2Samuel (21/24)  

1. ብዘበን ዳዊት ድማ፡ ዓመት ንዓመት፡ ሰለስተ ዓመት ጥሜት ኰነ። ዳዊት ከኣ ገጽ እግዚኣብሄር ደለየ። እግዚኣብሄር ድማ፡ እዚ ብሰሪ ሳኦልን ብሰሪ እታ ደም ዘለዋ ቤቱን፡ ንጊብዖናውያን ስለ ዝቐተሎም እዩ፡ በለ።
2. ሽዑ ንጉስ ንጊብዖናውያን ጸዊዑ ተዛረቦም። እቶም ጊብዖናውያን ግና ካብቶም ኣብ ኣሞራውያን ዝተረፉ እዮም እምበር፡ ካብ ደቂ እስራኤልሲ ኣይኰኑን። እቶም ደቂ እስራኤል ደኣ ምሒሎምሎም ነበሩ፡ ሳኦል ግና በቲ ብዛዕባ ደቂ እስራኤልን ይሁዳን ዝነበሮ ቕንኣት፡ ኬጥፍኦም ደለየ።
3. ዳዊት ከኣ ንጊብዖናውያን፡ ንርስቲ እግዚኣብሄር ክትምርቑስ፡ እንታይ ክገብረልኩም፡ ብምንታይከ ዕርቂ ኽገብር እየ በሎም።
4. እቶም ጊብዖናውያን ድማ፡ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ሳኦልን ቤቱን ነበሩ ብሩርን ወርቅን የብልናን፡ ኣብ እስራኤልውን ሰብ ክንቀትል ኣይግብኣናን፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ እቲ እትብልዎ ኽገብረልኩም እየ፡ በሎም።
5. ንሳቶም ድማ ንንጉስ፡ እቲ ዝወድኣናን ኣብ ኲሉ ዶብ እስራኤል ከይንነብር፡ ምእንቲ ኽንጸንት እተተንኰለልናን ሰብኣይ፡
6. ኣብታ እግዚኣብሄር ዝሐረያ ጊብዓ ናብ ሳኦል ንእግዚኣብሄር ክንሰቕለሉስ፡ ካብ ደቁ ሾብዓተ ሰባት ይሀቡና፡ በልዎ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ ኣነ ክህበኩም እየ፡ በለ።
7. እቲ ንጉስ ግና ንመፊቦሽት፡ ወዲ ዮናታን ወዲ ሳኦል፡ ምእንቲ እቲ ኣብ መንጎኦም፡ ኣብ መንጎ ዳዊትን ዮናታን ወዲ ሳኦልን ዝነበረ ማሕላ እግዚኣብሄር ኢሉ ነሐፎ።
8. ንጉስ ግና ነቶም ክልተ ደቂ ረጽጳ ጓል ኣያ ንሳኦል ዝወለደትሉ ኣርሞንን መፊቦሽትን፡ ነቶም ሓሙሽተ ደቂ ሚካል ጓል ሳኦል፡ ንዓድርኤል ወዲ ባርዚላይ መሖላታዊ ዝወለደትሉ ኸኣ ወሰዶም፡
9. ኣብ ኢዱ ጊብዖናውያን ድማ ኣወፈዮም፡ ንሳቶም ከኣ ኣብቲ ኸረን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰቐልዎም፡ ሾብዓቲኦም ድማ ብሓንሳእ ወደቑ፡ በቲ ዓጺድ ስገም ዚጅመረሉ ኸኣ፡ ብጊዜ ቐውዒ ሞቱ።
10. ሪጻጳ ጓል ኣያ ድማ ማቕ ወሲዳ ንርእሳ ኣብ ከውሒ ኣንጸፈት፡ ካብ መጀመርታ ቐውዒ፡ ካብ ሰማይ ዝናም ክሳዕ ዚዘንሞም ከኣ ብመዓልቲ ኣዕዋፍ ሰማይ። ብለይቲ ድማ ኣራዊት መሮር ኪዐርፉሎም ኣይሐደገቶምን።
11. እቲ ሪጽጳ ጓል ኣያ፡ ሰበይቲ ወሰኑ ንሳኦል፡ ዝገበረቶ ኸኣ ንዳዊት ነገርዎ።
12. ዳዊት ድማ ከይዱ ኣዕጽምቲ ሳኦልን ኣዕጽምቲ ዮናታን ወዱን ካብ ሰብ ያቤሽጊልዓድ ወሰደ። ንሳቶም ካብቲ ኣደባባይ ቤትሻን ሰሪቖምዎም ነበሩ፡ ኣብኡ ፍልስጥኤማውያን በቲ ንሳኦል ኣብ ጊልቦዓ ዝቐተሉላ መዓልቲ ሰቒሎምዎም ነበሩ።
13. ንሱ ኸኣ ካብኡ ኣዕጽምቲ ሳኦልን ኣዕጽምቲ ዮናታን ወዱን ኣልዐለ፡ ኣዕጽምቲ እቶም ስቑላት ድማ ኣከቡ።
14. ነቲ ኣዕጽምቲ ሳኦልን ዮናታን ወዱን ድማ ኣብ መቓብር ኣቦኡ ቂስ፡ ኣብ ምድሪ ብንያም፡ ኣብ ጼላዕ ቀበርዎ። እቲ ንጉስ ዝኣዘዞ ዂሉ ኸኣ ገበሩ። ድሕሪ እዚ ድማ ኣምላኽ ነታ ሃገር ተለመና።
15. ፍልስጥኤማውያን ድማ ምስ እስራኤል ከም ብሓድሽ ተዋግኡ። ዳዊትን ገላውኡ ኸኣ ምስኡን ወሪዶም ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኡ። ዳዊት ድማ ደኸመ።
16. ይሽቢብኖብ ከኣ፡ ንሱ ኻብ ወገን ራፋ፡ ሚዛን ኲናቱ ሰለስተ ሚእቲ ሲቃል ኣስራዚ፡ ሓድሽ ሴፍ ድማ እተዐጥቀ ዝነበረ፡ ንሱ ንዳዊት ኪቐትሎ ሐሰበ።
17. ኣቢሻይ ወዲጽሩያ ግና ረድኦ፡ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ ወቒዑ ቐተሎ። ሽዑ እቶም ገላዉ ዳዊት መብራህቲ እስራኤል ከይተጥፍእሲ፡ ደጊም ምሳና ናብ ውግእ ኣይትውጻእ፡ ኢሎም መሐሉሉ።
18. ኰነ ድማ፡ ድሕርዚ ኸም ብሓድሽ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ጎብ ውግእ ኰነ። ሽዑ ሲብካይ ሑሻታዊ ነቲ ኻብ ደቂ ራፋ ዝነበረ ሳፍ ቀተሎ።
19. ከም ብሓድሽ ከኣ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ጎብ ውግእ ኰነ። ኤልሓናን ወዲ ያዓፌዖርጊም ብዓል ቤትልሄም ድማ ነቲ ዛብያ ዂናቱ ኽንዲ ወንደረሽ ኣላማይ ጐልያድ ብዓል ጋት ቀተሎ።
20. ከም ብሓድሽ ድማ ኣብ ጋት ውግእ ኰነ። ኣብኡ ኸኣ ኣጻብዕ ኣእዳውን ኣጻብዕ ኣእጋርን ሸሹድሽተ፡ ቊጽሪ ዂሉ ዕስራን ኣርባዕተን፡ ዘለዎ ነዊሕ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ድማ ካብ ራፋ እተወልደ እዩ።
21. ንሱ ንእስራኤል ምስ ጸረፎ ድማ፡ ዮናታን፡ ወዲ ሺምዓ ሓው ዳዊት፡ ቀተሎ።
22. እዞም ኣርባዕተ እዚኣቶም ኣብ ጋት ካብ ራፋ ተወልዱ፡ ብኢድ ዳዊትን ብኢድ ገላዉኡን ከኣ ወደቑ።

  2Samuel (21/24)