Acts (10/28)  

1. ኣብ ቂሳርያ ቆርኔሌዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኣብቲ ኢጣልያናዊ ዚብሀል ጭፍራ ሓለቓ ሚእቲ እዩ።
2. ጻድቕ፡ ምስ ኲሉ ስድራ ቤቱ ድማ ንኣምላኽ ዚፈርህ ንህዝቢውን ብዙሕ ምጽዋት ዚምጽውት፡ ኲሉ ሳዕ ከኣ ንኣምላኽ ዚልምን እዩ።
3. ብታስዐይቲ ሰዓት ናይ መዓልቲ ኣቢሉ ድማ ብጉድ ትርኢት መልኣኽ ኣምላኽ ናብኡ ኣትዩ፡ ዎ ቆርኔሌዎስ፡ ኪብሎ ኸሎ ረኣየ።
4. ንሱ ኸኣ ጠሚትዎ ሰምቢዱ፡ እንታይ እዩ፡ ጐይታይ፧ በለ። ንሱ ድማ፡ ጸሎትካን ምጽዋትካን ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ንመዘከርታ ደዪቡ እዩ፡
5. ሕጂ ኸኣ ሰባት ናብ ዮጴ ልኢኽካ ነቲ ጴጥሮስ ዚብሀል ስምኦን ኣምጽኣዮ።
6. ንሱ ምስቲ፡ ቤቱ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘላ ስምኦን፡ ፈሓቚ ቈራብቲ፡ ጋሻ ዀይኑ ሰፊሩ ኣሎ፡ በሎ።
7. እቲ ዚዛርቦ ዝነበረ መልኣኽ ምስ ከደ ኸኣ፡ ካብቶም ገላዉኡ ኽልተ፡ ካብቶም ዘይፍለይዎ ኸኣ ሓደ ሕያዋይ ሓሽከር ጸውዔ እሞ፡
8. ነቲ ዝዀነ ዂሉ ኣዘንትዩ ናብ ዮጴ ለኣኾም።
9. ንጽብሒቱ ንሳቶም መገዲ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ናብታ ኸተማ ምስ ቀረቡ፡ ጴጥሮስ ብሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ኺጽሊ ናብ ናሕሲ ደየበ።
10. ሽዑ ጠምዩ ኺበልዕ ደለየ፡ ኬዳልዉሉ ኸለዉ ኸኣ፡ ተመሰጠ።
11. ሰማይ ተኸፊቱ ኣቕሓ ኸኣ ከም ዓብዪ ኽዳን በርባዕተ መኣዝኑ ተትሒዙ ኺወርድ፡ ኣብ ምድሪውን ኪበጽሕ ከሎ ረኣየ።
12. ኣብኡ ኸኣ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም ኲሎምን ኣብ ምድሪ ለመም ዚብሉን ኣዕዋፍ ሰማይን ነበሩ እሞ፡
13. ጴጥሮስ፡ ተንስእ፡ ሐሪድካ ብላዕ፡ ዚብል ድምጺ መጾ።
14. ጴጥሮስ ግና፡ ጐይታይ፡ ርኹስን ዜፈንፍን ዘበለን እኳ በሊዔ ኣይፈልጥን እየ እሞ ኣይከውንን እዩ፡ በለ።
15. ከም ብሓድሽ ድማ ካልኣይ ጊዜ፡ ነቲ ኣምላኽ ዘንጽሆ፡ ንስኻ ኣይተርክሶ፡ ዚብል ድምጺ መጾ።
16. እዚ ሰለስተ ሳዕ ኰነ፡ ብኡብኡ ኸኣ እቲ ኣቕሓ ናብ ሰማይ ተወስደ።
17. ጴጥሮስ እቲ ዝረኣዮ ራእይ፡ እንታይ ኰን ይኸውን፧ ኢሉ ብሉ ኺግረም ከሎ፡ እንሆ፡ እቶም ካብ ቆርኔሌዎስ እተላእኩ ሰባት፡ ቤት ስምኦን እናሐተቱ ኣብቲ ኣፍ ደገ ደው በሉ፡
18. ጸዊዖም ከኣ፡ እቲ ጴጥሮስ ዚብሀል ስምኦን ኣብኡ ጋሻ ዀይኑ ሰፊሩ እንተሎ፡ ሐተቱ።
19. ጴጥሮስ በቲ ራእይ ኬስተንትን ከሎ፡ መንፈስ፡ እንሆ፡ ሰለስተ ሰብኣይ ይደልዩኻ ኣለዉ፡ ስለዚ፡ ኣነ ልኢኸዮም እየ እሞ ተንሲእካ ውረድ፡ ከይተስከፍካውን ምሳታቶም ኪድ፡ በሎ።
20. ጴጥሮስ በቲ ራእይ ኬስተንትን ከሎ፡ መንፈስ፡ እንሆ፡ ሰለስተ ሰብኣይ ይደልዩኻ ኣለዉ፡ ስለዚ፡ ኣነ ልኢኸዮም እየ እሞ ተንሲእካ ውረድ፡ ከይተስከፍካውን ምሳታቶም ኪድ፡ በሎ።
21. ሽዑ ጴጥሮስ ናብቶም ሰባት ወሪዱ፡ እንሆ፡ እቲ እትደልይዎ ዘሎኹም ኣነ እየ፡ ብዛዕባ እንታይ ኢኹም ኣብዚ ደው ኢልኩም ዘሎኹም፧ በሎም።
22. ንሳቶም ከኣ፡ ንቆርኔሌዎስ፡ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ፡ ብዂሉ ህዝቢ ኣይሁድ እተመስከረሉ፡ ንኣምላኽ ዚፈርህ ጻድቕ ሰብኣይ፡ ናብ ቤቱ ኺጽውዓካ ኻባኻውን ቃል ኪሰምዕ፡ ብቕዱስ መልኣኽ ተገሊጹሉ ኣሎ፡ በሉ።
23. ሽዑ ኣእትዩ ኣሕደሮም። ንጽብሒቱ ተንሲኡ ምሳታቶም ከደ፡ ካብ ዮጴ ኸኣ ሓያሎ ኣሕዋት ሰዐብዎ።
24. ንጽብሒቱ ድማ ኣብ ቂሳርያ ኣተዉ። ቆርኔሌዎስ ከኣ ኣዝማዱን ዚቐርብዎ ፈተውቱን ኣኪቡ ይጽበዮም ነበረ።
25. ኰነ ድማ፡ ጴጥሮስ ኪኣቱ ኸሎ፡ ቆርኔሌዎስ ተቐበሎ። ኣብ ኣእጋሩ ተደፊኡውን ሰገደሉ።
26. ጴጥሮስ ግና፡ ኣነ ድማ ከማኻ ሰብ እየ፡ ተንስእ፡ ኢሉ ኣተንስኦ።
27. ምስኡ እናተዛራረበ ኣተወ፡ ኣብኡ ድማ ብዙሓት ሰብ ተኣኪቦም ረኸበ እሞ፡
28. ንኣይሁዳዊ ሰብኣይ ምስ ናይ ካልእ ህዝቢ ሰብ ኪሕወስ ወይስ ናይ ቤቱ ኸኣቱ ኸም ዘይግብኦ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ንኣይ ግና፡ ንሓደ ሰብ እኳ ኸይፍንፍን ወይስ ርኹስ እዩ ኸይብል፡ ኣምላኽ ኣርእይኒ።
29. ምእንትዚ ድማ ምስ ለኣኽኩምለይ፡ ስግጥ ከይበልኩ መጻእኩ። ሕጂ ኸኣ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝለኣኽኩምለይ፡ እሐተኩም ኣሎኹ፡ በሎም።
30. ቆርኔሌዎስ ድማ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ ብታስዐይቲ ሰዓት ኣብ ቤተይ ኰይነ እጽሊ ነበርኩ። እንሆ ኸኣ፡ ዜብርህ ክዳን እተኸድነ ሰብኣይ ኣብ ቅድመይ ደው በለ እሞ፡
31. ቆርኔሌዎስ፡ ጸሎትካ ተሰሚዑ፡ ምጽዋትካ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዘኪሩ እዩ እሞ፡
32. ናብ ዮጴ ልኢኽካ፡ ነቲ ጴጥሮስ ዚብሀል ስምኦን ጸውዓዮ፡ ንሱ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ ቤት ስምኦን ፈሓቚ ቈራብቲ ጋሻ ዀይኑ ሰፊሩ ኣሎ። ንሱ ምስ መጸ፡ ኪነግረካ እዩ፡ በለኒ።
33. ሽዑ ብኡብኡ ናባኻ ለኣኽኩ፡ ንስኻ ድማ ብምምጻእካ ጽቡቕ ገበርካ። ሕጂ ኸኣ ካብ ጐይታ እተዘዘዝካዮ ዘበለ ምእንቲ ኽንሰምዕሲ፡ ኲላትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብዚ እኔና፡ በሎ።
34. ሽዑ ጴጥሮስ ኣፉ ኸፊቱ በለ፡ ኣብ ኲሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ፡ ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ፡ ብሓቂ ኣስተብሀልኩ።
35. ሽዑ ጴጥሮስ ኣፉ ኸፊቱ በለ፡ ኣብ ኲሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ፡ ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ፡ ብሓቂ ኣስተብሀልኩ።
36. እቲ ናብ ደቂ እስራኤል ብየሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ ጐይታ ዂሉ፡ ሰላም እናኣበሰሮም እተላእከ ቓል፡
37. እቲ ድሕሪ እታ ዮሃንስ ዝሰበኻ ጥምቀት ካብ ገሊላ ጀሚሩ ናብ ኲላ ይሁዳ ዝበጽሔ ቓል፡
38. ማለት ብዛዕባ የሱስ ብዓል ናዝሬት፡ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓይልን ከም ዝቐብኦ፡ ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝዀነ፡ እናዞረ ጽቡቕ ከም ዝገበረ፡ ነቶም ሰይጣን ዝሰዐሮም ኲሎም ከኣ ከም ዘሕወየ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።
39. ነቲ ኣብ ሃገር ኣይሁድን ኣብ የሩሳሌምን ዝገበሮ ዂሉ ንሕናውን ምስክር ኢና። ንእኡ ኣብ ዕጸይቲ ሰቒሎም ቀተልዎ።
40. ንእኡ ኣምላኽ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣተንስኦ፡ ኪገሀድ ከኣ ሀቦ፡
41. ንኣና፡ ምስክር ምእንቲ ኽንከውን፡ ኣምላኽ ቅድም ዝሐረየና፡ ንኣና፡ ድሕሪ ኻብ ምውታት ምትንሳኡ ምስኡ ዝበላዕናን ዝሰቴናን እምበር፡ ንዂሉ ህዝብስ ኣይተጋህደን።
42. ኣምላኽውን ንህያዋንን ምዉታትን ፈራዲ ኪኸውን ዝመደቦ፡ ንሱ ምዃኑ ንህዝቢ ኽንሰብኽን ክንምስክርን ኣዘዘና።
43. ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ብስሙ ሕድገት ሓጢኣት ከም ዚረኽብ፡ ኲሎም ነብያት ይምስክሩሉ ኣለዉ።
44. ጴጥሮስ ገና እዚ ቓልዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ኣብቶም ነቲ ቓል ዝሰምዕዎ ዂላቶም መንፈስ ቅዱስ ወረደ።
45. እቶም ካብ ወገን ግዝረት ዝዀኑ፡ ምስ ጴጥሮስ ዝመጹ ኣመንቲ ብቛንቋታት ኪዛረቡን ንኣምላኽ ኬመስግኑን ሰምዕዎም እሞ፡ ኣብ ኣህዛብ ድማ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝፈሰሰ ተገረሙ።
46. እቶም ካብ ወገን ግዝረት ዝዀኑ፡ ምስ ጴጥሮስ ዝመጹ ኣመንቲ ብቛንቋታት ኪዛረቡን ንኣምላኽ ኬመስግኑን ሰምዕዎም እሞ፡ ኣብ ኣህዛብ ድማ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝፈሰሰ ተገረሙ።
47. ሽዑ ጴጥሮስ፡ እዚኣቶምስ ከማና መንፈስ ቅዱስ ካብ ተቐበሉስ፡ ከይጥመቑ ማይ ኪኽልክሎም ዚኽእል ደኣ መን እዩ፧ ኢሉ መለሰ።
48. ብስም የሱስ ክርስቶስ ኪጥመቑ ኸኣ ኣዘዘ። ድሕርዚ ድማ ቅሩብ መዓልቲ ምሳታቶም ኪቕኒ ለመንዎ።

  Acts (10/28)