2Timothy (2/4)  

1. ኣታ ወደየ፡ እምብኣርሲ በቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ጸጋ ደልድል።
2. እዚ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ምስክር ካባይ ዝሰማዕካዮ ድማ ንኻልኦት ኪምህሩ ንዚከኣሎም እሙናት ሰብ ሕድሪ ሀቦም።
3. ከም ንፉዕ ናይ ክርስቶስ የሱስ ዓቀይታይ ምሳይ ኴንካ መከራ ጽገብ።
4. ዓቀይታይ ናብ ኲናት ከይዱስ፡ ነቲ ዘዐቀዮ ምእንቲ ኼስምሮ ኢሉ፡ ብናይ መነባብሮኡ ዚጠላለፍ የልቦን።
5. ከምኡውን ሓደ ኣብ ስፍራ መቃለሲ ዀይኑ ዚቃለስ፡ ከምቲ ሕጉ ገይሩ እንተ ዘይተቓለሰ፡ ኣኽሊል ዓወት ኣይረክብን እዩ።
6. እቲ ዚዐዪ ሓረስታይ ካብቲ ፍረ ቅድም ግዲኡ ኺወስድ ይግብኦ እዩ።
7. እግዚኣብሄር ብዂሉ ኣእምሮ ኺህበካ እዩ እሞ፡ ነዚ ዝብሎ ዘሎኹ ኣስተብህሎ።
8. ነቲ ኸም ወንጌለይ ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝዀነ ኻብ ምዉታትውን ዝተንስኤ የሱስ ክርስቶስ ዘክሮ።
9. ብዛዕባኡ ኸም ገባር ክፉእ ተቐጺረ ኽሳዕ መቚሕ ሓሳረ መከራ እጸግብ ኣሎኹ፡ ግናኸ እቲ ቓል ኣምላኽሲ ኣይእሰርን እዩ።
10. ስለዚ ምእንቲ እቶም ሕሩያት፡ ንሳቶም ድማ እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ምድሓን ምስ ናይ ዘለኣለም ክብሪ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ንዂሉ እዕገስ ኣሎኹ።
11. እሙን ቃል እዩ፡ ምስኡ እንተ ሞትናስ፡ ምስኡ ኸኣ ብህይወት ክንነብር ኢና።
12. እንተ ተዐገስና፡ ምስኡ ኸኣ ክንነግስ ኢና። እንተ ኸሐድናዮ፡ ንሱውን ኪኽሕደና እዩ።
13. ንሕና እንተ ጠለምናዮ፡ ንሱ ንርእሱ ኪኽሕድ ኣይከኣሎን እዩ እሞ፡ እሙን ኰይኑ እዩ ዝነብር።
14. ነቶም ዚሰምዕዎ ዜስሕቶም፡ ረብሓ ብዜብሉ ቓል ከይብኣሱ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናመስከርካ፡ እዚ ኣዘክሮም።
15. ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል፡ ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ፡ ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዐር።
16. ነቲ ፍረ ዜብሉ፡ ርኹስ ዘረባ ግና ኣግልሰሉ። ናብ ረሲእነት እናገደዱ ይኸዱ እዮም እሞ፡
17. እቲ ዘረባኦም ከም መንሽሮ እናለሐመ ዚባላዕ እዩ። ሄሜኔዎስን ኢሌጦስን ካባታቶም እዮም።
18. ንሳቶም፡ ትንሳኤ ቕድሚ ሕዲ ዀይኑ፡ እናበሉ ኻብ ሓቂ ዘምቢሎም፡ እምነት ሓያሎ ሰባት ይገላብጡ ኣለዉ።
19. እቲ ጽኑዕ መሰረት ኣምላኽ ግና ቈይሙ ኣሎ፡ እዚ ማሕተም እዚውን ኣለዎ፡ እግዚኣብሄር ነቶም ናቱ ዘበሉ ይፈልጦም እዩ፡ ስም እግዚኣብሄር ዚሰሚ ዘበለ ዂሉ ኸኣ ካብ ዓመጻ ይርሐቕ።
20. ግናኸ ኣብ ዓብዪ ቤት ካብ ዕጨይትን መሬትን ዝዀነ ኣቓሑ ድማ እምበር፡ ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ጥራይ ኣይኰነን ዚርከብ፡ ገሊኡ ንኽብረት ገሊኡውን ንውርደት ይኸውን።
21. እምብኣርሲ ሓደ እኳ ርእሱ ኻብ እዚኣቶም እንተ ኣጽረየ፡ ንሱ ኣቕሓ ኽብሪ እተቐደሰ፡ ንተግባር ብዓል ቤት ዚጠቅም፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለወ ይኸውን እዩ።
22. ካብ ትምኒት ጒብዝና ህደም፡ ምስቶም ብንጹህ ልቢ ንእግዚኣብሄር ዚጽውዕዎ ኸኣ ኣስኣሰር ጽድቅን እምነትን ፍቕርን ሰላምን ስዐብ።
23. ነቲ ኽርክር ዕሽነትን ላግጽን ግና፡ ባእሲ ኸም ዜምጽእ ፈሊጥካ፡ እበዮ።
24. ባርያ እግዚኣብሄር ንዂሉ ለዋህ፡ መሃሪ፡ ዕጉስ ኪኸውን እምበር፡ ኪብኣስ ኣይግብኦን እዩ።
25. ምናልባሽ እግዚኣብሄር ንሓቂ ምእንቲ ኺፈልጥዋ ኢሉ፡ ንስሓ እንተ ሀቦም፡ ንሱ ነቶም ተጻረርቲ ብህድኣት እናገንሖም፡
26. ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብሩ ኢሉ ምስ ኣውጽኦም፡ ንሳቶም ካብ መፈንጠራ ድያብሎስ ኣምሊጦም ናብ ልቦም ይምለሱ እዮም።

  2Timothy (2/4)