2Samuel (20/24)  

1. ኣብኡ ኸኣ ሓደ ናይ ብልያል ሰብ፡ ሸባዕ ዝስሙ ወዲ ቢክሪ፡ ብንያማዊ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኸኣ፡ ንሕና ኣብ ዳዊት ግደ የብልናን፡ ኣብ ወዲ እሴይውን ርስቲ የብልናን። ዎ እስራኤል፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ይመለስ፡ ኢሉ መለኸት ነፍሔ።
2. ኲሎም ሰብ እስራኤል ከኣ ንዳዊት ካብ ምስዓብ ተመሊሶም፡ ንሸባዕ ወዲ ቢክሪ ሰዐቡ። እቶም ሰብ ይሁዳ ግና ኣብ ንጉሶም ለጊቦም ካብ ዮርዳኖስ ክሳዕ የሩሳሌም ሰዐብዎ።
3. ዳዊት ድማ ናብ የሩሳሌም ናብ ቤቱ መጸ። ሽዑ እቲ ንጉስ ነተን ቤት ኪሕልዋ ሓዲግወን ዝነበረ ዓሰርተ ኣንስቲ ወሰኑ ወሰደን፡ ኪሕለዋ ኣብ ቤት ኣቐሚጡ ኸኣ፡ ይቕልበን ነበረ። ናባታተን ግና ኣይኣተወን። ንሳተን መበለታት ኰይነን ክሳዕ መዓልቲ ሞተን ተዐጽየን ነበራ።
4. ንጉስ ድማ ንዓማሳ፡ ንሰብ ይሁዳ በዘን ሰለስተ መዓልቲ ኣኽትተለይ፡ ንስኻ ኸኣ ኣብዚ ተረኸብ፡ በሎ።
5. ሽዑ ዓማሳ ንሰብ ይሁዳ ኬኽትት ከደ፡ ግናኸ ካብቲ ዝመደቦ ጊዜ ደንጐየ።
6. ሽዑ ዳዊት ንኣቢሻይ፡ ሕጂ ሸባዕ ወዲ ቢክሪ ኻብ ኣቤሴሎም ኪኸፍኣና እሮኡ፡ ዕሩዳት ከተማታት ከይረኽብ እሞ፡ ካብ ዓይንና ኸይመልቚሲ፡ ንስኻ ገላዉ ጐይታኻ ሒዝካ ስጐጎ፡ በሎ።
7. ሽዑ ናይ ዮኣብ ሰባትን እቶም ክረታውያንን ጰለታውያንን ኲሎም ጀጋኑን ደድሕሪኡ ወጹ፡ ንሸባዕ ወዲ ቢክሪ ኺሰጒዎ ኸኣ ካብ የሩሳሌም ወጹ።
8. ኣብቲ ኣብ ጊብዖን ዘሎ ዓብዪ እምኒ ኸለዉ፡ ዓማሳ መጺኡ ተራኸቦም። ዮኣብ ድማ ተኸዲንዎ ዝነበረ ቐሚሹ ተዐጥቀ፡ ብልዕሊኡ ኸኣ ኣብ ምሕኲልቱ ሴፍ ምስ ሰገባኡ ተዐጢቑ ነበረ። ንሱ ኪኸይድ ከሎ ድማ እቲ ሴፍ ወደቐ።
9. ዮኣብ ድማ ንዓማሳ፡ ደሓንዶ ኣሎኻ ሓወይ ኢሉ፡ ኪስዕሞ ብየማነይቲ ኢዱ ጭሕሙ ሐዞ።
10. ዓማሳ ግና ነቲ ኣብ ኢድ ዮኣብ ዝነበረ ሴፍ ኣይተጠንቀቐሉን እሞ፡ ንሱ ብእኡ ገይሩ ኸብዱ ወግኦ፡ ኣምዑቱ ናብ ምድሪ ተዛሕዝሔ፡ ካልኣይ ከይወግኦ ኸኣ ሞተ፡ ዮኣብን ኣቢሻይ ሓዉን ድማ ንሸባዕ ወዲ ቢክሪ ሰጐጒዎ።
11. ሓደ ሰብኣይ ካብ ገላዉ ዮኣብ ከኣ ኣብ ጥቓኡ ቘይሙ፡ ፈታው ዮኣብ ዝዀነን ንዳዊት ኪኸውን ዝደለየን ደድሕሪ ዮኣብ ይስዓብ፡ይብል ነበረ።
12. ዓማሳ ኸኣ ኣብ ማእከል መገዲ ኣብቲ ደሙ ጠንቀላዕላዕ ይብል ነበረ። እቲ ሰብኣይ ድማ ኲሉ እቲ ህዝቢ ደው ከም ዝበለ ረኣየ፡ ናብኡ ዝመጸ ዘበለ ደው ከም ዚብል ምስ ረኣየ ኸኣ፡ ንዓማሳ ኻብ መገዲ ግራት ኣግለሶ፡ ኣብ ልዕሊኡውን ክዳን ዘርግሓሉ።
13. ካብ መገዲ ምስ ኣልዐልዎ ግና፡ ንሸባዕ ወዲ ቢክሪ ኺሰጒጒ ኲሉ ሰብ ደድሕሪ ዮኣብ ሐለፈ።
14. ንሱ ድማ ብዂሎም ነገዳት እስራኤል ገይሩ ናብ ኣቤልን ቤትማዓካን ናብ ኲሎም በሪያውያን ሐለፈ። ንሳቶም ድማ ተኣኪቦም ደድሕሪኡ መጹ።
15. መጺኦም ከኣ ኣብ ኣቤል ናይ ቤትማዓካ ኸበብዎ፡ ነታ ኸተማ ምስቲ መክበብያኣ ዚቐውም ድልድል ደልደሉላ። እቲ ምስ ዮኣብ ዝነበረ ዂሉ ህዝቢ ድማ ነቲ መንደቕ ኬውድቖ የፍርሶ ነበረ።
16. ሽዑ ኻብታ ኸተማ ሓንቲ ብልሂ ሰበይቲ፡ ስምዑ፡ ስምዑ፡ በጃኹም፡ ንዮኣብ፡ ክዛረበካ ኽሳዕ ናብዚ ቕረብ፡ በሉለይ፡ ኢላ ጨደረት።
17. ንሱ ኸኣ ናብኣ ቐረበ፡ እታ ሰበይቲ ድማ፡ ንስኻ ዲኻ ዮኣብ፡ በለት። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ እየ፡ በለ። ንሳ ድማ፡ ዘረባ ገረድካ ስማዕ፡ በለቶ። ንሱ ኸኣ፡ እሰምዕ ኣሎኹ፡ በለ።
18. ንሳ ድማ፡ ቀደም፡ ምኽሪ ኣብ ኣቤል ይጠይቕ፡ ይበሀል ነበረ፡ ከምኡ ኸኣ ተፈጸመ።
19. ኣነስ ኣብ እስራኤል ሰላማዊትን እምንትን እየ፡ ንስኻኸ ነዛ ኣብ እስራኤል ከተማን ኣደን ዝዀነት ከተፍርሳ ትደሊ ኣሎኻ። ስለምንታይ ኢኻ ርስቲ እግዚኣብሄር እትውሕጥ ዘሎኻ ኢላ ተዛረበት።
20. ዮኣብ ድማ፡እቲ ምውሓጥን ምጥፋእንሲ የርሕቆ፡ ካባይ የርሕቆ።
21. ነገሩ ኸምኡ ኣይኰነን፡ ሸባዕ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ወዲ ቢክሪ ኻብ ከረን ኤፍሬ፡ ኣብ ንጉስ፡ ኣብ ዳዊት ኢዱ ኣልዒሉ እዩ እሞ፡ ንእኡ ጥራይ ደኣ ሀቡኒ እምበር፡ ካብዛ ኸተማ ክኸደልኩም፡ ኢሉ መለሰ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ንዮኣብ፡ እንሆ፡ ርእሱ ብመካበብያ ኽንድርብየልካ ኢና፡ በለት።
22. ሽዑ እታ ሰበይቲ ብብልህነታ ናብ ኲሉ ህዝቢ መጸት። ርእሲ ሸባዕ ወዲ ቢክሪ ቘሪጾም ድማ ንዮኣብ ደርበዩሉ። ንሱ ኸኣ መለኸት ነፍሔ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብታ ኸተማ ነናብ ድንኳኑ ፋሕ በለ። ዮኣብ ድማ ናብ ንጉስ ናብ የሩሳሌም ተመልሰ።
23. ዮኣብ ድማ ሓለቓ ዂሉ ሰራዊት እስራኤል ነበረ፡ በንያ ወዲ የሆያዳ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ክረታውያንን ጵለታውያንን ነበረ።
24. ኣዶራም ድማ ዋና ግብሪ፡ ዮሳፋጥ ወዲ ኣሒሉድ ከኣ ተሓዝ ደብተር ነበረ።
25. ሸያኣ ድማ ጸሓፊ ነበረ። ጻዶቅን ኣብያታርን ከኣ ካህናት ነበሩ።
26. ዒራ ያኢራዊ ድማ ናብ ዳዊት ካህን ነበረ።

  2Samuel (20/24)