2Timothy (3/4)  

1. ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ፡ እዚ ፍለጥ።
2. ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ተጀሃርቲ፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘይማስዉ፡ ርኹሳት፡
3. ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም፡ ተቐየምቲ፡ ሓመይቲ፡ ቀለልቲ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡
4. ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ህዉኻት፡ ተፈኽነንቲ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ፡
5. እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም፡ ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ፡ ናብ ኣባይቲ ህሩጒ እናበሉ፡ ሓጢኣት ዝመልኤንን ብብዙሕ ትምኒት ዚድፍኣን፡ ኲሉ ሳዕ ዚምህራ ናብቲ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሓ ግና ከቶ ዘይከኣለን ኣንስቲ ዚማርኹ፡ ካብ እዚኣቶም እዮም እሞ፡ ካብ እዚኣቶምውን ርሐቕ።
6. እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም፡ ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ፡ ናብ ኣባይቲ ህሩጒ እናበሉ፡ ሓጢኣት ዝመልኤንን ብብዙሕ ትምኒት ዚድፍኣን፡ ኲሉ ሳዕ ዚምህራ ናብቲ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሓ ግና ከቶ ዘይከኣለን ኣንስቲ ዚማርኹ፡ ካብ እዚኣቶም እዮም እሞ፡ ካብ እዚኣቶምውን ርሐቕ።
7. እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም፡ ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ፡ ናብ ኣባይቲ ህሩጒ እናበሉ፡ ሓጢኣት ዝመልኤንን ብብዙሕ ትምኒት ዚድፍኣን፡ ኲሉ ሳዕ ዚምህራ ናብቲ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሓ ግና ከቶ ዘይከኣለን ኣንስቲ ዚማርኹ፡ ካብ እዚኣቶም እዮም እሞ፡ ካብ እዚኣቶምውን ርሐቕ።
8. ከምቲ እያኔስን እያምብሬስን ንሙሴ እተቓወምዎ፡ እቶም ኣእምሮኦም ብጠፍኤ፡ ብእምነት ዘይተፈተኑ ሰባት ድማ ከምኡ ነታ ሓቂ ይቃወምዋ ኣለዉ።
9. ግናኸ ከምቲ ናይ እቲኣቶም ዝዀነ ኸኣ፡ እቲ ዕሽነቶም ንዂሉ ኺግለጽ እዩ እሞ፡ ካብኡ ሓሊፎም ኣየስልጡን እዮም።
10. ንስኻ ግና ንትምህርተይ፡ ንንብረተይ፡ ንፍቓደይ፡ ንእምነተይ፡ ንዓቕለይ፡ ንፍቕረይ፡ ንትዕግስተይ ኣጸቢቕካ ሰዐብካ።
11. ኣብ ኣንጾክያን ኢቆንዩምን ልስጥራን ዝበጽሓኒ ስደተይ፡ መከራይ፡ ከምዚ ዝበለ ስደት ጾርኩ፡ ጐይታ ግና ካብ ኲሉ ኣድሐነኒ።
12. ግናኸ እቶም ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ኪነብሩ ዚደልዩ ዂሎም ኪስጐጉ እዮም።
13. እቶም እኩያት ሰባትን ጠበርትን ግና እናኣስሓቱን እናሰሐቱን ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም።
14. ንስኻ ግና ካብ እንመን ከም እተመሀርካ ፈሊጥካ፡ ነተን ካብ ቊልዕነትካ ጀሚርካ ብእምነት ብክርስቶስ የሱስ ንምድሓን ኬለብማኻ ዚኽእላ ቅዱሳን ጽሑፋት ፈሊጥካ፡ በቲ እተምሀርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ።
15. ንስኻ ግና ካብ እንመን ከም እተመሀርካ ፈሊጥካ፡ ነተን ካብ ቊልዕነትካ ጀሚርካ ብእምነት ብክርስቶስ የሱስ ንምድሓን ኬለብማኻ ዚኽእላ ቅዱሳን ጽሑፋት ፈሊጥካ፡ በቲ እተምሀርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ።
16. እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺኡ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።
17. እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺኡ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።

  2Timothy (3/4)