2Samuel (5/24)  

1. ሽዑ ብዘለዉ ነገድ እስራኤል ናብ ዳዊት ናብ ኬብሮን መጺኦም፡ እኔና፡ ንሕና ዓጽምኻን ስጋኻን ኢና፡ ኢሎም ተዛረብዎ።
2. ካብ ቐደም፡ ሳኦል ኣብ ልዕሊና ነጊሱ ኸሎ፡ ንስኻ ንእስራኤል እትእቱን ነበርካ። እግዚኣብሄር ድም ናኣኻ፡ ንስኻ ንህዝበይ እስራኤል ክትጋሲ ኢኻ፡ ንስኻ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መስፍን ክትጀዉን ኢኻ፡ ኢሉካ ኢዩ፡ በልዎ
3. ኩሎም ዓበይቲ እስራኤል ድማ ናብ ንጉስ ኣብ ኬብሮን ምጱ፡ንጉስ ዳዊት ከኣ ኣብ ኬብሮን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብኤር ምስታቶም ኪዳን አተወ። ንዳዊት ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ኪኸውን ቀብእዎ።
4. ዳዊት ክነግስ ከሎ ወዲ ሰላሳ ዓመት ነበረ፡ ኣርባዓ ዓመት ከኣ ነገሰ።
5. ኣብ ኬብሮን ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ሾብዓተ ዓመትን ሽድሽተ ወርሕን ነገሰ፡ ኣብ ዮሩሳሌም ኮይኑ ድማ ኣብ ልዕሊ ብዘሎ እስራኤልን ይሁዳን ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ።
6. ንጉስን ሰብን ድማ ናብ ዮርሳሌም፡ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ይቡሳውያን ኪዋግኡ ኸዱ። ንሳቶን፡ ንዳዊት ናብዝስ ኣይትኣቱን ኢኻ፡ ዕዉራትን ሓንካሳትን እኳ ኽሰጉኻ እዮም በልዎ። ማለት ዳዊት ናብዚ ኣይኪኣቱን ኢዩ።
7. ዳዊት ግና ንእምባ ጽዮን፡ ንሳ ኸተማ፡ ሓዛ።
8. ዳዊት ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንየቡሳዊ ዝቐረበ ዘበለ ናብቲ መትረብ ማይ ይደይብ እሞ ነቶም ነፍሲ ዳዊት እትጸልኦም ሓንካሳትን ዕዉራትን ይቕተሎም፡ በለ። ስለዚ ዕዉርን ሓንካስን ናብ ቤት ኣይእተዉ፡ ተባህለ።
9. ዳዊት ከኣ ኣብ እምባ ተቐመጠ እሞ ከተማ ዳዊት ኣውጽኣላ። ዳዊት ድማ ካብ ሚሎ ሒዙ ብዙርያኣን ብዉሽጣን ነደቓ።
10. ዳዊት ከኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ምስኡ ነበረ እሞ። እናዓበየ ኸደ።
11. ሒራም ንጉስ ጢሮስ ድማ ንዳዊት ልኡኻትን ኦም ሕጸን ጸረብትን ወቐርቲ እምንን ገይሩ ሰደደ። ንሳቶም ከኣ ንዳዊት ቤት ሃነጸሉ።
12. ዳዊት ከኣ፡ እግዚኣብሄርስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ገይሩ ኸምዘጽንዖ፡ ነታ መንግስቱውን ምእንቲ ህዝቡ እስራኤል ኢሉ ልዕል ከም ዘበላ ኣስተውዐለ።
13. ዳዊት ድማ ድሕርቲ ኻብ ኬብሮን ምምጻኡ መሊሱ ኣንስቲ ወሰንን ኣንስትን ካብ ካብ የሩሳሌም ወሰደ። ንዳዊት ከኣ፡ ካልኦት ኣወዳትን ኣዋልድን ተወልዱሉ።
14. እቶም ኣብ የሩሳሌም እተወልዱሉ ስሞም እዚ እዩ፡ ሻሙዓን ሾባብን ናታንን ሰሎሞንን፡
15. ይብሓርን ኤሉሹዓን ነፈግን ይፈዓን፡
16. ኤሊሻማዕን ኤልያዳዕን ኢልፈለጥን።
17. ፍልስጥኤማውያን ከኣ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኪነግስ ከም ዝቐብእዎ ምስ ሰምዑ፡ ኲሎም ፍልስጥኤማውያን ንዳዊት ኪደልይዎ ደየቡ። ዳዊት ድማ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ናብ ዕርዲ ወረደ።
18. ፍልስጥኤማውያን ከኣ መጺኦም ኣብ ለሰ ረፋይም ፋሕ በሉ።
19. ዳዊት ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ንፍልስጥኤማውያን ክድይቦምሲ፡ ኣብ ኢደይዶ ትህበኒ ኢኻ∶: ኢሉ ሐተቶ። እግዚኣብሄር ከኣ ንዳዊት፡ ደይቦም፡ ንፍልስጥኤማውያን ርግጽ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ፡ በሎ።
20. ዳዊት ድማ ናብ በዓልጶራጺም መጸ፡ ኣብኣ ኸኣ ዳዊት ሰዐሮም። ማይ ከም ዚብተን፡ እግዚኣብሄር ድማ ነቶም ጸላእተይ ካብ ቅድመይ በተኖም፡ በለ። ስለዚ ስም እታ ቦታ እቲኣ በዓል ጶራጺም ኣውጽኣላ።
21. ጣኦታቶም ከኣ ኣብኡ ሐደጉ፡ ዳዊትን ሰቡን ድማ ኣልዐልዎም።
22. ፍልስጥኤማውያን ከኣ ከም ብሓድሽ ደዪቦም ኣብ ለሰ ረፋይም ፋሕ በሉ።
23. ዳዊት ንእግዚኣብሄር ምስ ሐተቶ፡ ንሱ ድማ፡ ንሱ፡ ኣይትደይቦም፡ ብድሕሪኦም ደኣ ዙሮም፡ ብመንጽር እቲ ሳጋሉ ኸኣ እተዎም።
24. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ሳጋሉ ናይ ዚረግጽ ድምጺ ምስ ሰማዕካ፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ኪዋግኦም ቅድሜኻ ወጺኡ እዩ እሞ፡ ሽዑ ቐልጢፍካ ስረር፡ በሎ።
25. ዳዊት ከኣ፡ ከምቲ ንእግዚኣብሄር ዝአዘዞ፡ ከምኡ ገበረ፡ ንፍልስጥኤማውያን ከኣ ካብ ጌባዕ ክሳዕ እታ ንጌዘር እትአትወላ ሰዐሮም።

  2Samuel (5/24)