2Samuel (18/24)  

1. ዳዊት ድማ ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ቘጺሩ፡ ኣብ ልዕሊኦም ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ሸመሎም።
2. ዳዊት ከኣ ነቲ ህዝቢ፡ ሲሶኡ ኣብ ትሕቲ ኢድ ዮኣብ፡ ነቲ ሲሶኡ ድማ ኣብ ትሕቲ ኢድ ኣቢሻይ፡ ወዲ ጹርያ ሓዉ ዮኣብ፡ ነቲ ሲሶውን ኣብ ትሕቲ ኢድ ኢታይ ጊታዊ ገይሩ ሰደዶ። እቲ ንጉስ ድማ ነቶም ህዝቢ፡ ኣነ ኸኣ ርግጽ ምሳኻትኩም ክወጽእ እየ፡ በሎም።
3. እቶም ህዝቢ ግና፡ ንሕናስ እንተ ሀደምና፡ ብዛዕባና ኣይሐስቡን፡ ፈረቓና እንተ ሞትናውን፡ ብዛዕባና ኣይሐስቡን እዮም፡ ንስኻ ግና ክንዲ ዓሰርተ ሽሕና ኢኻ እሞ፡ ኣይትውጻእ። እምበኣርሲ ሕጂ ተዳሊኻ ኻብ ከተማ ኽትረድኣና ይሐይሽ፡ በሉ።
4. እቲ ንጉስ ከኣ፡ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእየኩም እገብር፡ በሎም። ንጉስ ድማ ኣብ ጥቓ እታ ደገ ደው በለ፡ ኲሉ ኣቲ ህዝቢ ድማ ኣ ጥቓ እታ በብሚእትታትን በብኣሽሓትን ኰይኖም ወጹ።
5. እቲ ንጉስ ከኣ ንዮኣብን ንኣቢሻይን ንኢታይን፡ ምስ እቲ ጐበዝ፡ ምስ ኣቤሰሎም፡ ስለይ ኢልኩም ብቐስታ ግበርዎ፡ ኢሉ ኣዘዞም። እቲ ንጉስ ንዂሎም ሓላቑ ብናይ ኣቤሰሎም ነገር ኪእዝዞም ከሎ፡ ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ይሰምዑ ነበሩ።
6. እቲ ህዝቢ ኸኣ ንእስራኤል ኪቃባበሎ ናብ መሮር ወጸ፡ እቲ ውግእ ድማ ኣብ ዱር ኤፍሬም ኰነ።
7. ኣብኡ ኸኣ እቶም ህዝቢ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ገላዉ ዳዊት ተሳዕሩ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ናይ ዕስራ ሽሕ ዚአክል ብርቱዕ ጥፍኣት ኰነ።
8. ኣብኡ ኸኣ እቲ ውግእ ኣብ ብዘላ እታ ምድሪ ፋሕ በለ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብቲ ሴፍ ዝወሐጦስ፡ እቲ ዱር ዝወሐጦ በዝሔ።
9. ኣቤሰሎም ድማ ንገላዉ ዳዊት ብቕድሚኦም ተጓነፎም። ኣቤሰሎም ከኣ በቕሊ ሰሪሩ ነበረ፡ እታ በቕሊ ድማ ኣብ ትሕቲ ደስዳስ ዓብዪ ድዋ አተወት፡ ርእሱ ኸኣ ኣብቲ ድዋ ተታሕዘ እሞ፡ ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ጠልጠል በለ፡ እታ ኣብ ትሕቲኡ ዝነበረት በቕሊ ድማ ሐለፈት።
10. ሓደ ሰብኣይ ድማ ርእዩ ንዮኣብ፡ እንሆ፡ ንኣቤሰሎም ኣብ ሓደ ድዋ ጠልጠል ኢሉ ርእየዮ፡ ኢሉ ነገሮ።
11. ዮኣብ ከኣ ነቲ ዝነገሮ ሰብኣይ፡ እንሆ፡፡ ርኢኻዮ ኸሎኻስ ስለምንታይ ደኣ ኣብኡ ምስ ምድሪ ዘየጣበቕካዮ∶: ዓሰርተ ሲቃል ብሩርን ሓደ ቕናትን ምሀብኩኻ ነይረ፡ በሎ።
12. እቲ ሰብኣይ ከኣ ንዮኣብ፡ ንጉስ ንኣኻን ንኣቢሻይን ንኢታይን፡ ነቲ ጐበዝ፡ ንኣቤሰሎም፡ ስለይ ኢልኩም ተጠንቀቑሉ፡ ኢሉ ኺእዝዘኩም ከሎ ንሰምዖ ኔርና ኢና እሞ፡ ሽሕ ሲቃል ብሩር ተመዚኑ ኣብ ኢደይ እንተዝቕበል እኳ፡ ናብቲ ወዲ ንጉስ ኣቢለስ ኢደይ ኣይምዘርጋሕኩን።
13. ንነፍሱ ደፊረያ ኸም ዝዀንኩ ድማ፡ ካብ ንጉስ ዚሕባእ አገርሲ የልቦን፡ ንስኻ ኸኣ ምተቓወምካኒ ኔርካ፡ በሎ።
14. ሽዑ ዮኣብ፡ ከምዚ ምሳኻ ኽድንጒ ኣይደልን፡ በለ። ሰለስተ መዝረቕ ኣብ ኢዱ ወሲዱ ድማ፡ ንሱ ገና ብህይወቱ ኣብ ድዋ ተልተል ኢሉ ከሎ፡ ናብ ልቢ ኣቤሰሎም ሸኸተን።
15. ዓሰርተ መንእሰይ፡ ጋሻ ዛግረ ዮኣብ ከኣ ንኣቤሰሎም ከበብዎ፡ ወቒዖም ድማ ቀተልዎ።
16. ዮኣብ ድማ መለኸት ነፍሔ፡ ዮኣብ አቲ ህዝቢ ኸልከሎ እሞ፡ እቲ ህዝቢ ኸኣ ካብ ምስጓጒ እስራኤል ተመልሰ።
17. ንኣቤሰሎም፡ ድማ ወሲዶም፡ ኣብቲ ኣብ ዱር ዘሎ ጒድጓድ ደርበይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ኣዝዩ ዓብዪ ኹምራ እምኒ ደርደሩሉ። ብዘለዉ እስራኤል ድማ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ሀደመ።
18. ኣቤሰሎም ድማ፡ ንመዘከርታ ስመይ ዚዀነኒ ወዲ የብለይን፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ብህይወቱ ኸሎ፡ ወሲዱ ነቲ ኣብ ለሰ ንጉስ ዘሎ ሓወልቲ ኣቘሞ። ነቲ ሓወልቲ ከኣ ብስሙ ሰመዮ፡ ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ድማ ሓወልቲ ኣቤሰሎም ይበሀል ኣሎ።
19. ኣሒማዓጽ ወዲ ጻዶቅ ድማ፡ ንንጉስስ፡ እግዚኣብሄር ካብ ኢድ ጸላእቱ በዪንሉ እዩ እሞ፡ ጐይየ ደኣ ከበስሮ፡ በለ።
20. ዮኣብ ከኣ፡ ንስኻ ሎሚ መዓልቲ ብስራት እትነግር ሰብ ኣይትኸውንን ኢኻ፡ ብኻልእ ደመዓልቲ ደኣ ተበስር፡ ወዲ ንጉስ ሞይቱ እዩ እሞ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣስ ኣይተበስርን ኢኻ፡ በሎ።
21. ዮኣብ ግና ነቲ ኩሻዊ፡ ኪድ፡ ዝርኤኻዮ ንንጉስ ንገሮ፡ በሎ። እቲ ኩሻዊ ድማ ንዮኣብ ኢድ ነሲኡስ ጐየየ።
22. ኣሒማዓጽ ወጺ ጻዶቅ ከኣ ንዮኣብ መሊሱ፡ ዝዀነ ይኹን፡ ኣነውን ደድሕሪ እቲ ኩሻዊ ኽጐዪ፡ በጃኻ፡ በሎ። ዮኣብ ከኣ፡ ወደየ፡ ናይ ብስራት ዚመጸካ ነገር ዜብልካ፡ ስለ ምንታይ እትጐዪ∶: በሎ።
23. ንሱ ድማ፡ ዝዀነ ይኹን፡ ክጐዪ ደኣ፡ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ጒየ፡ በሎ። ኣሒማዓጽ ድማ ብመገዲ ጐልጐል ጐይዩ ነቲ ኩሻዊ ቐደሞ።
24. ዳዊት ድማ ኣብ መንጎ እተን ክልተ ደገ ተቀሚጡ ነበረ። ዘብዔኛ ኸኣ ብወገን እቲ መካበብያ ኣብ ዝባን ናሕሲ እቲ ደገ ይኸይድ ነበረ። ዓይኑ ቛሕ እንተ አበለ፡ እንሆ ድማ፡ በይኑ ዚጐዪ ሰብኣይ ረአየ።
25. እቲ ዘብዔኛ ኸኣ ጸዊዑ ንንጉስ ነገሮ። ንጉስ ከኣ፡ በይኑ እንተ ዀይኑስ፡ ብስራት ኣብ ኣፉ ኣሎ፡ በለ። እናጐየየ ድማ ቐረበ።
26. እቲ ዜብዔኛ ኸኣ ካልእ ሰብኣይ ኪጐዪ ረአየ፡ ሽዑ እቲ ሰብዔኛ ነጋፋሪ ጸዊዑ፡ እንሆ፡ በይኑ ዚጐዪ ኻልእ ሰብኣይ ድማ፡ በሎ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ እዚውን ዜበስር እዩ፡ በለ።
27. እቲ ዘብዔኛ ድማ፡ ንኣይሲ ጒያ እቲ ቐዳማይ ከም ኣጓይያ ኣሒማዓጽ ወዲ ጻዶቅ መሲሉ ይርኣየኒ፡ በለ። ንጉስ ከኣ፡ ንሱስ ሕያዋይ ሰብ እዩ፡ ጽቡቕ ብስራት ዜምጽእ እዩ፡ በለ።
28. ኣሒማዓጽ ድማ ንንጉስ፡ ሰላም ኢሉ ጨደረ። ብገጹ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉ ንንጉስ ኢድ ነሲኡ ኸኣ፡ እቲ ነቶም ኣብ ጐይታይ ንጉስ ኣእዳዎም ዘልዓሉ ሰባት ኣሕሊፉ ዝሀበ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ይባረኽ፡ በለ።
29. እቲ ንጉስ ድማ፡ እቲ ጐበዝ ኣቤሰሎምከ ደሓንዶ ኣሎ∶: በለ። ኣሒማዓጽ ከኣ፡ ዮኣብ ጊልያ ንጉስን ንኣይ ጊልያኻን ኪልእከና ከሎ፡ ብዙሕ ዕግርግር ርኤኹ፡ እንታይ ከም ዝዀነ ግና ኣይፈለጥኩን፡ በለ።
30. እቲ ንጉስ ከኣ፡ ኣግሊስካ ኣብኡ ደውን በል፡ በሎ ኣግዝሊሱ ድማ ደው በለ።
31. እንሆ ኸኣ፡ እቲ ኩሻዊ መጸ። እቲ ኩሻዊ ድማ፡ ካብ ኢድ እቶም ዝተንስኡኻ ዂሎም እግዚኣብሄር ሎሚ በዪኑልካ እዩ እሞ፡ ንጐይታይ ንጉስ ብስራት፡ በለ።
32. እቲ ንጉስ ከኣ ነቲ ኩሻዊ። እቲ ጐበዝ ኣቤሰሎምከ ደሓንዶ ኣሎ∶: በሎ። እቲ ኩሻዊ ኸኣ፡ ጸላእቲ ጐይታይ ንጉስን ንኽፉእካ ዚትንስኡ ዂሎምን ከምቲ መንእሰይ ይኹኑ፡ በለ።
33. ሽዑ ንጉስ ኣዝዩ ሕንቕንቕ በለ፡ ኣብ ልዕሊ ደገ ናብ ዘሎ ደርቢ ደዪቡ በኸየ። እናኸደ ኸኣ ከምዚ በለ፡ ወደይ ኣቤሰሎም፡ ወደይ፡ ወደይ ኣቤሰሎም፡ ኣብ ክንዳኻ ሞይተ እንተ ዝኸውን መን ምሀበኒ፡ ወደይ ኣቤሰሎም፡ ወደይ።

  2Samuel (18/24)