2Timothy (4/4)    

1. ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ብዂሉ ዓቕልን ብምህሮን እቲ ቓል ክትሰብኽ፡ ብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን ክተስምዕ፡ ክትገንሕ፡ ክትቀጽዕ፡ ክትምዕድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ምዉታትን ኪፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ የሱስ በቲ ምግላጹን መንግስቱን ኤማሕጽነካ ኣሎኹ።
2. ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ብዂሉ ዓቕልን ብምህሮን እቲ ቓል ክትሰብኽ፡ ብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን ክተስምዕ፡ ክትገንሕ፡ ክትቀጽዕ፡ ክትምዕድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ምዉታትን ኪፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ የሱስ በቲ ምግላጹን መንግስቱን ኤማሕጽነካ ኣሎኹ።
3. ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ብዂሉ ዓቕልን ብምህሮን እቲ ቓል ክትሰብኽ፡ ብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን ክተስምዕ፡ ክትገንሕ፡ ክትቀጽዕ፡ ክትምዕድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ምዉታትን ኪፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ የሱስ በቲ ምግላጹን መንግስቱን ኤማሕጽነካ ኣሎኹ።
4. ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ብዂሉ ዓቕልን ብምህሮን እቲ ቓል ክትሰብኽ፡ ብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን ክተስምዕ፡ ክትገንሕ፡ ክትቀጽዕ፡ ክትምዕድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ምዉታትን ኪፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ የሱስ በቲ ምግላጹን መንግስቱን ኤማሕጽነካ ኣሎኹ።
5. ንስኻ ግና ብዂሉ ተጠንቀቕ፡ መክራ ጽገብ፡ ግብሪ ወንጌላዊ ግበር፡ ኣገልግሎትካ መልእ።
6. ኣነስ ካብ ሕጂ እስዋእ ኣሎኹ፡ እታ መዓልቲ ምስንባተይውን በጺሓ እያ እሞ፡
7. ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ እቲ ጒያ ወዲኤ፡ ነቲ እምነት ሐልየ።
8. ደጊምሲ ጐይታይ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ ኣሎ።እዚ ግና ነቶም ምግሃዱ ዜፍቅሩ ዂላቶም ድማ እዩ እምበር፡ ንኣይ ጥራይ ኣይኰነን።
9. ቀልጢፍካ ናባይ ክትመጽእ ፍጠን።
10. ዴማስ፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ፈትይዋ እዩ እሞ፡ ሐደገኒ ናብ ተሰሎንቄውን ከደ። ክሬስኬስ ናብ ገላትያ፡ ቲቶስ ናብ ደልማጥያ ኸዱ።
11. ሉቃስ ጥራይ ምሳይ ኣሎ። ማርቆስ ንዕዮ ይጠቕመኒ እዩ እሞ፡ ተማልኣዮ፡ ምሳኻ ይምጻእ።
12. ንጥኪቆስ ግና ናብ ኤፌሶን ሰዲደዮ ኣሎኹ።
13. ክትመጽእ ከሎኻ፡ እቲ ኣብ ጥሮኣስ ምስ ቃርጶስ ዝሐደግክዎ ባርኖስን እቲ መጽሓፍትን ምናዳ እቲ ብራናታት፡ ተማልኣለይ።
14. እስክንድሮስ፡ እቲ ኣንጠረኛ፡ ብዙሕ ክፉእ ገይሩኒ። እግዚኣብሄር ከምታ ግብሩ ኺፈድዮ እዩ።
15. ንሱ፡ ነቲ ቓልና ብዙሕ ይጻረሮ እዩ እሞ፡ ንስኻ ድማ ካብኡ ተሐሎ።
16. ኣብቲ ቐዳማይ ምጒተይ፡ ኣይትሐዘሎም፡ ኲላቶም ጠለሙኒ እምበር፡ ሓደ እኳ ምሳይ ኣይነበረን።
17. እቲ ስብከት ብኣይ ምእንቲ ኺምላእ፡ ኲሎም ኣህዛብውን ምእንቲ ኺሰምዑ ግና፡ ጐይታ ቑመለይ፡ ኣበርትዓኒ፡ ካብ ኣፍ ኣንበሳውን ኣናገፈኒ።
18. እግዚኣብሄር ካብ እኩይ ግብሪ ዘበለ ኼናግፈኒ፡ ናብታ ሰማያዊት መንግስቱ ኽኣቱውን ኬድሕነኒ እዩ። ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
19. ንጵርስኪላን ንኣኪላስን ንቤት ኦኔሲፎርስን ሰላም በለለይ።
20. ኤራስጦስ ኣብ ቈረንቶስ ተሪፉ፡ ንጥሮፊሞስ ግና ሓሚሙ ኣብ መሊጦስ ሐዲገዮ ኣሎኹ።
21. ቅድሚ ኽረምቲ ንምምጻእ ፍጠን። ኤውቡሎስን ጱደንስን ሊኖስን ቅላውዳውያን ኲላቶም ኣሕዋትን ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ።
22. ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስካ ይኹን። ጸጋ ምሳኻትኩም ይኹን። ኣሜን።

  2Timothy (4/4)