2Samuel (9/24)  

1. ዳዊት ድማ፡ ካብ ቤት ሳኦልሲ ምእንቲ ዮናታን ኢለ ምሕረት ዝገብረሉ ገለ ሓድጊ ደዀን ይህሉ∶: በለ።
2. ጺባ ዝስሙ ሰብኣይ ከኣ ኣገልጋሊ ቤት ሳኦል ነበረ፡ ንእኡ ናብ ዳዊት ጸውዕዎ። ንጉስ ድማ፡ ንስኻ ዲኻ ጺባ∶: በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ጊልያኻ ንሱ እዩ፡ በለ።
3. ንጉስ ድማ፡ ምሕረት ኣምላኽ ክገብረሉስ፡ ካብ ቤት ሳኦልዶ ገለ የልቦን∶: በለ። ጺባ ኸኣ ንንጉስ፡ ኣእጋሩ እተጐድኤ እባ ሓደ ወዲ ዮናታን ኣሎ∶: በሎ።
4. ንጉስ ድማ፡ ኣበይ ኣሎ ንሱ∶: በሎ። ጺባ ኸኣ ንንጉስ፡ እኝሆ፡ ንሱ ኣብ ቤት ማኪር ወዲ ዓሚኤል፡ ኣብ ሎድባር ኣሎ፡ በሎ።
5. ሽዑ ንጉስ ዳዊት ልኢኹ ኻብ ቤት ማኪር ወዲ ዓሚኤል፡ ካብ ሎድባር ኣምጽኦ።
6. መፊቦሸት ወዲ ዮናታን፡ ወዲ ሳኦል፡ ናብ ዳዊት መጺኡ፡ ብገጹ ተደፊኡ ግፍም በለ። ዳዊት ድማ፡ መፊቦሸት፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ ጊልያኻ፡ በለ።
7. ዳዊት ድማ፡ ምእንቲ ኣቦኻ ዮናታን ኢለ ርግጽ ምሕረት ክገብረልካ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ግራሁ ኣቦኻ ሳኦልውን ክመልሰልካ እየ፡ ንስኻ ኸኣ ንሓዋሩ ኣብ መኣደይ እንጌታ ኽትበልዕ ኢኻ፡ በሎ።
8. ንሱ ድማ ፍግም ኢሉ፡ ናብ ከማይ ዝበለ ምዉት ከልቢ ገጽካ ኽትመልስሲ፡ ጊልያኻ እንታይ እዩ∶: በለ።
9. ሽዑ ንጉስ ንጺባ ጊልያ ሳኦል ጸዊዑ፡ ናይ ሳኦልን ናይ ብዘላ ቤቱን ዝዀነ ዂሉ ንወዲ ጐይታኻ ሂበዮ ኣሎኹ።
10. ንስኻን ደቅኻን ግዙኣትካን ድማ፡ ንወዲ ጐይታኻ ምእንቲ ዚብላዕ እንጌራ ክዀኖስ፡ እቲ መሬት ሐሪስኩም፡ ንእኡ ኣእተወሉ። መፊቦሸት ወዲ ጐይታኻ ግና ንወርትግ ኣብ መኣደይ እኝጌራ ኺበልዕ እዩ፡ በሎ። ንጺባ ኸኣ ዕሰርተው ሓሙሽተ ኣወዳትን ዕስራ ግዙኣትን ነበርዎ።
11. ጺባ ድማ ንንጉስ፡ ከምቲ ጐይታይ ንጉስ ንጊልያኡ ዝአዘዞ ዂሉ ጊልያኻ ኸምኡ ኺገብር እዩ፡ በለ።
12. መፊቦሸት ከኣ፡ ሚካ ዝስሙ ንእሽቶ ወዲ ነበሮ። ኣብ ቤት ጺባ ዝነበሩ ዂሎም ድማ ገላዉ መፊቦሸት ኰኑ።
13. መፊቦሸት ከኣ፡ ወርትግ ኣብ መኣዲ ንጉስ ይበልዕ ነበረ እሞ፡ ኣብ የሩሳሌም ይቕመጥ ነበረ፡ ንስሪ ኸኣ ክልቲኡ እግሩ ሓንካስ ነበረ።

  2Samuel (9/24)