2Samuel (3/24)  

1. እቲ ውግእ ድማ ኣብ መንጎ ቤት ሳኦልን ኣብ መንጎ ቤት ዳዊትን ነዊሕ ኰነ። ዳዊት ከኣ እናበርትዔ ኸደ፡ ቤት ሳኦል ግና እናደኸመት ከደት።
2. ንዳዊት ድማ ኣብ ኬብሮን ኣወዳት ተወልዱሉ። እቲ በዂሩ ኸኣ ካብ ኣሒኖዓም ብዓልቲ ይዝርኤል እተወልደ ኣምኖን እዩ።
3. እቲ ኻልኣዩውን ካብ ኣቢጋይል፡ ሰበይቲ ናባል ብዓልቲ ቀርሜሉስ፡ እተወልደ ኪልኣብ እዩ። እቲ ሳልሳይ ከኣ ኣቤሰሎም፡ ወዲ ማዓካ ጓል ታልማይ፡ ንጉስ ጌሹር፡ እዩ።
4. እቲ ራብዓይ ድማ ኣዶንያ ወዲ ሓጊት እዩ። እቲ ሓምሳይ ከኣ ሸፋጥያ ወዲ ኣቢጣል እዩ።
5. እቲ ሳድሳይ ድማ ካብ ዒግላ ሰበይቲ ዳዊት እተወልደ ዩትርዓም እዩ። እዚኣቶም ንዳዊት ካብ ኬብሮን ተወልዱሉ።
6. ኰነ ድማ፡ እቲ ውግእ ኣብ መንጎ ቤት ሳኦልን ኣብ መንጎ ቤት ሳዊትን ከሎ፡ ኣብኔር ኣብ ቤት ሳኦል ሰልጢኑ ነበረ።
7. ሳኦል ከኣ ረጽዓ ዝስማ ጓል ኣያ፡ ሰበይቲ ወሰን ነበረቶ። ኢሽቦሸት ድማ ንኣብኔር፡ ስለምንታይ ኢኻ ናብታ ሰበይቲ ወሰን ኣቦይ ዝአቶኻ∶: በሎ።
8. ሽዑ ኣብኔር በቲ ዘረባ ኢሽቦሸት ኣዝዩ ተናዲዱ በለ፡ ኣነስ ናይ ይሁዳ ርእሲ ኸልቢ ድየ∶: ሎሚ ንቤት ኣቦኻ ሳኦልን ነሕዋቱን ንፈተውቱን ምሕረት እገብር ኣሎኹ፡ ኣብ ኢድ ዳዊት ከኣ ኣሕሊፈ ኣይሀብኩኻን፡ ንስኻ ግና ሎሚ ብዛዕባ እዛ ሰበይቲ እዚኣ በደል ቈጸርካለይ።
9. ከምቲ እግዚኣብሄር ንዳዊት ዝመሐለሉ፡ እታ መንግስቲ ኻብ ቤት ሳኦል ከም እትሐልፍ፡ ዝፋን ዳዊት ከኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ካብ ዳን ክሳዕ ብኤርሸባዕ ከም ዚቐውም፡ እንተ ዘይገይረ፡ ኣምላኽ ንኣብኔር ከምዚ ይግበሮ፡ ከምዚውን ይወስኮ።
10. ከምቲ እግዚኣብሄር ንዳዊት ዝመሐለሉ፡ እታ መንግስቲ ኻብ ቤት ሳኦል ከም እትሐልፍ፡ ዝፋን ዳዊት ከኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ካብ ዳን ክሳዕ ብኤርሸባዕ ከም ዚቐውም፡ እንተ ዘይገይረ፡ ኣምላኽ ንኣብኔር ከምዚ ይግበሮ፡ ከምዚውን ይወስኮ።
11. ሽዑ ንኣብኔር ስለ ዝፈርሆ፡ ሓንቲ እኳ ኪዛረቦ ኣይከኣለን።
12. ሽዑ ኣብኔር ናብ ዳዊት ልኡኻት ሰዲዱ፡ እዛ ሃገር ንመን እያ∶: በለ።
13. ንሱ ድማ፡ ጽቡቕ፡ ኣነ ምሳኻ ኺዳን እአቱ፡ ሓደ ነገር ግዳ ኻባኻ እደሊ ኣሎኹ፡ ንሱ ኸኣ ገጸይ ክትርኢ ምስ እትመጽእ፡ ቅድም ንሚካል ጓል ሳኦል እንተ ዘየምጻእካ፡ ገጸይ ኣይትርእን ኢኻ፡ በለ።
14. ዳዊት ድማ ናብ ኢሽቦሸት ወዲ ሳኦል ልኡኻት ሰዲዱ፡ እታ ብሚእቲ ዕልቦ ፍልስጥኤማውያን ዘሕጼኽዋ ሰበይተይ ሚካል ምከሰለይ፡ በሎ።
15. ኢሽቦሸት ከኣ ልኢኹ ኻብ ሰብኣያ፡ ካብ ጳልጢኤል ወዲ ላዪሽ፡ ወሰዳ።
16. እቲ ሰብኣያ ግና ምስኣ ኸደ፡ ኪኸይድ ከሎ እናበኸየ ኽሳዕ ባሑሪም ሰዐባ። ሽዑ ኣብኔር፡ ኪድ፡ ተመለስ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ ተመልሰ።
17. ኣብኔር ድማ ንዓበይቲ እስራኤል፡ ዳዊት ኣብ ልዕሌኹም ንጉስ ኪኸውን ካብ ቀደም ደሊኹምዎ ኔርኩም ኢኹም።
18. እግዚኣብሄርውን ብዛዕባ ዳዊት፡ ንህዝበይ እስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ካብ ኢድ ኲሎም ጸላእቶምን ብኢድ ዳዊት ባርያይ ከድሕኖም እየ፡ ኢሉ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ እሞ፡ እምበኣር ሕጂ ግበርዎ፡ ኢሉ ተዛረቦም።
19. ኣብ እዝኒ ብንያምውን ኣብኔር ተዛረበ። ኣብኔር ድማ እቲ ንእስራኤልን ንብዘላ ቤት ብንያምን ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮም ኲሉ ኣብ እዝኒ ዳዊት ኪዛረብ ናብ ኬብሮን ከደ።
20. ኣብኔር ምስኡ ኸኣ ዕስራ ሰብ ናብ ዳዊት ናብ ኬብሮን መጹ። ዳዊት ድማ ንኣብኔርን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰብን ምሳሕ ገበረሎም።
21. ኣብኔር ድማ ንዳዊት፡ ምሳኻ ኺዳን ምእንቲ ኺአትዉስ፡ ንዂሎም እስራኤል ናብ ጐይታይ ንጉስ ክእክቦም፡ ተንሲኤ ክኸይድ፡ ሽዑ ኸምቲ ነፍስኻ ዝደለየቶ ዂሉ ጌርካ ትነግስ፡ በሎ። ዳዊት ከኣ ንኣብኔር ሰደዶ፡ ብሰላም ድማ ኸደ።
22. እንሆ ኸኣ፡ ገላዉ ዳዊትን ዮኣብን ካብ ወራር መጹ፡ ምሰታቶም ድማ ብዙሕ ምርኮ ኣእተዉ። ኣብኔር ግና፡ ዳዊት ኣፋንይዎ ብሰላም ስለ ዝኸደ፡ ኣብ ኬብሮን ምስኡ ኣይነበረን።
23. ዮኣብን ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ሰራዊትን ምስ አተዉ ኸኣ፡ ኣብኔር ወዲ ኔር ናብ ንጉስ መጺኡ ነይሩ፡ ንሱ ከኣ ኣፋንይዎስ፡ ብሰላም ከይዱ፡ ኢሎም ንዮኣብ ነገርዎ።
24. ሽዑ ዮኣብ ናብ ንጉስ አትዩ፡ እንታይ እዩ ዝገበርካዮ∶: እንሆ፡ ኣብኔር መጺኡካ ኸሎስ፡ ስለምንታይ አኻ ፈጺሙ ኪኸይድ ዝሓደግካዮ∶:
25. ኣብኔር ወዲ ኔር ባዕልኻዶ ትፈልጦ ኣይኮንካን∶:ንሱ ኼዐሽወካ ምውጻእካን ምእታውካን ድማ ክፈልጥን፡ ንስኻ ትገብሮ ኩሉውን ኪፈልጥ ከምዝመጸ፡ ትፈልጥ ኣሊኻ፡ በሎ።
26. ዮኣብ ካብ ዳዊት ምስ ወጸ ድማ፡ ደድሕሪ ኣብኔር ልኡኻት ሰደደ፡ ካብ ሓጽቢ ሲራ ከኣ መለስዎ። ዳዊት ግና ኣይፈለጠን።
27. ኣብኔር ናብ ኬብሮን ምስ ተመልሰ ኸኣ፡ ዮኣን ኣብ በይኑ ኽዛረቦ ኢሉ ናብ ማእከል ደገ ኣግለሶ፡ ኣብኡ ድማ ብዛዕባ ደም ሓዉ ዓሳሄል ከብዱ ወግኦ ፡ ሞተ ኸኣ።
28. ድሕሪዚ ኸኣ ዳዊት እዚ ሰምዔ እሞ፡ ኣነን መንግሰተይን ካብ ደም ኣብኔር ወዲ ኔር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘልኣለም ንጹሃት ኢና።
29. እዚ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ዮኣብን ኣብ ልዕሊ ብዘላ ቤት ኣቦኡን ይውደቕ፡ ኣብ ቤት ዮኣብ ድማ ጃጋል ወይ ለምጻም ወይ ምርኩስ ዚምርኮስ ወይ ብሴፍ ዚወድቕ ወይ እንጌራ ዚጎድሎ ኣየቋርጽ፡ በለ።
30. ኣብኔር ንሓዎም ዓሳሄል ኣብ ጊብዖን ኣብቲ ውግእ ስለ ዝቐተሎ፡ ዮኣብ ኣቢሳይ ሓዉን ከኣ ን ኣብኔር ቀተልዎ።
31. ዳዊት ድማ ንዮኣብን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ኹሉ ህዝብን፡ ክዳውንትኽሪም ቅደዱ፡ ከሊ ውን ተኸደኑ፡ ቀቅድሚ ኣብኔር ከኣ ብኸዩ፡ በሎም። ንጉስ ዳዊት ድማ ደድሕሪ እቲ ቓሬዛ ይኸይድ ነበረ።
32. ንኣብኔር ከኣ ኣብ ኬብሮን ቀበርዎ፡ ንጉስ ድማ ኣብቲ መቓብር ኣብኔር ድምጹ ዕው ኣቢሉ በኸየ፡ ኩሎም ህዝቢ ውን በኸዩ።
33. ንጉስ ድማ ን ኣብኔር፡ ከምዚ ኢኩ ኣልቀሰሉ፡ ኣብኔርውንንዶ ኣማውታ ዓሻ ይመውት∶:
34. ኣእዳውካ እሱራት ኣይነበራን፡ ኣእጋርካውን ብመቑሕ ኣይተቓቐራን፡ ከምቲ ኣብ ቅድሚ ዓመጽቲ ዚወድቕ ወደቕካ። ዘለዉ እቶም ህዝቢ በኸዩዉ።
35. እቶም ህዝቢ ኸኣ ገና መዓልቲ ኸሎ እንጌራ ኸብልዕዎ መጹ፡ ዳዊት ግና፡ ጸሓይ ከይዓረበት እንጌራ ኾነ ወይ ዝኾነ ኹሉ እንተ ጠዓምኩ፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚ ወን ይድገመኒ፡ ኢሉ መሓለ።
36. ኩሎም እቶም ህዝቢ ከኣ እዚ ምስ ፈለጡ፡ ጽቡቕ ኮይኑ ተራእዮም። ኩሎም እቶም ህዝቢ ኸምቲ ንጉስ ዝገበሮ ኹሉ ጽቡቕ ኮይኑ ተራእዮም።
37. እቲ ምቕታል ኣብኔር ወዲ ኔር ካብ ንጉስ ከም ዘይኮነ፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢን ብዘሎ እስራኤልን በታ መዓልቲ እቲኣ ፈለጡ።
38. ንጉስ ድማ ነቶም ገላዉኡ፡ ሎሚ መዓልቲኣብ እስራኤል መሳፍንን ዓብዩ ሰብን ከምዝወደቐዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም∶:
39. ኣነ ኸኣ፡ ምንም እኳ ንጉስ ክኸውን እንተተቐባእኩ፡ ድኹም እየ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ደቂ ጽሩያ ድማ በርቲዖምኒ እዮም። ነቲ ኽፉእ ዚገብርሲ፡ እግዚኣብሄር ደኣ ኸምቲ ኽፍኣቱ ይፍደዮ፡ በሎም።

  2Samuel (3/24)