| ← 2Thessalonians (3/3) |
| 1. | ብዝተረፈስ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ እምነት ናይ ኲሉ ሰብ ኣይኰነትን እሞ፡ እቲ ቓል እግዚኣብሄር ከምቲ ኣባኻትኩም ዚዀኖ ዘሎ ምእንቲ ኺጐይን ኺነብርንሲ፡ ካብቶም ዓመጽትን እኩያትን ሰባት ክንድሕን ጸልዩልና። |
| 2. | ብዝተረፈስ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ እምነት ናይ ኲሉ ሰብ ኣይኰነትን እሞ፡ እቲ ቓል እግዚኣብሄር ከምቲ ኣባኻትኩም ዚዀኖ ዘሎ ምእንቲ ኺጐይን ኺነብርንሲ፡ ካብቶም ዓመጽትን እኩያትን ሰባት ክንድሕን ጸልዩልና። |
| 3. | ግናኸ እቲ ዜጽናዓኩምን ካብ ክፉእ ዚሕልወኩምን ጐይታ እሙን እዩ። |
| 4. | እቲ እንእዝዘኩም ከኣ ትገብርዎ ኸም ዘሎኹምን ድሕሪ ሕጂ ኸም እትገብርዎን፡ ብዛዕባካትኩም ኣብ ጐይታ እምነት ኣላትና። |
| 5. | ጐይታ ኸኣ ንልብኹም ናብ ፍቕሪ ኣምላኽን ናብ ትዕግስቲ ክርስቶስን የቕንዓዮ። |
| 6. | እምበኣርከስ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ካብቲ በቲ ኻባና እተቐበሎ ምህሮ ዘይነብር፡ ብዘይ ስርዓት ዚመላለስ ዘበለ ሓዉ ክትፍለዩ፡ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንዝእዝዘኩም ኣሎና። |
| 7. | ኣብ ሓዴኹምኳ ከይነኽብድሲ፡ ለይትን መዓልትን ብጻዕርን ድኻምን እናዐየና እምበር ካብ ሓደ እኳ ብኸምኡ እንጌራ ኣይበላዕናን፡ ኣባኻትኩም ብዘይ ስርዐት ኣይተመላለስናን እሞ፡ ከመይ ኢልኩም ክትመስሉና ኸም ዚግብኣኩም፡ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም። |
| 8. | ኣብ ሓዴኹምኳ ከይነኽብድሲ፡ ለይትን መዓልትን ብጻዕርን ድኻምን እናዐየና እምበር ካብ ሓደ እኳ ብኸምኡ እንጌራ ኣይበላዕናን፡ ኣባኻትኩም ብዘይ ስርዐት ኣይተመላለስናን እሞ፡ ከመይ ኢልኩም ክትመስሉና ኸም ዚግብኣኩም፡ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም። |
| 9. | ምሳኻትኩም ከሎናውን፡ ገለ ሰብ ኪዐዪ ዘይፈቱ እንተዀይኑስ ኣይብላዕውን፡ ኢልና አዘዝናኩም እሚ፡ ንኣና ምእንቲ ኽትመስሉ ደኣ፡ ንርእስና ኣርኣያ ጌርና ሀብናኩም እምበር፡ መሰል ስለ ዜብልና ኣይኰናን። |
| 10. | ምሳኻትኩም ከሎናውን፡ ገለ ሰብ ኪዐዪ ዘይፈቱ እንተዀይኑስ ኣይብላዕውን፡ ኢልና አዘዝናኩም እሚ፡ ንኣና ምእንቲ ኽትመስሉ ደኣ፡ ንርእስና ኣርኣያ ጌርና ሀብናኩም እምበር፡ መሰል ስለ ዜብልና ኣይኰናን። |
| 11. | ማለት ሓያሎ ኻባኻትኩም ብዘይ ስርዓት ከም ዚመላለሱ፡ ዙረት እምበር፡ ሓንቲ እኳ ኸም ዘይዐዩ፡ ንሰምዕ ኣሎና። |
| 12. | ነዞም ከምዚኣቶም ዘመሰሉ፡ ብህድኣት እናዐየዩ እንጌራኦም ኪበልዑ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንእዝዞምን ንምዕዶምን ኣሎና። |
| 13. | ኣቱም ኣሕዋትና፡ ንስኻትኩም ግና ሰናይ ንምግባር ኣይትሰልክዩ፡ |
| 14. | ሓደ እኳ ነቲ በዛ ደብዳበ እዚኣ እንብሎ ቓልና ዘይእዘዝ እንተሎ፡ ምእንቲ ኺሐፍርሲ፡ ምስኡ ኸይትሐብሩ ምልክት ግበሩሉ። |
| 15. | ግናኸ ከም ሓዉ ደኣ ምዐድዎ እምበር፡ ከም ጸላኢ ኣይትቚጸርዎ። |
| 16. | እምበኣርከስ ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ብኸሉ ወገን፡ ኲሉ ሳዕ ሰላም ይሀብኩም። ጐይታ ምስ ኲላትኩም ይኹን። |
| 17. | እዚ ሰላምታ እዚ ብኢደይ፡ ብኢድ ጳውሎስ እዩ። እዚ ኣብ ኲሉ ደብዳቤታተይ መፈለጥታ እዩ፡ ከምዚ እየ ዝጽሕፍ። |
| 18. | ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን። |
| ← 2Thessalonians (3/3) |