2Timothy (1/4)  

1. ጳውሎስ፡ ከም እታ ተስፋ ናይታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘላ ህይወት፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስ ዝዀነ፡
2. ናብ ጢሞቴዎስ ፍቁር ወደይ፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታናን ጸጋ፡ ምሕረት፡ ሰላም ምሳኻ ይኹን።
3. እታ ኣባኻ ዘላ፡ ልግሚ ዜብላ ቕድም ኣብ ሎኢስ ዓባይካ፡ ኣብ ኤውኒቄ ኣዴኻውን ዝሐደረት እምነት እናዘከርኩ፡ ኣባኻ ድማ ኸም ዘላ ተረዲኤ ኣሎኹ፡ ንብዓትካ ዘኪረ፡ ብታሕጓስ ምእንቲ ኽመልእሲ፡ ክርእየካ እናናአቕኩ፡ ብጸሎተይ ለይትን መዓልትን ከየብኰርኩ እናዘከርኩኻ፡ ነቲ ካብ ኣቦታተይ ጀሚረ ብንጹህ ሕሊና ዘገልግሎ ዘሎኹ ኣምላኽ ኤመስግኖ ኣሎኹ።
4. እታ ኣባኻ ዘላ፡ ልግሚ ዜብላ ቕድም ኣብ ሎኢስ ዓባይካ፡ ኣብ ኤውኒቄ ኣዴኻውን ዝሐደረት እምነት እናዘከርኩ፡ ኣባኻ ድማ ኸም ዘላ ተረዲኤ ኣሎኹ፡ ንብዓትካ ዘኪረ፡ ብታሕጓስ ምእንቲ ኽመልእሲ፡ ክርእየካ እናናአቕኩ፡ ብጸሎተይ ለይትን መዓልትን ከየብኰርኩ እናዘከርኩኻ፡ ነቲ ካብ ኣቦታተይ ጀሚረ ብንጹህ ሕሊና ዘገልግሎ ዘሎኹ ኣምላኽ ኤመስግኖ ኣሎኹ።
5. እታ ኣባኻ ዘላ፡ ልግሚ ዜብላ ቕድም ኣብ ሎኢስ ዓባይካ፡ ኣብ ኤውኒቄ ኣዴኻውን ዝሐደረት እምነት እናዘከርኩ፡ ኣባኻ ድማ ኸም ዘላ ተረዲኤ ኣሎኹ፡ ንብዓትካ ዘኪረ፡ ብታሕጓስ ምእንቲ ኽመልእሲ፡ ክርእየካ እናናአቕኩ፡ ብጸሎተይ ለይትን መዓልትን ከየብኰርኩ እናዘከርኩኻ፡ ነቲ ካብ ኣቦታተይ ጀሚረ ብንጹህ ሕሊና ዘገልግሎ ዘሎኹ ኣምላኽ ኤመስግኖ ኣሎኹ።
6. በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕርን ቅጽዓትን እምበር፡ መንፈስ ፍርሃት ኣይሀበናን እሞ፡ ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ክትሕድሶ ኤዘክረካ ኣሎኹ።
7. በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕርን ቅጽዓትን እምበር፡ መንፈስ ፍርሃት ኣይሀበናን እሞ፡ ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ክትሕድሶ ኤዘክረካ ኣሎኹ።
8. ደጊም ብሓይሊ ኣምላኽ ምእንቲ ወንጌል ምሳይ መከራ ጽገብ እምበር፡ ብምስክር ጐይታና ወይስ ብኣይ ብእሱሩ ኣይትሕፈር።
9. ኣምላኽ ብፍቓድ ርእሱን በቲ ብክርስቶስ የሱስ ቅድሚ ዘመናት ዓለም እተዋህበና ጸጋን ኣድሐነና ብቕዱስ ጽውዓውን ጸውዓና እምበር፡ ብግብርና ኣይኰነን።
10. ሕጂ ግና ብምግሃድ መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ተገልጸ፡ ንሱ ንሞት ዝሰዐሮ፡ ንህይወትን ንዘይምጥፋእን ብወንጌል ናብ ብርሃን ዘውጽኦ፡
11. ነዚ ኣነ ኣዋጅን ሃዋርያን መምህር ኣህዛብን ክኸውን ተሸምኩ።
12. ብምኽንያቱውን እየ እዚ ሓሳር እዚ ዝጸግብ ዘሎኹ፡ ግናኸ ብመን ከም ዝኣመንኩ እፈልጥ እየ፡ ነቲ ገንዘብ ሕድሪውን ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ምሕላው ኸም ዚከኣሎ ተረዲኤዮ ኣሎኹ እሞ፡ ኣይሕፍርን እየ።
13. ነቲ ኻባይ ዝሰማዕካዮ ጥዑይ ቃል ከኣ በቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ እምነትን ፍቕርን ንምሳሌ ሐዞ።
14. ነቲ እተቐበልካዮ ጽቡቕ ሕድሪ በቲ ኣባና ሐዲሩ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ሐልዎ።
15. እቶም ኣብ እስያ ዘለዉ ዂላቶም፡ ካባታቶም ከኣ ፍጌሎስን ህርሞጌኔስን፡ ከም ዝኸድዑኒ፡ እዚ ትፈልጥ ኣሎኻ።
16. ኦኔሲፎሮስ ናብ ሮሜ መጺኡ፡ ኣዝዩ ደለየንን ረኸበንን፡ ብዙሕ ሳዕ ኣፈሽሒዉለይ፡ በቲ መቚሔይውን ኣይሐፈረን እሞ፡ እግዚኣብሄር ንቤቱ ምሕረት ይሀብ።
17. ኦኔሲፎሮስ ናብ ሮሜ መጺኡ፡ ኣዝዩ ደለየንን ረኸበንን፡ ብዙሕ ሳዕ ኣፈሽሒዉለይ፡ በቲ መቚሔይውን ኣይሐፈረን እሞ፡ እግዚኣብሄር ንቤቱ ምሕረት ይሀብ።
18. በታ መዓልቲ እቲኣ ምሕረት ካብ ጐይታ ኺረክብ፡ እግዚኣብሄር ይሀቦ። ኣብ ኤፌሶን ክንደይ ከም ዘገልገለኒውን፡ ካባይ ዚበልጽ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።

      2Timothy (1/4)