2Samuel (4/24)  

1. ወዲ ሳኦል ድማ ኣብኔር ኣብ ኬብሮን ከም ዝሞተ ምስ ሰምዔ፡ ኣእዳዉ ዘርጋሕ በለ፡ ብዘ።አዉ ኣስራኤል ሰምበዱ።
2. ንወዲ ሳኦል ድማ ክልተ ሰብ፡ ሓላቑ ሰራዊት ነበርዎ፡ ስም እቲ ሓደ ባዓና፡ ስም እቲ ኻልኣይ ከኣ ሬካብ፡ ደቂ ሪሞን ብኤሮታዊ፡ ካብ ደቂ ብንያም እዮም። ብኤሮትሲ ናብ ብንያም እያ እትቑጸር።
3. እቶም ብኤሮታውያን ናግ ጊታዩ ሃዲሞም ክሳዕ ሎሚ ኣብኡ ስደተኛታት ኮይኖም ኣለዉ።
4. ዮናታን ወዲ ሳኦል ከኣ እግሩ እተጎድኤ ወዲ ነበሮ። ንሱ እቲ ወረ ሳኦልን ዮናታንን ካብ ይዝርኤል ኪመጽእ ከሎ፡ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ነበረ፡ እታ መጉዚት ድማ ሒዛቶ ሃደመት። ኮነ ከኣ፡ ቀልጢፋ ኽትሃድም ከላ፡ ንሱ ወደቐ እሞ ሓንካስ ኮነ። ስሙ ከኣ መፍቦሸት ተባህለ።
5. እቶም ደቂ ሪሞን ብኤሮታዊ፡ ሬካብን ባዓናን ከዱ፡ መዓልቲ ምስ ደሃረ ኢሽቦሽት ድቃስ ቀትሪ ደቂሱ ኸሎ፡ ናብ ቤቱ ኣተዉ።
6. ስርናይ ዝወስዱ መሲሎም ናብ ማእከል ቤት ኣትዮም ከብዱ ወግእዎ። ሽዑ ሬዳካብን ናዕና ሓዉን ኣምለጡ።
7. ናብ ቤቱ ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ ሰብ ኣብ ሕልፍኚ ኣብ ዓራቱ ደቂሱ ኸሎ፡ ወጊኦም ቐተልዎ፡ ርእሱ ቖረጹ። ርእሱ ወሲዶም ድማ ምሉእ መዓልቲ ብመገዲ ጎልጎል ከዱ።
8. ርእሲ ኢሽቦሽት ከኣ ናብ ዳዊት ኣብ ኬብሮን ኣምጽኡ፡ ንንጉስ ከኣ፡ ርእሲ ኢሽቦሽት ከኣ ናብ ዳዊት ኣብ ኬብሮን ኣምጽኡ፡ ንንጉስ ከኣ፡ ርእሲ ኢሽቦሽት፡ ወዲ እቲ ነፍስኻ ዚደልያ ዝነበረ ሳኦል ጸላኢኻ፡ እንሆልካ። እግዚኣብሄር ሎሚ ንጎይታይ ንጉስ ካብ ሳኦልን ካብ ዘርኡን ሕነ ፈደየሉ በልዎ።
9. ሽዑ ዳዊት ንሬካብን ንባዓና ሓዉን፡ ደቂ ሪሞን ብኤሮታዊ፡ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፡ እግዚኣብሄር ህያው እዩ እቲ ንነብሰይ ካብ ኩሉ ጸበባ ዘድሓና፡
10. ነቲ ዘበሰረ መዊልዎስ፡ እንሆ፡ ሳኦል ሞይቱ፡ ኢሉ ዝነገረኒ፡ ብስራቱ ንምኽፍል ሒዘ ኣብ ጸቅላግ ቀተልክዎ።
11. ዝገደደ ግዳ እኩያት ሰባት ነቲ ጻድቕ ሰባት ሰብኣይ ኣብ ቤቱን ኣብ መደቀሲኡን ዝቐተልዎ፡ ሕጂ ኸኣ ከመይ እቲ ድሙ ኸኣ ኣእዳውይኩምዶ ኣይደልዮን∶: ካብ ምድርስ ኣየጥፍኣኩምንዶ∶:
12. ዳዊት ድማ ንገላዉኡን ኣዘዞም፡ ንሳቶም ከኣ ቀተልዎም፡ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ድማ ቆራረጽዎም፡ ኣብ ጥቓ ቐላይ ኬብሮን ሰቐልዎም። ርእሲ ኢሽቦሽት ግና ኣብ መቓብር ኣብኔር ኣብ ኬብሮን ቀበርዎ።

  2Samuel (4/24)