2Samuel (6/24)  

1. ዳዊት ድማ መሊሱ ነቶም ካብ እስራኤል እተሐርዩ ሰላሳ ሽሕ ሰብኣይ ኣከቦም።
2. ዳዊት ከኣ ተንሲኡ ምስቲ ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ህዝቢ ነቲ በቲ ስም፡ ስም እቲ ኣብ ባኦሊ ኪሩቤል ዚነብር እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እተጸውዓሉ ታቦት ኣምልእኽ ካብ በዓለይሁዳ ኸደይቦ ኸደ።
3. ንሳቶም ከኣ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ኣብ ሓዲሽ ሰረገላ ገይሮም ካብታ ኣብ ኲርባ ዝነበረት ቤት ኣቢናዳብ ኣልዐልዎ፡ ነቲ ሓዲሽ ሰረገላውን ዑዛን ኣሕዮን፡ ደቂ ኣቢናዳብ፡ ይመርሕዎ ነበሩ።
4. ካብታ ኣብ ኲርባ ምስ ታቦት ኣምላኽ ዝነበረት ቤት ኣቢናዳብ ከኣ ኣልዐልዎ። ኣሕዮ ኸኣ ቀቅድሚ እቲ ታቦት ይኸይድ ነበረ።
5. ዳዊትን ብዘላ ቤት እስራኤልን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዂሉ ዓይነት ቃናታት፡ ካብ ዕንጨይቲ እተገብረ ብበገናን ብመሰንቆን ብኸበሮን ብቓጽላትን ብጸናጽልን ይጻወቱ ነበሩ።
6. ኣብ ዓውዲ ናኮን ምስ መጹ ግና፡ እቶም ኣብዑር ስለ ዝፋነኑ፡ ዑዛ ኢዱ ዘርጊሑ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ሐዞ።
7. ሽዑ ዂራ እግዚኣብሄር ኣብ ዑዛ ነደደ፡ ስለ ድፍረቱ ኸኣ ኣምላኽ ቀዘፎ፡ ኣብኡ ድማ ኣብ ጥቓ ታቦት ኣምላኽ ሞተ።
8. ዳዊት ከኣ፡ እግዚኣብሄር ንዑዛ ስለ ዝሰበሮ፡ ብጓሂ ሐረረ፡ ነታ ቦታ እቲኣ ኸኣ፡ ኸምቲ ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ዘሎ፡ ጴረጽዑዛ ኢሉ ሰመያ።
9. ዳዊት ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንእግዚኣብሄር ፈሪሁ፡ ታቦት እግዚኣብሄር ከመይ ገይሩ ናባይ ኪመጽእ∶: በለ።
10. ስለዚ ኸኣ ዳዊት ንታቦት እግዚኣብሄር ናብ ቤት ዖቤድኤዶም፡ ጊታዊ ኣእተዎ እምበር፡ ዳዊት ናብኡ፡ ናብ ከተማ ዳዊትሲ፡ ኬግዕዞ ኣይፈተወን።
11. እቲ ታቢት እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ቤት ዖቤድኤዶም ጊታዊ ሰለስተ ወርሒ ተቐመጠ። እግዚኣብሄር ድማ ንዖቤድኤዶምን ንብዘላ ቤቱን ባረኸ።
12. እግዚኣብሄር ምእንቲ ታቦት ኣምላኽ ኢሉ ንቤት ዖቤድኤዶምን ንዘለዎ ዂሉን ባሪኹሉ፡ ኢሎምንንጉስ ዳዊት ነገርዎ። ሽዑ ዳዊት ከይዱ ንታቦት ኣምላኽ ካብ ቤት ዖቤድኤዶም ብሓጐስ ናብ ከተማ ዳዊት ዳዊት ኣደየቦ።
13. ኰነ ድማ፡ እቶም ታቦት እግዚኣብሄር ዝጾሩ ሹድሽተ ስጒምቲ ምስ ሰጐሙ፡ ሓደ ብዕራይን ስቡሕ ድዑልን ሰውኤ።
14. ዳዊት ከኣ ብምሉእ ሓይሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይስዕስዕ ነበረ፡ ዳዊት ኤፎድ ልሕጺ እንጣጢዕ ድማ ተዐጢቑ ነበረ።
15. ዳዊትን ብዘላ ቤት እስራኤልን ከኣ ንታቦት እግዚኣብሄር ብእልልታን ብቓና መለኸትን ኣደየብዎ።
16. ኰነ ኸኣ፡ እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ናብ ከተማ ዳዊት ኪአቱ ኸሎ፡ ሚካል ጓል ሳኦል ብመስኰት ተቐልቂላ ንጉስ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪሰርርን ኪስዕስዕን ከሎ ረአየቶ እሞ ብልባ ነዐቐቶ።
17. ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምጺኦም ድማ ኣብ ስፍራኡ ኣብ ማእከል እቲ ዳዊት ዝተኸለሉ ድንኳን ኣንበርዎ። ዳዊት ከኣ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ቅብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣዕረገ።
18. ዳዊት ድማ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣዕሪጉ ምስ ወድኤ፡ ነቲ ህዝቢ ብስም እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ባረኾ።
19. ንብዘሎ እቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ንብዘሎ ኣኼባ እስራኤል፡ ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ ንነፍሲ ወከፍ ሓደ ቕጫን ሓደ ቚራጽ ስጋን ሓደ ጐጎ ዘቢብን መቐሎም። ድሕርዚ ኸኣብዘሎ እቲ ህዝቢ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ኸደ።
20. ዳዊት ድማ ንቤቱ ኺባርኽ ተመልሰ። ሚካል ጓል ሳኦል ከኣንዳዊት ክትቅበሎ ወጺኣ፡ ንጉስ እስራኤልሲ፡ ከንቱ ዝዀነ ሰብ ከም ዚቕላዕ፡ ኣብ ቅድሚ ኣግራድ ገላዉኡ ብምቕላዑስ ሎሚ ኽንደይ ከበረ፡ በለት።
21. ዳዊት ከኣ ንሚካል፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኻብ ኣቦኽን ካብ ብዘላ ቤቱን ዝሐረየኒ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድማ መስፍን ዝገበረኒ እግዚኣብሄር፡ እወ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እየ ዝስሐቕ ዘሎኹ።
22. ገና እኳ ኻብዚ ክቐልል እየ፡ ኣብ ዓይነይ ከኣ ኣዝየ ኽሐስር እየ፡ ኣብተን ዝበልክየን ኣግራድ ግና ክኸብር እየ፡ በለ።
23. ሚካል ጓል ሳኦል ከኣ ክሳዕ እታ እትሞተላ መዓልቲ ውሉድ ኣይነበራን።

  2Samuel (6/24)