2Samuel (2/24)  

1. ኰነ ኸኣ፡ ድሕርዚ ዳዊት፡ ካብ ከተማታት ይሁዳ ናብ ሓንቲዶ ኽድይብ∶: ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቖ። እግዚኣብሄር ድማ፡ ደይብ፡ በሎ። ዳዊት ከኣ፡ ናብ ኣየነይቲ ኽድይብ∶: በለ።
2. ሽዑ ዳዊትን ክልቲኤን ኣንስቱ፡ ኣሒኖዓምን ብዓልቲ ይዝርኤልን ኣቢጋይል፡ ሰበይቲ ናባል ብዓል ቄርሜሎስን፡ ኮይኖም ናብኣ ደየቡ።
3. ዳዊት ድማ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰቡ፡ ነፍሲ ወከፍ መምስ ስድራ ቤቱ፡ ኣደየቦም፡ ኣብ ከተማታት ኬብሮን ከኣ ተቐመጡ።
4. ሰብ ይሁዳ ድማ መጺኦም ንዳዊት ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ኺነግስ ኣብኣ ቐብእዎ። ሽዑ ንሳኦል ዝቐበርዎ ሰብ ያቤሽጊልዓድ እዮም፡ ኢሎም ንዳዊት ነገርዎ።
5. ዳዊት ድማ ናብ ሰብ ያቤሽጊልዓድ ልኡኻት ሰዲዱ ንጐይታኹም ንሳኦል ብምቕባርኩም እዚ ምሕረት እዚ ስለ ዝገበርኩምሉ፡ ብእግዚኣብሄር ብሩኻት ኢኹም።
6. ሕጂ ኸኣ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ምሕረትን እምነትን ይግበር። ኣነ ድማ ስለ እዚ ዝገበርኩምዎ ነገር ጽቡቕ ክገብረልኩም እየ።
7. ሕጂ ኸኣ፡ ጐይታኹም ሳኦል ሞይቱ እዩ፡ ግናኸ ንኣይ ቤት ይሁዳ፡ ንጉሶም ክኸውን፡ ቀቢኦምኒ እዮም፡ እምበኣርሲ ኣእዳውኩም ኣጽንዑ፡ ሓያላት ድማ ኹኑ።
8. ኣብኔር ወዲ ኔር እቲ ሓለቓ ሰራዊት ሳኦል ግና ንኢሽቦሸት ወዲ ሳኦል ወሲዱ፡ ናብ ማሓናዪም ኣሳገሮ፡
9. ኣብ ልዕሊ ጊልዓድን ኣብ ልዕሊ ኣሹራውያንን ኣብ ልዕሊ ይዝርኤልን ኣብ ልዕሊ ኤፍሬምን ኣብ ልዕሊ ብንያምን ኣብ ልዕሊ ዂሎም እስራኤልን ድማ ኣንገሶ።
10. ኢሽቦሸት ወዲ ሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ነበረ። ክልተ ዓመት ከኣ ነገሰ። ቤት ይሁዳ ጥራይ ደድሕሪ ዳዊት ሰዐበት።
11. እቲ ዳዊት ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ኣብ ኬብሮን ዝነገሰሉ ዘበን ሾብዓተ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን እዩ።
12. ኣብኔር ወዲ ኔርን ገላዉ ኢሽቦሸት ወዲ ሳኦልን ድማ ካብ ማሓናዪም ናብ ጊብዖን ወጹ።
13. ዮኣብ ወዲ ጽሩያን ገላዉ ዳዊትን ከኣ ወጺኦም ኣብ ቀላይ ጊብዖን ንሓድሕዶም ተራኸቡ። እዚኣቶም ነቲ ቐላይ በዚ ሓደ ወገኑ፡ እቲኣቶም ከኣ ነቲ ቐላይ በቲ ሓደ ወገኑ ተቐመጡ።
14. ሽዑ ኣብኔር ንዮኣብ፡ በጃኻ እዞም መንእሰይ ይተንስኡ እሞ፡ ኣብ ቅድሜና ይጻወቱ፡ በሎ። ዮኣብ ከኣ፡ ይተንስኡ፡ በለ።
15. ሽዑ ተንሲኦም ብቚጽሪ ናይ ብንያምን ናይ ኢሽቦሽት ወዲ ሳኦልን ዓሰርተው ክልተ፡ ካብ ገላዉ ዳዊትውን ዓሰርተው ክልተ ሐለፉ።
16. ነፍሲ ወከፍ ርእሲ ብጻዩ ኣጽኒዑ ሒዙ ሴፉ ኣብ ጐድኒ ብጻዩ ሸከተ፡ ተተሓሒዞም ከኣ ብሃደ ወደቑ። ስለዚ እታ ቦታ ሔልቃትሃሪጹም ተባህለት፡ ንሳ ኣብ ጊብዖን እያ ዘላ።
17. በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እቲ ውግእ ኣዝዩ በርትዔ፡ ኣብኔርን እቶም ሰብ እስራኤልን ከኣ ኣብ ቅድሚ ገላዉ ዳዊት ተሳዕሩ።
18. ኣብኡ ድማ ሰለስቲኦም ደቂ ጽሩያ ዮኣብን ኣቢሻይን ዓሳሄልን ነበሩ። ዓሳሄል ከኣ ከምታ ኣብ መሮር ዘላ ሶስሓ እግሩ ፈኲሽ ነበረ።
19. ዓሳሄል ድማ ደድሕሪ ኣብኔር ሰዐበ፡ ደድሕሪ ኣብኔር ንምስዓብ ኪኸይድ ከሎ ኸኣ ንየማን ወይ ንጸጋም ኣየግለሰን።
20. ሽዑ ኣብኔር ገጹ መሊሱ፡ ንስኻ ዓሳሄል ዲኻ∶: በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ እየ፡ በለ።
21. ኣብኔር ድማ፡ ንየማንካ ወይ ንጸጋምካ ኣቢልካ ኣግልስ እሞ፡ ንሓደ መንእሰይ ሒዝካስ ኣጽዋሩ ውሰድ፡ በሎ። ዓሳሄል ግና ደድሕሪኡ ኻብ ምስዓብ ኬልግስ ኣይፈተወን።
22. ኣብኔር ድማ ከም ብሓድሽ ንዓሳሄል፡ ካብ ምስዓበይ ኣግልስ፡ ስለምንታይ ናብ ምድሪ ዘጣብቐካ∶: ደሓርከ ኸመይ ገይረ ገጸይ ናብ ሃውካ ዮኣብ ከልዕል እየ∶: በሎ።
23. ንሱ ግና ምግላስ ኣበየ። ሽዑ ኣብኔር ብሓንካሾ ዂናት ከብዱ ወግኦ እሞ፡ እቲ ዂናት ብድሕሪኡ ወጸ፡ ኣብኡ ወዲቑ ኸኣ ሞተ። ኰነ ድማ፡ ናብ ሳታ ዓሳሄል ወዲቑ ዝሞተላ ቦታ ዝመጸ ዘበለ ኣብኣ ደው ይብል ነበረ።
24. ዮኣብን ኣቢሻይን ግና ንኣብኔር ሰጐጒዎ። ኣብታ ኣብ መገዲ በረኻ ጊብዖን፡ ኣብ መንጽር ጊያሕ ዘላ ዂርባ ኣማ ምስ በጽሑ፡ ጸሐይ ዐረበት።
25. ደቂ ብንያም ከኣ ደድሕሪ ኣብኔር ተአኪቦም፡ ሓደ ጭፍራ ዀይኖም፡ ኣብ ርእሲ ሓንቲ ዂርባ ደው በሉ።
26. ሽዑ ኣብኔር ንዮኣብ ጸዊዑ፡ ኣታ፡ ሴፍዶ ንሓዋሩ ኺውሕጥ እዩ∶: ንዳሕራዩ መሪር ከም ዝኸውንከ ኣይትፈልጥን ዲኻ∶: ነቶም ህዝቢ ኻብ ምስጓጒ ኣሕዋቶም ኪምለሱ ዘይትእዝዝከ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ∶: በሎ።
27. ዮኣብ ከኣ፡ ህያው ኣምላኽ እዩ፡ ንስኻ እንተ ዘይትዛረብሲ፡ እዚ ህዝቢ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብ ምስጓጒ ሓዉ ቕድሚ ጽባሕ ንግሆ ኣይምተመልሰን፡ በለ።
28. ሽዑ ዮኣብ መለኸት ነፍሔ፡ ኲሉ ህዝቢ ድማ ደው በለ፡ ድሕርዚ ኸኣ ንእስራኤል ኣይሰጐጐን፡ መሊሶምውን ኣይተዋግኡን።
29. ኣብኔርን እቶም ሰቡን ድማ እታ ለይቲ እቲኣ ብመልኣ ብጐልጐል ክይድ ሐዲሮም ዮርዳኖስ ተሳገሩ፡ ንብዘላ ቢትሮን ሐሊፎም ድማ ናብ መሓናይም አተዉ።
30. ዮኣብ ከኣ ንኣብኔር ካብ ምስጓጒ ተመልሰ፡ ንዂሉ ህዝቢ ምስ አከቦ ድማ፡ ካብ ገላዉ ዳዊት ዓሰርተው ትሽዓተ ሰብኣይን ዓሳሄልን ጐደሉ።
31. እቶም ገላዉ ዳዊት ግና ካብ ብንያም ካብ ናይ ኣብኔር ሰባትን ሰለስተ ሚእትን ስሳን ቀተሉ።
32. ንዓሳሄል ከኣ ወሲዶም ኣብቲ ኣብ ቤትልሄም ዘሎ መቓብር ኣቦኡ ቐበርዎ። ዮኣብን እቶም ሰቡን ድማ ምሉእ ለይቲ ኽይድ ሐዲሮም፡ ኣብ ኬብሮን ወግሓሎም።

  2Samuel (2/24)