2Samuel (19/24)  

1. ንዮኣብ ድማ፡ እንሆ፡ ንጉስ ብዛዕባ ኣቤሰሎም ይበክን ይጒህን አሎ፡ ኢሎም ነገርዎ።
2. እቲ ንጉስስ ብዛዕባ ወዱ ኸም ዝሐዘነ፡ እቲ ህዝቢ በታ መዓልቲ እቲኣኣ ኸኣ ንብዘሎ ህዝቢ እቲ ስዕረት ናብ ጓሂ ተለወጠ።
3. ኣብ ኲናት ብምህዳሞም ሐፊሮም እናተጸቕጡ ኸም ዚኸዱ ህዝቢ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ህዝቢ እናተጸቕጠ ናብ ከተማ አተወ።
4. እቲ ንጉስ ከኣ ገጹ ኸዲኑ ነበረ፡ ንጉስ ድማ ዓው ኢሉ፡ ወደይ ኣቤሰሎም፡ ኣቤሰሎም ወደይ፡ ወደይ፡ ኢሉ ጨደረ።
5. ሽዑ ዮኣብ ናብ ንጉስ ኣብታ ቤት አትዩ በሎ፡ ነቶም ዚጸልኡኻ ብምፍታውካን ነቶም ዚፈትዉኻውን ብምጽላእካን፡ ነቶም ገላዉን ሓላቑን ግዶም ከም ዜብልካ፡ ሎሚ ኣፍለጥካ። ኣቤሰሎም ብህይወቱ እንተ ዚህሉ፡ ንሕና ዂልና ግና ሎሚ እንተ ንመውት፡ ሽዑ ሕኑዕ ኰይኑ
6. ሽዑ ዮኣብ ናብ ንጉስ ኣብታ ቤት አትዩ በሎ፡ ነቶም ዚጸልኡኻ ብምፍታውካን ነቶም ዚፈትዉኻውን ብምጽላእካን፡ ነቶም ገላዉን ሓላቑን ግዶም ከም ዜብልካ፡ ሎሚ ኣፍለጥካ። ኣቤሰሎም ብህይወቱ እንተ ዚህሉ፡ ንሕና ዂልና ግና ሎሚ እንተ ንመውት፡ ሽዑ ሕኑዕ ኰይኑ
7. ሕዲ ኸኣ፡ ተንሲእካ ውጻእ፡ ንልቢ ገላውኻ ድማ ተዛረብ። እንተ ዘይወጻእካ ግና፡ በዛ ለይት እዚኣ ሓደ ሰብ እኳ ምሳኻ ኸም ዘይሐድር፡ ብእግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ። ካብቲ ብንእስነትካ ጀሚሩ ኽሳዕ ሕጂ ዝመጸካ ኽፉእ ድማ፡ እዚ ኪኸፍኣካ እዩ።
8. ሽዑ ንጉስ ተንሲኡ ኣብ ደገ ተቐመጠ። እንሆ፡ ንጉስ ኣብ ደገ ተቐሚጡ ኣሎ፡ ኢሎም ንብዘሎ ህዝቢ ነገርዎ። ኲሉ እቲህዝቢ ኸኣ ናብ ቅድሚ ንጉስ ወጸ። እስራኤል ግና፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ሀዲሙ ነበረ።
9. ኣብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ብዘሎ እቲ ህዝቢ፡ እዚ ንጉስ ካብ ኢድ ጻላእትና ኣውጽኣና፡ ካብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያንውን ኣድሐነና፡ ሕጂ ኸኣ ብሰሪ ኣቤሴሎም ካብ ሃገር ሀዲሙ ኣሎ። እቲ ኣብ ልዕሌና ዝቐባእናዮ ኣቤሴሎም ድማ ኣብ ኲናት ሞይቱ። ሕጂ ኸኣ፡ ንምምላስ እቲ ንጉስ ስለምንታይ ስቕ እትብሉ ኢሎም ተኻትዑ።
10. ኣብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ብዘሎ እቲ ህዝቢ፡ እዚ ንጉስ ካብ ኢድ ጻላእትና ኣውጽኣና፡ ካብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያንውን ኣድሐነና፡ ሕጂ ኸኣ ብሰሪ ኣቤሴሎም ካብ ሃገር ሀዲሙ ኣሎ። እቲ ኣብ ልዕሌና ዝቐባእናዮ ኣቤሴሎም ድማ ኣብ ኲናት ሞይቱ። ሕጂ ኸኣ፡ ንምምላስ እቲ ንጉስ ስለምንታይ ስቕ እትብሉ ኢሎም ተኻትዑ።
11. ንጉስ ዳዊት ከኣ ነቶም ካህናት፡ ጻዶቅን ኣብያታርን፡ ከምዚ ኢሉ ለኣኸሎም፡ ንዓበይቲ ይሁዳ ኸምዚ ኢልኩም ተዛረብዎም፡ ዘረባ ዂሉ እስራኤል ናብ ንጉስ ኣብ ቤቱ መጺኡ ኸሎስ፡ ስለምንታይከ ንስኻትኩም ንንጉስ ናብ ቤቱንምምላስ ዳሕሮት ኰንኩም
12. ንስኻትኩም ኣሕዋተይ ኢኹም፡ ንስኻትኩም ዓጽመይን ስጋይን ኢኹም፡ ስለምንታይ ንምምላስ ንጉስ ዳሕሮት ኰንኩም
13. ንዓማሳውን ከምዚ በልዎ፡ንስኻስ ዓጽመይን ስጋይን ደይኰንካን ንስኻ ኣብ ክንዲ ዮኣብ ንወርትግ ኣብ ቅድመይ መስፍን ሰራዊት እንተ ዘይኴንካ፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚውን ይወስኸኒ።
14. ከም ልቢ ሓደ ሰብ ገይሩ ኸኣ ንልቢ ዂሎም ሰብ ይሁዳ ናብኡ መለሰ። ናብ ንጉስ ከኣ፡ ንስኻን ኲሎም ገላዉኻን ተመለሱ፡ ኢሎም ለኣኹ።
15. ሽዑ ንጉስ ተመሊሱ ናብ ዮርዳኖስ መጸ። ሰብ ይሁዳ ድማ ከይዶም ንንጉስ ተቐቢሎም ዮርዳኖስ ኬሳግርዎ፡ ናብ ጊልጋል መጹ።
16. ሺምዓ፡ ወዲ ጌራ ብንያማዊ ብዓል በሑሪም፡ድማ ምስ ሰብ ይሁዳ ዀይኑ ንንጉስ ዳዊት ኪቕበሎቐልጢፉ ወረደ።
17. ካብ ብንያም ከኣ ሽሕ ሰብኣይ ምስኡ ነበሩ፡ ጺባ ግልያ ቤት ሳኦል ድማ፡ ዓሰርተው ሓሙሽተ ደቁን ዕስራ ገላውኡን ከኣ ምስኡ ነበሩ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስውን ዮኡርዳኖስ ተሳገሩ።
18. ስድራ ንጉስ ዚሳገሩሉ፡ ዝደለዮውን ኪገብረሉ ታንኳ ተሳገረ። ሺምዓ ወዲ ጌራ ኸኣ፡ ንጉስ ንዮርዳኖስ ኪሳገር ከሎ፡ ኣብ ቅድሚኡ ወደቐ።።
19. ንንጉስ ድማ፡ ጐይታይ ነቲ ኣበሳ ኣይሐዘለይ፡ በታ ጐይታይ ንጉስ ካብ ዮሩሳሌም ዝመጸላ መዓልቲ ጊልያኻ ዝበደሎ ኸኣ ኣይትዘክሮ፡ ንጉስ ኣብ ልቡ ደኣ ኣየንብሮ።
20. ኣነ ኸም ዝበደልኩ፡ ጊልያኻ ፈሊጡ እዩ እሞ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሎሚ ቕድሚ ዂላ ቤት ዮሴፍ ወሪደ፡ ጐይታይ ንጉስ ንምቕባል መጻእኩ፡ በሎ።
21. ኣቢሻይ ወዲ ጽሩያ ግና፡ ሺምዓ ንቕቡእ እግዚኣብሄር ረጊሙ እዩ እሞ፡ በዚ ኺመውትዶ ኣይግብኦን እዩ ኢሉ መለሰ።
22. ዳዊት ድማ፡ ኣቱም ደቂ ጽሩያ፡ ሎሚዶ ኣብ እስራኤል ሰብኣይ ይመውት፡ ሎሚ ኣብ እስራኤል ንጉስ ከም ዝዀንኩስ ኣይፈልጥን ድየ ሎሚ ተጻረርቲ እትዀኑኒ፡ ምሳኻትኩም ዝገብሮኸ እንታይ ኣሎኒ በለ።
23. ንጉስ ከኣ ንሺምዓ፡ ኣይትመውትን ኢኻ፡ በሎ። ንጉስ ድማ መሐለሉ።
24. መፊቦሸት ወዲ ሳኦልውን ንንጉስ ኪቕበሎ ወረዱ ነበረ። ንሱ ኻብታ ንጉስ ዝኸደላ መዓልቲ ኽሳዕ እታ ብሰላም ዝኣተወላ መዓልቲ እግሩ ኣየጽረየን፡ ጭሕሙ ድማ ኣይዘርገፈን ክዳኑውን ኣይሐጸበን ነበረ።
25. ንንጉስ ኪቕበሎ ናብ የሩሳሌም ምስ መጸ ኸኣ፡ ንጉስ፡ ኣታ መፊቦሽት፡ ስለምንታይ ምሳይ ዘይከድካ በሎ።
26. ንሱ ድማ በለ፡ ጐይታይ ንጉስ፡ ጊልያኻ ሓንካስ እዩ እሞ፡ ኣድጊ ጽዒነስ ተመጢሔያ ምስ ንጉስ ክኸይድ፡ ኢሉ ነበረ፡ ግናኸ ጊልያይ ኣታሊሉኒ።
27. ንሱ ድማ ንጊልያኻ ኣብ ጐይታይ ንጉስ ነገር ሰርሓሉ። ጐይታይ ንጉስ ግና ከም መልኣኽ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ባህ ዘበለካ ግበር።
28. ብዘላ ቤት ኣቦይሲ ኣብ ጐይታይ ንጉስ ብጀካ ሞት ካልእ ኣይግብኣን ነበረ፡ ንስኻ ግና ንጊልያኻ ምስቶም ኣብ መኣድኻ ዚበልዑ ኣቐመጥካኒ። ድሕሪ ደጊምከ እንታይ መሰል ኣሎኒ ደጊምከ ኣብ ንጉስ እንታይ ኢለ ኽጠርዕ
29. እቲ ንጉስ ከኣ፡ ንምንታይከ ናይ ነገርካ መሊስካ እትዛረብ እቲ ግራት ንስኻን ጺባን ተማቐልዎ ኢለ እየ፡ በለ።
30. መፊቦሽት ድማ ንንጉስ፡ ጐይታይ ንጉስ ብደሓን ንቤቱ እንድሕሪ ተመልሰስ፡ ኲሉ እኳ ይውሰዶ፡ በሎ።
31. ባርዚላይ እቲ ጊልዓዳዊ ኸኣ ካብ ሮማሊም ወሪዱ፡ ኽሳዕ ስግር ዮርዳኖስ ኬሰንዮ ኢሉ፡ ምስ ንጉስ ዮርዳኖስ ተሳገረ።
32. ባርዚላይ ድማ ወዲ ሰማንያ ዓመት ኰይኑ፡ እምብዛ ሸምጊሉ ነበረ። ንሱ ኣዝዩ ሃብታም ነበረ እሞ፡ ንንጉስ ኣብ መሓናይም ከሎ ይምግቦ ነበረ።
33. ንጉስ ከኣ ንባርዚላይ፡ ንስኻ ምሳይ ተሳገር እሞ፡ ኣብ ዮሩሳሌም ምሳይ ክምግበካ እየ፡ በሎ።
34. ባርዚላይ ግና ንንጉስ በሎ፡ ምስ ንጉስ ናብ የሩሳሌም ዝድይብሲ፡ ዓመታት ህይወተይ ክንደይ እየን
35. ኣነ ሎሚ ወዲ ሰማንያ ዓመት እየ፡ ኣብ መንጎ ጽቡቕን ክፉእን ክፈሊዶ እኽእል እየ ጊልያኻ ዝበልዖ ዀነ ዝሰትዮ ጣዕሙዶ እፈልጦ እየ ገናዶ ድምጺ ዚደርፉን ዚደርፋን እሰምዕ ኣልየ ስለምንታይ ደኣ ደጊምካ ጊልያኻ ንጐይታይ ንጉስ ጾር ዝዀኖ
36. ጊልያኻ ምስ ንጉስ ቅሩብ ግዳ ንዮርዳኖስ ክሳገር። ስለምንታይከ ንጉስ እዚ ውሬታ እዚ ዚመልሰለይ
37. ኣብቲ መቓብር ኣቦይን ኣደይን ዘለዎ ኣብ ከተማይ ክመውት ጊልያኻ ኽምለስ እልምነካ ኣሎኹ። ጊልያኻ ኪምሃም ግና፡ እንሆ፡ ምስ ጐይታይ ንጉስ ይሳገር፡ ንእኡ ባህ ዝበለካ ግበሮ።
38. ንጉስ ከኣ፡ እምብኣርሲ ኪምሃም ምሳይ ይሳገር፡ ንእኡ ድማ ባህ ዜብለካ ኽገብረሉ እየ፡ ንኣኻውን ካባይ እትደልዮ ዘበለ ዂሉ ኽገብረልካ እየ፡ በለ።
39. ብዘሎ ህዝቢ ኸኣ ዮርዳኖስ ተሳገረ፡ ንጉስውን ተሳገር። ንጉስ ድማ ንባርዚላይ ስዒሙ መረቖ። ናብ ቦታኡ ድማ ተመልሰ።
40. ንጉስ ከኣ ናብ ጊልጋል ተሳገረ፡ ኪምሃምውን ምስኡ ተሳገረ። ብዘለዉ ህዝቢ ይሁዳን ፈረቓ ህዝቢ እስራኤልን ኰይኖም ከኣ ንንጉስ ኣሳገርዎ።
41. እንሆ ድማ፡ ኲሎም ሰብ እስራኤል ናብ ንጉስ መጺኦም ንንጉስ፡ እዞም ኣሕዋትና ሰብ ይሁዳ ስለምንታይ እዮም ዝሰረቑኻ ንንጉስን ንስድራኡን፡ ንዂሎም ናይ ዳዊት ሰብውን ምስኡ፡ ዮርዳኖስ ኣሳገርዎም በልዎ።
42. ኲሎም ሰብ ይሁዳ ኸኣ ንሰብ እስራኤል፡ ንጉስ ንኣና ስለ ዚቐርብ ኢና፡ ስለምንታይ ደኣ ኢኹም በዚ ነገር እዚ እትዂርዩ ካብ ንጉስዶ ገለ ብልዒ በሊዕና ኢና ወይ ገለ ህያብዶ ሂቡና እዩ ኢሎም መለሱሎም።
43. እቶም ሰብ እስራኤል ድማ ንሰብ ይሁዳ፡ ኣብ ንጉስ ዓሰርተ ኢድ ኣሎና፡ ኣብ ዳዊትውን ካባኻትኩም ዝበለጸ መሰል ኣሎና፡ ስለምንታይከ ነዐቕኩምና ንንጉስና ንምምላስ ቅድም እተዛረብናስ ንሕናዶ ኣይኰናን ኢሎም መለሱሎም። ግናኸ ካብ ዘረባ ሰብ እስራኤል ዘረባ ሰብ ይሁዳ ደኣ ረዘነ።

  2Samuel (19/24)