2Samuel (22/24)  

1. ዳዊት ድማ በታ እግዚኣብሄር ንእኡ ኻብ ኢድ ኲሎም ጻላእቱን ካብ ኢድ ሳኦልን ዘድሐነላ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር ቃላት እዚ መዝሙር እዚ ተዛረበ።
2. ከምዚ ኸኣ በለ፡ እግዚኣብሄር ከውሔይን እምባይን መድሓንየይን እዩ፡
3. ኣምላኽ ተስፋ ዝገብሮ ኸውሔይ እዩ፡ ዋልታይን ቀርኒ ምድሓነይን፡ ግምበይን መህደምየይን እዩ። ዎ መድሓንየይ፡ ካብ ዓመጻ ተድሕነኒ።
4. ነቲ ኺውደስ ዚግብኦ እግዚኣብሄር እጽውዖ ኣሎኹ፡ ካብ ጸላእተይ ከኣ ክድሕን እየ።
5. ማዕበል ሞት ከቢቡኒ እዩ እምኦ፡ ወሓይዝ ብልያል ኣፍርሃኒ።
6. ኣግማድ ሲኦል ከበበኒ፡ መፈንጠራታት ሞት መጸኒ።
7. ብጸበባይ ንእግዚኣብሄር ጸዋዕኩ፡ ናብ ኣምላኸይ ከኣ ተማህለልኩ፡ ድምጸይ ድማ ካብ መቕደሱ ሰምዔ፡ ገዓረይውን ኣብ ኣእዛኑ በጽሔ።
8. ሽዑ ምድሪ ተናቓነቐትን ኣንቀጥቀጠትን፡ መሰረታት ሰማይ ኣንደቕደቐ፡ ብዂራኡ ስለ ዝነደደ ኸኣ፡ ተናቓነቐ።
9. ካብ ኣፍንጭኡ ትኪ ተላዕለ፡ ካብ ኣፉ ድማ ዚባላዕ ሓዊ ወጸ፡ ካብኡ ጓህሪ ነደደ።
10. ሰማይ ኣድኒኑ ኸኣ ወረደ፡ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩውን ጣቓ ነበረ።
11. ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ተወጢሑ ድማ ነፈረ፡ ኣብ ኣኽናፍ ንፋስ ከኣ ተራእየ።
12. ነቲ ጸልማት እኩብ ማያትን ከቢድ ደበናን ኣብ ዙርያኡ ድንኳናት ገበሮ።
13. ካብቲ ነጸብራቕ ቅድሚኡ ጒህር ሓዊ ነደደ።
14. እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ኣንጐድጐደ፡ እቲ ልዑልውን ቃሉ ሀበ።
15. ፍላጻታት ወርዊሩ ኸኣ ፋሕ ኣበሎም፡ ኣብሪቑውን ኣሸበሮም።
16. ብተግሳጽ እግዚኣብሄር፡ ካብ ምንፋስ ትንፋስ ኣፍንጫኡ፡ መዓሙቚ ባሕሪ ተራእየ፡ መሰረታት ዓለምውን ተቐልዔ።
17. ካብ ኣርያም ልኢኹ ወሰደኒ። ካብ ዓበይቲ ማያት ኣውጽኣኒ።
18. ካባይ ይሕይሉ ነበሩ እሞ፡ ካብቲ ሓያል ጸላእየይ፡ ካብቶም ዝጸልኡኒ ኣድሐነኒ።
19. ብመዓልቲ መከራይ ሓደጋ ወደቑኒ፡ ግናኸ እግዚኣብሄር ደገፍ ኰነኒ።
20. ናብ ርሒብ ኣውጽኣኒ፡ ብሂጉኒ እዩ እሞ፡ ኣድሐኒኒ።
21. እግዚኣብሄር ከም ጽድቀይ ፈደየኒ፡ ከምቲ ጽርየት ኢደይ መለሰለይ።
22. መገድታት እግዚኣብሄር ሐልየ እየ እሞ፡ ካብ ኣምላኸይ ብበደል ኣይረሐቕኩን።
23. ኲሉ ፍርድታቱ ኣብ ቅድመይ እዩ እሞ፡ ካብቲ ሕጋጋቱ ኣየግለስኩን።
24. ኣብ ቅድሚኡ ምሉእ ኰንኩ፡ ካብ በደለይውን ተሐሎኹ።
25. ስለዚ እግዚኣብሄር ከም ጽድቀይ፡ ከምቲ ንጽህናይ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ መለሰለይ።
26. ምስቲ ሕያዋይ ሕያዋይ ትኸውን፡ ምስቲ ፍጹም ሰብ ፍጹም ትኸውን።
27. ምስቲ ንጹህ ንጹህ ትኸውን፡ ምስቲ ጠዋይ ከኣ ትጠዊ።
28. ንጥቑዕ ህዝቢ ድማ ተድሕኖ ኢኻ፡ ነቶም ዕቡያት ግና ከተዋርዶም፡ ኣዒንትኻ ናባታቶም እየን።
29. ንስኻ ዎ እግዚኣብሄር፡ መብራህተይ ኢኻ እሞ፡ ንጸልማተይ እግዚኣብሄር የብርሆ።
30. ብኣኻ ንጭፍራ ኽጐዮም እየ እሞ፡ ብኣምላኸይ፡ ንመንደቕ እሰርር።
31. ኣምላኽ መገዱ ፍጽምቲ እያ፡ ቃል እግዚኣብሄር እተዀልዔ እዩ። ንሱ ተስፋ ንዚገብርዎ ዂሎም ዋልታኦም እዩ።
32. ብጀካ እግዚኣብሄር ኣምላኽ መን እዩ ብጀካ ኣምላኽናኸ ኸውሒ መን እዩ
33. ኣምላኽ ጽኑዕ ዕርደይ እዩ፡ ነቲ ፍጹም ድማ ብመገዱ ይመርሖ።
34. እግረይ ከም ናይ እራብ ገበረ፡ ኣብ ልዕሊ በረኽተይ ድማ ኣቘመኒ።
35. ነእዳወይ ውግእ፡ ንቐላጽመይ ከኣ ቀስቲ ኣስራዚ ምግታር መሀረ።
36. ዋልታ ምድሓንካ ድማ ሀብካኒ፡ ምውራድካውን ኣዕበየኒ።
37. ኣብ ትሕተይ ስጓሞይ ኣግፋሕካ፡ ኣእጋረይ ከኣ ኣየንደልሀጽን።
38. ንጸላእተይ ድማ ሰጒጐ ኣጥፍእክዎም፡ ክሳዕ ዝውድኦም ከኣ ኣይተመለሰኩን።
39. ከም ዘይትንስኡ ገይሩ ድማ ወጊኤ ወዳእክዎም፡ ኣብ ትሕቲ እግረይውን ወደቑ።
40. ንውግእ ከኣ ሓይሊ ኣዕጠቕካኒ፡ ነቶም እተቓወሙኒ ኣብ ትሕተይ ኣድነንካዮም።
41. ዝባን ጸላእተይ ድማ መለስካለይ፡ ነቶም ዚጸልኡኒ ኸኣ ኣጽነትክዎም።
42. ጠመቱ፡ ዜድሕን ግና ኣይነበረን። ናብ እግዚኣብሄር፡ ንሱ ግና ኣይመለሰሎምን።
43. ሓመድ ምድሪ ኽሳዕ ዚዀኑ ድማ ደቘስክዎም፡ ከም ጭቃ ኣደባባይ ረጊጸ ሰገድክዎም።
44. ካብ ርእሲ ህዝበይ ኣድሐንካኒ፡ ርእሲ ህዝብታት ክኸውን ሐሎኻኒ፡ ዘይፈለጥክዎ ህዝቢ ተገዝኣኒ፡
45. ደቂ ጓና ድማ ይግዝኡኒ፡ ብእዝኖም ሰሚዖም ይእዘዙኒ።
46. እቶም ደቂ ጓና ወለል ይብሎም፡ ካብቲ እተዐጽዉሉ ስፍራታት እናንቀጥቀጡ ይወጹ።
47. እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ እቲ ኸውሔይ ከኣ ይባረኽ። እቲ እምባ ምድሓነይ ዝዀነ ኣምላኽ ክብ ይበል፡
48. እቲ ሕነይ ዝፈደየለይ ኣምላኽ፡ ንህዝብታትውን ኣብ ትሕተይ ዜውድቖም፡
49. ካብ ጸላእተይ ድማ ዜውጽኣኒ፡ ናብ ልዕሊ እቶም ተቓወምተይውን ክብ ተብለኒ፡ ካብ ዓማጺ ሰብ ተድሕነኒ።
50. ስለዚ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ማእከል ህዝብታት ኤመስግነካ፡ ንስምኻውን እዝምር ኣሎኹ።
51. ንንጉስ ዓብዪ ምድሓን ይህብ፡ ንቕቡኡ ድማ፡ ንዳዊትን ንዘርኡን፡ ንዘለአለም ሞገስ ይህብ።

  2Samuel (22/24)