2Thessalonians (3/3)    

1. ብዝተረፈስ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ እምነት ናይ ኲሉ ሰብ ኣይኰነትን እሞ፡ እቲ ቓል እግዚኣብሄር ከምቲ ኣባኻትኩም ዚዀኖ ዘሎ ምእንቲ ኺጐይን ኺነብርንሲ፡ ካብቶም ዓመጽትን እኩያትን ሰባት ክንድሕን ጸልዩልና።
2. ብዝተረፈስ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ እምነት ናይ ኲሉ ሰብ ኣይኰነትን እሞ፡ እቲ ቓል እግዚኣብሄር ከምቲ ኣባኻትኩም ዚዀኖ ዘሎ ምእንቲ ኺጐይን ኺነብርንሲ፡ ካብቶም ዓመጽትን እኩያትን ሰባት ክንድሕን ጸልዩልና።
3. ግናኸ እቲ ዜጽናዓኩምን ካብ ክፉእ ዚሕልወኩምን ጐይታ እሙን እዩ።
4. እቲ እንእዝዘኩም ከኣ ትገብርዎ ኸም ዘሎኹምን ድሕሪ ሕጂ ኸም እትገብርዎን፡ ብዛዕባካትኩም ኣብ ጐይታ እምነት ኣላትና።
5. ጐይታ ኸኣ ንልብኹም ናብ ፍቕሪ ኣምላኽን ናብ ትዕግስቲ ክርስቶስን የቕንዓዮ።
6. እምበኣርከስ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ካብቲ በቲ ኻባና እተቐበሎ ምህሮ ዘይነብር፡ ብዘይ ስርዓት ዚመላለስ ዘበለ ሓዉ ክትፍለዩ፡ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንዝእዝዘኩም ኣሎና።
7. ኣብ ሓዴኹምኳ ከይነኽብድሲ፡ ለይትን መዓልትን ብጻዕርን ድኻምን እናዐየና እምበር ካብ ሓደ እኳ ብኸምኡ እንጌራ ኣይበላዕናን፡ ኣባኻትኩም ብዘይ ስርዐት ኣይተመላለስናን እሞ፡ ከመይ ኢልኩም ክትመስሉና ኸም ዚግብኣኩም፡ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም።
8. ኣብ ሓዴኹምኳ ከይነኽብድሲ፡ ለይትን መዓልትን ብጻዕርን ድኻምን እናዐየና እምበር ካብ ሓደ እኳ ብኸምኡ እንጌራ ኣይበላዕናን፡ ኣባኻትኩም ብዘይ ስርዐት ኣይተመላለስናን እሞ፡ ከመይ ኢልኩም ክትመስሉና ኸም ዚግብኣኩም፡ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም።
9. ምሳኻትኩም ከሎናውን፡ ገለ ሰብ ኪዐዪ ዘይፈቱ እንተዀይኑስ ኣይብላዕውን፡ ኢልና አዘዝናኩም እሚ፡ ንኣና ምእንቲ ኽትመስሉ ደኣ፡ ንርእስና ኣርኣያ ጌርና ሀብናኩም እምበር፡ መሰል ስለ ዜብልና ኣይኰናን።
10. ምሳኻትኩም ከሎናውን፡ ገለ ሰብ ኪዐዪ ዘይፈቱ እንተዀይኑስ ኣይብላዕውን፡ ኢልና አዘዝናኩም እሚ፡ ንኣና ምእንቲ ኽትመስሉ ደኣ፡ ንርእስና ኣርኣያ ጌርና ሀብናኩም እምበር፡ መሰል ስለ ዜብልና ኣይኰናን።
11. ማለት ሓያሎ ኻባኻትኩም ብዘይ ስርዓት ከም ዚመላለሱ፡ ዙረት እምበር፡ ሓንቲ እኳ ኸም ዘይዐዩ፡ ንሰምዕ ኣሎና።
12. ነዞም ከምዚኣቶም ዘመሰሉ፡ ብህድኣት እናዐየዩ እንጌራኦም ኪበልዑ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንእዝዞምን ንምዕዶምን ኣሎና።
13. ኣቱም ኣሕዋትና፡ ንስኻትኩም ግና ሰናይ ንምግባር ኣይትሰልክዩ፡
14. ሓደ እኳ ነቲ በዛ ደብዳበ እዚኣ እንብሎ ቓልና ዘይእዘዝ እንተሎ፡ ምእንቲ ኺሐፍርሲ፡ ምስኡ ኸይትሐብሩ ምልክት ግበሩሉ።
15. ግናኸ ከም ሓዉ ደኣ ምዐድዎ እምበር፡ ከም ጸላኢ ኣይትቚጸርዎ።
16. እምበኣርከስ ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ብኸሉ ወገን፡ ኲሉ ሳዕ ሰላም ይሀብኩም። ጐይታ ምስ ኲላትኩም ይኹን።
17. እዚ ሰላምታ እዚ ብኢደይ፡ ብኢድ ጳውሎስ እዩ። እዚ ኣብ ኲሉ ደብዳቤታተይ መፈለጥታ እዩ፡ ከምዚ እየ ዝጽሕፍ።
18. ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን።

  2Thessalonians (3/3)