2Samuel (24/24)    

1. ኲራ እግዚኣብሄር ድማ መሉሱ ኣብ እስራኤል ነደደ። ንዳዊት ከኣ፡ ኪድ ንእስራኤልን ንይሁዳን ቊጸሮም፡ኢሉ ነቕነቖ።
2. ንጉስ ከኣ ንዮኣብ፡ ነቲ ምስእሪ ዝነበረ ሓለቓ ሰራዊት፡ ቊጽሪ ህዝቢ ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡ ናብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ካብ ዳን ክሳዕ ብኤርሸባዕ ዜርካ ነቲ ህዝቢ ቚጸሮ፡ በሎ።
3. ዮኣብ ድማ ንንጉስ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምቲ ዘለዎ ይወስኮ፡ ከምቲ ዘለዎ ኸኣ ሚእቲ ሳዕ የብዝሓዮ፡ ኣዒንቲ ጐይታይ ንጉስ ድማ ይርኣዮ። ግናኸ ጐይታይ ንጉስ ነዚ ነገር እዚ ስለምንታይ ደለዮ በሎ።
4. እቲ ቓል ንጉስ ግና ኣብ ዮኣብን ኣብቶም ሓላቑ ሰራዊትን ጸንዔ። ዮኣብን እቶም ሓላቑ ሰራዊትን ከኣ ንህዝቢ እስራኤል ኪቘጽሩ ኻብ ቅድሚ ንጉስ ወጹ።
5. ዮርዳኖስ ተሳጊሮም ድማ፡ ኣብ ዓሮዔር፡ ኣብ የማን እታ ኣብ ማእከል ርባ ጋድ ዘላ ኸተማ፡ ንያዕዜር ኣቢሎም ሰፈሩ።
6. ናብ ጊልዓድ መጺኦም ድማ ናብ ምድሪ ታሕቲምሖድሺ ኣተዉ፡ ናብ ዳንያዓን መጺኦም ከኣ፡ ናብ ዙርያ ሲዶን ኣበሉ።
7. ናብ ዕርዲ ጢሮስን ናብ ኲለን ከተማታት ሃዋውያንን ከነኣናውያንን መጹ፡ ናብ ደቡብ ይሁዳ ኣብ ብኤርሸባዕ ወጹ።
8. ንብሃገራ ዞይሮም ድሕሪ ትሽዓተ ወርሕን ዕስራ መዓልትን ናብ የሩሳሌም መጹ።
9. ዮኣብ ድማ ጽሕፈት እቲ እተቘጽረ ህዝቢ ንንጉስ ሀቦ። እምበኣርሲ ኣብ እስራኤል ሴፍ ዚመዙ ሓያላት ሰብ ሾሞንተ ሚእቲ ሽሕ ኰኑ።
10. ዳዊት ነቲ ህዝቢ ምስ ቈጸሮ ግና፡ ልቡ ወቕዖ። ዳዊት ድማ ንእግዚኣብሄር፡ በዚ ዝገበርክዎ ብዙሕ በዲለ እየ፡ ብዙሕ ከኣ ዐሽየ እየ እሞ፡ ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ በጃኻ፡ ነቲ ኣበሳ ባርያኻ ኣርሕቆ፡ በሎ።
11. ዳዊት ንግሆ ምስ ተንስኤ ኸኣ፡ ቃል እግዚኣብሄር ናብ ነብዪ ጋድ፡ ናብቲ ናይ ዳዊት ረኣዪ መጺኡ በሎ፡
12. ኪድ ንዳዊት፡ እግዚኣብሄር፡ ሰለስተ ነገር ኤንብረልካ ኣሎኹ፡ ካብኤን ንኣኻ ሓንቲ ሕረ፡ ክገብረልካ ኸኣ እየ፡ ይብል ኣሎ ኢልካ ተዛረቦ።
13. ጋድ ድማ ናብ ዳዊት መጺኡ፡ ኣብ ሃገርካ ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ኪመጸካዶ ወይ ሰለስተ ወርሒ ኻብ ቅድሚ ጸላእትኻ ኽትሀድም፡ንሳቶም ከኣ ኪሰጉኻዶ ወይሲ ኣብ ሃገርካ ሰለስተ መዓልቲ ፌራ ኪኸውንዶ ሕጂ ነቲ ዝለኣኸኒ እንታይ ከም ዝመልሰሉ፡ኣስተውዒልካ ርኤ፡ ኢሉ ነገሮ።
14. ዳዊት ንጋድ፡ ኣዝዩ ጨኒቑኒ ኣሎ፡ ግናኸ ምሕረቱ ብዙሕ እዩ እሞ፡ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ንወድቕ እምበር፡ ኣብ ኢድ ሰብሲ ኣይወድቕን፡ በሎ።
15. ሽዑ እግዚኣብሄር ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ምድብቲ ጊዜ ናብ እስራኤል ፌራ ሰደደ። ካብቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ካብ ዳን ክሳዕ ብኤርሸባዕ፡ ሰብዓ ሽሕ ሰብ ሞተ።
16. እቲ መልኣኽ ንየሩሳሌም ኬጥፍኣ ኢሉ ኢዱ ምስ ዘርግሔ ድማ፡ እግዚኣብሄር በቲ ኽፉእ ተጣዕሰ፡ ነቲ ህዝቢ ዜጥፍእ መልኣኽ ከኣ፡ ይኣክል፡ ሕጅስ ኢድካምለስ፡ በሎ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ጥቓ ዓውዲ ኣራውና እቲ ይብሳዊ ነበረ።
17. ዳዊት ድማ ነቲ ንህዝቢ ዚወቅዕ ዝነበረ መልኣኽ ምስ ረኣዮ፡ ንእግዚኣብሄር በሎ፡ እንሆ፡ ኣነ እየ ዝበደልኩ፡ ኣነ ኸኣ እየ ኽፉእ፡ ዝገበርኩ፡ እዘን ኣባጊዕ ግና እንታይ ገበራ በጃኻ፡ ኢድካ ናባይን ናብ ቤት ኣቦይን ትኹን፡ በለ።
18. በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ጋድ ናብ ዳዊት መጺኡ፡ ደይብ፡ ኣብ ዓውዲ ኣራውና እቲ ይብሳዊ፡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ኣቚም፡ በሎ።
19. ዳዊት ድማ ከምቲ ዘረባ ጋድ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ደየበ።
20. ኣራውና ከኣ ቊሊሕ በለ፡ ንጉስን ገላውኡን ድማ ናብኡ ኺመጹ ረኣየ። ኣራውና ኸኣ ወጺኡ ብገጹ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉ ንንጉስ ኢድ ነስኣሉ።
21. ኣራውና ድማ፡ ስለምንታይ እዩ ጐይታይ ንጉስ ናብ ጊልያኡ መጺኡ ዘሎ በለ። ዳዊት ከኣ፡ እዚ መቕዘፍቲኻብ ህዝቢ ምእንቲ ኪኽልክል፡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ኽሰርሓሉ፡ ነዚ ዓውዲ ኻባኻ ኽሻየጥ እየ፡ በለ።
22. ኣራውና ድማ ንዳዊት፡ ጐይታይ ንጉስ እቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮ ወሲዱ የዕርግ፡ ንዚሐርር መስዋእቲ ኣብዑር፡ ንዕጨይቲ ኸኣ ሰረገላታትን ናውቲ ማሕረስ ኣብዑርን እነዉ፡
23. ዎ ንጉስ፡ እዚ ዂሉ ኣራውና ንንጉስ ሂብዎ እዩ፡ በለ። ኣራውና ድማ ንንጉስ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኻ ደኣ ይቀበልካ፡ በሎ።
24. ንጉስ ግና ንኣራውና፡ ኣይፋል፡ ዋጋ ዜብሉስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዚሐርር መስዋእቲ ኣየዕርገሉን እየ እሞ፡ ብዋጋኡ ደኣ ኻባኻ ኽሻየጦ እደሊ ኣሎኹ፡ በሎ። ዳዊት ድማ ነታ ዓውድን ነቶም ኣብዑርን ብሓምሳ ሲቃል ብሩር ዐደጎም።
25. ዳዊት ከኣ ኣብኡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ነደቐ፡ ዚሐርር መስዋእቲን መስዋእቲ ምስጋናን ኣዕረገሉ። እግዚኣብሄር ድማ ነታ ሃገር ተለመና፡ እቲ መቕዘፍቲ ኸኣ ካብ እስራኤል ተኸልከለ።

  2Samuel (24/24)