2Samuel (7/24)  

1. ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ ኣብ ቤቱ ምስ ተቐመጠ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ካብቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ዂሎም ጸላእቱ ምስ ኣዕረፎ፡
2. እቲ ንጉስ ንነብዪ ናታን፡ ርኤማ በጃኻ፡ ኣነ ኣብ ቤት ጽሕዲ ኽነብር ከከሎኹስ፡ ታቦት ኣምላኽ ኣብ ማእከል ድንኳን ዓለባታት ተቐሚጡ አሎ፡ በሎ።
3. ናታን ከኣ ንንጉስ፡ እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኪድ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዂሉ ግበር፡ በሎ።
4. ኰነ ድማ፡ በታ ለይቲ እቲኣ ቓል እግዚኣብሄር ናብ ናታን መጺኡ ከምዚ በለ፡
5. ኪድ፡ ንባርያይ ዳዊት፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብለካ ኣሎ፡ ንስኻዶ ኣነ ዝነብረላ ቤት ክትሰርሓለይ ኢኻ∶:
6. ካብታ ንደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ዘውጻእኩላ መዓልቲ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ድንኳንን ኣብ ድንኳንን ኣብ ማሕደርን ደኣ እኸይድ ነበርኩ እምበር፡ ኣብ ቤትሲ ኣይነበርኩን።
7. ኣብቲ ምስ ኲሎም ደቂ እስራኤል እተማላለስኩሉ፡ ንሓደ ኻብ ነገዳት እስራኤል ንህዝበይ ንእስራኤል ክጓሲ ንዝአዘዝክዎስ፡ ስለምንታይ ቤት ጽሕዲ ዘይሰራሕኩምለይ፡ ኢለዶ ተዛረብኩ∶:
8. ሕጂ ኸኣ ንባርያይ ዳዊት ከምዚ በሎ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መስፍን ክትከውን፡ ካብ ምጉሳይካ፡ ካብ ድሕሪ እተን ኣባጊዕ ኣምጽእእኩኻ።
9. ኣኸድካዮ ዘበለ ኸኣ ምሳኻ ነበርኩ፡ ንዂሎም ጸላእትኻውን ካብ ቅድሜኻ ኣጽነትክዎም። ከም ስም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዓበይቲ ድማ ዓብዪ ስም ገበርኩልካ።
10. ንህዝበይ እስራኤልውን ቦታ ኸዳልወሉ፡ ድሕሪ ደጊም ከይነቓነቕሲ ኣብታ ቦታኡ ኽተኽሎ እየ። ሽዑ፡ ከምቲ ኻብታ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ፈረዲ ኪዀኑ ዝአዘዝኩላ መዓልቲ፡ እቶም ደቂ ዓመጽቲ ኸምቲ ናይ ቀደም ገይሮም መሊሶም ኣየጨንቕዎምን። ካብ ኲሎም ጸላእትኻ ድማ ከዕርፈካ እየ። ኤረ እግዚኣብሄርሲ ንኣኻ ቤት ከም ዚሰርሓልካ፡ እግዚኣብሄር ይነግረካ ኣሎ።
11. ንህዝበይ እስራኤልውን ቦታ ኸዳልወሉ፡ ድሕሪ ደጊም ከይነቓነቕሲ ኣብታ ቦታኡ ኽተኽሎ እየ። ሽዑ፡ ከምቲ ኻብታ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ፈረዲ ኪዀኑ ዝአዘዝኩላ መዓልቲ፡ እቶም ደቂ ዓመጽቲ ኸምቲ ናይ ቀደም ገይሮም መሊሶም ኣየጨንቕዎምን። ካብ ኲሎም ጸላእትኻ ድማ ከዕርፈካ እየ። ኤረ እግዚኣብሄርሲ ንኣኻ ቤት ከም ዚሰርሓልካ፡ እግዚኣብሄር ይነግረካ ኣሎ።
12. መዓልትታትካ ምስ መልኣ፡ ምስ ኣቦታትካ ኸኣ ምስ ደቀስካ፡ ብድሕሬኻ ድማ ነቲ ኻብ ከርስኻ ዚወጽእ ዘርእኻ ልዕል ከብሎ እየ፡ ነታ መንግስቱውን ከጽንዓ እየ።
13. ንሱ ንስመይ ቤት ኪሰርሕ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ዝፋን መንግስቱ ምዘለኣለም ከጽንዓ እየ።
14. ኣነ ኣቦ ክዀኖ፡ ንሱ ድማ ወዲ ክዀነኒ እዩ። እንተ በደለ፡ ኸኣ፡ ብሻቦጥ ሰብን ብመውቃዕቲ ደቂ ሰብን ገይረ ኽገርፎ እየ።
15. ግናኸ ከምቲ ነቲ ኻብ ቅድሜኻ ዘግለስክዎ ሳኦል ዘግለስኲሉ፡ ምሕረተይ ካብኡ ኣየግልስን።
16. ቤትካን መንስግትኻን ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ንዘለኣለም ኪጸንዓ እየን፡ ዝፋንካውን ንዘለኣለም ኪጸንዕ እዩ።
17. ከም ኲሉ እዚ ዘረባ እዝን ከም ኲሉ እዚ ራእይ እዝን ናታን ከምኡ ከይሩ ንዳዊት ተዛረቦ።
18. ሽዑ ንጉስ ዳዊት ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር አተወ ተቐሚጡ ድማ በለ፡ ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ክሳዕ ክንድዚ ዘብጻሕካንስ፡ ኣነ መን እየ∶: ቤተይ እንታይ እያ∶:
19. ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ እዚ ድማ ንእሽቶ ዀይኑ ተራእዩካስ፡ ብዛዕባ እቲ ናይ ቤት ባርያኻ ብርሑቕ ዚኸውን ትዛረብ ኣሎኻ ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ እዝስ ሕጊ ሰብዶ እዩ∶:
20. ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ ንባርያኻ ትፈልጥዕ እባዕኻ፡ ደጊምከ ዳዊት መሊሱ እንታይ ኢሉ ኺዛረበካ እዩ∶:
21. ምእንቲ እቲ ዘረባኻን ከምቲ ናይ ልብኻን ንባርያኻ ኸተፍልጦስ፡ እዚ ዓብዪ ነገርሲ ገበርካ።
22. ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ከምቲ በእዛንና ዝሰማዕናዮ ዂሉስ፡ ከማኻ የልቦን፡ ብጀካኻውን ኣምላኽ የልቦን እሞ፡ ስለዚ ዓብዪ ኢኻ።
23. ህዝቡ ምእንቲ ኪኸውን ኬድሕኖ፡ ስም ድማ ኪገብረሉ፡ እዚ ዓብዪ ነገር ኪገብረልኩም፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኻብ ግብጺ፡ ካብ ኣህዛብን ካብ ኣማልኽቶምን ንኣኻ ኪኸውን ዘድሐንካዮ ህዝብኻ ንምድርኻ ዜፍርህ ነገር ኪገብርን ኢሉ ኣምላኽ ዝኸዶ፡ ኣብ ምድርኻ ኸም ህዝብኻ፡ ከም እስራኤል ዝበለ ኣየናይ ሓደ ህዝቢ ኣሎ∶:
24. ንህዝብኻ እስራኤል ከኣ ንዘለኣለም ህዝብኻ ኪኸውን መደብካዮ። ንስኻ እግዚኣብሄር ድማ ኣምላኾም ኰንካ።
25. ሕጂ ኸኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ነቲ ብዛዕባ ባርያኻን ብዛዕባ ቤቱን እተዛረብካዮ ነገር ንዘለኣለም ኣጽንዓዮ፡ ከምቲ እተዛረብካዮ ኸኣ ግበር።
26. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትሲ ኣምላኽ እስራኤል እዩ፡ ብምባሎምድማ ስምካ ንዘለኣለም ይዕበ። ቤት ባርያኻ ዳዊት ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ትቑም።
27. ዎ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ንባርያኻ ኣነ ቤት ክሰርሓልካ እየ፡ ኢልካ ገሊጽካሉ ኢኻ፡ ስለዚ ባርያኻ እዚ ጸሎት እዚ ናባኻ ኺጽሊ ኣብ ልቡ ረኸበ።
28. ሕጂ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ንስኻ ኣምላኽ ኢኻ፡ ዘረባኻውን ሓቂ እዩ፡ እዚ ጽቡቕ ነገር እዚውን ንባርያኻ ኣተስፈኻዮ።
29. ሕጂ ድማ፡ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ቤት ባርያኻ ብበረኸትካ ንዘለኣለም ክትባረኽ ተዛሪብካ ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ቤት ባርያኻ ንዘለኣለም ኣብ ቅድሜኻ ምእንቲ ኽትነብር፡ ክትባርኻ ፍቶ።

  2Samuel (7/24)