2Samuel (23/24)  

1. መወዳእታ ዘረባ ዳዊት ድማ እዚ እዩ፡ ዳዊት ወዲ እሴይ ይብል፡ እቲ ኽብ ኣቢሉ ዘቘሞ ሰብኣይ፡ እቲ ቕቡእ ኣምላኽ ያእቆብ፡ እቲ ናይ እስራኤል ጥዑም ዘማሪ ይብል፡
2. መንፈስ እግዚኣብሄር ብኣይ ተዛረበ፡ ቃሉ ኸኣ ኣብ ልሳነይ ነበረ።
3. ኣምላኽ እስራኤል በለ፡ ከውሒ እስራኤል ተዛረበኒ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰብ ብጽድቂ ዚነግስ፡ እቲ ብፍርሃት ኣምላኽ ዚነግስ፡
4. ንሱ ኸምቲ ደበና ዜብሉ ብጊሓት ጻሓይ እትበርቀሉ ጊዜ፡ እቲ ብድሕሪ ዝናም ብነጸብራቑ ኻብ ምድሪ ሳዕሪ ዜብቊለሉ፡ ከም ብርሃን ወጋሕታ እዩ።
5. ቤተይሲ ምስ ኣምላኽ ከምኡ ደይኰነን፡ ግናኸ ብዂሉ እተሰርዔን እተሐለወን ኪዳን ዘለኣለም ኣቚሙለይ እዩ እሞ፡ ኣየብቊለለይን ድዩ
6. እቶም ደቂ ብልያል ኲሎም ግና ከምቲ ብኢድ ዘይትሐዝ እሞ፡ ከም ዚድርበ እሾዂ እዮም።
7. እቲ ዚትንክዮም ሰብ ግና ሓጺንን ዛብያ ዂናትን ይሕዝ፡ ኣብታ ቦታኦም ድማ ብሓዊ ፈጺሞም ይነዱ።
8. ሰጋ ጀጋኑ ዳዊት ከኣ እዚ እዩ፡ ዮሼብባሸቤት ታሕክሞናዊ፡ ርእሲ እቶም ሓላቑ፡ ንሱ ዓዲኖ እቲ ዔዝናዊ ዂናቱ ኣልዒሉ ብሓንሳእ ሾሞንተ ሚእቲ ዝቐተለ እዩ።
9. ብድሕሪኡ ኸኣ ኣልኣዛር ወዲ ዶዶ፡ ወዲ ሓደ ኣሖሓዊ፡ ንሱ ኻብቶም ምስ ዳዊት ዝነበሩ ሰለስተ ጀጋኑ እዩ፡ ንሳቶም ነቶም ኪዋግኡ ኣብኡ እተኣከቡ ፍልስጥኤማውያን ምስ ኣላገጹሎም፡ እቶም ሰብ እስራኤል ድማ ምስ ኣድሓርሐሩ፡
10. ንሱ ግና ተንሲኡ ኢዱ ኽሳዕ እትድንዝዝ፡ ኢዱ ኣብታ ሴፍ ክሳዕ እትለግብ ድማ ንፍልስጥኤማውያን ቀተሎም። እግዚኣብሄር ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ዓብዪ ምድሓን ገበረ። እቶም ህዝቢ ድማ ኪገፉ ጥራይ ደድሕሪኡ ተመልሱ።
11. ድሕሪኡ ኸኣ ሻማ ወዲ ኣጌ ሃራራዊ ነበረ። ፍልስጥኤማውያን ድማ ጨፊሮም ኣብ ሓንቲ ብርስን ዝመልኤት ግራት ተኣከቡ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ካብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሀደመ።
12. ንሱ ግና ኣብ ማእከል እታ ግራት ቈይሙ ኣድሐና፡ ንፍልስጥኤማውያን ከኣ ሰዐሮም። እግዚኣብሄር ድማ ዓብዪ ምድሓን ገበረ።
13. ካብቶም ሰላሳ ሓላቑ ድማ ሰለስተ ወሪዶም፡ ብጊዜ ዓጺድ ናብ ዳዊት ናብ በዓቲ ኣዱላም መጹ። እቲ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኣብ ለሰ ረፋይም ሰፊሩ ነበረ።
14. ሽዑ ዳዊት ኣብ ዕርዲ ነበረ፡ ዘብዔኛታት ፍልስጥኤማውያን ከኣ ሽዑ ኣብ ቤትልሄም ነበሩ።
15. ዳዊት ድማ፡ ካብቲ ኣብ ጥቓ ደገ ቤትልሄም ዘሎ ዔላ መን ኰን ማይ የስትየኒ ኢሉ ተመነየ።
16. ሽዑ እቶም ሰለስተ ጀጋኑ ነቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ጥሒሶም ካብቲ ኣብ ጥቓ ደገ ዘሎ ዔላ ቤትልሄም ማይ ቀዲሖም ጾይሮም ንዳዊት ኣምጽኡሉ። ዳዊት ግና ንእግዚኣብሄር ከዐዎ እምበር፡ ኪሰትዮ ኣይፈተወን።
17. ንሱ፡ ደም እዞም ህይወቶም ቀቢጾም ዝኸዱ ሰባትዶ ኽሰቲ እየ ዎ እግዚኣብሄር፡እዚ ምግባርሲ ኻባይ ይርሐቕ፡ በለ። ምስታዩ ኸኣኣይፈተወን። እቶም ሰለስተ ጀጋኑ እዚ ነገር እዚ ገበሩ።
18. ኣቢሻይ ሓው ዮኣብ ወዲ ጽሩያ ኸኣ፡ ንሱ ነቶም ሰለስተ ሓለቓኦም ነበረ። ንሱ ድማ ኲናቱ ኣልዒሉ ንሰለስተ ሚእቲ ቐተሎም። ኣብ መንጎ እቶም ሰለስተ ኸኣ ስሙይ ነበረ።
19. ካብቶም ሰለስተስ ዝኸበረዶ ኣይነበርን ስለዚ ሓለቓኦም ኰነ፡ ክሳዕ ማዕረ እቶም ሰለስተ ቐዳሞት ግና ኣይበጽሔን።
20. በናያ ወዲ የሆያዳ ኸኣ፡ ወዲ ሓደ ጅግና ሰብኣይ ብዓል ቀብጽኤል፡ ዓብዪ ነገር ዝገበረ፡ ንሱ ነቶም ክልተ ደቂ ኣሪኤል ሰብ ሞኣብ ቀተሎም፡ ንሱ ድማ ብጊዜ በረድ ናብ ውሽጢ ጒድጓድ ወሪዱ ኣንበሳ ቐተለ።
21. ንሱ ኸኣ ንሓደ ምርኡይ ግብጻዊ ሰብኣይ ቀተለ። ኣብ ኢዱ እቲ ግብጻዊ ድማ ኲናት ነበረ፡ ንሱ ግና በትሪ ሒዙ ናብኡ ወረደ፡ ነቲ ዂናት ከኣ ካብ ኢድ እቲ ግብጻዊ መንዚዑ፡ ብገዛእ ኲናቱ ቐተሎ።
22. በናያ ወዲ የሆያዳ እዚ ነገር እዚ ገይሩ ነበረ እሞ፡ ኣብ መንጎ እቶም ሰለስተ ጀጋኑ ስሙይ ነበር።
23. ካብቶም ሰላሳ ይኸብር ነበረ፡ ናብቶም ሰለስተ ቐዳሞት ግና ኣይበጽሔን። ዳዊት ከኣ መማኽርቱ ገበሮ።
24. ዓሳሄል ሓው ዮኣብ ካብቶም ሰላሳ ሓደ እዩ፡ ኤልሓናን፡ ወዲ ዶዶ ኻብ ቤትልሄም፡
25. ሻማ እቲ ሓሮዳዊ፡ ኤሊቃ እቲ ሓሮዳዊ፡
26. ሔለጽ እቲ ጳልጣዊ፡ ዒራ፡ ወዲ ዒቄሽ እቲ ተቆዓዊ፡
27. ኣቢዔዘር እቲ ዓናቶታዊ፡ ሜቡናይ እቲ ሑሻታዊ፡
28. ጻልሞን እቲ ኣሖሓዊ፡ መሓራይ እቲ ነጦፋታዊ፡
29. ሔለብ፡ ወዲ ባዓና እቲ ነጦፋታዊ፡ ኢታይ፡ ወዲ ሪባ ኻብ ጊብዓ ናይ ደቂ ብንያም፡
30. ሓደ ጲርዓቶናዊ፡ ሂዳይ ካብ ርባታት ጋዓሻ፡
31. ኣቢዕልቦን እቲ ዓርበታዊ፡ ዓዝማወት እቲ ባርሑማዊ፡
32. ኤልያሕባ እቲ ሻዓልቦናዊ፡ ብሄያሸን፡ ዮናታን፡
33. ሻማ እቲ ሃራራዊ፡ ኣሒያም፡ወዲ ሻራር እቲ ሃራራዊ፡
34. ኤሊ ፈለጥ፡ ወዲ ኣሓስባይ ወዲ ሓደ ማዓካታዊ፡ ኤሊዓም፡ ወዲ ኣሒቶፌል እቲ ጊሎናዊ፡
35. ሔጽራይ እቲ ቀርሜሎሳዊ፡ ጳዓራይ እቲ ኣርባዊ፡
36. ዪጋል፡ ወዲ ናታን ካብ ጾባ፡ ባኒ እቲ ጋዳዊ፡
37. ጸለቅ እቲ ዓሞናዊ፡ ናሓራይ እቲ ብኤሮታዊ፡ ጋሻ ዛግረ ዮኣብ ወዲ ጽሩያ፡
38. ዒራ ዪትራዊ እቲ ሒታዊ፡ ኲላቶም ሰላሳን ሾብዓተን እዮም።

  2Samuel (23/24)