2Samuel (8/24)  

1. ድሕርዚ ኸኣ ዀነ፡ ዳዊት ንፍስልጥኤማውያን ሰዐሮምን ኣጥቅዖምን፡ ልጓም ርእሲ ኸተማኦም ድማ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ወሰደ።
2. ንሞኣባውያን ሰዐሮም፡ ኣብ ምድሪ በጥ ኣቢሉ ኸኣ ብገመድ ሰፊሮም፡ ክልተ ገመድ ንሞት፡ ገመድ ምሉእ ከኣ ንህይወት ሰፈረ። ሞኣባውያን ከኣ ንዳዊት ገላዉኡ ዀይኖም ገጽ በረኸት ኣምጽኡሉ።
3. ዳዊት ከኣ ነቲ ኣብ ርባ ኤፍራጥስ ዝነበረ ግዝኣቱ ኼምልስ ኢሉ ክኸይድ ከሎ፡ ንሃዳድ ዔዘር፡ ወዲ ሬሖብ፡ ንጉስ ጾባ፡ ሰዐሮ።
4. ዳዊት ድማ ካብኡ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ፈረሰኛ፡ ዕስራ ሽሕ ከኣ ኣጋራይ ሰብ ወሰደ። ዳዊት ድማ ሚእቲ ፈረስ ሰረገላ ኣትሪፉስ፡ ንዂሎም ኣፍራስ ሰረገላ ኣእጋሮም ቀንጀቦም።
5. እቶም ናይ ደማስቆ ሶርያውያን ከኣ ንሃዳድዔዘር ንጉስ ጾባ ኺረድኡ ኢሎም ምስ መጹ፡ ዳዊት ካብቶም ሶርያውያን ዕስራን ክልተን ሽሕ ሰብኣይ ቀተለ።
6. ዳዊት ድማ ኣብ ሶርያ ናይ ደማስቆ ሓለውቲ ኣቐመጠ። ሶርያውያን ከኣ ንዳዊት ገላዉኡ ዀይኖም ገጽ በረኸት ኣምጽኡሉ። እግዚኣብሄር ድማ ንዳዊት ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዲል ሀቦ።
7. ዳዊት ከኣ ነቲ ኣብ ገላዉ ሃዳድዔዘር ዝነበረ ዋላቱ ወርቂ ወሰደ፡ ናብ የሩሳሌም ድማ ኣምጽኦ።
8. ንጉስ ዳዊት ከኣ ካብ ቤጣሕን ካብ ቤሮታይን፡ ከተማታት ሃዳድዕዘር፡ ኣዝዩ ብዙሕ ኣስራዚ ወሰደ።
9. ቶዒ ንጉስ ድማ፡ ዳዊት ንብዘሎ ሰራዊት ሃዳድ ዔዘር ከም ዝሰዐሮ ምስ ሰምዔ፡
10. ሃዳድ ዔዘር ምስ ቶኒ ተዋጊኡ ነበረ እሞ፡ ንዳዊት ብዛዕባ ጥዕናኡ ኺሐቶን፡ ንሃዳድ ዔዘር ተዋጊኡ ስለ ዝሰዐሮ ኸኣ ክምርቖን፡ ወዱ ዮራም ለአኸሉ። ኣብ ኢዱ ኸኣ ኣቓሑ ብሩርን ኣቓሑ ወርቅን ኣቓሑ ኣስራዝን ነበረ።
11. ነዚውን ንጉስ ዳዊት፡ ምስቲ ኻብቶም ዝሰዐሮም ኲሎም ኣህዛብ፡ ካብ ሶርያውያንን ካብ ሞኣባውያንን ካብ ደቂ ዓሞንን ካብ ፍልስጥኤማውያንን ካብ ኣማሌቃውያንን ካብ ምርኮ ሃዳድ ዔዘር፡ ወዲ ሬሖብ፡ ንጉስ ጾባን ወሲዱ ዝቐደሶ ብሩርን ወርቅን፡ ንእግዚኣብሄር ቀደሰሉ።
12. ነዚውን ንጉስ ዳዊት፡ ምስቲ ኻብቶም ዝሰዐሮም ኲሎም ኣህዛብ፡ ካብ ሶርያውያንን ካብ ሞኣባውያንን ካብ ደቂ ዓሞንን ካብ ፍልስጥኤማውያንን ካብ ኣማሌቃውያንን ካብ ምርኮ ሃዳድ ዔዘር፡ ወዲ ሬሖብ፡ ንጉስ ጾባን ወሲዱ ዝቐደሶ ብሩርን ወርቅን፡ ንእግዚኣብሄር ቀደሰሉ።
13. ዳዊት ድማ ንሶርያውያን ስዒሩ ምስ ተመልሰ፡ ኣብ ለሰ ጨው ዓሰርተው ሾሞንተ ሽሕ ምስ ቀተለ፡ ስም ረኸበ።
14. ኣብ ኤዶም ከኣ ሓለውቲ ኣቐመጠ። ኲሎም ኤዶማውያን ከኣ ገላዉ ዳዊት ኰኑ። ኣብ ብዘላ ኤዶም ሓለውቲ ኣቐመጠ። ኲሎም ኤዶማውያን ከኣ ገላዉ ዳዊት ኰኑ። ንዳዊት፡ ኣብ ዝኸዶ ዘበለ፡ እግዚኣብሄር ዲል ሀቦ።
15. ዳዊት ድማ ንብዘሎ ህዝቡ ፍርድን ጽድቅን እናገበረ ኣብ ልዕሊ ኹሉ እስራኤል ነገሰ።
16. ዮኣብ ወዲ ጽሩያ ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፡ ይሆሻፋጥ ወዲ ኣሒሉድ ከኣ ጸሓፍ ዛንታ፡
17. ጻዶቅ ወዲ ኣሒጡብን ኣሒሜለክ ወዲ ኣብያታርን ድማ ካህናት ነበሩ፡ ሰራያ ኸኣ ጸሓፊ ነበረ፡
18. በናያ ወዲ ይሆይዳ ድማ ሓለቓ ክርታውያንን ጵለታውያንን ነበረ። ደቁ ዳዊት ከኣ ካህናት ነበሩ።

  2Samuel (8/24)