውሎስ ግና፡ ንሕና ሮማውያን ክነስናስ፡ ብዘይ ፍርዲ ብግህዶ ዘቢጦም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዉና፡ ሕጂ ድማ ብሕቡእዶ ኺሰዱና፧ ባዕላቶም ደኣ መጺኦም የውጽኡና እምበር፡ እዝስ ከቶ ዘይከውን እዩ፡ በሎም።
38. እቶም ገላዉ ኸኣ እዚ ነገርዚ ነቶም ሓላቑ ነገርዎም። ንሳቶም ድማ ሮማውያን ምዃኖም ምስ ሰምዑ፡ ፈርሁ።
39. መጺኦም ከኣ ኣቃባጢሮም ኣውጽእዎም፡ ካብታ ኸተማ ኼግልሱውን ለመንዎም።
40. ሽዑ ኻብ ቤት ማእሰቲ ወጺኦም፡ ናብ ቤት ልድያ ኣተዉ። ነቶም ኣሕዋት ምስ ረኣይዎም ከኣ፡ መዐድዎም ካብኡውን ሐለፉ።

  Acts (16/28)